1 ቈረንቶስ 4:1-21
4 ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም ኣመሓደርቲ ቕዱስ ምስጢራት ኣምላኽን ይቝጸረና።+
2 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።
3 ንዓይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብሰብኣዊ ቤት ፍርዲ እንተ ተመርመርኩ፡ ግዲ የብለይን። ኣነ እኳ ንርእሰይ ኣይምርምራን እየ።
4 ከመይሲ፡ ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ። ግናኸ፡ ጻድቕ ምዃነይ በዚ ኣይኰነን ዚረጋገጽ፣ እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ* እዩ።+
5 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ግዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ፣+ ሽዑ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።+
6 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እናኣበላለጽኩም ብትዕቢት ምእንቲ ኸይትንፍሑ፡+ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ዚብል ስርዓት ካባና ኽትመሃሩ፡ እዚ ነገር እዚ ምእንታኹም ኢለ ኣባይን ኣብ ኣጵሎስን አውዕሎ ኣለኹ።+
7 ስለምንታይሲ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧+ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧
8 ድሮዶ ጸጊብኩም፧ ድሮዶ ሃብቲምኩም፧ ብዘይካናዶ ነጊስኩም፧+ ንሕና እውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።+
9 ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንናስ፡+ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ።+
10 ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፣+ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ኣስተውዓልቲ ኢኹም፣ ንሕና ድኹማት፡ ንስኻትኩም ግና ብርቱዓት ኢኹም፣ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።
11 ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን+ ንጸምእን+ ንዓርቕን ንውቃዕን+ ኣለና፡ መሕደሪ እውን የብልናን፣
12 ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና።+ እናጸረፉና ንምርቕ፣+ እናሰጐጉና ብትዕግስቲ ንጻወር፣+
13 እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ፣*+ ጐሓፍ ዓለምን ጐዱፍ ኵሉን ኴንና ኣለና።
14 ከሕፍረኩም ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑራት ደቀይ ክምዕደኩም ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።
15 ከመይሲ፡ ብክርስቶስ እልፊ መጕዚታት* እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ በቲ ብስራት ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን።+
16 ስለዚ፡ ንዓይ ምሰሉ ኢለ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+
17 በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ዝሰድደልኩም ዘለኹ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ* ኬዘኻኽረኩም እዩ።+
18 ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎምሲ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ኣለዉ።
19 የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ ግና፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣ ሽዑ፡ ዘረባ እቶም ብትዕቢት እተነፍሑ ዘይኰነስ፡ ሓይሎም ክፈልጥ እየ።
20 ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን።
21 እንታይ ይሕሸኩም፧ ብበትሪዶ+ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ልእመትን ክመጸኩም፧

