ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

ብተኣማንነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምድጋፍ

ብተኣማንነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምድጋፍ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ብምዃኖም፡ ካብ ዓለም ኣይኰኑን

1, 2. (ሀ) ሰዓብቲ የሱስ ክሳዕ እዚ ግዜና ዚምርሑሉ ዘለዉ ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ለ) ጸላእቲ ኼሰንፉና ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

 የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ጲላጦስ ቈይሙ፡ እቲ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዘለዉ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ዚምርሑሉ ስርዓት ጠቐሰ። “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃ. 18:36) ጲላጦስ ንየሱስ እኳ እንተ ኣቕተሎ፡ እቲ ዝረኸቦ ዓወት ግና ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ ነይሩ። የሱስ ተንሲኡ እዩ። ሃጸያት እታ ዓባይ ሮሜ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ኪጭፍልቑ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ጻዕሮም ግና ከንቱ ዀይኑ እዩ። ክርስትያናት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብምልእቲ እታ ጥንታዊት ዓለም ዘርጊሖምዎ እዮም።—ቈሎ. 1:23

2 ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓያላት ዚብሃሉ ወታሃደራዊ ሓይልታት ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥፍእዎም ፈቲኖም እዮም። ዝሰዓረና ግና የልቦን። ሓያሎ መንግስትታትን ፖለቲካውያን ጕጅለታትን ምሳታቶም ወጊንና ኽንቃለስ ኬገድዱና ፈቲኖም እዮም። ግናኸ፡ ኪኸፋፍሉና ኣይከኣሉን። ሎሚ ዘለና ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሃገር ኢና እንርከብ። ይኹን እምበር፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዓለም ገለልተኛታት ስለ ዝዀንና፡ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣብ መንጎና ሓድነት ከም ዚህሉ ገይሩ ኣሎ። እዚ ሓድነትና እዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ፡ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ድማ ንተገዛእቱ ይመርሖምን የጽርዮምን የዕቍቦምን ከም ዘሎ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ እዩ። እምበኣር፡ የሱስ ብኸመይ ከምኡ ይገብር ከም ዘሎ መርምር፣ ገለ ኻብቲ ‘ኻብ ዓለም ከይኰንና’ ኽንመላለስ ከለና ንሱ ዝሃበና እምነት ዜደልድል ሕጋዊ ዓወታት ድማ ርአ።—ዮሃ. 17:14

ኣገዳሲ ጕዳይ

3, 4. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተወልደትሉ ግዜ እንታይ እዩ ዝዀነ፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ንጕዳይ ገለልትነት ካብ ቀደሞም ምሉእ ብምሉእ ይርድእዎ ነይሮም ድዮም፧ ግለጽ።

3 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተወልደት፡ ኣብ ሰማይ ውግእ ኰነ፣ ሰይጣን ከኣ ናብ ምድሪ ተደርበየ። (ራእይ 12:7-10, 12 ኣንብብ።) ኣብ ምድሪ እውን ውግእ ኰነ፣ እዚ ድማ ንቘራጽነት ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍትን ነበረ። ኣብነት የሱስ ኪስዕቡን ካብ ዓለም ከይኰኑን ቈሪጾም ነይሮም እዮም። ኣብ ፈለማ ግና፡ ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ጕዳያት ንምርሓቕ እንታይ ኪገብሩ የድልዮም ከም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦምን ነይሩ።

4 ንኣብነት፡ እታ ብ1904 እተሓትመት 5ይቲ ጥራዝ እታ ሚልየናል ዶውን ዘርእስታ ብተኸታታሊ ዝወጸት መጽሓፍ፡ a ንክርስትያናት ኣብ ውግእ ከይሳተፉ ኣተባብዓቶም። ይኹን እምበር፡ ሓደ ክርስትያን ብግዲ ንውትህድርና እንተ ተኸቲቡ፡ ኣብ ኲናት ዘየእትዎ ዓይነት ኣገልግሎት ንምፍጻም ኪጽዕር ከም ዘለዎ ሓሳብ ሃበት። እዚ እንተ ዘይሰሊጥዎ እሞ ናብ ኲናት እንተ ተላኢኹ፡ ከይቀትል ኪጥንቀቕ ከም ዘለዎ ሓበረት። ብ1905 እተጠምቀ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ዝነበረ ሀርበርት ሲንየር ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብዙሕ ምድንጋራት ነይሩ፣ ኣብ ኲናት ዘየእቱ ዕዮ ንምዕያይ ኢልካ ኣባል ሓደ ሰራዊት ምዃኑ ግቡእ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ዚሕብር ንጹር ምኽሪ ኣይነበረን” በለ።

5. ናይ 1 መስከረም 1915 ግምቢ ዘብዐኛ ኸመይ ገይራ እያ ንግንዛበና ኸተነጽሮ ዝጀመረት፧

5 ኰይኑ ግና፡ ናይ 1 መስከረም 1915 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዝነበረና ግንዛበ ኸተነጽሮ ጀመረት። ብዛዕባ እቲ ኣብ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እተዋህበ ሓሳባት፡ “እዚ መገዲ እዚ፡ ካብ መትከልና ምልምላም ኪኸውን ዚኽእል ይመስለና” በለት። ሓደ ክርስትያን ወተሃደራዊ ኽዳን ምኽዳን ወይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ እንተ ኣብዩ ኸም ዚቕተል እንተ ተነግሮኸ፧ እታ ዓንቀጽ ከምዚ በለት፦ “ኣብ ትምህርትታት ሰማያዊ ንጉስና ተለማሊምካ፡ እንተ ወሓደ ብደጋዊ ትርኢትካ ነዞም ምድራውያን ነገስታት እናዓየኻን እናደገፍካዮምን ካብ እትቕተል፡ ነቲ መስፍን ሰላም እሙን ብምዃንካን ትእዛዙ ምጥሓስ ብምእባይካን እንተ ተቐተልካዶ ኣይሓይሽን፧ ካብዚ ኽልቲኡ ሞት፡ ነቲ ዳሕራይ፡ ማለት ንሰማያዊ ንጉስና እሙናት ብምዃንና ኽንመውት ኢና እንሓሪ።” እታ ዓንቀጽ ነዚ ሓያል ሓሳብ ሂባ ኽነሳ፡ “እዚ መገዲ እዚ ኽትስዕቡ ንደፋፍኣኩም ኣይኰነናን ዘለና። ሓሳብ ጥራይ ኢና እንህበኩም ዘለና” ኢላ ደምደመት።

6. ካብ ኣብነት ሓውና ሀርበርት ሲንየር እንታይ ተማሂርካ፧

6 ገሊኦም ኣሕዋትና ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ኣረኣእያ ንጹር ስለ ዝዀነሎም፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ገለልተኛታት ኪዀኑ ቘረጹ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሀርበርት ሲንየር፡ “ንዓይ ጠያይት ካብ መርከብ ምርጋፍን [ኣብ ኲናት ብቐጥታ ዘየእቱ ኣገልግሎት] ነቲ ጠያይት ንምትኳስ ኣብ ጠበንጃ ምእታውን፡ መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘየልቦ እዩ ነጺሩለይ” በለ። (ሉቃ. 16:10) ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ስለ ዝኣበየ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ንሱን 4 ኻልኦት ኣሕዋትን ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ሪችመንድ እተኣስሩ፡ ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት እውን ዚርከብዎም 16 ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ሰባት ነበሩ። ሓደ እዋን፡ ሀርበርትን ከምኡ ዝኣመሰሉ ኻልኦትን፡ ብምስጢር ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ዓውደ ውግእ ተወስዱ። ኣብኡ ኸኣ ኪርሸኑ ተፈርዶም። ኣብ ቅድሚ ረሸንቲ ድማ ተሰርዑ፣ ግናኸ፡ ኣይተቐትሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍርዶም ናብ ናይ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ተቐየረሎም።

“ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ውግእ እኳ፡ ምስ ኵሉ ብሰላም ኪነብሩ ኸም ዘለዎም እየ ተገንዚበ።”—ሳይመን ክሬከር (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ተገንዚቦም ነይሮም፧

7 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ እተባርዓሉ እዋን፡ ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ፡ ገለልትነት እንታይ ማለት ምዃኑን ኣብነት የሱስ ንምስዓብ እንታይ ከም ዚሓትትን ዝነጸረ ግንዛበ ረኺቦም ነይሮም። (ማቴ. 26:51-53፣ ዮሃ. 17:14-16፣ 1 ጴጥ. 2:21) ንኣብነት፡ ናይ 1 ሕዳር 1939 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ገለልትነት” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኣዝያ ኣገዳሲት ዓንቀጽ ሒዛ ወጺኣ ነበረት፣ ኣብኣ ድማ፡ ህዝቢ የሆዋ “ኺምርሑሉ ዘለዎም ስርዓት፡ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ብጽኑዕ ገለልትነት ምሕላው እዩ” ዚብል ነበረ። ደሓር ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘገልገለ ሳይመን ክሬከር፡ “ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ውግእ እኳ፡ ምስ ኵሉ ብሰላም ኪነብሩ ኸም ዘለዎም እየ ተገንዚበ” በለ። እቲ መንፈሳዊ ምግቢ እቲ ብግዜኡ እዩ ተዋሂቡ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቲ ኣብቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ዚወርድ ቅድሚኡ ዘይተራእየ መጥቃዕቲ ኺዳለዉ ሓገዞም።

ከም “ውሒዝ” ዝበለ ምጽራር ኣጋጠመ

8, 9. ሃዋርያ ዮሃንስ እተነበዮ ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

8 መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት፡ እቲ ገበል፡ ማለት ሰይጣን ድያብሎስ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኻብ ኣፉ ውሒዝ ብምትፋእ፡ ንደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኦም ከም ዚፍትን፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። b (ራእይ 12:9, 15 ኣንብብ።) እቲ ዮሃንስ እተነበዮ ትንቢት ከመይ ኢሉ እዩ ተፈጺሙ፧ ካብ 1920ታት ንደሓር፡ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ዝቐንዐ ምጽራር ወሲኹ እዩ። ሓውና ክሬከር ከምቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙን ብምዃኑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብምኽንያት ሃይማኖት ነቲ ውግእ ተቓዊሞም ኣብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ እተኣስሩ ዅሎም እሱራት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክልተ ሲሶ ይዀኑ ነይሮም።

9 ድያብሎስን ወኪላቱን ንንጽህና እቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬበላሽዉ ሓለኑ። እቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ፍርድን መጋባእያን ቀረቡ። ገለልተኛታት ኪዀኑ ነቕ ዘይብል ቈራጽነት ስለ ዝነበሮም ከኣ፡ ተኣሲሮምን ተወቒዖምን ኣካለ ጐደሎ ዀይኖምን እዮም። ኣብ ጀርመን፡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ሀይል ሂትለር” ኢሎም ሰላምታ ምሃብ ወይ ኣብ ውግእ ምስታፍ ስለ ዝኣበዩ፡ ብርቱዕ ጸቕጢ ወረዶም። ብግምት 6,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግዜ ስርዓት ናዚ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም፣ ልዕሊ 1,600 ጀርመናውያንን ጀርመናውያን ዘይኰኑን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኢድ ኣሳቐይቶም ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ነባሪ ጕድኣት ኬምጽእ ኣይከኣለን።—ማር. 8:34, 35

“ምድሪ” ነቲ “ውሒዝ” ወሓጠቶ

10. እታ “ምድሪ” ተባሂላ ዘላ ንምንታይ ተመልክት፧ ከመይ ኢላኸ እያ ጣልቃ ኣትያ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝረድኣቶም፧

10 ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ትንቢት፡ “ምድሪ፡”—ማለት ኣብዚ ዝያዳ ሚዛናዊ ስርዓት ዓለም ዘሎ ባእታታት፡—ነቲ ኸም “ውሒዝ” ዝበለ መስጐጕቲ ኸም እትውሕጦ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም እትረድኦም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ትንቢት ከመይ ኢሉ ተፈጺሙ፧ ኣብቲ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ዓመታት፡ “ምድሪ” ብዙሕ ግዜ ጣልቃ ብምእታው፡ ንደገፍቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ረዲኣቶም እያ። (ራእይ 12:16 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ጽልዋ ዘለዎም ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ሃገራውነት ኣብ ዚንጸባረቖ ጽምብላትን ምስታፍ ኪኣብዩ ዘለዎም መሰላት ሓልዮም እዮም። ፈለማ፡ ገለ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ጕዳይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሃቦም ዓበይቲ ዓወታት እስከ ንርአ።—መዝ. 68:20

11, 12. ሓውና ሲኩረላን ሓውና ትሊመኖስን እንታይ ጕዳያት እዩ ኣጋጢምዎም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

11 ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ። ኣንቶኒ ሲኩረላ ሓደ ኻብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዝዓበዩ ሽዱሽተ ውሉዳት እዩ ነይሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ ተጠምቀ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣብቲ ንውትህድርና ዚኸትብ ቤት ጽሕፈት ከይዱ፡ ኣገልጋሊ ሃይማኖት ምዃኑ ተመዝገበ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ማለት ብ1950 ድማ፡ ሕልናኡ ዘየፍቅደሉ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኺምዝገብ ሕቶ ኣቕረበ። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ነዚ ዚቃወም ነገር እኳ እንተ ዘይረኸበ፡ ክፍሊ ፍትሒ ነቲ ሕቶኡ ነጸጎ። እተፈላለየ መስርሕ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ.፡ ንጕዳይ ሓውና ሲኩረላ ሰሚዑ፡ ንዕኡ ዚድግፍ ብይን ብምብያን፡ ነቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ቐየሮ። እዚ ብይን እዚ፡ ነቶም ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ዘበሉ ዜጋታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ባይታ ዘንጸፈ እዩ ነይሩ።

12 ግሪኽ። ብ1983፡ ያኮቮስ ትሊመኖስ፡ ወተሃደራዊ ኽዳን ምኽዳን ብምእባዩ፡ ብዘይተኣዛዝነት ተኸሲሱ፡ ማእሰርቲ ተፈርዶ። ምስ ተፈትሐ፡ ናይ ሕሳብ ተጸባጻቢ ኪኸውን ኣመልከተ፣ ኣብ መዝገቡ ገበነኛ ምዃኑ ዚሕብር ታሪኽ ስለ ዘለዎ ግና፡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለዚ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕረቦ፣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ግሪኽ ምስ ተሳዕረ ግና፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኣመልከተ። ብ2000፡ 17 ደያኑ ዘለውዎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ንዕኡ ዚድግፍ ውሳነ ብምውሳን፡ ንኣድልዎ ዚጻረር ባይታ ኣንጸፈ። ቅድሚ እዚ ብይን እዚ፡ ኣብ ግሪኽ ዚነብሩ ልዕሊ 3,500 ኣሕዋት፡ ብሰንኪ እቲ ብገለልትነቶም ዘሕለፍዎ ማእሰርቲ፡ ኣብ መዝገቦም ገበነኛታት ምዃኖም ዚሕብር ታሪኽ ነበሮም። ድሕሪ እዚ ጽቡቕ ውሳነ እዚ፡ ግሪኽ ነዞም ኣሕዋት እዚኦም ካብ ገበኖም ናጻ ዚገብር ሕጊ ኣጽደቐት። ብተወሳኺ እውን፡ ንዅሎም ዜጋታት ግሪኽ ከም ኣማራጺ ዚኸውን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኪህቡ ዚፈቅድ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝወጸ ሕጊ፡ ቅዋም ወይ ሕገ መንግስቲ ግሪኽ ኪኽለስ ከሎ፡ ዳግም ጸደቐ።

“ናብ ቤት ፍርዲ ቕድሚ ምእታወይ፡ ናብ የሆዋ ኣበርቲዐ ጸለኹ፣ ሽዑ፡ ህድኣት ከም ዝሃበኒ ተሰምዓኒ።”—ኢቫይሎ ስተፋኖቭ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13, 14. ካብቲ ምስ ኢቫይሎ ስተፋኖቭን ቫሃን ባያትያን ዚተሓሓዝ ጕዳያት እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

13 ቡልጋርያ። ብ1994፡ ኢቫይሎ ስተፋኖቭ ምስ ሰራዊት ኪጽምበር ጻውዒት ኪቐርበሉ ኸሎ፡ ወዲ 19 ዓመት እዩ ነይሩ። ንሱ ግና ምስ ሰራዊት ምጽምባር ወይ ብሰራዊት ኣብ ዚመሓደር ምስ ኲናት ዘየራኽብ ካልእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣበየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዓመትን መንፈቕን ኪእሰር ተፈርዶ፣ ንሱ ግና ሕልናኡ ዘየፍቅደሉ ኸም ምዃኑ መጠን ኣብ ዘለዎ መሰል ተመርኲሱ ይግባይ በለ። ጕዳዩ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ቐረበ። ብ2001 እቲ ጕዳይ ከይተሰምዐ ኸሎ፡ ምስ ሓውና ስተፋኖቭ ጽቡቕ ስምምዕ ተገብረ። መንግስቲ ቡልጋርያ ንሓውና ስተፋኖቭ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣማራጺ ዝዀነ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኪገብሩ ፍቓደኛታት ንዝዀኑ ዅሎም ዜጋታት ቡልጋርያ ምሕረት ገበረ። c

14 ኣርመንያ። ብ2001፡ ቫሃን ባያትያን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚህበሉ ዕድመ ኣኸለ። d ኣብ ውትህድርና ምግልጋል፡ ሕልናኡ ኸም ዘየፍቅደሉ ገለጸ። እንተ ዀነ ግና፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዚርከብ ኣብያተ ፍርዲ ተሰማዕነት ኣይረኸበን። ናይ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ድማ፡ ኣብ መስከረም 2002 ማእሰርቱ ጀመረ፣ ዓሰርተ ወርሕን ፈረቓን ምስ ተኣሰረ ግና ተፈትሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ይግባይ በለ፣ እቲ ቤት ፍርዲ እውን ነቲ ጕዳዩ ሰምዖ። ይኹን እምበር፡ ብ27 ጥቅምቲ 2009፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣንጻሩ ብይን ሃበ። እቲ ብይን ነቶም ኣብ ኣርመንያ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ጕዳይ ዝነበሮም ኣሕዋት ዓብዪ ስዕረት መሰለ። ኰይኑ ግና፡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ ብይን መርመሮ። ብ7 ሓምለ 2011፡ እቲ ቤት ፍርዲ ቫሃን ባያትያን ዚድግፍ ብይን በየነ። ኣብ ታሪኽ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነትካ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትህብ ሕልናኻ ዘየፍቅደልካ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ኣብ ትሕቲ መሰል ናጽነት ሓሳብን ሕልናን ሃይማኖትን ከም ዚሕሎ እተገልጸ ንፈለማ ግዜ እዩ ነይሩ። እቲ ብይን እቲ፡ መሰላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰላት እቶም ኣብተን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዝዀና ሃገራት ዚርከቡ ኣማእታት ሚልዮናት ሰባት ዚሕሉ እዩ። e

ኣብ ኣርመንያ ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንዓታቶም ዚድግፍ ብይን ብምሃቡ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም

ጕዳይ ሃገራውነት ዚንጸባረቖ ጽምብላት

15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃገራውነት ኣብ ዚንጸባረቖ ጽምብላት ምስታፍ ዝኣብዩ ስለምንታይ እዮም፧

15 ህዝቢ የሆዋ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃገራውነት ኣብ ዚንጸባረቖ ጽምብላት እውን ብዘይምስታፍ፡ ንመሲሓዊት መንግስቲ እሙናት ይዀኑ እዮም። ብፍላይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዚውላዕ ኣትሒዙ፡ ሃገራዊ ስምዒት ንምልእቲ ምድሪ ኣዕለቕሊቕዋ ኣሎ። ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ቃል ማሕላ ብምምሓል፡ ሃገራዊ መዝሙር ብምዝማር፡ ወይ ንባንዴራ ሃገር ሰላምታ ብምሃብ፡ ተኣማንነቶም ኬረጋግጹ ይሕተቱ እዮም። ንሕና ግና ንየሆዋ ኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ኢና ውፉያት እንኸውን። (ዘጸ. 20:4, 5) ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሕ መስጐጕቲ ኣጋጢሙና እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ በታ “ምድሪ” ገይሩ፡ ገሊኡ ምጽራር ከም ዚውሓጥ ገይሩ እዩ። ሒደት ካብቲ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሃበና ዜደንቕ ዓወታት እስከ ንርአ።—መዝ. 3:8

16, 17. ሊልያንን ዊልያምን እንታይ ጕዳይ እዩ ዘጋጠሞም፧ ካብ ጕዳዮምከ እንታይ ተማሂርካ፧

16 ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ። ብ1940፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ኣብቲ ማይነርስቪል ስኩል ዲስትሪክት ቨርስስ ጎባይቲስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጕዳይ፡ 8 ብ1 ብዝዀነ ድምጺ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር በየነ። ጓል 12 ዓመት ዝነበረት ሊልያን ጎባይታስን f ወዲ 10 ዓመት ዝነበረ ዊልያም ዚብሃል ሓዋን ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ብምድላዮም፡ ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ ወይ ቃል ማሕላ ምምሓል ኣበዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጕጉ። እቲ ጕዳዮም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በጽሐ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንጥቕሚ “ሃገራዊ ሓድነት” ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም እተመስረተ ምዃኑ ወሰነ። እቲ ብይን እቲ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣለዓዓለ። ብዙሓት ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጕጉ፣ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ስራሕ ተሰጕጉ፣ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብመናዓብቲ ኸቢድ መጥቃዕቲ ወረዶም። ዘ ላስተር ኦቭ ኣዋር ካንትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ካብ 1941 ክሳዕ 1943 ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወረደ . . . መስጐጕቲ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ኣብ ኣመሪካ እተላዕለ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት” ምዃኑ ገለጸት።

17 ዓወት ጸላእቲ ኣምላኽ ግና ነዊሕ ኣይቀጸለን። ብ1943፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ጕዳይ ጎባይቲስ ዚመሳሰል ካልእ ጕዳይ መርመረ። እቲ ጕዳይ ዌስት ቨርጅንያ ስቴት ቦርድ ኦቭ ኤጁኬሽን ቨርስስ ባርነት ተባሂሉ ዚፍለጥ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓወት ኣጐናጸፎም። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኸምዚ ኢሉ ኺግምጠል፡ ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ብይን ከኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ህዝቢ የሆዋ ብግህዶ ዚወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ኣመና ነከየ። እግረ መገዲ ድማ፡ መሰላት ኵሎም ዜጋታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተሓለወ።

18, 19. ንፓብሎ ባሮስ ኪጸንዕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ኣብነቱ ኺምሃሩ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧

18 ኣርጀንቲና። ደቂ ሸውዓተን ሸሞንተን ዝዀኑ ፓብሎ ባሮስን ሁጎ ባሮስን፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ብዘይምስታፎም፡ ብ1976 ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጕጉ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እታ ርእሰ መምህራን ንፓብሎ ነውነወቶ፡ ርእሱ እውን ወቕዓቶ። ንኽልቲኦም ኣብቲ ሃገራውነት ዜንጸባርቕ ጽምብል ኪሳተፉ ምእንቲ ኸተገድዶም ኢላ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ንሓደ ሰዓት ኣጽንሓቶም። ፓብሎ ነቲ ዘሕለፎ ሽግር ኪዝክር ከሎ፡ “ብዘይ ሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ንንጽህናይ ንምብልሻው ዝወረደኒ ጸቕጢ ኽጻወሮ ኣይምኸኣልኩን ነይረ” በለ።

19 እቲ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ እቲ ዳኛ ነቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ንፓብሎን ንሁጎን ብምስጓጕ ዝወሰዶ ስጕምቲ ደገፈ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ጕዳዮም ይግባይ ተባሂሉ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣርጀንቲና ቐረበ። ብ1979፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ ኪቕይሮ ኸሎ፡ “እቲ እተጠቕሰ መቕጻዕቲ [ማለት ካብ ትምህርቲ ምስጓጕ] ምስ ቅዋማዊ [ወይ ሕገ መንግስታዊ] መሰል ትምህርትን (ዓንቀጽ 14) መንግስቲ መባእታዊ ትምህርቲ ንዅሉ ኸም ዚባጻሕ ንምግባር ዘለዎ ሓላፍነትን (ዓንቀጽ 5) ዚጋጮ እዩ” በለ። እቲ ዓወት እቲ፡ ዳርጋ 1,000 ንዚኣኽሉ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠቐሞም። ገሊኦም ከይተሰጕጉ ኺተርፉ ኸለዉ፡ ከም ፓብሎን ሁጎን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ድማ ተመሊሶም ናብ ህዝባዊ ኣብያት ትምህርቲ ኣተዉ።

ብዙሓት ቈልዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ኰይኖም እዮም

20, 21. ጕዳይ ሮኤልን ኤሚሊን ንእምነትካ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

20 ፊሊፒንስ። ብ1990፡ ሮኤል ኢምብራሊናግ g ዚብሃል ወዲ 9 ዓመት ቈልዓን ኤሚሊ ዝስማ ጓል 10 ዓመት ሓብቱን፡ ምስ 66 ዚኣኽሉ ኻልኦት ተመሃሮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይምሃቦም፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጕጉ። ሊዮናርዶ ዝስሙ ኣቦ ሮኤልን ኤሚሊን ምስ ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ኺረዳዳእ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣይሰለጦን። እቲ ነገር ምስ ተጋደደ፡ ሊዮናርዶ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕረበ። ሊዮናርዶ ገንዘብ ኰነ ዚማጐተሉ ጠበቓ ኣይነበሮን። ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ደልዮም ኣበርቲዖም ጸለዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ቈልዑ ኣደዳ ላግጽን ባጫን ይዀኑ ነበሩ። ሊዮናርዶ ንሕጊ ብዚምልከት ዋላ ሓንቲ ስልጠና ስለ ዘይነበሮ፡ ዚዕወት ኰይኑ ኣይተሰምዖን።

21 ይኹን እምበር፡ ኣቐዲሙ ኣብታ ሃገር ኣብ ዚርከብ ውሩይ ትካል ሕጋዊ ጕዳያት ዚሰርሕ ዝነበረ ፈሊኖ ጋናል ዚብሃል ጠበቓ ነቲ ጕዳይ ሓዞ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓውና ጋናል ነቲ ስራሑ ሓዲግዎን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑን ነበረ። እቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓደ ድምጺ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ ውሳነ ኣመሓላለፈ፣ ነቲ እቶም ቈልዑ ኺስጐጉ ዝወጸ ትእዛዝ ከኣ ሰረዞ። እቶም ንንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ ኬበላሽዉ ዚደልዩ፡ ኣብዚ እውን ኣይተዓወቱን።

ገለልትነት ናብ ሓድነት ይመርሕ

22, 23. (ሀ) ኣዝዩ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕጋዊ ዓወታት ዝረኸብና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሰላም ዝሰፈኖ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ናይ ምንታይ መርትዖ እዩ፧

22 ህዝቢ የሆዋ ኣዝዩ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕጋዊ ዓወታት ዝረኸቡ ስለምንታይ እዮም፧ ፖለቲካዊ ጽልዋ የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራትን ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ፍርድን፡ ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ደያኑ ኻብ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ተጻረርቲ ኣዕቊቦምና፡ እግረ መገዶም ከኣ ኣብ ሕገ መንግስቶም ወይ ኣብ ቅዋሞም ባይታ ኣንጺፎም እዮም። ክርስቶስ ነቲ ነዚ ዓወታት እዚ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ከም ዝደገፎ ኣየጠራጥርን እዩ። (ራእይ 6:2 ኣንብብ።) ከምዚ ዝበለ ሕጋዊ ቓልስታት እንቃለስ ስለምንታይ ኢና፧ ንሕጋዊ ስርዓት ክንቀርጽ ኢልና ኣይኰንናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሸቶና ብዘይ ዕንቅፋት ንንጉስና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ።—ግብ. 4:29

23 ኣብ መንጎ እዛ ብፖለቲካዊ ግጭት እተኸፋፈለትን ብጽልኢ እተዋሕጠትን ዓለም፡ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰዓብቱ ገለልትነቶም ንምሕላው ዝገበርዎ ጻዕርታት ባሪኽዎ እዩ። ሰይጣን ከፋፊሉ ኼሰንፈና ዝገበሮ ጻዕሪ ፈሺሉ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ውግእ ዘይምሃሩ’ ሚልዮናት ሰባት ኣኪባ እያ። ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሕውነት ምህላዉ ንባዕሉ ተኣምር እዩ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ኣሉ ዘይብሃል መርትዖ ይኸውን እዩ!—ኢሳ. 2:4

a እዛ ጥራዝ እዚኣ፡ ዘ ኒው ክሪኤሽን ብዚብል ኣርእስቲ እውን ትፍለጥ እያ። ደሓር፡ እቲ ጥራዛት ሚልየናል ዶውን ዝነበረ፡ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ።

b ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ!፡ ኣብ ምዕራፍ 27፡ ገጽ 184-186 ርአ

c እቲ ስምምዕ፡ መንግስቲ ቡልጋርያ ንዅሎም ኣብ ውትህድርና ኺሳተፉ ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ዘበሉ፡ ኣማራጺ ዚኸውን ኣብ ትሕቲ ሲቪል ምምሕዳር ዚግበር ኣገልግሎት ኬዳሉ ዚጠልብ ነበረ።

d ዝያዳ ጸብጻብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-31 ርአ።

e መንግስቲ ኣርመንያ ኣብ 20 ዓመት፡ ልዕሊ 450 መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሲሩ እዩ። ኣብ ሕዳር 2013፡ ኵሎም እቶም ካብዚኣቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ዝነበሩ ተፈቲሖም እዮም።

f ኣብ መዛግብቲ እቲ ቤት ፍርዲ ስም ስድራ ቤት ብጌጋ እዩ ተጻሒፉ።

g ኣብ መዛግብቲ እቲ ቤት ፍርዲ ስም ስድራ ቤት ኢብራሊናግ ተባሂሉ ብጌጋ እዩ ተጻሒፉ።