ኢሳይያስ 25:1-12
25 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
ብእምነትን+ ብተኣማንነትንካብ ጥንቲ እተዓለመ*+ዜደንቕ ነገራት ጌርካ ኢኻ እሞ፡+ልዕል አብለካ፡ ስምካ እውን እውድስ ኣለኹ።
2 ንኸተማስ ናብ ኵምራ ኣእማን፡ንእተዓርደት ከተማ ድማ ናብ ዑና ቐይርካያ ኢኻ።
ግምቢ ጓኖት ደጊም ከተማ ኣይኰነትን፣ከቶ እውን ዳግም ኣይክትህነጽን እያ።
3 ስለዚ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኬኽብረካ እዩ፣ከተማ ጨቈንቲ ኣህዛብ ክትፈርሃካ እያ።+
4 ንትሑትሲ ዕርዲ፡ንድኻ ብግዜ ጭንቁ ዕርዲ፡+ካብ ሃጽፊ መዕቈቢ፡ካብ ዋዒ ጸሓይ መጽለሊ ዄንካዮ ኢኻ።+
ሃፈጽታ ጨቈንቲ ኸምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ፡
5 ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዘሎ ዋዒ ኪኸውን ከሎ፡ንያዕያዕታ ጓኖት ተህድኦ ኢኻ።
ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ከምኡ ኸኣ ደርፊ ጨቈንቲ ስቕ ይብል።
6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን+ እዚ ንዅሎም ህዝብታት፡ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡ብብሉጽን ብእተጻረየን ወይኒድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡+ድግስ ብሉጽ ወይኒ* ገይሩሎም ኣሎ።
7 ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ* ኼጥፍኦ* እዩ።
8 ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ* እዩ።+
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።+
የሆዋ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ጸርፊ ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቕ እዩ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!+
ብእኡ ተስፋ ጌርና፣+ንሱ ኸኣ ኬድሕነና እዩ።+
እዚ የሆዋ እዩ!
ብእኡ ተስፋ ጌርና።
ብድሕነቱ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኪብሉ እዮም።+
10 ከመይሲ፡ ኢድ የሆዋ ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ፣+ከምቲ ሓሰር ምስ ኵምራ ድዅዒ ዚርገጽ፡ሞኣብ ድማ ኣብ ቦታኡ ኺርገጽ እዩ።+
11 ከምቲ ሓምባሲ ኺሕምብስ ከሎ ኣእዳዉ ዚዝርግሕ፡ኣእዳዉ ናብኡ ኺዝርግሕ፡ኣእዳዉ ብኽእለት ብምንቅስቓስ ከኣንትዕቢቱ ኼውርዶ እዩ።+
12 ነታ እተዓርደት ከተማ ድማ፡ ምስቲ ጽኑዕ ነዊሕ መካበብያኻ፡ኬውርዳ እዩ፣ናብ ምድሪ፡ ናብ ሓመድ ኬውድቓ እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ናይ ጥንቲ ምኽሪ ዝዀነ።”
^ ወይ፡ “ምስ ሓተላኡ ዝጸንሐ ወይኒ።”
^ ወይ፡ “መጐልበቢ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኺውሕጦ።”
^ ወይ፡ “ኬጥፍኦ።”