ኢሳይያስ 53:1-12
53 በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧+
ቅልጽም የሆዋኸ+ ንመን ተገሊጹ፧+
2 ኣብ ቅድሚኡ* ኸም ውልዶ፡+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ኣጻምእ ዚወጽእ ሱር ኪበቍል እዩ።
ምዕሩግ መልክዕ ኰነ ግርማ የብሉን።+
ምስ ረኣናዮ ኸኣ፡ ትርኢቱ ናብኡ ኣይሰሓበናን።*
3 ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን፡+ንስቓይ እተባህለን* ሕማም ዚፈልጥን ሰብ እዩ ነይሩ።
ገጹ ኻባና ኸም እተሓብአ* ነይሩ።
ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን።+
4 ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾይርዎ፣+ንስቓይና ኸኣ ተሰኪምዎ።+
ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ።
5 ንሱ ግና ምእንቲ ኣበሳና+ ተወጊኡ፣+ምእንቲ ስሕተትና ተጨፍሊቑ።+
ምእንቲ ሰላምና፡ መቕጻዕቲ ጾይሩ፣+ሳላ ቝስሉ እውን ንሕና ሓዊና።+
6 ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ኰለል ኢልና፣+ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ኣቢሉ፣የሆዋ ኸኣ ስሕተት ኵላትና ኣብኡ ኣውዲቕዎ።+
7 ተጨቊኑ፡+ መከራ ኺጸግብ ፈቒዱ፣+ግናኸ፡ ኣፉ ኣይከፈተን።
ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣+ኣብ ቅድሚ ቐምቀምታ ስቕ ከም እትብል በጊዕ ኰይኑ፣ኣፉ እውን ኣይከፈተን።+
8 ብምኽንያት ግትኣትን* ፍርድን ተወሲዱ፣ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘሪጹ* እዩ እሞ፡+ንናይ ወለዶኡ ዝርዝርከ* መን ኪሓስቦ እዩ፧
ብምኽንያት ኣበሳ ህዝበይ ተወቒዑ።*+
9 ጌጋ* ዘይገበረ፡ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ዘይተረኽቦ ኽነሱስ፡+ምስ እኩያት መቓብር ተዋሂብዎ፣*+ብሞቱ ድማ ምስ ሃብታማት* ኰይኑ።+
10 የሆዋ ግና ኪጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ፣* ኪሓምም እውን ሓዲግዎ።
ንህይወቱ* መስዋእቲ በደል ጌርካ እንተ ኣቕሪብካያ፡+ዘርኡ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኸኣ ኬንውሕ፡+ብእኡ እውን ደስታ* የሆዋ ኺሰልጥ እዩ።+
11 ብምኽንያት ስቓዩ፡* ኪርእን ኪዓግብን እዩ።
እቲ ጻድቕ ጊልያይ ብፍልጠቱ+ንብዙሓት ኬጽድቕ እዩ፣+ስሕተቶም ከኣ ኪጸውር እዩ።+
12 ስለዚ፡ ህይወቱ* ንሞት ወፍይዋ፡+ምስ ኣበስቲ ድማ ተቘጺሩ እዩ እሞ፡+ኣብ መንጎ ብዙሓት፡ ግዲኡ ኽምድበሉ እየ፣ምስ ብርቱዓት ከኣ ምርኮ ኺማቐል እዩ፣ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ፣+ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “በቲ ዝሰማዕናዮ” ኪኸውን ይኽእል።
^ “ኣብ ቅድሚኡ፡” ማለት፡ ኣብ ቅድሚ ተዓዛቢ ብሓፈሻ ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
^ ወይ፡ “ዜብህገና ፍሉይ ትርኢት ኣይነበሮን።”
^ ወይ፡ “ስቓይ ዚርዳእን።”
^ ወይ፡ “ሰባት ገጾም ካብኡ ኸም ዚመልሱ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ተቐቲሉ።”
^ ወይ፡ “ኣነባብራኡኸ።”
^ ወይ፡ “ጭቈናን።”
^ ወይ፡ “ተመንቊሱ።”
^ ወይ፡ “ዓመጻ።”
^ ወይ፡ “ሓደ ሰብ መቓብሩ ኺህብ እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሃብታም።”
^ ወይ፡ “ደስ ኢልዎ፣ ፈትዩ።”
^ ወይ፡ “ፍቓድ፣ ፍታው።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ብምኽንያት ጸበባ ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”