ኢሳይያስ 53:1-12

  • መከራን ሞትን ኣቀባብራን ጊልያ የሆዋ (1-12)

    • ንዑቕን እተጐስየን (3)

    • ሕማምናን ስቓይናን ጾረ (4)

    • “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ” (7)

    • ሓጢኣት ብዙሓት ተሰከመ (12)

53  በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧+ ቅልጽም የሆዋኸ+ ንመን ተገሊጹ፧+  2  ኣብ ቅድሚኡ* ኸም ውልዶ፡+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ኣጻምእ ዚወጽእ ሱር ኪበቍል እዩ። ምዕሩግ መልክዕ ኰነ ግርማ የብሉን።+ ምስ ረኣናዮ ኸኣ፡ ትርኢቱ ናብኡ ኣይሰሓበናን።*  3  ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን፡+ንስቓይ እተባህለን* ሕማም ዚፈልጥን ሰብ እዩ ነይሩ። ገጹ ኻባና ኸም እተሓብአ* ነይሩ። ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን።+  4  ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾይርዎ፣+ንስቓይና ኸኣ ተሰኪምዎ።+ ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ።  5  ንሱ ግና ምእንቲ ኣበሳና+ ተወጊኡ፣+ምእንቲ ስሕተትና ተጨፍሊቑ።+ ምእንቲ ሰላምና፡ መቕጻዕቲ ጾይሩ፣+ሳላ ቝስሉ እውን ንሕና ሓዊና።+  6  ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ኰለል ኢልና፣+ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ኣቢሉ፣የሆዋ ኸኣ ስሕተት ኵላትና ኣብኡ ኣውዲቕዎ።+  7  ተጨቊኑ፡+ መከራ ኺጸግብ ፈቒዱ፣+ግናኸ፡ ኣፉ ኣይከፈተን። ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣+ኣብ ቅድሚ ቐምቀምታ ስቕ ከም እትብል በጊዕ ኰይኑ፣ኣፉ እውን ኣይከፈተን።+  8  ብምኽንያት ግትኣትን* ፍርድን ተወሲዱ፣ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘሪጹ* እዩ እሞ፡+ንናይ ወለዶኡ ዝርዝርከ* መን ኪሓስቦ እዩ፧ ብምኽንያት ኣበሳ ህዝበይ ተወቒዑ።*+  9  ጌጋ* ዘይገበረ፡ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ዘይተረኽቦ ኽነሱስ፡+ምስ እኩያት መቓብር ተዋሂብዎ፣*+ብሞቱ ድማ ምስ ሃብታማት* ኰይኑ።+ 10  የሆዋ ግና ኪጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ፣* ኪሓምም እውን ሓዲግዎ። ንህይወቱ* መስዋእቲ በደል ጌርካ እንተ ኣቕሪብካያ፡+ዘርኡ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኸኣ ኬንውሕ፡+ብእኡ እውን ደስታ* የሆዋ ኺሰልጥ እዩ።+ 11  ብምኽንያት ስቓዩ፡* ኪርእን ኪዓግብን እዩ። እቲ ጻድቕ ጊልያይ ብፍልጠቱ+ንብዙሓት ኬጽድቕ እዩ፣+ስሕተቶም ከኣ ኪጸውር እዩ።+ 12  ስለዚ፡ ህይወቱ* ንሞት ወፍይዋ፡+ምስ ኣበስቲ ድማ ተቘጺሩ እዩ እሞ፡+ኣብ መንጎ ብዙሓት፡ ግዲኡ ኽምድበሉ እየ፣ምስ ብርቱዓት ከኣ ምርኮ ኺማቐል እዩ፣ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ፣+ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “በቲ ዝሰማዕናዮ” ኪኸውን ይኽእል።
“ኣብ ቅድሚኡ፡” ማለት፡ ኣብ ቅድሚ ተዓዛቢ ብሓፈሻ ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ወይ፡ “ዜብህገና ፍሉይ ትርኢት ኣይነበሮን።”
ወይ፡ “ስቓይ ዚርዳእን።”
ወይ፡ “ሰባት ገጾም ካብኡ ኸም ዚመልሱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ተቐቲሉ።”
ወይ፡ “ኣነባብራኡኸ።”
ወይ፡ “ጭቈናን።”
ወይ፡ “ተመንቊሱ።”
ወይ፡ “ዓመጻ።”
ወይ፡ “ሓደ ሰብ መቓብሩ ኺህብ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሃብታም።”
ወይ፡ “ደስ ኢልዎ፣ ፈትዩ።”
ወይ፡ “ፍቓድ፣ ፍታው።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ብምኽንያት ጸበባ ነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”