1 ቈረንቶስ 10:1-33
10 ኣሕዋተየ፡ ኣቦታትና ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩን+ ኵላቶም ባሕሪ ኸም እተሳገሩን፡+ ክትፈልጡ እደልየኩም እየ፣
2 ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠሚቖም እዮም፣
3 ኵላቶም ከኣ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ በሊዖም እዮም፣+
4 ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰትዮም እዮም።+ ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ንክርስቶስ የመልክት።*+
5 ግናኸ፡ ኣምላኽ ብመብዛሕትኦም ባህ ኣይበሎን፣ ስለዚ፡ ኣብ በረኻ ተወዲኦም እዮም።+
6 እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀይኑና ኣሎ።+
7 “እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ። ኪጻወቱ እውን ተንስኡ” ዚብል ከም እተጻሕፈ፡+ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ።
8 ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ* እሞ ብሓንቲ መዓልቲ 23,000 ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።*+
9 ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፡+ ንየሆዋ* ኣይንፈትኖ።+
10 ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ+ እሞ በቲ መጥፍኢ ዝጠፍኡ፡+ ኣይነጕረምርም።
11 እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።+
12 ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።+
13 ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን።+ ግናኸ፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣+ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ።+
14 ፍቑራተየ፡ ስለዚ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።+
15 ከም ንኣስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ።
16 እታ እንባርኻ ጽዋእ በረኸት ካብ ደም ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ እታ እንቘርሳ እንጌራኸ ኻብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+
17 ኵላትና ኻብ ሓንቲ እንጌራ ንማቐል ኣለና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ስለ ዘላ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ሓደ ሰብነት ኢና።+
18 ንእስራኤል እሞ ብስጋ ርኣይዎ፦ እቶም ካብ መስዋእትታት ዚበልዑስ፡ ምስቲ መሰውኢዶ ኣይካፈሉን እዮም፧+
19 እንታይ ደኣ እብል ኣለኹ፧ ንጣኦታት እተሰውአዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይስ ጣኦትዶ ገለ ነገር እዩ፧
20 ኣይፋሉን፣ እቲ ኣህዛብ ዚስውእዎ፡ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን፣+ ምስ ኣጋንንቲ ኽትካፈሉ ኸኣ ኣይደልየኩምን እየ።+
21 ጽዋእ የሆዋን* ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ “መኣዲ የሆዋ”ን*+ ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
22 ወይስ ‘ንየሆዋዶ* ኸነቕንኦ ኢና’፧+ ካብኡዶ ንብርትዕ ኢና፧
23 ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ።+
24 ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።+
25 ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕልናኹም ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም ብልዑ፣
26 ከመይሲ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ* እዩ።”+
27 ሓደ ዘይኣማኒ እንተ ዓዲሙኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደሊኹም፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ብልዑ።
28 ሓደ፡ “እዚ ንጣኦታት እተሰውአ እዩ” እንተ ኢሉኩም ግና፡ ስለቲ ዝነገረኩምን ስለ ሕልናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።+
29 “ሕልና” ኽብል ከለኹ፡ ሕልና ኻልእ ደኣ እምበር፡ ሕልና ርእስኻ ማለተይ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧+
30 ብምስጋና እካፈል ካብ ኣለኹ፡ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስገንኩሉ ዝጽረፍ፧+
31 እምበኣር፡ እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።+
32 ንኣይሁድ ኰነ ንግሪኻውያን ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ፡ መዐንቀፊ ኣይትኹኑ፣+
33 ኣነ እውን ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡+ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ኸሐጕስ እጽዕር ኣለኹ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ክርስቶስ እዩ።”

