ኢሳይያስ 35:1-10
35 በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡+ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።+
2 ብርግጽ ኪዕምብብ እዩ፣+ኪሕጐስን እልል ኪብልን እዩ።
ክብሪ ሊባኖስ፡+ግርማ ቀርሜሎስን+ ሳሮንን+ ኪውሃቦ እዩ።
ክብሪ የሆዋ፡ ግርማ ኣምላኽና፡ ኪርእዩ እዮም።
3 ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፣ወለል ንዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ።+
4 ነቶም ጭኑቕ ዝልቦም፡“በርትዑ። ኣይትፍርሁ።
እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነ ኺመጽእ፡ምስ ፍዳ እውን ኪመጽእ እዩ።+
ኪመጽእን ኬድሕነኩምን እዩ”+ በልዎም።
5 ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡+ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።+
6 ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡+ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ።+
ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።
7 ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ፡ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ።+
ኣብ ሰፈር ወኻሩ፡*+ሳዕርን ሻምብቆን ጳጲሮስን ኪኸውን እዩ።
8 ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡+እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ።
ርኹስ ብእኣ ኣይኪጕዓዝን እዩ።+
ነቶም በታ መገዲ ዚመላለሱ እተሓዝአት እያ፣ዓሻ ኸኣ ስሒቱ ናብኣ ኣይኬብልን እዩ።
9 ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ሕሱም ኣራዊት ድማ ኣይኪድይባን እዩ።
ኣብኣ እውን ኣይኪርከብን እዩ፣+ብጁዋት ጥራይ ደኣ ኣብኣ ኺመላለሱ እዮም።+
10 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከኣ ኪምለሱን+ ብእልልታ ናብ ጽዮን ኪመጹን እዮም።+
ዘይውዳእ ሓጐስ ድማ ኣብ ርእሶም ከም ዘውዲ ኪኸውን እዩ።+
ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ጋውሕታታት።”

