ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀባት መክሲኮ ነቲ ብስራት ሰሚዖምዎ

ደቀባት መክሲኮ ነቲ ብስራት ሰሚዖምዎ

ደቀባት መክሲኮ ነቲ ብስራት ሰሚዖምዎ

ብ10 ሕዳር 2002 ኣብ ከትሳልተፐክ: ሳን ሚገል: ደቀባት መክሲኮ ዝዀኑ ሚኸ ተኣኪቦም ነይሮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብቲ ማራኺ ዝዀነ ደቡባዊ ግዝኣት ዋኻካ እያ እትርከብ። እዞም ተኣከብቲ እዚኣቶም ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባ እዮም ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ናይ ቅድሚ ቐትሪ መደብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ቐሪባ ነይራ።

እቶም ተኣከብቲ ነተን ናይ መጀመርታ ቓላት ናይታ ድራማ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተደነቑ። ገሊኦም ብጣቕዒት: ገሊኦም ከኣ ብንብዓት ሓጐሶም ገለጹ። እታ ድራማ ብቛንቋ ሚኸ እያ ቐሪባ ነይራ። ምስ ተወደአ መብዛሕትኦም ነቲ ዝረኸብዎ ዘይተሓስበ በረኸት ዓሚቝ ሞሳ እዮም ኣርእዮም። ሓንቲ ሰበይቲ “ኣብ ምሉእ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ድራማ ተረዲኡኒ: ልበይውን ተተንኪፉ” በለት። ካልእ ሰበይቲ ድማ “የሆዋ ብቛንቋይ ድራማ ኽሰምዕ ስለ ዘኽኣለኒ ድሕሪ ደጊም እንተ ሞትኩ ኣየጣዕሰንን እዩ” በለት።

እዚ ብቛንቋ ሚኸ እተዳለወ ድራማ ሓደ ኻብቲ ፍረ ጻዕሪ እቶም ኣብ መክሲኮ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ፣ ከመይሲ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንደቀባት መክሲኮ ንኺበጽሖም ብዙሕ እዮም ጽዒሮም።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

የሆዋ ነቲ ጸሎቶም ሰምዖ

ኣብ መክሲኮ ብርእሶም ሓደ ህዝቢ ኬቝሙ ዚኽእሉ 62 እተፈላለየ ቛንቋታትን ዓሌታትን ዚርከብዎም ልዕሊ 6,000,000 ዚዀኑ ደቀባት ኣለው። ካብተን 62 ቋንቋታት እተን 15 ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 100,000 ዚዀኑ ተዛረብቲ ኣለዉወን። ካብ 1,000,000 ዚበዝሑ ደቀባት ነቲ ወግዓዊ ቛንቋ ዝዀነ ስጳንኛ ኣይዛረቡን እዮም። እቶም ስጳንኛ ዚዛረቡ እውን እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኪመሃሩ ይቐሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:6፣ 22:2) ገሊኦም ነቲ ቛንቋ ዘይመልክዎ እኳ እንተ ነበሩ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምግባርን ናብ ኣኼባታት ካብ ምኻድን ግን ኣየብኰሩን። ስለዚ ድማ መልእኽቲ ሓቂ ብቛንቋኦም ምእንቲ ኺረኽቡ ወርትግ ይጽልዩ ነበሩ።

ብ1999 ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብቛንቋታት እቶም ደቀባት ኪግበር ምድላዋት ገበረ። ጽሑፋት ዚትርጕም ጕጅለ እውን ኣዳለወ። ብ2000 ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ እትቐርብ ድራማ ብቛንቋ ማያ: ደሓር ድማ ብኻልኦት ቛንቋታት ተዳለወት።

እቲ ዚቕጽል ስጕምቲ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትርጓም እዩ ነይሩ። ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ! ዘርእስታ ብሮሹር ብቛንቋታት ማሳቴኮ: ማያ: ትሰልታል: ትሶትሲል: ቶቶናክ: ዋቨ ተተርጐመት። ተወሳኺ ጽሑፋት እውን ተተርጐመ: ብቛንቋ ማያ ኸኣ ምሉእ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺትርጐም ጀመረ። ገሊኡ ጽሑፋት እውን ኣብ ኣውድዮ ካሴታት ተቐሪጹ እዩ። ነቶም ደቀባት ምጽሓፍን ምንባብን ንምምሃር ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲንግ ኤንድ ራይቲን ዘርእስታ ብሮሹር ምስቲ ቛንቋታት ኣሰማሚዖም ይጥቀሙላ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብ15 ቛንቋታት ደቀባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ተሓቲሙ ኣሎ: ዝያዳ ጽሑፋትውን ይትርጐም ኣሎ።

“ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ዚገብሩ”

እቲ ዕዮ ትርጕም ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ብቛንቋ ደቀባት መክሲኮ እተዳለወ ብዙሕ ዓለማዊ ጽሑፋት የልቦን። መዝገበ-ቓላት ምርካብ እውን ካልእ ጸገም እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ገሊኡ ቛንቋታት ብዙሕ ላህጃታት ኣለዎ። ንኣብነት: ቛንቋ ሳፖተክ ጥራይ ብውሕዱ ሓሙሽተ ላህጃታት ኣለዎ። እቲ ላህጃታት ሰፊሕ ፍልልይ ስለ ዘለዎ ኸኣ ካብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዚመጹ ተዛረብቲ ሳፖተክ ንሓድሕዶም ኣይረዳድኡን እዮም።

ብተወሳኺ: ቅቡል ናይ ቋንቋ ስርዓት ስለ ዘይነበረ: እቶም ተርጐምቲ ናይ ባዕሎም ስርዓታት ኬውጽኡ ነይርዎም። ነዚ ንምፍጻም ድማ ብዙሕ ምርምር ኪገብሩን ሓበሬታታት ንምርካብ ኪውከሱን ነበሮም። ኣብ መጀመርታ መብዛሕትኦም ልክዕ ከምቲ ንኢልዳ እተሰመዓ እዩ ተሰሚዕዎም። ተዘክሮኣ ኸምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ናብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺአ ኣብ ዕዮ ትርጕም ክሰርሕ ጻውዒት ምስ ቀረበለይ: በቲ ሓደ ኽሕጐስ ከለኹ: በቲ ሓደ ግን ተሻቒለ ነይረ።”

እቶም ተርጐምቲ ኮምፒዩተር: ብመደብ ምዕያይ: ከምኡውን ንትርጕም ዚሕግዝ ሜላታት ተማሂሮም እዮም። ሓቂ እዩ: እቲ ስራሕ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኸመይ ተሰመዖም፧ ኣባል ጕጅለ ቛንቋ ማያ ዝዀነት ግሎሪያ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናብቲ ቛንቋና ዝዀነ ማያ ኣብ ምትርጓም ምክፋልና: እዚ ዘይበሃል ሓጐስ እዩ ኣምጺኡልና” በለት። ሓደ ናይ ክፍሊ ትርጕም ተዓዛቢ ብዛዕባ እቶም ተርጐምቲ ርእይቶኡ ኺገልጽ ከሎ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብቛንቋኦም ኪረኽቡ ብርቱዕ ባህጊ ስለ ዘለዎም ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ዚገብሩ” በለ። በዚኸ ተኻሒሶምዶ፧

“የሆዋ አመስግነካ!”

የሆዋ ነቲ ስራሕ ከም ዝባረኾ ርዱእ እዩ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ክርስትያናዊ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ወሲኹ እዩ። ንኣብነት: ብ2001 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ነቶም 223 መሰኻኽር ሓዊስካ ብድምሩ 1,674 ተዛረብቲ ቛንቋ ሚኸ ተኣኪቦም። እዚ ኸኣ ምስ ቍጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ ኺነጻጸር ከሎ ሸውዓተን ፈረቓን ግዜ እዩ!

ሕጂ ቓል ሓቂ ዚቕበሉ ሰባት ካብ ፈለማኡ ብግቡእ እዩ ዚርድኦም ዘሎ። ሚርና ኣኼባታት ብቛንቋ ማያ ምግባር ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ እዋን ክትዝክር ከላ “ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርኩሉ ሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሐ እየ ተጠሚቐ። ክጥመቕ ከም ዚግባኣኒ ጥራይ እየ ዝፈልጥ እምበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብግቡእ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ምኽንያቱ ቛንቋይ ማያ እዩ: ስጳንኛ ኸኣ ኣጸቢቑ ኣይርድኣንን እዩ። ሓቂ ብግቡእ ንኺርዳኣኒ ግዜ ወሲዱለይ እዩ” በለት። ሎሚ: ንሳን ሰብኣያን ኣብ ጕጅለ ትርጕም ቋንቋ ማያ እዮም ዜገልግሉ ዘለዉ።

ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ብቛንቋኦም ጽሑፋት ምርካቦም ኣሐጒስዎም እዩ። ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ! ዘርእስታ ብሮሹር ብቛንቋ ትሶትሲል ከም እተተርጐመት ምስ ተነግረ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ዝጀመረት ሓንቲ ሰበይቲ ነታ ብሮሹር ሕቑፍ ኣቢላ “የሆዋ አመስግነካ!” በለት። ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፎም ህይወቶም ይውፍዩ: ዛሕቲሎም ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ንጡፋት ይዀኑ: ብዙሓት ኣሕዋት ከኣ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኪቕበሉ ብቕዓት የጥርዩ ኣለዉ። ገለ ሰብ ቤት ነቲ ብቛንቋኦም እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ወሲዶም ንኼንብቡ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኣለዉ።

ሓንቲ ሓብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ናብ እንዳ ተማሃሪታ ኸደት። ብዓል ቤት እታ ተማሃሪታ ነቲ ማዕጾ ኸፈተላ። ብዓልቲ ቤቱ ኸም ዘየላ ምስ ነገራ: እታ ሓብቲ ኻብ ሓንቲ ብሮሹር ገለ ሓሳባት ከተንብበሉ ሓተተቶ። እሱ ግን “ኣይደልን እየ” ኢሉ መለሰላ። ሽዑ እታ ሓብቲ ብቛንቋ ቶቶናክ ገይራ እታ ብሮሹር ብቛንቋኦም እተዳለወት ከም ዝዀነት ነገረቶ። እዚ ምስ ሰምዐ እቲ ሰብኣይ ኮፍ መበሊ ጐቲቱ ኾፍ በለ። ከተንብበሉ ኸላ ኸኣ ኣብ መንጎ “ሓቂ እዩ። ብርግጽ: ሓቂ እዩ” ይብል ነበረ። ሕጂ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከብ ኣሎ።

ኣብ ዮካታን ዚነብር ሰብኣይ ሓንቲ ሓብቲ ንሓቂ ይጻረር: ንዓኣ ድማ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ኣኼባታት ምስ ተመልሰት ይወቕዓ ነበረ። ኣኼባታት ብቛንቋ ማያ ኺግበር ምስ ተጀመረ ብሓንሳብ ኪኸዱ ዓደመቶ። ናብ ኣኼባ ኸደ: በቲ ኣኼባ ድማ ናይ ብሓቂ ተሓጐሰ። ካብኡ ንነጀው ካብ ኣኼባታት ኣይተርፍን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ይግበረሉ: ንብዓልቲ ቤቱ ምውቃዕ እውን ገዲፍዎ።

ተዛራቢ ቛንቋ ቶቶናክ ዝዀነ ሓደ ኻልእ ሰብኣይ: ሓደ ኻህን ካቶሊክ ኣምላኽ ብስጳንኛ ንዚቐርብ ጸሎት ጥራይ እዩ ዚሰምዕ ስለ ዝበሎ: ናብ ኣምላኽ ፈጺሙ ጸልዩ ኸም ዘይፈልጥ ንኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነገረን። ካብዚ ተላዒሉ ድማ ንተዛረብቲ ቛንቋ ቶቶናክ ንኺጽልየሎም ነቲ ኻህን ገንዘብ ይኸፍሎ ነይሩ። እተን ኣሓት ኣምላኽ ብዝዀነ ቛንቋ ንዚቐርብ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ነገራኦ እሞ ብድሕሪኡ ብቛንቋ ቶቶናክ እተዳለወት ብሮሹር ምስ ሃባኦ ተሓጒሱ ወሰዳ።—2 ዜና 6:32, 33፣ መዝሙር 65:2

“ኳልትሲን ታኽቶኣ”

በቲ እተረኽበ ምዕባለታት ስለ እተሓጐሱ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነቲ ቛንቋ ደቀባት ንኺማሃሩ ወይ ከኣ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዚፈልጥዎ ቛንቋ ንኼመሓይሹ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣብ ሰሜናዊ ፕዌብላ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ንሓሙሽተ ጉባኤታት ተዛረብቲ ቛንቋ ናዋትል ዜገልግል ሓው ተመሳሳሊ ነገር እዩ ገይሩ። ንሱ ብዛዕባ እዚ ኼዘንቱ ኸሎ “ኣብ ኣኼባታት ትኽስ ዚብሉ ዝነበሩ ቘልዑ ሕጂ ብቛንቋ ናዋትል ዝርርብ ክህብ ከለኹ ጽን ኢሎም እዮም ዚሰምዑኒ። ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ተወደአ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ናባይ መጺኡ ‘ኳልትሲን ታኽቶኣ’ (ጽቡቕ ኢኻ እትዛረብ) በለኒ። ሽዑ እቲ ዝገብሮ ጻዕሪ: ጻማ ኸም ዘለዎ ተፈለጠኒ” በለ።

እወ: እዚ ግራት ናይ ደቀባት ቋንቋ እዚ ብርግጽ ‘ንዓጺድ ጻዕድዩ’ እዩ ዘሎ። (ዮሃንስ 4:35) እቶም ኣብኡ ዚዓዩ ድማ ተተባቢዖም እዮም። ጕጅለታት ትርጕም ዜተሓባብር ዝነበረ ሮበርቶ ኸምዚ ይብል:- “ኣሕዋትን ኣሓትን ቃል ሓቂ ብቛንቋኦም ሰሚዖም ኪርድኦም ከሎ እሞ ብታሕጓስ ከኣ ኣዒንቶም ብንብዓት ጀረብረብ ኪብል ምርኣይ ፈጺሙ ዘይርሳዕ እዩ። ብዛዕባኡ ኽሓስብ ከለኹ ድማ ሕንቕንቕ እየ ዝብል።” ብዘይ ጥርጥር: ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ብወገን መንግስቲ ኣምላኽ ኪቘሙ ምድጋፍ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ።—ምሳሌ 27:11

[ኣብ ገጽ 10,11 ዘሎ ሳጹን]

ንገለ ኻብቶም ተርጐምቲ ተፋለጦም

● “ወለደይ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም እዮም ሓቂ ምሂሮምኒ። እቲ ዜሕዝን ግን ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣቦይ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ረሓቐ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ ኣዴና ጠንጢናትና ኸደት። በዅሪ እቶም ሓሙሽተ ውሉዳት ስለ ዝነበርኩ: ትምህርተይ እናተመሃርኩ ነሕዋተይን ኣሓተይን ከም ኣደ ዀይነ ኸዕቢ ነይሩኒ።

“እቶም ብመንፈስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቕራዊ ደገፎም እኳ እንተ ሃቡና: ናብራ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ‘ስለምንታይ እዩ ንዓይ እዚ ዜጋጥመኒ ዘሎ፧ ኣነ እኮ ገና ንእሽቶ እየ!’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ እየ ኽሓልፎ ኽኢለ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ምዃነይ ዓብዪ ሓገዝ እዩ ዀይኑኒ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ጕጅለ ትርጕም ቋንቋ ናዋትል ክሰርሕ ተጸዋዕኩ።

“ሕጂ: ኣቦይ ናብ ሓቂ ተመሊሱ: ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከኣ ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ። እምንቲ ዀይነ ብምጽናሐይ: የሆዋ ንስድራቤተይ ባሪኹለይ እዩ።”—ኣሊስያ

● “ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር መማህርተይ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝርርብ ሃበት። ሽዑ ኣብቲ ኽፍሊ ስለ ዘይነበርኩን ኣብ ፈተና ኻብኡ ሕቶ እንተ መጺኡ ምምላሱ ኸይከብደኒ ስለ ዝፈራህኩን: ከይደ ብዛዕባ እቲ ዝሃበቶ ዝርርብ ከተረድኣኒ ሓተትኩዋ። ሰባት ንምንታይ ከም ዝሞቱ ዅሉ ሳዕ እዩ ዘጨንቐኒ ነይሩ። ክርኤሽን ዘርእስታ መጸሓፍ a ሃበትኒ እሞ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመርኩ። ዕላማን ፍቕርን ፈጣሪ ድማ ንልበይ ተንከፈኒ።

“ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ: መምህር ቋንቋታት ስጳንኛን ትሶትሲልን ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ይኹን እምበር: ናብ ርሑቕ ቦታ ኽግዕዝ: ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽመሃር: ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ከብኵር ነይሩኒ። ስለዚ: ንዕኡ ገዲፈ ነዳቓይ ኰይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ። እቲ ኣማኒ ዘይነበረ ኣቦይ ነዚ ውሳነይ ኣይተሓጐሰሉን። ናይ ምሉእ ጊዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትሶትሲል ዚትርጕም ጕጅለ ተዳለወ። ኣብኡ ኽሰርሕ ድማ ድራኸ ሓደረኒ።

“ኣሕዋትን ኣሓትን ጽሑፋት ብቛንቋኦም ኪረኽቡ ኸለው ዚስምዖም ሓጐስን ክብርን ምርኣይ ብዙሕ እዩ ባህ ዜብል። ኣብዚ ስራሕ እዚ ብምምዳበይ ከም እተባረኽኩ እዩ ዚስመዓኒ”።—ኡምበርቶ

● “ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ ኣዴና ገዲፋትና ኸደት። ጐርዞ ኸለኹ ድማ ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ጀመረ። ሓንቲ ሓብቲ ንመንእሰያት ዚኸውን ምኽሪ ዘጣመረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር ምስ ሓተተትኒ: ኣደ ዘይብላ ጐርዞ ስለ ዝነበርኩ እዚ ናይ ብሓቂ ኸም ዘድልየኒ እዩ ተሰሚዑኒ። ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ ተጠመቕኩ።

“ብ1999 ኣቦይ መሬቱ ኺወስዱ ብዚደልዩ ዝነበሩ ሕሱማት ሰባት ተቐትለ። በዚ ኣዝየ ተደቘስኩ። ከቢድ ጭንቀት ስለ ዝሓደረኒ ብህይወት እቕጽል ኢለ ኣይሓሰብኩን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንኼበርታዓኒ እጽልይ ነበርኩ። ሓደ ገያሺ ተዓዛብን ብዓልቲ ቤቱን ብዙሕ እዮም ኣተባቢዖሙኒ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ስርዓታዊት ፓይነር ኰንኩ።

“ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገለ ሰባት ዋላ እኳ እቲ ብስጳንኛ ዚግበር ኣኼባ ዘይርድኦም እንተ ነበረ: ነታ ን20 ደቓይቕ ብቛንቋ ቶቶናክ እትቐርብ ዝርርብ ንኺሰምዑ ጥራይ ንሽዱሽተ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ከም ዚመጹ ረኣኹ። ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንምትርጓም ኪሕግዝ ምስ ተጸዋዕኩ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።

“ነቦይ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምግልጋል ድሌት ከም ዘሎኒ ዅሉ ሳዕ እነግሮ ነይረ። ንሱ ግን ንጽል መንእሰይ ስለ ዝዀንኩ እዚ ቐሊል ከም ዘይኰነ ይነግረኒ ነይሩ። ብትንሳኤ ምስ ተራኸብና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብ ቋንቋና እትርጕም ከም ዝነበርኩ ምስ ዚፈልጥ ክንደይ ኰን ብሓጐስ ፍንጭሕ ኪብል እዩ!”—ኢዲት

[እግረ-ጽሑፍ]

a ላይፍ-ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክርኤሽን፧ ብ1985 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እያ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ጕጅለ ትርጕም ትሶትሲል ብዛዕባ ሓንቲ ንምትርጓም እተሸግር ቃል ኪመያየጡ ኸለዉ