ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕርኻ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ሰፋሕ፧

ፍቕርኻ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ሰፋሕ፧

ፍቕርኻ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ሰፋሕ፧

“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”​—⁠ማቴዎስ 22:⁠39

1. ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ​ድኣ ዄንና ንብጻይና እውን ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሱስ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓተ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰ። ቀጺሉ ነዛ ቀዳመይቲ እትመስል ካልኣይቲ ትእዛዝ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ገለጸ። (ማቴዎስ 22:⁠37, 39) እወ: ንብጻይካ ምፍቃር መለለዪ ናይ ሓደ ክርስትያን ኢዩ። ንየሆዋ እንተ​ድኣ ኣፍቂርናዮ ንብጻይና ከነፍቅር ከም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ቃሉ ብምእዛዝ ኢና እነርኢ: ቃሉ ድማ ንብጻይና ከነፍቅር ኢዩ ዝእዝዘና። ስለዚ: ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይነፍቅር እንተ​ድኣ ዄንና: ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ሓቀኛ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:⁠8፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠5፣ 4:⁠20, 21

2. ንብጻይና ብኸመይ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኢና ከነፍቅሮ ዘሎና፧

2 የሱስ ንብጻይና ከነፍቅሮ ከም ዘሎና ክነግረና ኸሎ: ብዛዕባ ካብ ምሕዝነት ንላዕሊ ዝዀነት ፍቕሪ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ካብታ ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ወይ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን እትርአ ባህርያዊት ፍቕሪ ፍልይ ዝበለት ዓይነት ፍቕሪ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እኳ ድኣስ ከምታ የሆዋ ህይወቶም ንዝወፈዩ ኣገልገልቱ ዘለዎን ንሳቶም ንዕኡ ዘለዎምን ዝዓይነታ ፍቕሪ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:⁠26፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠11, 19) ሓደ ብኣእምሮ ይዛረብ ምንባሩ የሱስ ዘስተውዓለሉ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ: ንኣምላኽ “ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን” ከተፍቅሮ ከም ዝግባእ ብምግላጽ ምስቲ ናይ የሱስ ሓሳብ ተሰማሚዑ ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠28-34) ኣይተጋገየን። ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽን ንብጻዩን ከማዕብላ ዘለዎ ፍቕሪ ንስምዒታትናን ኣእምሮናን ዝሓቘፈት ኢያ። ኣብ ልብና ትስምዓና: ብኣእምሮና ኸኣ ትምራሕ።

3. (ሀ) የሱስ ንሓደ “ፈላጥ ሕጊ” ብጻዩ መን ምዃኑ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ክህልዎ ከም ዝግባእ ብኸመይ ኢዩ ምሂርዎ፧ (ለ) እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝውዕል፧

3 ሉቃስ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ: የሱስ ንብጻይና ከነፍቅር ከም ዘሎና ምስ ገለጸ “ሓደ ፈላጥ ሕጊ” “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ከም ዝሓተቶ ይገልጽ። የሱስ ብምሳልያዊ ዛንታ ገይሩ መለሰሉ። ሓደ ሰብኣይ ተኸትኪቱ: ተዘሪፉ: ከምኡውን ኣይምዉት ኣይስሩር ኰይኑ ኣብ ደረት መገዲ ተደርብዩ ነበረ። መጀመርታ ካህን ድሕሪኡ ድማ ሌዋዊ በታ መገዲ ሓለፉ። ክልቲኦም ረጊጾምዎ ሓለፉ። ኣብ መወዳእታ: ሓደ ሳምራዊ መጸ: ነቲ እተኸትከተ ሰብኣይ ምስ ረኣዮ ዓቢ ምሕረት ገበረሉ። ካብዞም ሰለስተ ኣየናዮም ኢዩ ነቲ እተኸትከተ ሰብኣይ ብጻይ ዝዀኖ፧ መልሱ ፍሉጥ ኢዩ። (ሉቃስ 10:⁠25-37) ሓደ ሳምራዊ ካብ ካህንን ሌዋውን ዝሓይሽ ብጻይ ክኸውን ከም ዝኽእል የሱስ ክዛረብ ከሎ እቲ ፈላጥ ሕጊ ሰምቢዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ ንብጻዩ ብዝሰፍሐ መገዲ ንኸፍቅር ይሕግዞ ምንባሩ ንጹር ኢዩ። ክርስትያናት እውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ኢዮም ዘፍቅሩ። ንዅሎም እዞም ፍቕሮም ዘስፍሑ እስከ እሞ ርኣዮም።

ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዘሎ ፍቕሪ

4. ሓደ ክርስትያን መጀመርታ ፍቕሩ ዘርኢ ኣበይ ኢዩ፧

4 ክርስትያናት ንኣባላት ስድራ​ቤቶም የፍቅሩ ኢዮም፣ ኣንስቲ ንሰብኡተን የፍቅራ: ሰብኡት ንኣንስቶም የፍቅሩ: ከምኡውን ወለዲ ንደቆም የፍቅሩ ኢዮም። (መክብብ 9:⁠9፣ ኤፌሶን 5:⁠33፣ ቲቶስ 2:⁠4) ልክዕ ኢዩ: ማእሰር ባህርያዊ ፍቕሪ ኣብ ብዙሓት ስድራ​ቤታት ኣሎ። እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ ምብትታን ሓዳር: ንናይ መርዓ ብጻይ ምህሳይ: ከምኡውን ብዛዕባ ንቘልዑ ዘይምእላይ ወይ ምህሳይ ዝወጽእ ጸብጻባት: ሎሚ ስድራ​ቤት ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎን ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዘሎ ባህርያዊ ስምዒታት ጥራይ ድማ ስድራ​ቤት ንኸይፈርስ እኹል ማእሰር ክኸውን ከም ዘይክእልን ዝሕብር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3) ክርስትያናት ኣብ ናብራ ስድራ​ቤቶም ናይ ሓቂ ሓጐስ ምእንቲ ክረኽቡ: ከምታ የሆዋን የሱስን ዘርኣይዋ ፍቕሪ ከንጸባርቑ ኣለዎም።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠21-27

5. ወለዲ ቈልዑ ንምዕባይ ካብ መን ኢዮም ሓገዝ ዝደልዩ: ብዙሓትከ እንታይ ውጽኢት ኢዮም ዝረኸቡ፧

5 ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም ሕድሪ ናይ የሆዋ ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም: ኣብ ኣተዓባብያ ክሕግዞም ድማ ይደልዩ ኢዮም። (መዝሙር 127:⁠3-5፣ ምሳሌ 22:⁠6) በዚ ኸምዚ ኸኣ ክርስትያናዊ ፍቕሪ የማዕብሉ: እዚ እውን ንደቆም ካብቲ ንመንእሰያት ከበላሹ ዝኽእል ጽልዋታት ንኸዕቍብዎም ይሕግዞም። ከም ውጽኢት ናይዚ: ብዙሓት ክርስትያናት ወለዲ ከምታ ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ኣደ: ሓጐስ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ወዳ ሓደ ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ እተጠመቑ 575 ውልቀ⁠-​ሰባት ኰይኑ ክጥመቕ ምስ ረኣየቶ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብዛ ህሞት እዚኣ ፍረ ናይቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝገበርክዎ ጻዕሪ ረኺበ። ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ግዜ: ጉልበት: ስቓይ: ጻዕሪ: ከምኡውን ጓሂ ተረሲዑ ኢዩ።” ወዳ ብፍቓዱ ንየሆዋ ከገልግል ምምራጹስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣሐጒስዋ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ጸብጻብ ካብ ዝሃቡ 31,089 ኣስፋሕቲ: ብዙሓት ካብ ወለዶም ንየሆዋ ምፍቃር እተማሃሩ ውሉዳት ይርከብዎም።

6. ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንማእሰር ሓዳር ኣብ ምድልዳል ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዝ፧

6 ጳውሎስ: ፍቕሪ “ማእሰር ፍጻሜ እያ” በለ: ንሓዳር ከኣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸገማት እውን ከይተረፈ ጸኒዑ ከም ዝቕጽል ክትገብሮ ትኽእል ኢያ። (ቈሎሴ 3:⁠14, 18, 19፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1-7) ሓደ ካብ ታሂቲ 700 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ኣብ እትርሕቕ ሩሩቱ እትበሃል ደሴት ዝነብር ሰብኣይ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ምስ ጀመረ ካብ በዓልቲ ቤቱ ሓያል ተቓውሞ ኣጋጠሞ። ጸኒሓ ደቃ ሒዛ ራሕሪሓቶ ናብ ታሂቲ ከደት። ንሱ ግን ገንዘብ ብቐጻሊ ብምስዳድ ከምኡውን ንሳን እቶም ቈልዑን ዘድልዮም ገለ ነገር እንተሎ ንምፍላጥ ቴለፎን ብምድዋል ፍቕሩ ኣርኣየ። በዚ ኸምዚ ድማ ከም ክርስትያን መጠን ዘለዎ ግዴታታት ንምፍጻም ዝከኣሎ ዅሉ ገበረ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ስድራ​ቤቱ እንደገና ንኽትሓብር ከየባተኸ ጸለየ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ ናብ ቤታ ተመልሰት። ብድሕሪኡ እውን እንተ​ዀነ ‘ብፍቕሪ: ብትዕግስቲ: ብህድኣት’ ሓዛ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11) ብ1998 ተጠምቀ: ጸኒሑ በዓልቲ ቤቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ምስ ኰነት ኣዝዩ ኢዩ ተሓጒሱ። እዛ ጽንዓት ዝገበረት ሰበይቲ ሓንቲ ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ታሂቲ ጽንዓት እተገብረሎም 1,351 ሰባት ኢያ ነይራ።

7. ሓደ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሰብኣይ ከም ዝበሎ: ንሓዳሩ ዘደልደሎ እንታይ ኢዩ፧

7 ሓደ ኣብ ጀርመን ዝነብር ሰብኣይ: በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ተገዳስነት ብምሕዳራ ይጻረራ ነበረ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከታልልዋ ኢዮም ዝደልዩ ዝብል እምነት ነበሮ። ጸኒሑ ግን ነታ ንመጀመርታ ምስ በዓልቲ ቤቱ እተራኸበት ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈላ:- “ንበዓልቲ ቤተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘፋለጥክያ አመስግነኪ። ኣብ መጀመርታ ብዛዕባኦም ብዙሕ ክፉእ ነገራት ስለ ዝሰማዕኩ ተጨኒቐ ነይረ። ሕጂ ግን ምስ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ኣኼባታት ስለ እተኻፈልኩ: ክሳዕ ክንደይ ተጋግየ ከም ዝነበርኩ ፈሊጠ። ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ: ንሓዳርና እውን ብዝያዳ ኢዩ ኣደልዲልዎ።” ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ 162,932 ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ታሂቲ ዝርከቡ 1,773 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ዝሓበራ ስድራ​ቤታት ይርከባ ኢየን።

ንክርስትያናት ኣሕዋትና ምፍቃር

8, 9. (ሀ) ንኣሕዋትና ከነፍቅር ዝምህረና መን ኢዩ: ፍቕሪኸ እንታይ ንኽንገብር ኢያ እትድርኸና፧ (ለ) ኣሕዋት ንሓድሕዶም ከም ዝደጋገፉ ኣብ ምግባር ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትሕግዝ ኣብነት ሃብ።

8 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ክርስትያናት “ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም” በሎም። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠9) እወ እቶም ‘ብእግዚኣብሄር እተማህሩ’ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 54:⁠13) ከምቲ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ” ክብል ከሎ ዝገለጾ: ፍቕሮም ብተግባር ይርአ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠13፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠18) ንኣብነት: ንዝሓመሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ክበጽሑ: ንእተጨነቑ ከተባብዑ: ከምኡውን ንድኹማት ከበራትዑ ኸለዉ ፍቕሮም ብተግባር የርእዩ ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14) እታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ፍቕርና ንዕቤት መንፈሳዊ ገነትና ኣበርክቶ ትገብር ኢያ።

9 ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤኳዶር ዝርከባ 544 ዝዀነት ጉባኤ ኣንግኮን: እቶም ኣሕዋት ፍቕሮም ብተግባራዊ መገዲ ኣርእዮም ኢዮም። እቶም ኣስፋሕቲ ብሰንኪ ቍጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ስራሕ ኰነ ኣታዊ ስለ ዘይነበሮም ነቶም ለይቲ ክገፉ ሓዲሮም ናብ ቤቶም ዝምለሱ ገፈፍቲ ዓሳ መግቢ ብምሻጥ ገንዘብ ክረኽቡ ጸዓሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋላ እውን ቈልዑ ኣብዚ ዕዮ ብሓባር ሰርሑ። እቲ መግቢ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ማለት ገና ከይወግሐ ሰዓት 4:⁠00 ተዳልዩ ምእንቲ ክጸንሕ: ለይቲ ሰዓት 1:⁠00 ስራሕ ክጅምሩ ነበሮም። እቲ ካብኡ እተረኽበ መኽሰብ እቶም ኣሕዋት ከከም ዘድሊ ይመቓቐልዎ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ፍቕሪ የርኢ።

10, 11. ነቶም ብብሕቲ ዘይንፈልጦም ኣሕዋት ብኸመይ ኢና ፍቕርና ከነርእዮም እንኽእል፧

10 ይኹን እምበር: ፍቕርና ኣብቶም ብብሕቲ እንፈልጦም ክርስትያናት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሕውነት ኣፍቅሩ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ኣምላኽ ዘምልኹ ብጾትና ስለ ዝዀኑ ነፍቅሮም ኢና። ጸገም ከጋጥም ከሎ ፍቕርና ንምግላጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ይኸውን። ንኣብነት: ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ሞዛምቢክ ምዕልቕላቕ ማይ: ኣብ ኣንጎላ ድማ ውግእ ሓድሕድ ስለ ዘጋጠመ ጕድኣት ኣብጺሑ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከቡ 31,725 ኣሕዋትን ኣብ ኣንጎላ ዝርከቡ 41,222 ኣሕዋትን ብዙሓት በዚ ተተንኪፎም ኢዮም። ስለዚ: ኣብ ጐረቤት እዘን ሃገራት ማለት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብዘን ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋት ዘጋጠሞም ሽግር ንምቅላል ብዙሕ ስንቂ ለኣኹ። ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋት “ተረፎም” ንምውፋይ ዘርኣይዎ ወለንታ: ፍቕሮም ዝገልጽ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠8, 13-15, 24

11 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋት ኣብተን ብተዛማዲ ድኻታት ሃገራት ኣደራሻት መንግስትን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ንምህናጽ ወፈያ ብምግባሮም እውን ፍቕሪ ተራእዩ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ደሴታት ሰሎሞን እተገብረ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዘይምርግጋእ እኳ እንተ ነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስፋሕቲ 6 ሚእታዊት ወሰኽ ብምግባር ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 1,697 በጺሑ ኢዩ። ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ንምህናጽ ድማ ውጥን ገበሩ። ብዙሓት ተቐማጦ እተን ደሴታት ካብታ ሃገር ይወጹ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ኣደራሽ ንምህናጽ ካብ ኣውስትራልያ ወለንተኛታት ከዱ። ድሕሪ ገለ እዋን እቶም ወለንተኛታት እውን ካብታ ሃገር ክወጹ ነበሮም: እንተ​ዀነ ግን ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣሕዋት ብኸመይ ነቲ መሰረት ከም ዝቕጽልዎ ኣሰልጢኖምዎም ነበሩ። እቲ ነቲ ኣደራሽ ዘድሊ ዝገጣጠም ካሻስትሩስ ካብ ኣውስትራልያ ተላእኸ፣ መብዛሕትኡ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ ናይ ምህናጽ ዕዮ ደው ኣብ ዝበለሉ ግዜ እዚ ጽቡቕ ናይ ኣምልኾ ህንጻ ምዝዛሙ ንስም ኣምላኽን ንፍቕሪ ኣሕዋትን ሰናይ ምስክርነት ክህብ ኢዩ።

ከም ኣምላኽ ንዓለም ነፍቅራ ኢና

12. ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ ንየሆዋ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ፍቕርና ኣብ ስድራ​ቤትናን ኣሕዋትናን ጥራይ እተሓጽረዶ ኢዩ፧ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” እንተ​ድኣ ዄንና ኣብኦም ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተርፍን ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ኤፌሶን 5:⁠1፣ ዮሃንስ 3:⁠16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ልክዕ ከም የሆዋ ኣምላኽ: ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም እውን ሓዊስካ ንዅሉ ሰብ ነፍቅር ኢና። (ሉቃስ 6:⁠35, 36፣ ገላትያ 6:⁠10) በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ: ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘርኣዮም ዓባይ ፍቕሪ ድማ ንነግሮም ኢና። እዚ ነቶም ዝሰምዑ ንድሕነቶም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

13, 14. ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ፍቕሪ ከም ዘርኣይዎም ዝሕብር ከመይ ዝበለ ተመክሮ ኢዩ ዘሎ፧

13 ነቶም ኣብ ኔፓል ዘገልግሉ ኣርባዕተ ፍሉያት ፓይነራት ዘጋጠሞም እሞ ተዓዘብ። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኢዮም ተመዲቦም: ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ኣብታ ኸተማን ካብታ ኸተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ኣቝሻትን ብምስባኽ ፍቕሮም ኣርእዮም ኢዮም። ብዙሕ ግዜ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ኣብ ዝበጽሕ ሙቐት እውን እንተ​ዀነ ዞባኦም ንምሽፋን ንብዙሕ ሰዓታት ብብሽግለታ ክጓዓዙ ነበሮም። ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣቝሻት ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ተመስረተት ፍቕሮምን ‘ሰናይ እናገበሩ ምዕጋሶምን’ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። (ሮሜ 2:⁠7) ኣብ መጋቢት 2000 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ክገብረሎም ከሎ ዝሃቦ ህዝባዊ ዝርርብ ንምስማዕ 32 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ኔፓል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 430 ዝኸውን ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ነበራ: እዚ ኸኣ 9 ሚእታዊት ወሰኽ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ቅንእን ፍቕርን ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣሕዋት ይባርኾ ከም ዘሎ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ።

14 ኣብ ኮሎምብያ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት ነቶም ዋዩ ህንዳውያን ዝበሃሉ ቀቢላ ኣብቲ ዝርከብዎ ዓዲ ከይዶም ሰበኹሎም። ነዚ ንምግባር ሓድሽ ቋንቋ ክማሃሩ ነበሮም: እንተ​ዀነ ግን ሓያል ዝናም እናዘነመ 27 ሰባት ህዝባዊ ዝርርብ ንምስማዕ ምስ ተኣከቡ እቲ ፍቕራዊ ሓልዮቶም ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፓይነራት ዘርኣይዎ ካብ ፍቕሪ እተላዕለ ቅንኢ ኣብ ኮሎምብያ 5 ሚእታዊት ወሰኽ ንኽህሉን ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ናብ 107,613 ንኽበጽሕን ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ኣብ ዴንማርክ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ክትነግር ደለየት: እንተ​ዀነ ግን ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን ኢያ። በዚ ተስፋ ኸይቈረጸት ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ሰባት ደብዳበ ብምጽሕሓፍ ትራኸብ ነበረት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ 42 ሰባት ደብዳበ ትጸሓሓፍ: 11 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ትመርሕ ኣላ። ንሳ ሓንቲ ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዴንማርክ ጸብጻብ ብምሃብ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 14,885 ከም ዝኸውን ዝገበሩ ኢያ።

ጸላእትኹም ኣፍቅሩ

15, 16. (ሀ) የሱስ ፍቕርና ክሳዕ ክንደይ ሰፋሕ ክትከውን ከም ዘለዋ ኢዩ እተዛረበ፧ (ለ) ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘጸለመ ውልቀ⁠-​ሰብ ብኸመይ ዝበለ ፍቕራዊ መገዲ ኢዮም ተረዳዲኦሞ፧

15 የሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ: ሓደ ሳምራዊ ብጻይ ክኸውን ከም ዝኽእል ነገሮ። ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝያዳ ክግበር ከም ዝግባእ ሓበረ:- “ብጻይካ ፍቶ: ጻላኢኻ ጽላእ: ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፤ ጸላእትኹም ፍተዉ . . .። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: . . . ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።” (ማቴዎስ 5:⁠43-45) ሓደ ሰብ ምስ ዝጻረረና እውን ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ክንስዕሮ’ ኢና እንጽዕር። (ሮሜ 12:⁠19-21) እንተ ኽኢልና ነታ ዝኸበረት ጥሪትና ዝዀነት ሓቂ ንነግሮ ኢና።

16 ኣብ ዩክረይን እትሕተም ክረመንቹክ ሄራልድ እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዓንቀጻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደገኛ ኣንቈራታት ከም ዝዀኑ ገለጸት። ገለ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ቀይዲ ምእንቲ ክግበሮ ወይ ክእገድ ከምቲ ኣብታ ጋዜጣ ዝወጸ ገይሮም ንኻልኦት ከእምንዎም ስለ ዝፍትኑ እዚ ሸለል ኢልካ ዝርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ስለዚ: እቲ ኣሰናዳኢ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዝወጸ ጌጋታት ኣሪሙ ንኽጽሕፍ ተሓተ። ምስዚ ሓሳብ ተሰማምዐ: እንተ​ዀነ ግን እታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ ኣብ ሓቂ እተመስረተት ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ኣሕተመ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት እንደገና ተወሳኺ ሓበሬታታት ሒዞምሉ ኸዱ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ኣሰናዳኢ እታ መጀመርታ እተሓትመት ዓንቀጽ ጌጋ ምዃና ተረድአ እሞ ሓቂ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ድማ ኣሕተመ። ነዚ ጕዳይ ንምፍታሕ ምስዚ ሰብ እዚ ብቕንዕናን ብሕያውነትን ምርድዳኦም ፍቕራዊ መገዲ ኢዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ።

ፍቕሪ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17. ንኻልኦት ሰባት ፍቕሪ ምርኣይ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ክኸውን ከም ዘይክእል ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

17 ህጻን ምስ ተወልደ: ወለዱ ብኡንብኡ ኢዮም ዘፍቅርዎ። ንዓበይቲ ሰባት ምፍቃር ግን ኵሉ ሳዕ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን። በዚ ኸኣ ኢዩ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንሓድሕድና ክንፋቐር ዝነግረና፣ እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ከነማዕብላ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 1:⁠22፣ 4:⁠8፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠11) የሱስ ንሓውና “ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” ክንሓድገሉ ከም ዘሎና ክገልጽ ከሎ ፍቕርና ከም እትፍተን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 18:⁠21, 22) ጳውሎስ እውን ‘ንሓድሕድና ክንጸዋወር’ ተማሕጺኑና ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠12, 13) እምበኣር “ንፍቕሪ ስዐብዋ” እንተ ተባሃልና ዘገርም ኣይኰነን! (1 ቈረንቶስ 14:⁠1) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

18. ንኻልኦት ንኸነፍቅሮም ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

18 ቀዳማይ: ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ወትሩ ክንዝክር ንኽእል ኢና። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንብጻይና ንኸነፍቅር ሓያል ድራኸ ተሕድረልና ኢያ። ስለምንታይ፧ ብፍቕሪ ምስ እንመላለስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንቐድሖ: እዚ ድማ ክብርን ውዳሰን የምጽኣሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠8-10፣ ፊልጲ 1:⁠9-11) ካልኣይ: ብኣረኣእያ የሆዋ ንምርኣይ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ኣብ ዝፈጸምናሉ ዘበለ ንየሆዋ ኢና እንብድል፣ እንተ​ዀነ ግን ንሱ ብተደጋጋሚ ይቕረ ይብለልናን ኵሉ ሳዕ የፍቅረናን ኢዩ። (መዝሙር 86:⁠5፣ 103:⁠2, 3፣ 1 ዮሃንስ 1:⁠9፣ 4:⁠18) ኣረኣእያ የሆዋ እንተ ኣማዕቢልና: ንኻልኦት ከነፍቅሮምን በደሎም ክንሓድገሎምን ኢና። (ማቴዎስ 6:⁠12) ሳልሳይ: ከምቲ ክገብሩልና እንደልዮ ክንገብረሎም ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 7:⁠12) ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ብተደጋጋሚ በደልና ክሕደገልና ንደሊ ኢና። ንኣብነት: ንኻልኦት ዝሃሲ ነገር እንተ ተዛሪብናዮም: ኵሉ ሰብ ሓሓሊፉ ብልሳኑ ከም ዝሓጥእ ክዝክሩ ንምነ ኢና። (ያእቆብ 3:⁠2) ካልኦት ከፍቅሩና እንተ ደሊና: ንሕና እውን ከነፍቅሮም ኣሎና።

19. ፍቕሪ ንኸነማዕብል ዘኽእለና ሓገዝ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንረክብ ብኸመይ ኢና ክንጽዕር እንኽእል፧

19 ራብዓይ: ፍቕሪ ክፍሊ ፍረ መንፈስ ስለ ዝዀነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ንምርካብ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ምሕዝነታዊ ፍቕሪ: ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዘሎ ፍቕሪ: ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘሎ ፍቕሪ ባህርያዊ ኢዩ። ነታ ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ዝዀነት ኣብ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንምምዕባል ግን ሓገዝ መንፈስ የሆዋ የድልየና ኢዩ። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ንምርካብ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣብ ታሪኽ ህይወት የሱስ መጽናዕቲ እንተ​ድኣ ገይርና: ንሰባት ብኸመይ ይሕዞም ከም ዝነበረ ንግንዘብ እሞ ንዕኡ ንምቕዳሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 13:⁠34, 35፣ 15:⁠12) ብተወሳኺውን: ንየሆዋ ኵሉ ግዜ: ብፍላይ ከኣ ብፍቕሪ ንምምልላስ ክኸብደና ኸሎ መንፈስ ቅዱስ ክህበና ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 11:⁠13) ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠቢቕና ብምምልላስ ንፍቕሪ ክንስዕባ ንኽእል ኢና። ምስ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃን ፍቕሪ ንምምዕባል ይሕግዘና።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20

20, 21. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ኢዮም ዘርኣዩ፧

20 ዝሓለፈ ዓመት: ኣብ መላእ ዓለም ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 6,035,564 በጺሑ ነበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንውልቀ⁠-​ሰባት ብስራት ንኸበስርዎም ብድምር 1,171,270,425 ሰዓታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ነዚ ዕማም እዚ ክፍጽሙ ክኸዱ ከለዉ ሃሩር: ዝናም: ከምኡውን ቍሪ ክጻወሩ ዘኽኣለቶም ፍቕሪ ኢያ። ንመማህርቶምን መሳርሕቶምን ከምኡውን ኣብ መገድን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንዘይፈልጥዎ ሰብ ንኸዘራርቡ ዝደረኸቶም ፍቕሪ ኢያ። መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበጽሑዎም ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም: ገለ ድማ ተጻረርቲ ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ተገዳስነት ስለ ዘርኣዩ 433,454,049 ተመላሊስካ ምብጻሕን 4,766,631 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ተገይሩ ኢዩ። a

21 እዝስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኾምን ንብጻዮምን ዘለዎም ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ኣጕሊሑ ዘርኢ ኰን ኢዩ! እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣይክትዝሕልን ኢያ። ኣብ ናይ 2001 ዓመት ኣገልግሎት ንደቅ​ሰብ ዝሰፍሐ ምስክርነት ከም ዝወሃብ ርግጸኛታት ኢና። እቶም እሙናትን ቀናኣትን ኣምለኽቲ የሆዋ ‘ኵሉ ግብሮም ብፍቕሪ ክገብሩ’ ኸለዉ: በረኸት የሆዋ ኣይፈለዮም!​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠14

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምሉእ ሓበሬታ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ጸብጻብ እንተ​ድኣ ደሊኻ ነቲ ኣብ ገጽ 18-21 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።

ክትገልጾዶ ምኽኣልካ፧

• ንብጻይና ከነፍቅር ከሎና ንመን ኢና እንመስሎ፧

• ፍቕርና ክሳዕ ክንደይ ኢያ ክትሰፍሕ ዘለዋ፧

• ክርስትያናዊት ፍቕሪ ከም እተራእየት ዝገልጽ ገለ ተመክሮታት እንታይ ኢዩ፧

• ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18-21 ዘሎ ሳጹን]

2000 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣብ ስድራ​ቤት ንዘሎ ማእሰር ከተደልድሎ ትኽእል ኢያ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ተስፋና ንኻልኦት ንኸነካፍል እትድርኸና ፍቕሪ ኢያ