ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ መሰል እቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚኣብዩ ደጊፉ

ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ መሰል እቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚኣብዩ ደጊፉ

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ፖለቲካን ካብ ውግኣትን ዝዀነ ይኹን ሃገር ገለልተኛታት ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ። “ኣስያፎም ንማሕረሻታት” ኪሰርሕዎ ኸም ዘለዎም ኣጸቢቖም ይኣምኑ፡ ‘ውግእ እውን ኣይምሃሩን’ እዮም። (ኢሳይያስ 2:4) ኣብ ውሳነ እቶም ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚደልዩ ጣልቃ ኣይኣትዉን እዮም። ግናኸ፡ ሓንቲ ሃገር ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ግዴታ ገይራቶ ኸላ፡ ሕልና ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ውትህድርና ኬገልግል እንተ ዘይፈቐደሉኸ፧ ቫሃን ባያትያን ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ።

ናብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ዝመርሐ ዅነታት

ቫሃን ኣብ ሚያዝያ 1983፡ ኣብ ኣርመንያ እዩ ተወሊዱ። ብ1996፡ ንሱን ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቱን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ፣ ንሱ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ ተጠምቀ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ንትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ፡ እንተላይ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ስጋዊ ኣጽዋር ውግእ ከየልዕሉ ዝሃቦም መምርሒ፡ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣሕደረ። (ማቴዎስ 26:52) ስለዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ጥምቀቱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ውሳነ ኺገብር ነበሮ።

ሕጊ ኣርመንያ፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ደቂ 18 ዓመት ምስ ኰኑ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህቡ ግዴታ ኸም ዘለዎም እዩ ዚሕግግ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምሃብ እንተ ኣብዮም፡ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ብዚበጽሕ ማእሰርቲ ኪቕጽዑ ይኽእሉ እዮም። ቫሃን ንደቂ ዓዱ ኼገልግል ይደሊ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺጥሕሶ ኣይደለየን። እሞ ደኣ እንታይ ገይሩ፧

ብ2001፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚህበሉ ዕድመ ምስ ኣኸለ፡ ንሰበ ስልጣን ኣርመንያ ደብዳበታት ኪጽሕፈሎም ጀመረ። ኣብ ደብዳበታቱ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንሕልናኡን ንሃይማኖታዊ እምነታቱን ዚጥሕስ ምዃኑ ገለጸ። ኣብ ክንዳኡ፡ ካልእ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኪህብ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ እውን ገለጸ።

ቫሃን ባያትያን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣርመንያ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ኑባራሸን

ቫሃን ብምኽንያት ሕልናኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህብ ከም ዘይክእል ንሰበ ስልጣን እናገለጸ ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓለፈ። ኣብ መስከረም 2002 ግና፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባዩ ኸኣ ተኸስሰ። ድሕርዚ፡ ንዓመትን መንፈቕን ኪእሰር ተፈርዶ። እቲ ዓቃብ ሕጊ ግና በቲ መቕጻዕቲ ኣይዓገበን። ድሕሪ እቲ ብይን ሓደ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ፡ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኺብየነሉ ዚጠልብ ክሲ ሒዙ፡ ይግባይ ናብ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ቐረበ። እቲ ዓቃብ ሕጊ፡ ቫሃን ብሃይማኖቱ ተላዒሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህብ ሕልናኡ ዘይፈቕደሉ ምዃኑ፡ “መሰረት ዘይብሉን ሓደገኛን” ከም ዝዀነ ተማጐተ። እቲ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ንሕቶ እቲ ዓቃብ ሕጊ ተቐቢሉ፡ ንማእሰርቲ ቫሃን ናብ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ክብ ኣበሎ።

ቫሃን ነዚ ብይን እዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣርመንያ ይግባይ በለ። ኣብ ጥሪ 2003፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ይግባይ ዚሰምዕ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ ደገፎ። ቫሃን ብኡብኡ ማእሰርቱ ንምጅማር፡ ቀተልትን ሸየጥቲ ሓሽሽን ተጋሰስትን ናብ ዚእሰሩሉ ቤት ማእሰርቲ ተመሓላለፈ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ነገራት

ኣርመንያ ኻብ 2001 ኣትሒዛ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዀይና ኣላ። ስለዚ ድማ፡ ዜጋታታ ንጕዳያቶም ኣብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓዲ ዘሎ ስርዓታት ፍትሒ ኣቕሪቦም እንተ ዘይተሰሚዖም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ይግባይ ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። ቫሃን እውን ከምኡ ኺገብር እዩ ወሲኑ። ኣብቲ ይግባዩ፡ ኣብ ሰራዊት ኬገልግል ብምእባዩ እተበየነሉ ብይን፡ ዓንቀጽ 9 ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኸም ዚጥሕስ ተማጐተ። ብምኽንያት ሕልናኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ዘይምሃብ መሰሉ ብመሰረት እታ ዓንቀጽ እቲኣ ኺሕለወሉ ሓተተ። በዚ ሕቶ እዚ ተማጒቱ ዝረትዐ ድማ ቅድሚኡ ኣይነበረን።

ብ27 ጥቅምቲ 2009፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ብይን ሃበ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ቐሪቡ እተበየነ ጕዳያት፡ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 9 ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ተጠቒሱ ዘሎ ናጽነት ሕልና፡ ንመሰላት እቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚኣብዩ ሰባት ከም ዘየዕቍብ ገለጸ።

ባያትያን ምስ ጾቪናር ሰበይቱን ምስ ቫሀ ወዱን

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቫሃን ካብ ቤት ፍርዲ ኻብ ዚወጽእ ነዊሕ ገይሩ ነበረ፣ ድሮ ተመርዕዩ እውን ንእሽቶ ወዲ ወሊዱ ነበረ። ቫሃን በቲ ብይን ኣይተሓጐሰን። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጕዳዩ ናይ ምሕድግ ወይ ናብቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ይግባይ ናይ ምባል ኣማራጺ ነበሮ። ንሱ ድማ ነቲ ዳሕረዋይ መገዲ መረጸ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍሉይ ጕዳያት ጥራይ እዩ ዚቕበል፣ ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ኪምርምሮ ምስ ወሰነ፡ ቫሃን ተሓጐሰ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብ7 ሓምለ 2011፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ኣብ ስትራዝቡግ፡ ፈረንሳ፡ ብይን ሃበ። እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ፡ ኣርመንያ ንቫሃን ባያትያን ብምኽንያት ሕልናኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባዩ ኸም ገበነኛ ገይራ ስለ ዝኣሰረቶ፡ ንመሰል ናጽነት ሕልናኡ ኸም ዝገሃሰት ብዓብላሊ ድምጺ፡ ማለት ብ16 ን1፡ ወሰነ። እቲ ነዚ እተቓወመ ሓደ ዳኛ፡ ኣርመንያዊ ዳኛ እዩ ነይሩ።

ባያትያን ምስ ኣማኸርቲ ሕጊ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ብ24 ሕዳር 2010

እዚ ብይን እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ታሪኽ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ብምኽንያት ሕልና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምእባይ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 9 እቲ ውዕል ምሉእ ብምሉእ ከም ዚሕሎ እተገልጸ ንፈለማ ግዜ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሓደ ብምኽንያት ሕልናኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዚኣቢ ምእሳር፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ፡ ምጥሓስ መሰረታዊ መሰላት ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይህቡ ዘለዎም መትከል ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “እምበኣር፡ እዚ ቤት ፍርዲ እዚ፡ እቲ ኣመልካቲ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት እተቓወመ፡ በቲ ብሓቂ ዚኣምነሉን ምስቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህብ ዘለዎ ግዴታ ኣጸቢቑ ምሉእ ብምሉእ ዚጋጮን ሃይማኖታዊ እምነቱ ተደሪኹ ምዃኑ ዜጠራጥር ምኽንያት የብሉን።”

ነቲ ብይን እተዋህበ መልሰ ግብሪ

ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት፡ ኣብ ኣርመንያ ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህቡ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ልዕሊ 450 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተፈሪድዎም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እተዳለወትሉ እዋን፡ ብምኽንያት ሃይማኖቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዝኣበዩ 58 መንእሰያት ኣብታ ሃገር ተኣሲሮም ነይሮም። ሓሙሽተ ኻብዚኣቶም፡ ድሕሪ እቲ ባያትያን ኣንጻር ኣርመንያ ዚብሃል ወሳኒ ጕዳይ እዮም ተኣሲሮም። a ኣብ ሓደ ኻብዚ ጕዳያት እዚ፡ ሓደ ብምኽንያት ሕልናኡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣበየ መንእሰይ ነቲ ዓቃብ ሕጊ ኽሱ ደው ኬብል ዘቕረበሉ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እቲ ዓቃብ ሕጊ ዝሃቦ መልሲ፡ “እቲ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ብ7 ሓምለ 2011 ኣብ ጕዳይ ባያትያን ኣንጻር ኣርመንያ ዝሃቦ ብይን፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣይዓይን እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብዚ ኽልተ ጕዳያት ተመሳሳሊ ዅነታት ከም ዘየልቦ ንጹር እዩ” ዚብል እዩ።

እቲ ዓቃብ ሕጊ ኸምኡ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧ ቫሃን ባያትያን ኪኽሰስ ከሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣማራጺ ዚኸውን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኣይነበረን። መንግስቲ ኣርመንያ ኻብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ከምዚ ዝበለ መሰናድዎ ዚገብር ሕጊ ኸም ዝወጸ፡ እቶም ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚቃወሙ ኸኣ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኪህቡ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚማጐት። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሕጊ ኣማራጺ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ቝጽጽር እዩ፣ ስለዚ፡ ንመብዛሕትኦም ካብቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዚኣብዩ ሰባት ዚዀኖም ኣይኰነን።

ቫሃን ባያትያን በቲ ንዕኡ ዚድግፍ ኣገዳሲ ብይን ሕጉስ እዩ። እዚ ብይን እዚ፡ ኣርመንያ ነቶም ብምኽንያት ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኺሳተፉ ዘይደልዩ ሰባት ካብ ምኽሳስን ካብ ምእሳርን ከተቋርጽ ዜገድድ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ዝዀነት ትኹን ሃገር ለውጢ ናይ ምትእትታው ዕላማ የብሎምን። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ቫሃን ባያትያን ዝገበሮ፡ ኣብቲ ሃገራት ዚቕየዳሉ ህሉው ሕግታት ተመርኲሶም ሕጋዊ መሰላቶም ኸም ዚሕለወሎም ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ስለምንታይ፧ ብሰላም ምእንቲ ኺነብሩን ኵሉ ትእዛዛት እቲ መራሒኦም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብናጽነት ምእንቲ ኺሕልዉን እዮም።

a ክልተ ኻብዚኣቶም ብ7 ሓምለ 2011፡ በታ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝበየነላ መዓልቲ እዩ ተፈሪድዎም።