ቈሎሴ 3:1-25
3 እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡+ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።+
2 ሓሳብኩም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡+ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ የተኵር።+
3 ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ።
4 እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ+ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።+
5 እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ።
6 ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ።
7 ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡* ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።+
8 ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡+ ጸርፊ፡+ ጽዩፍ ዘረባ+ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
9 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።+ ነቲ ኣረጊት ስብእና* ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡+
10 ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ+ ሓድሽ ስብእና ልበሱ።+
11 ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ።+
12 እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡+ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡+ ለውሃት፡ ትሕትና፡+ ልእመት፡+ ዓቕሊ+ ልበሱ።
13 ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።+ ከምቲ የሆዋ* ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።+
14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ+ እሞ፡ ልበስዋ።+
15 እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።*+ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።
16 ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ* እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን+ ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር* መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።*+
17 ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ።+
18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።+
19 ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡+ ኣይትነድሩለን።*+
20 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።+
21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡* ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።*+
22 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን* ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
23 እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ* ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም* ግበርዎ፣+
24 ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ* ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም።+ ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ።
25 እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፣+ ኣድልዎ ድማ የልቦን።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ብኸምኡ ኽትነብሩ ኸለኹም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰብ።”
^ “ስኪት” ንዘይሰልጠነ ሰብ ይእምት።
^ ወይ፡ “ንልብኹም ይቈጻጸሮ።”
^ ወይ፡ “ብጥዑም።”
^ ወይ፡ “ተማዓዓዱ።”
^ ወይ፡ “ኣይትጨክኑለን።”
^ ወይ፡ “ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጹ።”
^ ወይ፡ “ኣይተበሳጭውዎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብስጋ።”