ኤርምያስ 5:1-31
5 ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ዙሩ።
ርኣዩን ኣስተብህሉን።
ፍትሒ ዚገብር፡እሙን ኪኸውን ድማ ዚደሊ እንተ ረኸብኩምሲ፡+ኣብ ኣደባባያታ ድለዩ፣ኣነ እውን ይቕረ ኽብለላ እየ።
2 “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!” እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ።+
3 ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ንተኣማንነት ደይኰናን ዚደልያ፧+
ንስኻ ወቒዕካዮም፣ ግናኸ ኣየሕመሞምን።*
ኣጽኒትካዮም፣ ተግሳጽ ምቕባል ግና ኣብዮም።+
ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገይሮም፣+ምምላስ እውን ኣብዮም።+
4 ኣነ ግና ንርእሰይ፡ “ብርግጽ እዚኣቶም ትሑታት እዮም።
መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾምዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ዓሽዮም።
5 ናብ ምርኡያት ከይደ ምሳታቶም ክዛረብ እየ፣ንሳቶምሲ መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾምዚፈልጡ እዮም።+
ግናኸ፡ ንሳቶም ኵላቶም ኣርዑት ሰይሮም፣ቀይዲ* እውን በቲኾም” በልኩ።
6 ስለዚ፡ ኣንበሳ ዱር የጥቅዖም፡ተዅላ ጐልጐል ምድረ በዳ ኸኣ የጥፍኦም ኣሎ፣ነብሪ ድማ ኣብ ከተማታቶም ነቒሑ ይቃጾ ኣሎ።
ካብአን ዝወጸ ዘበለ ኸኣ ይሰላላዕ ኣሎ።
ከመይሲ፡ ኣበሳኦም ብዙሕ እዩ፣ጥልመቶም ድማ ማእለያ ዘይብሉ እዩ።+
7 ከመይ ኢለ ነዚ ይቕረ ኽብለልኪ፧
ደቅኺ ሓዲጎምኒ ኣለዉ፣ኣምላኽ ብዘይኰነ ኸኣ ይምሕሉ ኣለዉ።+
ዜድልዮም ዘበለ ኣጽጊበዮም፣ንሳቶም ግና ዘምዮም፣ናብ ቤት ኣመንዝራ እውን ውሒዞም።
8 ኪሰርሩ ኸም ዚደልዩ ዝረሰኑ ኣፍራስ እዮም፣ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ኻልእ ይሕምሕሙ።+
9 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧”*+
10 “ናብ ዛላታት ኣታኽልቲ ወይና ደዪብኩም ኣጥፍኡ፣ጠሪስኩም ግና ኣይተጽንቱ።+
ነቶም ዜስፋሕፍሑ ጨናፍራ ኣርሕቕዎም፣ንሳቶምሲ ናይ የሆዋ ኣይኰኑን።
11 ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳንሲፈጺሞም ጠሊሞምኒ እዮም” ይብል የሆዋ።+
12 “ንየሆዋ ኽሒዶምዎ ኣለዉ፣‘ሓንቲ እኳ ኣይኪገብርን እዩ።*+
መዓት ኣይኪመጸናን እዩ፣ሰይፊ ወይ ጥሜት ኣይክንርእን ኢና’ ድማ ይብሉ ኣለዉ።+
13 ነብያትሲ ንፋስ ጥራይ ዝመልኡ እዮም፣ቃል* ከኣ ኣባታቶም የሎን።
እዚ ደኣ ይብጽሓዮም!”
14 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከምዚ ይብል፦
“እዞም ሰባት እዚኦም እዚ ስለ እተዛረቡ፡ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ሓዊ እገብር ኣለኹ፣+እዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዕንጨይቲ እዩ፣ኪበልዖም ከኣ እዩ።”+
15 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ አምጽኣልኩም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ።
“ናይ ቀደም ህዝቢ እዩ።
ናይ ጥንቲ ህዝቢ እዩ።
ቋንቋኡ ዘይትፈልጦ፡ዘረባኡ ድማ ዘይትርድኦ ህዝቢ እዩ።+
16 ጕልድባኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፣ኵላቶም ጀጋኑ እዮም።
17 ንሳቶም ንእኽልኻን ንእንጌራኻን ኪበልዕዎ እዮም።+
ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ኪበልዕዎም እዮም።
ንጤለ በጊዕካን ንኸብትኻን ኪበልዕወን እዮም።
ንኣታኽልቲ ወይንኻን ንኣእዋም በለስካን ኪበልዕዎ እዮም።
ነተን እትእመነን እተዓርዳ ኸተማታትካ ብሰይፊ ኼጥፍእወን እዮም።”
18 “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡” ይብል የሆዋ፡ “ጠሪሰ ኣይከጽንተኩምን እየ።+
19 ‘ስለምንታይ እዩ የሆዋ ኣምላኽና እዚ ዅሉ ዝገበረና፧’ ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ ‘ከምቲ ኣብ ምድርኹም ጓና ኣምላኽ ከተገልግሉ ኢልኩም ዝሓደግኩምኒ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይምድርኹም ንጓኖት ከተገልግሉ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”+
20 ኣብ ቤት ያእቆብ እዚ ንገሩ፣ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ ኢልኩም ኣውጁ፦
21 “ኣታ ልቢ ዘይብሉ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፦+
ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣+ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን።+
22 ‘ኣይትፈርሁንን ዲኹም፧’ ይብል የሆዋ፣‘ኣብ ቅድመይሲ ራዕራዕ ኣይትብሉን ዲኹም፧
ብሑጻ ገይረ ንባሕሪ ዶብ ዝገበርኩሉ፡ከይሓልፍ ድማ ነባሪ ስርዓት ዝገበርኩሉ ኣነ እየ።
ማዕበላቱ እኳ እንተ ተናወጸ፡ ኣይስዕርን፣ዋላ እኳ እንተ ሃመመ፡ ኣይሰግሮን።+
23 እዚ ህዝቢ እዚ ግና ነቓጽን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፣ኣልጊሶም ብመገዶም ከይዶም እዮም።+
24 ብልቦም ከኣ ከምዚ ኣይብሉን፦
“ነቲ ብግዜኡ ዝናም፡ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ዚህብ፡ነቲ ምዱብ ሰሙናት ቀውዒ ዚሕልወልና+የሆዋ ኣምላኽና ንፍርሃዮ።”
25 ስሕተትኩም ነዚ ነገራት እዚ ኸይመጽእ ከልኪልዎ፣ሓጢኣትኩም ከኣ ጽቡቕ ዘበለ ኸሊእኩም።+
26 ኣብ መንጎ ህዝበይሲ እኩያት ኣለዉ።
ከምቲ ኣፈንጠርቲ ዑፍ ዜድብዩ፡ ይጸናተዉ ኣለዉ።
ቀታሊ መጻወድያ የጻውዱ።
ሰብ ከኣ ይሕዙ።
27 ከምታ ብኣዕዋፍ ዝመልአት እንዳ ዑፍ፡ከምኡ ድማ ኣባይቶም ብምትላል ዝመልአ እዩ።+
ስለዚ እዮም ሓያላትን ሃብታማትን ዝዀኑ።
28 ስቡሓትን ልሙጻትን ኰይኖም ኣለዉ፣ብኽፉእ ጀርቢቦም ኣለዉ።
ኣሳልጦ ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ንጕዳይ ዘኽታም ኣይማጐቱሉን እዮም፣+ንድኻታት እውን ፍትሒ ይኸልእዎም።’”+
29 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧*
30 ኣብታ ምድሪ ጉድን ዜስካሕክሕን ኰይኑ፦
31 ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፣+ካህናት ከኣ ብስልጣኖም ይገዝኡ።
ህዝበይ ድማ ነቲ መገዲ እቲ ፈትይዎ ኣሎ።+
መወዳእታ ምስ መጸ ግዳ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧”
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣይደኸሙን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ማእሰር።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይዶ ሕነ ኣይትፈድን እያ፧”
^ ወይ፡ “ንሱ የሎን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ማለት፡ ቃል ኣምላኽ።
^ ወይ፡ “ነፍሰይዶ ሕነ ኣይትፈድን እያ፧”