ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንበሰላ ኲናት ምሕዋዩ

ንበሰላ ኲናት ምሕዋዩ

ንበሰላ ኲናት ምሕዋዩ

 ኣብርሃም ን20 ዓመት ዝኣክል ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ተሰሊፉ ኢዩ። a ሕጂ ግን ካብ ቃልሲ ስለ ዝወጸ ደጊም ኣብ ውግእ ኣይኣቱን ኢዩ። አረ ገለ ኻብቶም ቅድም ጸላእቱ ዝነበሩስ ሕጂ ናይ ቀረባ ብጾቱ ኢዮም። ንኽልወጥ ዘኽኣሎ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣዊ ጕዳያት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ንኽርእዮ ዘኽእሎ ምስትውዓል ከምኡውን ተስፋ ሂብዎ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንኽዋጋእ ዝነበሮ ድሌት ኣጥፊእሉ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ብእህህታን ጓህን ጽልእን ቂምን ዝቘሰለ ስምዒታቱ እውን ከሕውየሉ ጀሚሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ ዝኸውን ፍቱን መድሃኒት ከም ዝርከቦ ኣብርሃም ኣረጋጊጹ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ስምዒቱ ዝተረፈ በሰላ ኣብ ምሕዋይ ክሕግዞ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝወረደ ዅሉ ክልውጦ ኣይከኣለን። እንተ​ዀነ ግን: ቓል ኣምላኽ ምንባብን ብእኡ ምስትንታንን: ንኣብርሃም ከም ናይ ፈጣሪ ዝበለ ኣተሓሳስባ ንኽሕዝ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ሕጂ ንመጻኢ ዝምልከት ተስፋ ኣለዎ: ኣብ ህይወቱ ብቐዳምነት ዝሰርዖም ነገራት እውን ኣለውዎ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ገይሩ ሰሪዕዎ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ምትዕርራያት ክገብር ምስ ጀመረ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ በሰላ ክሓዊ ዝጀመረ። ኣብርሃም ንኽልወጥ እተሓገዘሉ መገዲ እምበኣር እዚ ኢዩ።

ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተጸምቢሩ ነበረ

ኣብርሃም ብ1930ታት ኢዩ ኣብ ኣፍሪቃ ተወሊዱ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሃገሩ ብሓንቲ ሓያል ጐረቤት ሃገር ትግዛእ ነበረት: ብዙሓት ደቂ ዓዱ ግን ሃገሮም ናጻ ኽትኰነሎም ይደልዩ ነበሩ። ብ1961 ከኣ ኣብርሃም ምስቶም ኣንጻር እታ ሓያል ሃገር ብምኻድ ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ደባይ ተዋጋእቲ ተጸምበረ።

ኣብርሃም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ጸላእትና ኢዮም ነይሮም። መደቦም ከጥፍኡና ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ንምጥፍኦም ቃልሲ ጀመርና።”

ህይወት ኣብርሃም ኵሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ኢያ ነይራ: ስለዚ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ብረታዊ ቓልሲ ብ1982 ናብ ኣውሮጳ ሃደመ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓታት ዕድሚኡ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ንህይወቱ ክሓስበላ እኹል ግዜ ነበሮ። እቲ ባህጉኸ ከመይ ኰነ፧ መጻኢኡ ከመይ ይመስል ነበረ፧ ኣብርሃም ምስ ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ እሞ ኣብ ኣኼባታቶም ክካፈል ጀመረ። ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ኣፍሪቃ ኸሎ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝሃቦ ትራክት ከም ዘንበበ ትዝ በሎ። እታ ትራክት ብዛዕባ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ከምኡውን ብዛዕባ ሓንቲ ንደቅ​ሰብ እትገዝኦም ሰማያዊት መንግስቲ እትገልጽ ኢያ ነይራ። እዚ ብሓቂ ክፍጸም ድዩ፧

ኣብርሃም ብዛዕባ እዚ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ኵሉ እቲ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ንኸንቱ ምንባሩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርዳእ ክኢለ ኢየ። እታ ንዅሉ ሰብ ብፍትሒ እተመሓድሮ እንኮ ምምሕዳር: መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ።”

ኣብርሃም ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ካብ ዝጥመቕ ድሕሪ ሓጺር እዋን: ሓደ ሮበርት ዝስሙ ካብ ኣፍሪቃ ናብታ ኣብርሃም ዝነብረላ ዝነበረ ኣውሮጳዊት ከተማ ሃዲሙ መጸ። ሮበርትን ኣብርሃምን ኣብ ኣንጻር ግንባራት ኰይኖም ኣብ ሓደ ዓውዲ ኲናት ተዋጊኦም ኢዮም። ሮበርት ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ይጭነቕ ነይሩ ኢዩ። እተፈላለየ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበበ ስም ኣምላኽ እውን የሆዋ ምዃኑ ዝፈልጥ ሃይማኖታዊ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ናይታ ኣብርሃም ዝነበረላ ጉባኤ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝበለጸ ክርድኦ ምእንቲ ክኽእል ክሕግዝዎ ምስ ሓተትዎ ሮበርት ብዘይ​ገለ ምውልዋል ነቲ ዕድመ ተቐበሎ።

ሮበርት ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “እቶም መሰኻኽር ነቲ የሆዋ ከምኡውን የሱስ ዝብል ስያመታት ናይ እተፈላለዩ ኣካላት ኣስማት ምዃኑ ብዘብርህ መገዲ ይጥቀምሉ ምንባሮም ገና ካብ መጀመርታ ምስ ኣስተብሃልኩ ተመሲጠ ኢየ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣቐዲመ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ዝሰማማዕ ኰይኑ ረኸብክዎ። እቶም መሰኻኽር ድማ ጽፉፍ ኣከዳድና ዝነበሮም: ንኻልእ ከኣ ካበየናይ ሃገር ምዃኑ ብዘየገድስ ብሕያውነት ዝርእዩ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣጸቢቑ ተንኪፉኒ ኢዩ።”

ዝጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ኣዕሩኽ ይዀኑ

እቶም ቅድም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሮበርትን ኣብርሃምን ሕጂ ናይ ቀረባ ብጾት ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ። “ደቂ ኽልተ ጐረባብቲ ሃገራት እሞ ኸኣ መብዛሕትኦም ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዘለዎም ስለምንታይ ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንድዚ ይጻልኡ ዝብል ሓሳብ ሓደ ኻብቲ ኣብ እዋን ውግእ ዝገርመኒ ዝነበረ ነገራት ኢዩ” ብምባል ኣብርሃም ይገልጽ። ኣስዒቡ ድማ ኸምዚ ይብል:- “ኣነን ሮበርትን ናይ ሓንቲ ሃይማኖት ኣባላት ዝነበርና ኽነስና ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንዋጋእ ኣብ ኲናት ተሰለፍና። ሕጂ ግን ክልቴና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና: እምነትና ድማ ሓድነት ኣምጺኡልና ኣሎ።”

ሮበርት እውን ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ሕጂ ኣባላት ናይ ሓቂ ሕውነት ዘለዎ እምነት ኢና። ደጊም ኣብ ውግእ ከቶ ኣይክንስለፍን ኢና። ካብቲ ናይ ቅድም ፍሉያት ዝገብረና ኸኣ እዚ ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣልባብ ናይዞም ቅድም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ሓያል ጽልዋ ገይሩ ኢዩ። ናይ ጽልእን ቂምን ስምዒት በብቝሩብ ብናይ ምትእምማንን ዕርክነትን መንፈስ ተተኪኡ ኢዩ።

ኣብቲ ኣብርሃምን ሮበርትን ኣብ ኲናት ዝነበርሉ እዋን: ካልኦት ክልተ መንእሰያት ከኣ ኣብ ካልእ ኣብ መንጎ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ኣብ ኣንጻር ግንባራት ተሰሊፎም ነበሩ። ናይዚኣቶም ኣልባብ ንምፍዋስ እውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ፍቱን ዝዀነ መድሃኒት ጠቒሙ ኢዩ። ብኸመይ፧

ዝቐተልካ ቐቲልካ ተሰዊእካ ምሕላፍ

ኣብ ሃይማኖታዊ ስድራ ዝዓበየ ጋብሪል ሃገሩ ኣብ ቅዱስ ውግእ ኣትያ ኸም ዘላ ተማህረ። ስለዚ ኸኣ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰነ ብወለንትኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ናብ ዓውዲ ዂናት ክልኣኽ ሓተተ። ን13 ኣዋርሕ ዝኸውን ድማ ኣብ ረመጽ ኲናት ተኻፈለ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እሞ ካብ መስመር ጸላእቱ ሓደ ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ጥራይ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ዝዀነሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ብፍላይ ሓደ ግዜ ዘጋጠመኒ ዅነታት ኣይርስዖን ኢየ። ኣዛዚና በታ ለይቲ እቲኣ ጸላኢ ኸጥቅዕ ምዃኑ ገለጸልና። ኣዚና ተሃዊኽና ስለ ዝነበርና ምሉእ ለይቲ ሞርታር ክንትኵስ ሓደርና።” ንደቂ ጐረቤት ሃገሩ ሞት ዝግብኦም ጸላእቲ ገይሩ ኢዩ ዝቘጽሮም ነይሩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ንምቕታል ኢዩ ነይሩ ዕላማይ። ድሕርዚ ኣሰር ካልኦት ብጾተይ ክስዋእ ኢየ ዝደሊ ነይረ።”

ይኹን እምበር: ጋብሪል ትምኒቱ ከንቱ ምዃኑ ክርድኦ ጀመረ። ናብ ኣኽራናት ብምህዳም ተሓቢኡ ዶብ ሓለፈ: ናብ ገለልተኛ ሃገር ብምህዳም ከኣ ኣውሮጳ ክኸይድ ከኣለ። ብህይወት ምንባር ስለምንታይ ኣዝዩ ጽንኩር ከም ዝዀነ: ግድላት ካብኡ ዝወርድ መቕጻዕቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከየባተኸ ንኣምላኽ ይሓቶ ነበረ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ እሞ ነቲ ሎሚ ብህይወት ምንባር ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኰይንሉ ዘሎ ምኽንያት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለጽሉ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3-14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5

ጋብሪል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ እናተማህረ ብዝኸደ መጠን: ሓቅነት ዝሓዘለ መጽሓፍ ምዃኑ ዝያዳ እናተገንዘበ ኸደ። ስለዚ ድማ ኢዩ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ:- “ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ፈለጥኩ። እቲ ዘገርም ከኣ እዚ ኻብ ቍልዕነተይ ጀሚረ ዝብህጎ ዝነበርኩ ጕዳይ ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ንጋብሪል ኣጸናኒዕዎን ነቲ ክሳቐ ዝጸንሐ ልቡ ኣዐጊስሉን ኢዩ። እቲ ንስምዒቱ ተንኪፍዎ ዝጸንሐ ውሽጣዊ በሰላ ክሓዊ ጀመረ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ምስቲ ቕድም ጸላኢኡ ዝነበረ ዳንየል ክራኸብ ከሎ ጽልኢ ዝበሃል ነገር ዘይተሰምዖ። እቲ ንዳንየል ናብ ኣውሮጳ ኸም ዝኸይድ ዝገበሮ ምኽንያት ግን እንታይ ኢዩ፧

“ብሓቂ ኣለኻ እንተ​ድኣ ዄንካ: በጃኻ ርድኣኒ!”

ዳንየል ኣብ እምነት ካቶሊክ ኢዩ ዓብዩ: ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸውዐ። ናብቲ ጋብሪል ዝነበረሉ ዓውዲ ኲናት ተላእከ: ይኹን እምበር ኣብ ኣንጻር ግንባራት ኢዮም ነይሮም። እታ ዳንየል ዝነበራ ታንክ ናብቲ ግንባር ምስ ተጸገዐት ተሃርመት። ብጾቱ ክቕተሉ ኸለዉ ንሱ ኸቢድ መቝሰልቲ ወሪድዎ ተማረኸ። ኣብ ሆስፒታልን መዓስከርን ንኣዋርሕ ዝኣክል ተዓቚቡ ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ሓንቲ ገለልተኛ ሃገር ኣባረርዎ። ኣብቲ ንበይኑ ተጠልይሉ ዝነበረ ኵነታት: ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽም ሓሲቡ ነበረ። “ብሓቂ ኣለኻ እንተ​ድኣ ዄንካ: በጃኻ ርድኣኒ!” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ንጽባሒቱ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሕዎ እሞ ንመብዛሕትኡ ካብ ሕቶታቱ ክምልስሉ ኸኣሉ። ድሕሪ ገለ ግዜ ስደተኛ ዀይኑ ንኣውሮጳ ተጓዕዘ። ሕጂውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ጀመረ እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ። እቲ እተማህሮ ዘበለ ድማ ካብ ሻቕሎትን ምረትን ኣቕሲንዎ ኢዩ።

ጋብሪልን ዳንየልን ኣብዚ ሕጂ እዋን ጥሙቓት መሰኻኽር የሆዋ ብምዃን መንፈሳውን ሕውነታውን ሓድነት ዘለዎም ደስ ዘብሉ ኣዕሩኽ ኰይኖም ኣለዉ። ጋብሪል ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ፍቕርን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ናቱ ዝበለ ኣረኣእያ ንኽህልወኒ ሓጊዙኒ ኢዩ። ደጊም ዳንየል ጸላእየይ ኣይኰነን። ቅድሚ ገለ ዓመታት እንተ ዝኸውን ባህ እናበለኒ ምቐተልክዎ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣንጻር እዚ ማለት ኣብ ክንድኡ ኽመውት ኢዩ ምሂሩኒ።”

ዳንየል ድማ “ደቂ እተፈላለዩ ሃይማኖትን ሃገራትን ዝዀኑ ሰባት ንሓድሕዶም ክቃተሉ ርእየ ኢየ” ይብል። ኣስዒቡ ድማ ኸምዚ ይብል:- “ደቂ ሓደ ሃይማኖት እውን ኣብ ኣንጻር ዝዀነ ግንባራት ተሰሊፎም ንሓድሕዶም ይቃተሉ ነይሮም ኢዮም። ከምዚ ኽግበር ምስ ረኣኹ እቲ ኽውቀስ ዝነበሮ ኣምላኽ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ሕጂ ግን ንዅሉ ዂናት ዘሳውሮ ሰይጣን ምዃኑ ፈሊጠ ኢየ። ሕጂ ኣነን ጋብሪልን ኣመንቲ ብጾት ኢና። ደጊም ኣይክንዋጋእን ኢና!”

“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ”

ኣብርሃም: ሮበርት: ጋብሪል: ከምኡውን ዳንየል ብኣዝዩ ዘደንቕ መገዲ ክልወጡ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝዒጉ ዝነበረ ጽልእን ጓህን ካብ ኣልባቦም ክፍሕቍዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧

ነፍሲ ወከፎም ነቲ “ህያውን መስለጥን” ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣንቢቦምዎን ኣስተንቲኖምሉን ተማሂሮምዎን ኢዮም። (እብራውያን 4:⁠12) ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንደቅ​ሰብ ዝፈጠሮም ኢዩ: ንሱ ኸኣ ንኣልባብ እቶም ንምስማዕን ትምህርቲ ንምቕሳምን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብኸመይ ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዝገብረሎም ይፈልጥ ኢዩ። “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ሓደ ሰብ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቦ ነገራት ንኽምራሕ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ሓድሽ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታትን መዐቀኒታትን ኢዩ ዝረክብ። ኣረኣእያ የሆዋ ኽፈልጥ ይጅምር። እዚ መስርሕ እዚ እንተላይ ንበሰላ ኲናት ምሕዋይ ሓዊስካ ብዙሕ ረብሓታት ኢዩ ዘለዎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

ሓደ ህዝቢ: ዓሌት: ወይ ቀቢላ ካብቲ ኻልእ ከም ዘይበልጽ ወይ ከኣ ሓደ ትሕቲ ሓደ ኸም ዘይኰነ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ዝገልጽ። “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ዝርዳእ ኣንባቢ በብቝሩብ ነቲ ኣብ ሃገርን ዓሌትን እተመስረተ ናይ ጽልኢ ስምዒት ንምሕኻኽ ክሕገዝ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35

ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብመሲሓዊት መንግስቱ ኽትክኦ ምዃኑ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር ኢዩ። በዚ ምምሕዳር እዚ ኣቢሉ ኣምላኽ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።” ኲናት ዝጽሕትሩን ሰባት ምእንቲ ኽዋግኡ ዝሓባብሉን ኣካላት ክጽረጉ ኢዮም። ግዳይ ኲናት ኰይኖም ዝሞቱ ሰባት ክትንስኡ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ዕድል ድማ ክወሃቦም ኢዩ። ገጽ ወረርቲ ወይ ድማ ጨቈንቲ ርእዩ ዝሃድም ዋላ ሓደ ኣይክህሉን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 46:⁠9፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝህልዉ ደቅሰብ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።” ክሓዊ ዘይክእል ጕድኣትን ቍስልን የልቦን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ዝግበር እምነት ካብ ልቢ ሓደ ሰብ ናይ ጓህን እህህታን ስምዒት በብቝሩብ ዝሓክኽ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21-23

መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ንልቢ ዝኸውን ፍቱን መድሃኒት ኢዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርቲ ድሮ ንበሰላ ኲናት የሕውዮ ኣሎ። ቅድም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ሓድነት ረኺቦም ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ሕውነት ይጥርነፉ ኣለዉ። ጽልእን ቂምን ከምኡውን ጓህን እህህታን ካብ ኣልባብ ደቅሰብ ፈጺሙ ክሳዕ ዝሕከኽ እዚ ናይ ምሕዋይ መስርሕ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ እውን ክቕጽል ኢዩ። ፈጣሪ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ብምባል ይመባጻዕ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት ተለዊጡ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ኵሉ እቲ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ንኸንቱ ምንባሩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርዳእ ክኢለ ኢየ”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣልባብ እቶም ቅድም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ሓያል ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ጽልእን ቂምን ስምዒት በብቝሩብ በቲ ናይ ምትእምማንን ዕርክነትን መንፈስ ተተክአ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቦ ነገራት ንኽምራሕ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ሓድሽ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታትን መዐቀኒታትን ኢዩ ዝረክብ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቅድም ዝጻልኡ ዝነበሩ ሰባት ሓድነት ረኺቦም ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ሕውነት ይጥርነፉ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

መዓስከር ስደተኛታት:- UN PHOTO 186811/J. Isaac