ኢሳይያስ 33:1-24

  • ንጻድቕ ዚፍረደሉ ፍርድን ዚረኽቦ ተስፋን (1-24)

    • የሆዋ ፈራድን ሓጋግ ሕግን ንጉስን እዩ (22)

    • ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ (24)

33  ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፡+ኣታ ዘይተጠለምካ ጠላሚ፡ ወይለኻ! ኣጥፊእካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጠፍእ ኢኻ።+ ጠሊምካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጥለም ኢኻ።  2  ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና።+ ተስፋና ብኣኻ እዩ። ንግሆ ንግሆ፡ ቅልጽምና*+ ኹን፣እወ፡ ብግዜ ጭንቂ፡ ድሕነትና ኹን።+  3  ብደሃይ ህውከት፡ ህዝብታት ይሃድሙ። ምስ ተንሳእካ፡ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።+  4  በላዒ ኣንበጣ ኸም ዚእከብ፡ ምርኮኹም ኪእከብ እዩ፣ከም ዕስለ ኣንበጣ ኸኣ፡ ሰባት ጐይዮም ኪዓስልዎ እዮም።  5  የሆዋ ኣብ ላዕሊ እዩ ዚነብር እሞ፡ልዕል ኪብል እዩ። ንጽዮን ብፍትሕን ብጽድቅን ኪመልኣ እዩ።  6  ንሱ ርግኣት ግዜያትካ እዩ፣ብዝሒ ድሕነትን+ ጥበብን ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን፡+—እዚ መዝገቡ እዩ።  7  እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ጐደና የእውዩ፡ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።  8  ጐደናታት ተሓዲጉ፣ብመገድታት ዚጕዓዝ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ* ኺዳን ኣፍሪሱ፣ንኸተማታት ንዒቑ፣ንመዋቲ ሰብ ግዲ የብሉን።+  9  እታ ምድሪ ትሓዝንን* ትጽምሉን ኣላ። ሊባኖስ ሓፊራ፡+ በዅቢዃ። ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀይና፣ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ኣቝጽልተን ረጊፉ።+ 10  “ሕጂ ኽትንስእ እየ” ይብል የሆዋ፡“ሕጂ ገዛእ ርእሰይ ልዕል ከብል እየ፣+ሕጂ ርእሰይ ከዕቢ እየ። 11  ንቑጽ ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ድማ ትወልዱ። መንፈስኩም ከም ሓዊ ኺበልዓኩም እዩ።+ 12  ህዝብታት ከም ንዳድ ኖራ ኪዀኑ እዮም። ከም እተቘርጸ እሾዅ፡ ብሓዊ ኺባርዑ እዮም።+ 13  ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም፡ እቲ ዝገብሮ ስምዑ! ኣቱም ኣብ ቀረባ ዘለኹም፡ ሓይለይ ፍለጡ! 14  ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጥኣን ይርዕዱ ኣለዉ፣+ንኸሓድቲ ራዕራዕታ ሒዝዎም ኣሎ፦ ‘ዚባላዕ ሓዊ ኣብ ዘለዎስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧+ ምስ ዘይጸግብ ሃልሃልታስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧’ 15  እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ፡+ብቕንዕና ዚዛረብ፡+ረብሓ ሸፈጥን ዓመጻን ዚንዕቕ፡ኣእዳዉ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዚሕዛስ ዝኣብያ፡+ንዘረባ ምፍሳስ ደም እዝኑ ዚደፍን፡ክፉእ ከይርኢ እውን ኣዒንቱ ዚዕምት፡ 16  ንሱ ኣብ በረኽቲ ኺነብር፡ዕርድታት ኣኻውሕ ከኣ እምባኡ* ኪኸውን፡እንጌራኡ ድማ ኪውሃቦ፡ማዩ እውን ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”+ 17  ኣዒንትኻ ንንጉስ ብግርማኡ ኺርእያኦ፡ርሕቕቲ ምድሪ ኺርእያ እየን። 18  ኣብ ልብኻ፡ ሽበራ ኽትዝክር* ኢኻ፦ “ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ፧+ እቲ ግምብታት ዝቘጸረ ኣበይ ኣሎ፧” 19  ነቲ ኸተስተውዕሎ ዜሸግር* ዝቛንቋኡንክትርድኦ ዘይከኣል ወታእ ዝልሳኑንደረቐኛ ህዝቢ ደጊም ኣይክትርእዮን ኢኻ።+ 20  ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ!+ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ህድእቲ መንበሪት፡ዘይትግዕዝ ድንኳን ኰይና ኺርእያኣ እየን።+ ሽኻላታ ኣይኪምንቈስን፡ኣግማዳ ኸኣ ኣይኪብተኽን እዩ። 21  ኣብኣ ግና እቲ ግርማዊ የሆዋ፡ዞባ ኣፍላግን ሰፊሕ መትረባትን ኪዀነልና እዩ፣ብመቕዘፍ ዚምራሓ መራኽብ ከኣ ናብኡ ኣይኪኣትዋን፡ዓበይቲ መራኽብ እውን ብእኡ ኣይኪሓልፋን እየን። 22  ከመይሲ፡ የሆዋ ፈራዲና፡+የሆዋ ሓጋግ ሕግና፡+የሆዋ ንጉስና እዩ፣+እቲ ዜድሕነና፡ ንሱ እዩ።+ 23  ኣግማድካ ዘሊቑ ጠልጠል ኪብል እዩ፣ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ደው ኣይኬብሎን፡ ነቲ ጋንጽላ እውን ኣይኪግትሮን እዩ። ሽዑ፡ ብዙሕ ምርኮ ኺምቀል እዩ፣ሓንካሳት እኳ ብዙሕ ዘመተ ኺወስዱ እዮም።+ 24  ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+ እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብርታዐና።”
ንጸላኢ የመልክት።
ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢኡ።”
ወይ፡ “ንሽበራ ኸተስተንትነሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንምስማዑ ኣመና ዓሚቝ።”