ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 22

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ትፍጽም

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ትፍጽም

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባትን ምድርን ዝኣተዎ ተስፋታት ኣብ ምድሪ ትፍጽም

1, 2. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ፡ ገነት ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ጌርና ምርኣይ ዜጸግመና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ዘላትና እምነት ንምድልዳል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

 ሓደ እሙን ሓው ምሉእ መዓልቲ እተፈላለየ ጸቕጥታት ድሕሪ ምጽዋሩ፡ ናብ ኣኼባ ኸደ። እቲ ዝያዳ ኼዕይዮ ዚደሊ ኣስራሒኡ ዝበደሎ በደልን ንስድራ ቤቱ ምእላይ ዘምጽኣሉ ውጥረትን ሕማም ሰበይቱ ዘሕደረሉ ጭንቀትን ጾይሩ እዩ ነይሩ። ሙዚቃ እታ መኽፈቲ መዝሙር ምስ ጀመረ፡ ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘሐጐሶ፡ እፎይ ኢሉ ኣስተንፈሰ። እታ መዝሙር ብዛዕባ ተስፋ እቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት እያ ነይራ፣ እቲ ግጥማ ኸኣ ነቲ ተስፋ እቲ ብኣእምሮኡ ኺስእሎ፡ ገዛእ ርእሱ እውን ኣብኡ ኣእትዩ ኺርኢ ዜተባብዕ እዩ። ነታ መዝሙር እቲኣ ኻብ ቀደሙ ይፈትዋ እዩ፣ ምስ ስድራ ቤቱ ሓቢሩ ኺዝምር ከሎ ድማ፡ ተስፋ ነታ እተጨነቐት ልቡ ኣጸናንዓታ።

2 ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ መብዛሕትና ተሰሚዑና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት ዓለም እዚ ዘሎ ህይወት፡ ነታ እትመጽእ ገነት ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ጌርና ንምርኣይ ኣመና ኣጸጋሚ ኸም ዚገብሮ ኣይከሓድን እዩ። እዚ “ጽንኩር ግዜ”ን እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለምን ምስ ገነት ዜመሳስል ዋላ ሓንቲ የብሉን። (2 ጢሞ. 3:1) ንተስፋና ኸም ናይ ሓቂ ጌርና ኽንርእዮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ ከም እትገዝኦም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ገለ ኻብቲ ጥንቲ የሆዋ እተነበዮ እሞ ህዝቡ ኺፍጸም ዝረኣይዎ ትንቢታት እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ እዝን ምስኡ ዚመሳሰልን ትንቢታት፡ ኣብዚ ግዜና ኸመይ ኢሉ ይፍጸም ከም ዘሎ ኽንርኢ ኢና። በዚ ኸምዚ እምነትና ምስ ደልደለት፡ እዚ ትንቢታት እዚ ንመጻኢና ኣብ ዘለዎ ትርጕም ከነተኵር ኢና።

ጥንቲ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ተስፋታቱ ኸም ዝፈጸመ

3. ነቶም ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘጸናንዖም ተስፋ እንታይ እዩ፧

3 ነቶም ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ህይወት ከመይ ከም ዝነበረት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብዙሓት ከም ወለዶም ኣብ ምርኮ እዮም ዓብዮም፣ ህይወት ከኣ ኣጸጋሚት እያ ነይራ። ብምኽንያት እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነት ድማ፡ ባቢሎናውያን የላግጹሎም ነይሮም እዮም። (መዝ. 137:1-3) ኣብ ኵሉ እቲ ዓመታት ግና፡ እሙናት ኣይሁድ ሓደ ብሩህ ተስፋ ነበሮም፦ የሆዋ ንህዝቡ ናብ ዓዶም ኪመልሶም ኣተስፍይዎም ነይሩ። ኣብኡ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዚህሉ፡ የሆዋ ተዛሪቡ ነይሩ። አረ ነታ እተሓደሰት ምድሪ ይሁዳሲ፡ ምስ ኣትክልቲ ኤድን ወይ ምስ ገነት እውን እዩ ኣመሳሲልዋ! (ኢሳይያስ 51:3 ኣንብብ።) እዚ ተስፋታት እዚ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንልቦም ዚርብሾ ጥርጣረታት ብምውጋድ ኬጸናንዖም ተባሂሉ እዩ ተዋሂቡ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧ ገለ ኻብቲ ትንቢታት እስከ ብዝርዝር ንርአ።

4. የሆዋ ንኣይሁድ ብዛዕባ ኣብ ዓዶም ዚህልዎም ድሕንነት ከመይ ገይሩ ኣጸናንዖም፧

4 ድሕንነት። እቶም ምሩኻት ቃል ብቓሉ ናብ ገነት ዘይኰነስ፡ መብዛሕትኦም ርእዮምዋ ናብ ዘይፈልጡ ን70 ዓመት ባዲማ ናብ ዝጸንሐት ምድሪ እዮም ኪምለሱ ነይርዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ዓዲ እቲኣ ኣንበሳን ተዅላን ነብርን ካልኦት ኣራዊትን ብብዝሒ ይርከቡ ነበሩ። ስለዚ፡ ሓደ ስድራ ዘለዎ ኣቦ፡ ‘ንሰበይተይን ንደቀይን ከመይ ገይረ ድሕንነቶም ክሕልወሎም እኽእል፧ ንኣባጊዐይን ንኸብተይንከ ኸመይ ገይረ ኽከላኸለለን እኽእል፧’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ሻቕሎት ባህርያዊ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኢሳይያስ 11:6-9 ዝሃቦ ተስፋን እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ከም ዝዀነን እሞ ሕሰብ። (ኣንብብ።) የሆዋ በቲ ጥዑም ቃላት ገይሩ፡ እቶም ምሩኻትን ማሎምን ደሓን ከም ዚዀኑ ገለጸ። ኣንበሳ ንኸብቲ ኣይሁድ ስለ ዘይበልዐን፡ ሳዕሪ ኸም ዚበልዕ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እሙናት ዘበሉ ኻብ ኣራዊት ዜፍርህ ኣይነበሮምን። የሆዋ፡ ህዝቡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ደሓን ከም ዚዀኑ፡ ኣብ በረኻን ኣብ ዱርን እኳ ድሕንነቶም ከም ዚሕሎ ኣተስፈወ።—ህዝ. 34:25

5. እቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ከም ዜማልኣሎም ኪተኣማመኑ ዘኽኣሎም እንታይ ትንቢታት እዩ፧

5 ኣኽል ታርፍ። ካልእ ዜሻቕል ነገር ድማ፡ ‘ኣብታ ዝምለሳ ዓዲ ንስድራ ቤተይ ክምግቦም ደዀን እኽእል እኸውን፧ ኣበይ ክንነብር ኢና፧ ስራሕ ኪህሉ ድዩ፧ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ማረኽትና ዘሎና ሃልኪ ዝሓሸ ደዀን ይኸውን፧’ ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ብመሪሕነት መንፈሱ ኣቢሉ ብእተነበዮ ትንቢታት፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን መልሲ ሂቡ እዩ። የሆዋ፡ ህዝቡ እኹል ዝናም ከም ዚረኽቡ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እታ ምድሪ “ጥዑምን ኣኽልታርፍን” እንጌራ ኸም እተፍሪ ኣተስፍዩ እዩ። (ኢሳ. 30:23) ብዛዕባ መንበርን ትርጕም ዘለዎ ስራሕን ከኣ፡ የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” ኢሉ ኣተስፈወ። (ኢሳ. 65:21, 22) እወ፡ ምስቲ ኣብ ትሕቲ ምርኮ እታ ኣረማዊት ባቢሎን ዝነበርዎ ዅነታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ብብዙሕ መገዲ ኣነባብራኦም ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ዀይኑ። እቲ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰዱ ዝገበሮም ዝኸበደ ጸገምከ ብኸመይ እዩ ተፈቲሑ፧

6. ህዝቢ ኣምላኽ ኣቐዲሙ እንታይ ዓይነት ጸገማት ጥዕና እዩ ነይርዎም፧ የሆዋኸ ነቶም ዚምለሱ ምሩኻት እንታይ ኢሉ እዩ ኣጸናኒዕዎም፧

6 መንፈሳዊ ጥዕና። ህዝቢ ኣምላኽ ተማሪኾም ቅድሚ ምኻዶም ነዊሕ ይገብር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓሚሞም ነይሮም እዮም። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ ህዝቡ፡ “ኵሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኵሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 1:5) የሆዋ ዚህቦም ምኽሪ ኸይሰምዑ ኣእዛኖም ደፊኖም፡ ንሱ ዜብርሃሎም ብርሃን ከይርእዩ ድማ ኣዒንቶም ዓሚቶም ስለ ዝነበሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉራትን ጸማማትን እዮም ነይሮም። (ኢሳ. 6:10፣ ኤር. 5:21፣ ህዝ. 12:2) እቶም ዚምለሱ ምሩኻት ተመሳሳሊ ጸገማት እንተ ዚህልዎም፡ እንታይ ድሕንነት ምረኸቡ፧ መሊሶምዶ ሞገስ የሆዋ ኣይምሰኣኑን፧ እምበኣር፡ እቲ የሆዋ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ጽሑፍ ኪሰምዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ድማ ካብ ጽልግልግታን ጸልማትን ወጺኤን ኪርእያ እየን” ኢሉ ዘተስፈዎ ተስፋ ዜጸናንዕ እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 29:18) እወ፡ የሆዋ ነቶም እተቐጽዑን እተነስሑን ህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣሕውይዎም እዩ። እዙዛትን ሰማዓትን ክሳዕ ዝዀኑ፡ ህይወት ዚህብ መምርሕን ብርሃንን ሂብዎም እዩ።

7. የሆዋ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ዘተስፈዎም ተስፋ ብኸመይ ተፈጺሙ፧ እዚ ፍጻመ እዚ ንእምነትና ዜደልድልከ ስለምንታይ እዩ፧

7 እሞኸ የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎም ተስፋታት ፈጺምዎዶ፧ ታሪኽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሳ እዩ። እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ፡ ድሕንነትን ኣኽል ታርፍን መንፈሳዊ ጥዕናን ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ንዓታቶም ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ዝሓየሉን ዝበዝሑን ህዝብታት ኣዕቊብዎም እዩ። ኣራዊት ከኣ ንማል ኣይሁድ ኣይወድእወንን። ብዛዕባ እቲ ኸም እኒ ኢሳይያስን ኤርምያስን ህዝቅኤልን ዝጸሓፍዎ ገነታዊ ትንቢታት፡ እቶም ኣይሁድ እቲኦም ብእተወሰነ መዳይ ጥራይ ኪፍጸም ከም ዝርኣዩ ኣይከሓድን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝረኣይዎ ፍጻመ ብሓቂ ዜሐጕስን ነቲ ግዜ እቲ ዚኣክልን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ንህዝቡ ዝገበረሎም ከነስተንትን ከለና፡ እምነትና ትድልድል እያ። እቲ ናይ ፈለማ ውሱን ፍጻመ እዚ ትንቢታት እዚ ብሓቂ ዜሐጕስ እንተ ነይሩ፡ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሎሚ የሆዋ ንዓና ዝገበረልና እስከ ንርአ።

የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸመይ ኢሉ ኣብዚ ግዜና ኺፍጽሞ ኸም ዝጀመረ

8. ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እንታይ ዓይነት “ሃገር” እዮም ዘለዉ፧

8 ህዝቢ የሆዋ፡ ቃል ብቓሉ ሓደ ህዝቢ ኣየቝሙን እዮም፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር እውን ኣይኰኑን ዚነብሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚብሃል መንፈሳዊ ህዝቢ የቝሙ እዮም። (ገላ. 6:16) እቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከኣ ኣብ መንፈሳዊ “ሃገር፡” ማለት ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓድነት ዜምልኹሉ ናይ ንጥፈታት ዓለም ይሓብርዎም እዮም። እቲ ኣምልኾ እቲ፡ መገዲ ህይወቶም እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ኢሳ. 66:8) የሆዋኸ እንታይ ዓይነት “ሃገር” እዩ ሂቡና፧ መንፈሳዊ ገነት እዩ ሂቡና። ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ኤድን ዝነበረ ዅነታት ከም ዚህሉ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ዜደንቕ መንፈሳዊ ፍጻመ ይረክብ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

9, 10. (ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 11:6-9 ዚርከብ ትንቢት፡ ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላም ከም ዘሎ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

9 ድሕንነት። ኣብቲ ኣብ ኢሳይያስ 11:6-9 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ ኣራዊት ምስ ሰባትን እንስሳታት ዘቤትን ባህ ዜብል ስኒትን ሰላምን ከም ዚህልዎም ተገሊጹ ዘሎ። እሞኸ እቲ ትንቢት እቲ፡ ሎሚ መንፈሳዊ ፍጻመኡ ይረክብዶ ኣሎ፧ እወ! ፍቕዲ 9፡ እዞም ፍጡራት እዚኦም ስለምንታይ እከይን ጕድኣትን ከም ዘይገብሩ ኽትገልጽ ከላ፡ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ክትመልእ እያ” ትብል። “ፍልጠት የሆዋ” ንባህርያት እንስሳታት ይቕይር ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ሰባት እዮም ነቲ ልዑል ኣምላኽ ብምፍላጥን ሰላማዊ መገድታቱ ብምስዓብን ዚልወጡ። ስለዚ ኢና ሎሚ ኣብቲ መንፈሳዊ ገነትና፡ ልቢ ዚትንክፍ ፍጻመ እቲ ትንቢት እቲ እንረክብ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ኸም ናይ እንስሳ ዝበለ ባህርያቶም ቀንጢጦም፡ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብሰላምን ብስኒትን ምንባር ይምሃሩ ኣለዉ።

10 ንኣብነት፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነት፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንገለልትነት ዚምልከት ግንዛበና መሰረት ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋትን ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብሰንኪ ገለልትነቶም ዘጓነፎም መስጐጕትን ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓመጻ ዝመልኣ ዓለም፡ ከይቅተል ምፍርራህ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ዓመጻ ኸይካፈል ዚኣቢ ንእሽቶ ዘይኰነ “ህዝቢ” ምህላዉስ ዜገርም ደይኰነን፧ ተገዛእቲ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ከምቲ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ዓይነት ሰላም ረኺቦም ከም ዘለዉ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መርትዖ ዀን እዩ! የሱስ፡ ሰዓብቱ በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ዚፍለጡ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ኸኣ፡ ክርስቶስ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ፡ ብትዕግስቲ ንዅሎም ክርስትያናት ሰላማውያንን ፈቃራትን ልኡማትን ኪዀኑ ይምህሮም ኣሎ።—ማቴ. 24:45-47

11, 12. ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ጥሜት እዩ ዘሎ፧ ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ዜድልዮም ዘበለ ዜቕርበሎም ዘሎ፧

11 ኣኽል ታርፍ። ዓለም ብመንፈሳዊ ጥሜት ትሳቐ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ኣሞ. 8:11) ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽከ ብጥሜት ይሳቐዩ ድዮም፧ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝቡን ጸላእቱን ብዛዕባ ዚህሉ ፍልልይ፡ “እንሆ፡ ባሮተይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሰትዩ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 65:13) ፍጻመ እዘን ቃላት እዚአንሲ ተዓዚብካዶ፧

12 መንፈሳዊ መሰናድዎታት ከምቲ እናሰፍሐን እናዓመቘን ዚኸይድ ርባ ዀይኑ ይውሕዘልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትና፡—ከምኡ እውን ቅዳሓትን ቪድዮታትን፡ ሰሙናዊ ዀነ ዓበይቲ ኣኼባታትና፡ ኣብ ወብ ሳይትና ዚወጽእ ሕታማትና፡—ኣብዛ ብመንፈሳዊ ዓጸቦ እትጥቃዕ ዘላ ዓለም፡ ብቐጻሊ ዚውሕዝ ብርቱዕ ውሒዝ መንፈሳዊ ምግቢ ዀይኑ ኣሎ። (ህዝ. 47:1-12፣ ዮኤ. 3:18) ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ፡ ፍጻመ እቲ ኣኽል ታርፍ ከም ዚህሉ ዚገልጽ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ምርኣይካስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ እሞኸ ኻብ መኣዲ የሆዋ ብስሩዕ ትምገብ ዲኻ፧

ጉባኤታትና መንፈሳዊ ምግብን ድሕንነትን ጥዕናን ክንረክብ ይሕግዛና

13. እቲ ኣዒንቲ ዕዉራት ከም ዚኽፈታን ኣእዛን ጸማማት ጋህ ከም ዚብላን ዚገልጽ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ ኪፍጸም ርኢኻ፧

13 መንፈሳዊ ጥዕና። ሎሚ፡ መንፈሳዊ ዑረትን ጽመትን ከም ለበዳ ዀይኑ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:4) ኰይኑ ግና፡ ክርስቶስ ኣብ ብዘላ ዓለም ስንክልናን ሕማምን የሕዊ ኣሎ። ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታን ኣእዛን ጸማማት ጋህ ኪብላን ርኢኻዶ፧ ሰባት ነቲ ሓደ ግዜ ንሓቂ ዕዉራትን ጸማማትን ገይርዎም ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሓሶት ሓዲጎም፡ ናብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ እንተ ርኢኻ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ጽሑፍ ኪሰምዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ድማ ካብ ጽልግልግታን ጸልማትን ወጺኤን ኪርእያ እየን” ዚብል ተስፋ ኺፍጸም ርኢኻ ኢኻ። (ኢሳ. 29:18) ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ኣብ ዓዓመት ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ይሓውዩ እዮም። ንዓባይ ባቢሎን ሓዲጉ ናብ መንፈሳዊ ገነት ዚኣቱ ዘበለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ተስፋታት የሆዋ ይፍጸም ከም ዘሎ ዚሕብር ህያው መርትዖ እዩ!

14. ብዛዕባ እንታይ መርትዖ እንተ ኣስተንቲንና ኢና እምነትና እትድልድል፧

14 ኣብ ኵለን እተን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከባ ምዕራፋት፡ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ናብ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ገነት ከም ዘእተዎም ዚገልጽ ሓያል መርትዖ ኣሎ። ሎሚ፡ ኣብቲ ገነት እቲ ምዃንና ብኸመይ ንባረኽ ከም ዘለና ነስተንትነሉ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብቲ ናይ መጻኢ ተስፋታት የሆዋ ዘላትና እምነት እናዓበየት ክትከይድ እያ።

“መንግስትኻ ትምጻእ”

15. ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

15 የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ዕላማ ነይርዎ እዩ። ንኣዳምን ንሄዋንን ኣብ ገነት እዩ ኣንቢርዎም፣ ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋን ንዅሎም ፍጥረታት ኪከናኸኑን ድማ ትእዛዝ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 1:28) ኣዳምን ሄዋንን ግና ንሰይጣን ስዒቦም ዓለዉ፣ ንዅሎም ዘርኦም ከኣ ናብ ዓዘቕቲ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ሸመምዎም። ይኹን እምበር፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይተቐየረን። ኣምላኽ ሓንሳእ እንተ ተዛሪቡ፡ ቃሉ ወትሩ ምሉእ ብምሉእ ይፍጸም እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11 ኣንብብ።) ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንፍጥረት የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ እናተኸናኸኑ ንምድሪ ኸም ዚመልእዋን ከም ዚገዝእዋን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ንምሩኻት ኣይሁድ ብዛዕባ ኣብ ገነታዊ ዅነታት ዚህሉ ህይወት እተዋህቦም ትንቢታት፡ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ።

16. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ገነት እንረኽቦ ድሕንነት ብኸመይ ይገልጾ፧

16 ድሕንነት። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 11:6-9 ዚርከብ ቃላት፡ ቃል ብቓሉ ምሉእ ፍጻመኡ ኺረክብ እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ምድሪ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ድሕንነት ኪረኽቡ እዮም። ሰብ ኰነ እንስሳ ንኻልእ ኣይኬስግእን እዩ። ምልእቲ ምድሪ ኸም ቤትካ ጌርካ እትርእየሉ፡ ኣብ ርባታትን ቀላያትን ባሕርታትን እትሕምብሰሉ፡ ኣኽራን እትድይበሉ፡ ኣብ ምድረ ሳዕሪ ድማ ብዘይ ስግኣት እትዛወረሉ እዋን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ለይቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ዜሻቕል የብልካን። ቃላት ህዝቅኤል 34:25 ስለ ዚፍጸም፡ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ኣብ በረኻ እኳ ሃዲኦም ኪነብሩ፡ ኣብ ዱር እውን ኪድቅሱ እዮም።’

17. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኽትገዝእ ከላ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ስለምንታይ ርግጸኛታት ንኸውን፧

17 ኣኽል ታርፍ። ድኽነት፡ ጕድለት ምግቢ፡ ጥሜት፡ ረድኤት፡ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ብዛዕባ ዘይህልወሉ ግዜ እሞ ሕሰብ። እቲ ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ረኺቦምዎ ዘለዎ ኣኽል ታርፍ፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ንዅሎም ተገዛእቲ ብዅሉ መዳይ ከም ዚምግቦም ውሕስነት ይኸውን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዝጠመዩ ኣሽሓት ብሒደት እንጌራን ዓሳን ስለ ዝመገበ፡ ነዚ ተስፋታት እዚ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል ብንእሽቶ ኣርእዩ እዩ። (ማቴ. 14:17, 18፣ 15:34-36፣ ማር. 8:19, 20) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኽትገዝእ ከላ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዝበለ ትንቢታት ቃል ብቓሉ ኺፍጸም እዩ፦ “ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን።”—ኢሳ. 30:23

18, 19. (ሀ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:20-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ዕድመና ኸም “ዕድመ ኦም” ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

18 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ምሹእ ቤት ወይ ጻማ ዘለዎን ዜዕግብን ስራሕ ምርካብ፡ ኪሓስብዎ እውን ኣይክእሉን እዮም። ኣብዚ ብልሹው ስርዓት እዚ፡ ሃብታማትን ስሱዓትን መብዛሕትኡ መኽሰብ ኪምዝምዙ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንርእሶም ኰነ ንስድራ ቤቶም ዚረብሕ ነገር ከይረኸቡ ንነዊሕ ሰዓታት ይለፍዑ እዮም። እዚ ዚስዕብ ትንቢት ኣብ ብዘላ ዓለም ኪፍጸም ከሎ ግና እንታይ ከም ዚኸውን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፦ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳ. 65:20-22

19 ዕድመና ኸም “ዕድመ ኦም” ኪኸውን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ እግሪ ገዚፍ ኦም ደው ምስ እትብል፡ እቲ ህያው ነገር ክንደይ ዓመት ከም ዝጸንሐ፡ ምናልባት ኣቦሓጎታትካ ገና ኸይተወልዱ ኸም ዝነበረ ኽትሓስብ ከለኻ ኣይትድነቕንዶ፧ ከምዚ ዘለኻዮ ዘይፍጹም ኴንካ ኽሳዕ ዝቐጸልካ፡ እቲ ኦም እቲ ንስኻ ምስ ሓለፍካ እውን ንነዊሕ እዋን ብሰላም ከም ዚነብር ተስተውዕል ትኸውን። ስለዚ፡ የሆዋ ኣብታ እትመጽእ ገነት፡ ዕድመና ነዊሕን ሰላማውን ከም ዚኸውን መረጋገጺ ምሃቡስ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! (መዝ. 37:11, 29) ንዘለኣለም ብህይወት ኣብ እንነብረሉ እዋን፡ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ዚነብር ኣእዋም እኳ፡ ከም ሳዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ዚሓልፍ ኰይኑ ኺስምዓና እዩ!

20. እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍጹም ጥዕና ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

20 ፍጹም ጥዕና። ሎሚ፡ ብሕማምን ብሞትን ዘይትንከ ሰብ የልቦን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኵላትና ሓጢኣት ብዚብሃል ሕዱር ሕማም ተለኺፍና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ጥራይ እዩ ኼሕውየና ዚኽእል። (ሮሜ 3:23፣ 6:23) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ የሱስን መጋዝእቱን ንዅሉ ኣሰር ሓጢኣት ካብ እሙናት ሰባት ብምጥፋእ፡ ንጥቕምታት እቲ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ እዮም። ሽዑ፡ እቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ትንቢት ኢሳይያስ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ፦ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ [“ሕሙም፡” ትርጕም 1990] እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐዲጉሉ እዩ።” (ኢሳ. 33:24) ነቲ ዕዉር፡ ጸማም፡ ወይ ሓንካስ ዘይህልወሉ ግዜ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (ኢሳይያስ 35:5, 6 ኣንብብ።) የሱስ ኬሕውዮ ዘይክእል ኣካላዊ ዀነ፡ ኣእምሮኣዊ ዀነ፡ ወይ ስምዒታዊ ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍጹም ጥዕና ኺረኽቡ እዮም!

21. ሞት እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ተስፋ እቲ ዜጸናንዓናኸ ስለምንታይ እዩ፧

21 እቲ ድሕሪ ሕማም ዚስዕብ፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ከኣ ዝመጸ ሞትከ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ንሱ ውዒሉ ሓዲሩ ንዅሎም ዘይፍጹማት ሰባት ዜምበርክኽ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ” እዩ። (1 ቈረ. 15:26) ግናኸ፡ ሞት ንየሆዋ ኼሸግሮ ዚኽእል ጸላኢ ድዩ፧ ኢሳይያስ እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ እሞ ንርአ፦ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።” (ኢሳ. 25:8) ነቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእልዶ፧ ቀብሪ ዀነ፡ መቓብር ኰነ፡ ወይ ናይ ሓዘን ንብዓት ኣይኪህሉን እዩ! ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ነቲ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ዝሃበና ተስፋ ኺፍጽሞ ኸሎ፡ ናይ ሓጐስ ንብዓት ኪኸውን እዩ! (ኢሳይያስ 26:19 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታ፡ ሞት ዘስዓቦ ቘጺርካ ዘይውዳእ ቍስሊ ኺሓዊ እዩ።

22. እታ መሲሓዊት መንግስቲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምግባር ምስ ፈጸመት እንታይ እዩ ኪኸዉን፧

22 ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምግባር ክትፍጽም እያ፣ ክርስቶስ ድማ ነቲ ግዝኣት ንኣቦኡ ኼረክቦ እዩ። (1 ቈረ. 15:25-28) ደቂ ሰብ ኣብ መወዳእታ ፍጹማት ምስ ኰኑ፡ ነቲ ሰይጣን ካብቲ ዘይንጡፍ ዝነበረሉ መዓሙቝ ምስ ተፈትሐ ዜቕርበሎም ናይ መወዳእታ ፈተና ድሉዋት ኪዀኑ እዮም። ድሕሪኡ፡ ክርስቶስ ነቲ እኩይ ተመንን ንዅሎም ደገፍቱን ኪጭፍልቖም እዩ። (ዘፍ. 3:15፣ ራእ. 20:3, 7-10) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜፍቅርዎ ግና ብሩህ መጻኢ ኺህልዎም እዩ። ምናልባት ካብቲ ኣብቲ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ዝሓሸ መግለጺ ኣይርከብን እዩ። እወ፡ ሽዑ እቶም እሙናት፡ “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ኪህልዎም እዩ።—ሮሜ 8:21

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ምድርን ዘተስፈዎ ተስፋታት ክትፍጽሞ እያ

23, 24. (ሀ) ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ርግጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንስኻ እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

23 እዚ ተስፋታት እዚ ኣብ ትምኒት ወይ ሕልሚ እተመስረተ ኣይኰነን። የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብርግጽ ኪፍጸም እዩ! ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ዚርከብ ቃላት የሱስ እሞ ንዘክሮ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ የሆዋ ኺጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴ. 6:9, 10) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሓሳብ ሰብ እተፈጥረት ኣይኰነትን። ብሓቂ ዘላ እያ! ሕጂ ኣብ ሰማይ ኰይና ትገዝእ ኣላ። ንሓደ ዘመን ዚኣክል፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንጹር ክንርእዮ ብእንኽእል መገድታት ንተስፋታት የሆዋ ኽትፍጽሞ ጸኒሓ እያ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ስልጣና ንምድሪ ኽትገዝኣ ኸላ፡ ኵሉ ተስፋታት የሆዋ ኺፍጸም እዩ!

24 መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ንፈልጥ ኢና። ኵሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ቓል ከም ዚፍጸም ንፈልጥ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ንዓይ ትገዝኣኒዶ ኣላ፧’ እትብል ሕቶ ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ካብቲ ፍጹምን ፍትሓውን ግዝኣታ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ሕጂ እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ንምንባር ዚከኣለና ንግበር!