እብራውያን 10:1-39
10 ሕጊ፡ ጽላሎት+ እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት ዘለዎ እምበር፡+ እቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ስለ ዘይኰነ፡ በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስዋእ ሕደ መስዋእትታት ገይሩ፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብር ከቶ ኣይክእልን እዩ።*+
2 እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ዜገልግሉ* ሓንሳእ ብምንጻሆም ደጊም ኣብ ሕልናኦም ሓጢኣት ስለ ዘይስምዖም፡ ምስዋእዶ ኣይምሓደግዎን ነይሮም፧
3 እኳ ደኣስ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብ ዓዓመት መዘከርታ ሓጢኣት እዩ፣+
4 ከመይሲ፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ።
5 ስለዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ፡ ከምዚ ይብል እዩ፦ “‘ሰብነት ደኣ ኢኻ ኣዳሊኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን።
6 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ባህ ኣይበለካን።’+
7 ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ‘እነኹ፡ መጺአ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ’ ኢለ።”+
8 ቅድም፡ “መስዋእትን መባእን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይደለኻን፡ ባህ እውን ኣይበለካን” ድሕሪ ምባሉ፡—እዚ ኸኣ ከምቲ ሕጊ ጌርካ ዚቐርብ መስዋእቲ እዩ፡—
9 ድሕሪኡ፡ “እነኹ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ” ይብል እዩ።+ ነቲ ኻልኣይ ምእንቲ ኺስርት ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ስዒርዎ እዩ።
10 በዚ “ፍቓድ” እዚ፡+ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና።+
11 ካህን ዘበለ መዓልቲ መዓልቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኬቕርብን*+ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቕ ከቶ ዘይክእል+ ሕደ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ ኬቕርብን+ ይቐውም እዩ።
12 እዚ ግና ምእንቲ ሓጢኣት ንሓዋሩ ሓደ መስዋእቲ ኣቕሪቡስ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ እዩ፣+
13 ካብኡ ኣትሒዙ ጸላእቱ ድኳ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ይጽበ ኣሎ።+
14 ከመይሲ፡ ነቶም ዚቕደሱ ብሓደ መስዋእቲ እዩ ንሓዋሩ ፍጹማት ዝገበሮም።+
15 መንፈስ ቅዱስ እውን ይምስክረልና ኣሎ፣ ከመይሲ፡
16 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከእትዎ፡ ኣብ ኣእምሮኦም እውን ክጽሕፎ እየ’” ምስ በለ፡+
17 “ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ይብል እዩ።+
18 እምበኣር፡ ኣብቲ ሕድገት ሓጢኣት ዘለዎ፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት መስዋእቲ የልቦን።
19 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ብደም የሱስ ናብታ መቕደስ+ ንምእታው ትብዓት* ካብ ሃለወና፡—
20 እዚ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡+ ማለት ብስጋኡ ዝመረቐልና ሓድሽን ህያውን መገዲ እዩ፡—
21 ኣብ ቤት ኣምላኽ+ እውን ዓብዪ ኻህን ካብ ሃለወና፡
22 ልብና ኻብ ክፉእ ሕልና ብምንጻግ ነጺሁ፡+ ሰብነትና እውን ብጽሩይ ማይ ተሓጺቡ፡+ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ንቕረብ።
23 እቲ ዘተስፈወና እሙን እዩ እሞ፡ ነቲ ምእማን ተስፋና ብዘይ ውልውል ኣጽኒዕና ንሓዞ።+
24 ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ* ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።*+
25 ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡+ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።+ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።+
26 ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልናስ፡+ ፈቲና ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን፣+
27 የግዳስ፡ ዜፍርህ ትጽቢት ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ ዚበልዕ ዚነድድ ቍጥዓን እዩ ዘሎ።+
28 ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ፡ ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ፡ ብዘይ ርሕራሐ እዩ ዚመውት።+
29 ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን+ ከኣ ከም ተራ ዝቘጸረ፡ ንመንፈስ ጸጋ እውን ብንዕቀት ዘቘጥዐ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ መቕጻዕቲ ዘይግብኦ ይመስለኩም፧+
30 ነቲ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ደጊሙ ኸኣ፡ “የሆዋ* ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ” ዝበለስ ንፈልጦ ኢና።+
31 ኣብ ኢድ እቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ፡ ዜፍርህ እዩ።
32 ነተን ብርሃን ምስ በርሃልኩም፡+ ብርቱዕ ቃልስን መከራን እተጻወርኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ግና ዘክርወን።
33 ኣብ ገሊኡ እዋን ንጸርፍን ንጸበባን ተቓሊዕኩም* ኔርኩም ኢኹም፣ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ መማቕልቲ* እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዝበጽሖም ኴንኩም ኢኹም።
34 ዚሓይሽን ዚነብርን ገንዘብ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡+ ነቶም እሱራት ደንጊጽኩምሎም፡ ንምዝማት ንብረትኩም ድማ ብሓጐስ ተቐቢልኩምዎ ኢኹም።+
35 እምበኣር፡ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ናይ ምዝራብ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ።+
36 ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ።+
37 ከመይሲ፡ ድሕሪ “ኣዝዩ ቝሩብ ግዜ፡”+ “እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።”+
38 “ጻድቐይ ግና ብእምነት ይነብር፡”+ ድማ “እንተ ኣድሓርሒሩ፡ ኣነ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”*+
39 ንሕናስ ምስቶም ህይወቶም* ንምድሓን ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ዜድሓርሕሩ ኣይኰንናን።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሰባት በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስውእዎ ሕደ መስዋእትታት ገይሮም፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብርዎም ከቶ ኣይክእሉን እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
^ ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪህብን።”
^ ወይ፡ “እምንቶ።”
^ ወይ፡ “ንምድራኽ፣ ንምልዕዓል።”
^ ወይ፡ “ንሓድሕድና ንተሓላለ፣ ኣብ ንሓድሕድና ነቕልብ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከም ኣብ ምርኢት ተቓሊዕኩም።”
^ ወይ፡ “ኣብ ጐድኒ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”