1 ተሰሎንቄ 5:1-28
5 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ግዜያትን እዋናትን ኪጽሓፈልኩም ኣየድልን እዩ።
2 ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ*+ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+
3 “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፣+ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።
4 ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን፣
5 ከመይሲ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም።+ ንሕናስ ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።+
6 እምበኣር፡ ንንቃሕን+ ቀልብና ንሓሉን+ እምበር፡ ከም ካልኦት ኣይንደቅስ።+
7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።+
8 ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ቐልብና ንሓሉ፣+
9 ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድሕነት ክንረክብ እምበር፡+ ንቝጥዓ ኣይመደበናን።
10 የሱስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡* ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡+ ምእንታና ሞይቱ እዩ።+
11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን* ተሃናነጹን።+
12 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣
13 ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም።+ ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ።+
14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡*+ ንእተጨነቑ* ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።+
15 ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣+ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ።+
16 ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ።+
17 ከየቋረጽኩም ጸልዩ።+
18 ብዅሉ ኣመስግኑ።+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ።
19 ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።+
20 ትንቢት ኣይትንዓቑ።+
21 ንዅሉ መርምርዎ፣+ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።
22 ካብ እከይ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ።+
23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ይቐድስኩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን መንፈስኩምን ነፍስኹምን* ሰብነትኩምን ብምሉኡ ጥዑይ ኰይኑ ብዘይ መንቅብ ይተሓሎ።+
24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኪገብሮ እዩ።
25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ብቐጻሊ ጸልዩ።+
26 ንዅሎም ኣሕዋት ብቕዱስ ምስዓም ሰላም በልዎም።
27 እዛ ደብዳበ እዚኣ ንዅሎም ኣሕዋት ክትንበብ፡ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+
28 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

