ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ኢያን፡ ሰታይ ኣቦ እዩ ነይርዎ። ዜድልዮ ዘበለ ስጋዊ ነገራት ተማሊኢሉ እኳ እንተ ዓበየ፡ ካብ ኣቦኡ ሃረር ዚብሎ ዝነበረ ስምዒታዊ ደገፍ ግና ኣይረኸበን። ስለዚ፡ “ንዕኡ ብዙሕ ፍቕሪ ኣይነበረንን፣ ከምኡ ዚስምዓኒ ዝነበረ ኸኣ፡ ብዓብዪኡ ብሰንኪ ናይ ምስታይ ልማዱን ንኣደይ ዝነበሮ ኣተሓሕዛን እዩ ነይሩ” በለ። እናዓበየ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ኪጠራጠር ጀመረ። ‘ኣምላኽ ብሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ሰባት ኪሳቐዩን ኪሞቱን ዚፈቅድ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሉ ድማ ሓሰበ።

ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኢልና እንሓትት፧

ዋላ እውን ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ጸገማት እንተ ዘየጋጠመካ፡ በቲ ንንጹሃት ሰባት ዚወርዶም መከራ ትጕሂ ትኸውን። ከም ኢያን ንዓኻ ጸገማት ምስ ዜጋጥመካ ወይ እትፈትዎ ሰብ ምስ ዚሓምም ወይ ምስ ዚመውት ግና፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ብዝያዳ ተተሓሳስበካ እያ።

ገሊኦም እንታይ መልሲ እዮም ዚህቡ፧

ገሊኦም፡ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ፡ ትሑታትን ርሕሩሓትን ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ሰባት ብሰሪ እቲ ኣብ ሕሉፍ ህይወት ዝገበርዎ ሓጢኣት፡ ኣብዚ ህይወት እዚ መከራ ኸም ዚበጽሖም ይስምዖም እዩ።

እዚ መልሲ እዚ እንታይ ይእምት፧

ኣምላኽ ብመከራ ደቂ ሰብ ከም ዘይግደስ ይእምት፣ እዚ ድማ ንዕኡ ኸተፍቅሮ ይገብሮ። ኣምላኽ ጨካን ምዃኑ እውን ይእምት።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብመከራ ደቂ ሰብ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ብንጹር ይገልጽ እዩ። “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ፡ ኣይበል” ድማ ይብል። (ያእቆብ 1:13) ኣምላኽ በቲ ዚበጽሓና መከራ ተሓታቲ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያት ኣምላኽ ዚገልጸሉ መገዲ እውን ኣይቃዶን እዩ። ስለምንታይ፧

ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ፡ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃንስ 4:8) ነዚ ንምጕላሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ምስ እተጥቡ ኣደ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣምላኽ፡ “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። “ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” ድማ በለ። (ኢሳይያስ 49:15) ሓንቲ ፈቃር ኣደ ደይ መደይ ኢላ ንውሉዳ ኽትጐድኦዶ ትኽእል፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሓንቲ ሓላዪት ወላዲት ንውሉዳ ኻብ ስቓዩ ኸተርህወሉ እያ እትጽዕር። ኣምላኽ እውን፡ ንጹሃት ሰባት መከራ ኸም ዚበጽሖም ኣይገብርን እዩ።—ዘፍጥረት 18:25

ኰይኑ ግና፡ ንጹሃት ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ‘ኣምላኽ ሓያልን ዚሓልየልናን እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ንጠንቂ መከራ ዘየወግዶ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ካልኦት መከራ ዜውርዱ፡ ሰባት ባዕላቶም እዮም። ብዙሓት ንኻልኦት ዜሳቕዩ መርዓድትን ጨቈንትን ሰባት፡ መገዶም ኪቕይሩ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ መከራ ንምውጋድ፡ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኬጥፍኦም ኣለዎ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ክሳዕ ሕጂ ዘየጥፍኣሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ትዕግስቲ የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈቃርን መሓርን ምዃኑ ዜርኢ እዩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ የሆዋ ኣምላኽ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ነቶም ንንጹሃት ‘ዜጻብቡሎም ዘለዉ፡ ጸበባ ኺፈዲ’ እዩ። እቶም መከራ ዜምጽኡ፡ “ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም።”—2 ተሰሎንቄ 1:6-9

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢያን፡ ነቲ ብዛዕባ መከራ ዝነበሮ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ረኺቡሉ እዩ። እቲ እተማህሮ ኸኣ፡ ብዛዕባ ህይወት ንዝነበሮ ኣረኣእያ ቐይርዎ እዩ። ታሪኽ ህይወቱ፡ ኣብ ገጽ 13 እዛ ቐጺላ ዘላ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።