ማርቆስ 13:1-37

  • መደምደምታ ስርዓት ዓለም (1-37)

    • ውግእ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ጥሜት (8)

    • ብስራት ይስበኽ (10)

    • ብርቱዕ ጸበባ (19)

    • ምምጻእ ወዲ ሰብ (26)

    • ምሳሌ እታ ኦም በለስ (28-31)

    • ንቕሑ (32-37)

13  የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻን እሞ ርአ!” በሎ።+ 2  የሱስ ግና፡ “ነዚ ዓብዪ ህንጻስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎ።+ 3  ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡ 4  “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መዓስ ከም ዚድምደም ዚሕብር ምልክትከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 5  የሱስ ከኣ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።+ 6  ‘ኣነ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም። 7  ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ፣ እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።+ 8  “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣+ ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣ ጥሜት ከኣ ኪኸውን እዩ።+ እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።+ 9  “ንስኻትኩም ግና ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡+ ኣብ ምኵራባት ኪወቕዑኹም፡+ ምእንታይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ኬቝሙኹም እዮም።+ 10  ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።+ 11  ኣሕሊፎም ንምሃብ ኪወስዱኹም ከለዉ ድማ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፣ መንፈስ ቅዱስ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ በታ ሰዓት እቲኣ እተዋህበኩም ዘበለ ተዛረቡ።+ 12  ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም።+ 13  ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም።+ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና+ ኪድሕን እዩ።+ 14  “ግናኸ፡ እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ዘይግብኦ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 15  ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኣይውረድ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኢሉ እውን ኣይእቶ፣ 16  ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን!+ 18  እዚ ብኽረምቲ ኸይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 19  ኣብተን መዓልትታት እቲአንሲ፡ ካብታ ኣምላኽ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ፡+ ከቶ ድማ ዘይከውን ጸበባ+ ኪኸውን እዩ። 20  የሆዋ* ነተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ ነተን መዓልትታት እቲአን ኬሕጽረን እዩ።+ 21  “ሽዑ እውን፡ ዝዀነ ሰብ፡ ‘እንሆ፡ ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ’ ወይ ‘እንሆ፡ ኣብቲ ኣሎ’ እንተ ኢሉኩም፡ ኣይትእመኑ።+ 22  ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ፡+ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም። 23  ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ።+ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ። 24  “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ድሕሪ እቲ ጸበባ እቲ፡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣+ 25  ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሓይልታት እውን ኪናወጹ እዮም። 26  ሽዑ ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ብደበናታት ኪመጽእ ከሎ፡+ ኪርእይዎ እዮም።+ 27  ሽዑ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳብ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።+ 28  “ካብ ኦም በለስ፡* እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።+ 29  ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ።+ 30  እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 31  ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡+ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 32  “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ፡ ኣቦ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።+ 33  እቲ ምዱብ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡+ ተቛመቱን ንቕሑን።+ 34  ከምቲ ቤቱ ሓዲጉ ዝገሸ እሞ ንባሮቱ ስልጣን ዝሃቦም፡+ ንነፍሲ ወከፍ ዕዮኡ፡ ንሓላው ማዕጾ እውን ኪነቅሕ ዝኣዘዞ ሰብ እዩ።+ 35  እምበኣር፡ እቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ ይኽእል እዩ እሞ፡+ ንቕሑ፣+ 36  እዚ ኸኣ፡ ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩም እዩ።+ 37  እዚ ንዓኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፦ ንቕሑ።”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ እስራኤል፡ ሓጋይ ኣእዋም ዚፈርየሉ ወቕቲ እዩ።