ኢሳይያስ 25:1-12

  • ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት (1-12)

    • የሆዋ ዝገበሮ ድግስ ብሉጽ ወይኒ (6)

    • ሞት ኣይኪህሉን እዩ (8)

25  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ብእምነትን+ ብተኣማንነትንካብ ጥንቲ እተዓለመ*+ዜደንቕ ነገራት ጌርካ ኢኻ እሞ፡+ልዕል አብለካ፡ ስምካ እውን እውድስ ኣለኹ።  2  ንኸተማስ ናብ ኵምራ ኣእማን፡ንእተዓርደት ከተማ ድማ ናብ ዑና ቐይርካያ ኢኻ። ግምቢ ጓኖት ደጊም ከተማ ኣይኰነትን፣ከቶ እውን ዳግም ኣይክትህነጽን እያ።  3  ስለዚ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኬኽብረካ እዩ፣ከተማ ጨቈንቲ ኣህዛብ ክትፈርሃካ እያ።+  4  ንትሑትሲ ዕርዲ፡ንድኻ ብግዜ ጭንቁ ዕርዲ፡+ካብ ሃጽፊ መዕቈቢ፡ካብ ዋዒ ጸሓይ መጽለሊ ዄንካዮ ኢኻ።+ ሃፈጽታ ጨቈንቲ ኸምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ፡  5  ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዘሎ ዋዒ ኪኸውን ከሎ፡ንያዕያዕታ ጓኖት ተህድኦ ኢኻ። ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ከምኡ ኸኣ ደርፊ ጨቈንቲ ስቕ ይብል።  6  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን+ እዚ ንዅሎም ህዝብታት፡ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡ብብሉጽን ብእተጻረየን ወይኒድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡+ድግስ ብሉጽ ወይኒ* ገይሩሎም ኣሎ።  7  ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ* ኼጥፍኦ* እዩ።  8  ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ* እዩ።+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።+ የሆዋ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ጸርፊ ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቕ እዩ።  9  በታ መዓልቲ እቲኣ፡“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!+ ብእኡ ተስፋ ጌርና፣+ንሱ ኸኣ ኬድሕነና እዩ።+ እዚ የሆዋ እዩ! ብእኡ ተስፋ ጌርና። ብድሕነቱ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኪብሉ እዮም።+ 10  ከመይሲ፡ ኢድ የሆዋ ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ፣+ከምቲ ሓሰር ምስ ኵምራ ድዅዒ ዚርገጽ፡ሞኣብ ድማ ኣብ ቦታኡ ኺርገጽ እዩ።+ 11  ከምቲ ሓምባሲ ኺሕምብስ ከሎ ኣእዳዉ ዚዝርግሕ፡ኣእዳዉ ናብኡ ኺዝርግሕ፡ኣእዳዉ ብኽእለት ብምንቅስቓስ ከኣንትዕቢቱ ኼውርዶ እዩ።+ 12  ነታ እተዓርደት ከተማ ድማ፡ ምስቲ ጽኑዕ ነዊሕ መካበብያኻ፡ኬውርዳ እዩ፣ናብ ምድሪ፡ ናብ ሓመድ ኬውድቓ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናይ ጥንቲ ምኽሪ ዝዀነ።”
ወይ፡ “ምስ ሓተላኡ ዝጸንሐ ወይኒ።”
ወይ፡ “መጐልበቢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኺውሕጦ።”
ወይ፡ “ኬጥፍኦ።”