ሮሜ 3:1-31
3 ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ብልጫኡ፧ ወይስ ጥቕሚ ግዝረት እንታይ እዩ፧
2 ብዅሉ መዳይ ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፡ እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም እዩ።+
3 እሞ ደኣ ገሊኦም እንተ ዘይኣሚኖም፡ እቲ ዘይምእማኖም ንተኣማንነት ኣምላኽ ከንቱ ይገብሮ ድዩ፧
4 ያእ ኣይፋሉን! ከምቲ፡ “ብቓላትካ ምእንቲ ኽትጸድቕን ኪፍረደካ ኸሎ ምእንቲ ኽትረትዕን” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ፡+ ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ዀይኑ ይረኸብ።+
5 ግናኸ፡ እቲ ዓመጻና፡ ጽድቂ ኣምላኽ ዜጕልሕ ካብ ኰነ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቍጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ (ከም ኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።)
6 ያእ ኣይፋሉን! ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ኪፈርዳ እዩ፧+
7 ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ ግና፡ ስለምንታይ ደኣ እየ ኸም ሓጥእ ዝፍረድ ዘለኹ፧
8 ከምቲ ገሊኦም፡ “ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ ክፉእ ንግበር” ከም እንብል ዚጥቅኑና ደኣ ስለምንታይ ዘይንብል፧ ኣብዚኣቶም ዚወርድ ፍርዲ ፍትሓዊ እዩ።+
9 እሞኸ ደኣ፧ ንሕና ዝሓሽና ዲና፧ ከቶ ኣይኰንናን! ኣቐዲምና፡ ኵሎም ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ከሲስና ኣለና፣+
10 ከምኡ ኸኣ ተጻሒፉ ኣሎ፦ “ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን፣+
11 ልቦና ዘለዎ የልቦን፣ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን።
12 ኵላቶም ኣልጊሶም፡ ኵላቶም ዘይጠቕሙ ዀይኖም፣ ዚልውህ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።”+
13 “ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብልሳናቶም የታልሉ ኣለዉ።”+ “ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።”+
14 “ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።”+
15 “ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።”+
16 “ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ፣
17 ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈለጥዋን።”+
18 “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።”+
19 እምበኣር፡ ኵሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኵላ ዓለም እውን ብኣምላኽ እትቕጻዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚብሎም፡ ንፈልጥ ኢና።+
20 ስለዚ፡ ሓጢኣት ብሕጊ እዩ ብልክዕ ዚፍለጥ እሞ፡+ ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚኡ ዚጸድቕ* ሓደ እኳ* የልቦን።+
21 ሕጂ ግና፡ ከምቲ ብሕግን ብነብያትን እተመስከረ፡+ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገሊጹ እዩ፣+
22 እወ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ እዩ። ኣብዝስ ፍልልይ የልቦን።+
23 ከመይሲ፡ ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ፣+
24 በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡+ ብናጻ ውህበት+ ብጸጋኡ እዮም ዚጸድቁ።+
25 ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነቶም ብደሙ ዚኣምኑ መተዓረቒ ገይሩ ኣቚምዎ እዩ።+ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ብምሕዳግ፡ ጽድቁ ኼርኢ ኢሉ እዩ።
26 እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብየሱስ ንዚኣምን ኬጽድቖ ኸሎ እውን፡+ ንሱ ጻድቕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+
27 ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ የልቦን። በየናይ ሕጊ፧ ብናይ ግብሪ ድዩ፧+ ኣይኰነን፡ ብሕጊ እምነት እባ ደኣ።
28 ከመይሲ፡ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ፡ ብእምነት ከም ዚጸድቕ ጌርና ኢና እንሓስብ።+
29 ወይስ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣይሁድ ጥራይ ድዩ፧+ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን ደይኰነን፧+ እወ፡ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን እዩ።+
30 ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝዀነ፡+ ንግዙራት ሳላ እምነቶም የጽድቖም፡+ ንዘይግዙራት እውን ብእምነቶም የጽድቖም።+
31 እሞኸ ንሕጊ ብእምነትና ነፍርሶዶ ኣለና፧ ያእ ኣይፋልናን! ንሕግስ እባ ነደልድሎ ኣለና።+