ማቴዎስ 28:1-20
28 ድሕሪ ሰንበት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ኪወግሕ ከሎ፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ነቲ መቓብር ኪርእያ መጻ።+
2 እንሆ ድማ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ መልኣኽ የሆዋስ* ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ መጺኡ ነቲ እምኒ ኣንከባሊልዎ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐሚጡ ነበረ።+
3 ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም ውርጪ ነበረ።+
4 እቶም ሓለውቲ ንዕኡ ፈሪሆም፡ ራዕራዕ በሉ፡ ከም ምዉታት እውን ኰኑ።
5 እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያኦ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።+
6 ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ፡+ ኣብዚ የሎን። ነታ ተነቢሩላ ዝነበረ ቦታ ንዕነ ርኣያኣ።
7 ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም፣ እንሆ ድማ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ።+ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።+
8 ካብቲ መቓብር ብፍርህን ብዓብዪ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ድማ ጐየያ።+
9 እንሆ ድማ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ “ሰላም!” ከኣ በለን። ንሳተን ድማ ቀሪበን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።*
10 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን።
11 ኪኸዳ ኸለዋ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ሓለውቲ+ ናብ ከተማ ኣትዮም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም።
12 ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ምስ ተማኸሩ ኸኣ፡ ነቶም ወተሃደራት ብዙሕ ብሩር ሂቦም፡
13 “‘ደቂስና ኸለና፡ ብለይቲ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ።+
14 እዚ ናብ እዝኒ እቲ ሹም እንተ በጺሑ ኸኣ፡ ንሕና ኸነረድኦ* ኢና እሞ፡ በዚ ኣይትጨነቑ” በልዎም።
15 ነቲ ብሩር ወሲዶም ከኣ፡ ከምቲ ዝበልዎም ገበሩ፣ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ።
16 እቶም 11 ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ናብቲ የሱስ ኪራኸቡሉ ዝበሎም+ ኣብ ገሊላ+ ዚርከብ ከረን ከዱ፣
17 ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ሰገዱሉ፣* ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ።
18 የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።+
19 ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም+ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣+
20 ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።+ እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት* ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”+