ቈሎሴ 3:1-25

  • ኣረጊት ስብእናን ሓድሽ ስብእናን (1-17)

    • ኣካላትኩም ቅተሉ (5)

    • ፍቕሪ፡ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት (14)

  • ንክርስትያን ቤተ ሰብ እተዋህበ ምኽሪ (18-25)

3  እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡+ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።+ 2  ሓሳብኩም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡+ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ የተኵር።+ 3  ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ። 4  እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ+ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።+ 5  እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። 6  ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ። 7  ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡* ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።+ 8  ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡+ ጸርፊ፡+ ጽዩፍ ዘረባ+ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9  ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።+ ነቲ ኣረጊት ስብእና* ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡+ 10  ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ+ ሓድሽ ስብእና ልበሱ።+ 11  ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ።+ 12  እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡+ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡+ ለውሃት፡ ትሕትና፡+ ልእመት፡+ ዓቕሊ+ ልበሱ። 13  ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።+ ከምቲ የሆዋ* ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።+ 14  ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ+ እሞ፡ ልበስዋ።+ 15  እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።*+ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። 16  ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ* እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን+ ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር* መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።*+ 17  ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ።+ 18  ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።+ 19  ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡+ ኣይትነድሩለን።*+ 20  ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።+ 21  ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡* ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።*+ 22  ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን* ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23  እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ* ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም* ግበርዎ፣+ 24  ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ* ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም።+ ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ። 25  እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፣+ ኣድልዎ ድማ የልቦን።+

እግረ ጽሑፍ

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብኸምኡ ኽትነብሩ ኸለኹም።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰብ።”
“ስኪት” ንዘይሰልጠነ ሰብ ይእምት።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንልብኹም ይቈጻጸሮ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብጥዑም።”
ወይ፡ “ተማዓዓዱ።”
ወይ፡ “ኣይትጨክኑለን።”
ወይ፡ “ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጹ።”
ወይ፡ “ኣይተበሳጭውዎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብስጋ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።