ኢሳይያስ 33:1-24
33 ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፡+ኣታ ዘይተጠለምካ ጠላሚ፡ ወይለኻ!
ኣጥፊእካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጠፍእ ኢኻ።+
ጠሊምካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጥለም ኢኻ።
2 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና።+
ተስፋና ብኣኻ እዩ።
ንግሆ ንግሆ፡ ቅልጽምና*+ ኹን፣እወ፡ ብግዜ ጭንቂ፡ ድሕነትና ኹን።+
3 ብደሃይ ህውከት፡ ህዝብታት ይሃድሙ።
ምስ ተንሳእካ፡ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።+
4 በላዒ ኣንበጣ ኸም ዚእከብ፡ ምርኮኹም ኪእከብ እዩ፣ከም ዕስለ ኣንበጣ ኸኣ፡ ሰባት ጐይዮም ኪዓስልዎ እዮም።
5 የሆዋ ኣብ ላዕሊ እዩ ዚነብር እሞ፡ልዕል ኪብል እዩ።
ንጽዮን ብፍትሕን ብጽድቅን ኪመልኣ እዩ።
6 ንሱ ርግኣት ግዜያትካ እዩ፣ብዝሒ ድሕነትን+ ጥበብን ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን፡+—እዚ መዝገቡ እዩ።
7 እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ጐደና የእውዩ፡ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።
8 ጐደናታት ተሓዲጉ፣ብመገድታት ዚጕዓዝ ሓደ እኳ የልቦን።
ንሱ* ኺዳን ኣፍሪሱ፣ንኸተማታት ንዒቑ፣ንመዋቲ ሰብ ግዲ የብሉን።+
9 እታ ምድሪ ትሓዝንን* ትጽምሉን ኣላ።
ሊባኖስ ሓፊራ፡+ በዅቢዃ።
ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀይና፣ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ኣቝጽልተን ረጊፉ።+
10 “ሕጂ ኽትንስእ እየ” ይብል የሆዋ፡“ሕጂ ገዛእ ርእሰይ ልዕል ከብል እየ፣+ሕጂ ርእሰይ ከዕቢ እየ።
11 ንቑጽ ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ድማ ትወልዱ።
መንፈስኩም ከም ሓዊ ኺበልዓኩም እዩ።+
12 ህዝብታት ከም ንዳድ ኖራ ኪዀኑ እዮም።
ከም እተቘርጸ እሾዅ፡ ብሓዊ ኺባርዑ እዮም።+
13 ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም፡ እቲ ዝገብሮ ስምዑ!
ኣቱም ኣብ ቀረባ ዘለኹም፡ ሓይለይ ፍለጡ!
14 ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጥኣን ይርዕዱ ኣለዉ፣+ንኸሓድቲ ራዕራዕታ ሒዝዎም ኣሎ፦
‘ዚባላዕ ሓዊ ኣብ ዘለዎስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧+
ምስ ዘይጸግብ ሃልሃልታስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧’
15 እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ፡+ብቕንዕና ዚዛረብ፡+ረብሓ ሸፈጥን ዓመጻን ዚንዕቕ፡ኣእዳዉ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዚሕዛስ ዝኣብያ፡+ንዘረባ ምፍሳስ ደም እዝኑ ዚደፍን፡ክፉእ ከይርኢ እውን ኣዒንቱ ዚዕምት፡
16 ንሱ ኣብ በረኽቲ ኺነብር፡ዕርድታት ኣኻውሕ ከኣ እምባኡ* ኪኸውን፡እንጌራኡ ድማ ኪውሃቦ፡ማዩ እውን ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”+
17 ኣዒንትኻ ንንጉስ ብግርማኡ ኺርእያኦ፡ርሕቕቲ ምድሪ ኺርእያ እየን።
18 ኣብ ልብኻ፡ ሽበራ ኽትዝክር* ኢኻ፦
“ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧
እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ፧+
እቲ ግምብታት ዝቘጸረ ኣበይ ኣሎ፧”
19 ነቲ ኸተስተውዕሎ ዜሸግር* ዝቛንቋኡንክትርድኦ ዘይከኣል ወታእ ዝልሳኑንደረቐኛ ህዝቢ ደጊም ኣይክትርእዮን ኢኻ።+
20 ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ!+
ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ህድእቲ መንበሪት፡ዘይትግዕዝ ድንኳን ኰይና ኺርእያኣ እየን።+
ሽኻላታ ኣይኪምንቈስን፡ኣግማዳ ኸኣ ኣይኪብተኽን እዩ።
21 ኣብኣ ግና እቲ ግርማዊ የሆዋ፡ዞባ ኣፍላግን ሰፊሕ መትረባትን ኪዀነልና እዩ፣ብመቕዘፍ ዚምራሓ መራኽብ ከኣ ናብኡ ኣይኪኣትዋን፡ዓበይቲ መራኽብ እውን ብእኡ ኣይኪሓልፋን እየን።
22 ከመይሲ፡ የሆዋ ፈራዲና፡+የሆዋ ሓጋግ ሕግና፡+የሆዋ ንጉስና እዩ፣+እቲ ዜድሕነና፡ ንሱ እዩ።+
23 ኣግማድካ ዘሊቑ ጠልጠል ኪብል እዩ፣ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ደው ኣይኬብሎን፡ ነቲ ጋንጽላ እውን ኣይኪግትሮን እዩ።
ሽዑ፡ ብዙሕ ምርኮ ኺምቀል እዩ፣ሓንካሳት እኳ ብዙሕ ዘመተ ኺወስዱ እዮም።+
24 ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+
እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ብርታዐና።”
^ ንጸላኢ የመልክት።
^ ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢኡ።”
^ ወይ፡ “ንሽበራ ኸተስተንትነሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንምስማዑ ኣመና ዓሚቝ።”