2 ጴጥሮስ 3:1-18

  • መላገጽቲ ንዚመጽእ ጥፍኣት ዕሽሽ ይብልዎ (1-7)

  • የሆዋ ኣይድንጕን እዩ (8-10)

  • ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ ኸም ዚግብኣኩም ሕሰቡ (11-16)

    • ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን (13)

  • ስሒትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ (17, 18)

3  ፍቑራተየ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ፡ ካልአይቲ ደብዳበይ እያ፣ ከምታ ቐዳመይቲ ኸኣ፡ ብመዘኻኸሪ ገይረ ነቲ ንጹር ኣተሓሳስባኹም አነቓቕሖ ኣለኹ።+ 2  እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ነቲ ብሃዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝ ጐይታናን መድሓኒናን ምእንቲ ኽትዝክሩ እዩ። 3  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ምስ ላግጾም ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።+ 4  ንሳቶም ከኣ፡ “እቲ ንሱ ኣብዚ ኸም ዚህሉ እተተስፈወ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ* መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኺብሉ እዮም።+ 5  ካብ ቀደም ሰማያት ከም ዝነበረ፡ ምድሪ እውን ካብ ማይን ኣብ ማእከል ማይን ብቓል ኣምላኽ ጸኒዓ ኸም ዝነበረት፡+ ነዚ ዀነ ኢሎም ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ፣ 6  እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከኣ ብእኡ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቓ ጠፊኣ እያ።+ 7  እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና በቲ ቓል እቲ ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ድማ ይሕሎ ኣሎ።+ 8  ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኣብ የሆዋ* ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመት እውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡+ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። 9  የሆዋስ፡* ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡+ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።+ 10  መዓልቲ የሆዋ*+ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፣+ ብእኣ ሰማያት ድዋዕዋዕ እናበለ* ኺሓልፍ፡+ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኺጠፍእ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን እውን ኪቕላዕ እዩ።+ 11  እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ ብዘሎኩም ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ ኸም ዚግብኣኩም ሕሰቡ! 12  ሰማያት ብሓዊ ኣብ ዚጠፍኣሉ፡+ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኣብ ዚመከሉ ግዜ፡ ነቲ መዓልቲ የሆዋ*+ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ።* 13  ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ+ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና።+ 14  ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ትጽበዩ ኻብ ኣለኹም፡ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንኩም ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።+ 15  ከምቲ እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ገይሩ ዝጸሓፈልኩም ድማ፡ ንትዕግስቲ ጐይታና ኸም ድሕነት ቍጸርዎ፣+ 16  ንሱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ኵለን ደብዳበታቱ ተዛሪቡ እዩ። ገሊኡ ኣባታተን ዘሎ ግና፡ ንምርዳኡ ዜሸግር እዩ፣ እቶም ደናቝርን* ዘይጽኑዓትን ከኣ፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጠዋውይዎ፡ ነዚ እውን ንጥፍኣቶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ። 17  እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ኣቐዲምኩም ካብ ፈለጥኩምዎ፡ ብስሕተት እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ምሳታቶም ስሒትኩም ካብ ጽንዓትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ።+ 18  ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዕበዩ። ንዕኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዝደቀሱላ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሽው ኢሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሃረር እውን በልዎ።”
ወይ፡ “ዘይተማህሩን።”