1 ቈረንቶስ 10:1-33

  • ካብ ታሪኽ እስራኤል እተጠቕሰ መለበሚ (1-13)

  • ካብ ኣምልኾ ጣኦት ክንሃድም እተዋህበ መጠንቀቕታ (14-22)

    • መኣዲ የሆዋን መኣዲ ኣጋንንትን (21)

  • ኵሉ ተፈቒዱ፣ ጥቕሚ ኻልእ ምድላይ (23-33)

    • “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” (31)

10  ኣሕዋተየ፡ ኣቦታትና ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩን+ ኵላቶም ባሕሪ ኸም እተሳገሩን፡+ ክትፈልጡ እደልየኩም እየ፣ 2  ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠሚቖም እዮም፣ 3  ኵላቶም ከኣ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ በሊዖም እዮም፣+ 4  ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰትዮም እዮም።+ ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ንክርስቶስ የመልክት።*+ 5  ግናኸ፡ ኣምላኽ ብመብዛሕትኦም ባህ ኣይበሎን፣ ስለዚ፡ ኣብ በረኻ ተወዲኦም እዮም።+ 6  እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀይኑና ኣሎ።+ 7  “እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ። ኪጻወቱ እውን ተንስኡ” ዚብል ከም እተጻሕፈ፡+ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። 8  ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ* እሞ ብሓንቲ መዓልቲ 23,000 ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።*+ 9  ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፡+ ንየሆዋ* ኣይንፈትኖ።+ 10  ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ+ እሞ በቲ መጥፍኢ ዝጠፍኡ፡+ ኣይነጕረምርም። 11  እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።+ 12  ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።+ 13  ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን።+ ግናኸ፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣+ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ።+ 14  ፍቑራተየ፡ ስለዚ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።+ 15  ከም ንኣስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16  እታ እንባርኻ ጽዋእ በረኸት ካብ ደም ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ እታ እንቘርሳ እንጌራኸ ኻብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ 17  ኵላትና ኻብ ሓንቲ እንጌራ ንማቐል ኣለና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ስለ ዘላ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ሓደ ሰብነት ኢና።+ 18  ንእስራኤል እሞ ብስጋ ርኣይዎ፦ እቶም ካብ መስዋእትታት ዚበልዑስ፡ ምስቲ መሰውኢዶ ኣይካፈሉን እዮም፧+ 19  እንታይ ደኣ እብል ኣለኹ፧ ንጣኦታት እተሰውአዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይስ ጣኦትዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20  ኣይፋሉን፣ እቲ ኣህዛብ ዚስውእዎ፡ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን፣+ ምስ ኣጋንንቲ ኽትካፈሉ ኸኣ ኣይደልየኩምን እየ።+ 21  ጽዋእ የሆዋን* ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ “መኣዲ የሆዋ”ን*+ ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 22  ወይስ ‘ንየሆዋዶ* ኸነቕንኦ ኢና’፧+ ካብኡዶ ንብርትዕ ኢና፧ 23  ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ።+ 24  ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።+ 25  ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕልናኹም ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም ብልዑ፣ 26  ከመይሲ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ* እዩ።”+ 27  ሓደ ዘይኣማኒ እንተ ዓዲሙኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደሊኹም፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ብልዑ። 28  ሓደ፡ “እዚ ንጣኦታት እተሰውአ እዩ” እንተ ኢሉኩም ግና፡ ስለቲ ዝነገረኩምን ስለ ሕልናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።+ 29  “ሕልና” ኽብል ከለኹ፡ ሕልና ኻልእ ደኣ እምበር፡ ሕልና ርእስኻ ማለተይ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧+ 30  ብምስጋና እካፈል ካብ ኣለኹ፡ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስገንኩሉ ዝጽረፍ፧+ 31  እምበኣር፡ እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።+ 32  ንኣይሁድ ኰነ ንግሪኻውያን ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ፡ መዐንቀፊ ኣይትኹኑ፣+ 33  ኣነ እውን ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡+ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ኸሐጕስ እጽዕር ኣለኹ።+

እግረ ጽሑፍ

^ ወይ፡ “ክርስቶስ እዩ።”
^ ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
^ ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
^ ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
^ ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
^ ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
^ ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
^ ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።