ሮሜ 3:1-31

  • ‘ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ ይረኸብ’ (1-8)

  • ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም (9-20)

  • ጽድቂ ብእምነት ይርከብ (21-31)

    • ኵሎም ክብሪ ኣምላኽ ጐዲልዎም (23)

3  ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ብልጫኡ፧ ወይስ ጥቕሚ ግዝረት እንታይ እዩ፧ 2  ብዅሉ መዳይ ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፡ እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም እዩ።+ 3  እሞ ደኣ ገሊኦም እንተ ዘይኣሚኖም፡ እቲ ዘይምእማኖም ንተኣማንነት ኣምላኽ ከንቱ ይገብሮ ድዩ፧ 4  ያእ ኣይፋሉን! ከምቲ፡ “ብቓላትካ ምእንቲ ኽትጸድቕን ኪፍረደካ ኸሎ ምእንቲ ኽትረትዕን” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ፡+ ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ዀይኑ ይረኸብ።+ 5  ግናኸ፡ እቲ ዓመጻና፡ ጽድቂ ኣምላኽ ዜጕልሕ ካብ ኰነ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቍጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ (ከም ኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።) 6  ያእ ኣይፋሉን! ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ኪፈርዳ እዩ፧+ 7  ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ ግና፡ ስለምንታይ ደኣ እየ ኸም ሓጥእ ዝፍረድ ዘለኹ፧ 8  ከምቲ ገሊኦም፡ “ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ ክፉእ ንግበር” ከም እንብል ዚጥቅኑና ደኣ ስለምንታይ ዘይንብል፧ ኣብዚኣቶም ዚወርድ ፍርዲ ፍትሓዊ እዩ።+ 9  እሞኸ ደኣ፧ ንሕና ዝሓሽና ዲና፧ ከቶ ኣይኰንናን! ኣቐዲምና፡ ኵሎም ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ከሲስና ኣለና፣+ 10  ከምኡ ኸኣ ተጻሒፉ ኣሎ፦ “ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን፣+ 11  ልቦና ዘለዎ የልቦን፣ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። 12  ኵላቶም ኣልጊሶም፡ ኵላቶም ዘይጠቕሙ ዀይኖም፣ ዚልውህ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።”+ 13  “ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብልሳናቶም የታልሉ ኣለዉ።”+ “ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።”+ 14  “ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።”+ 15  “ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።”+ 16  “ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ፣ 17  ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈለጥዋን።”+ 18  “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።”+ 19  እምበኣር፡ ኵሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኵላ ዓለም እውን ብኣምላኽ እትቕጻዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚብሎም፡ ንፈልጥ ኢና።+ 20  ስለዚ፡ ሓጢኣት ብሕጊ እዩ ብልክዕ ዚፍለጥ እሞ፡+ ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚኡ ዚጸድቕ* ሓደ እኳ* የልቦን።+ 21  ሕጂ ግና፡ ከምቲ ብሕግን ብነብያትን እተመስከረ፡+ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገሊጹ እዩ፣+ 22  እወ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ እዩ። ኣብዝስ ፍልልይ የልቦን።+ 23  ከመይሲ፡ ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ፣+ 24  በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡+ ብናጻ ውህበት+ ብጸጋኡ እዮም ዚጸድቁ።+ 25  ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነቶም ብደሙ ዚኣምኑ መተዓረቒ ገይሩ ኣቚምዎ እዩ።+ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ብምሕዳግ፡ ጽድቁ ኼርኢ ኢሉ እዩ። 26  እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብየሱስ ንዚኣምን ኬጽድቖ ኸሎ እውን፡+ ንሱ ጻድቕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+ 27  ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ የልቦን። በየናይ ሕጊ፧ ብናይ ግብሪ ድዩ፧+ ኣይኰነን፡ ብሕጊ እምነት እባ ደኣ። 28  ከመይሲ፡ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ፡ ብእምነት ከም ዚጸድቕ ጌርና ኢና እንሓስብ።+ 29  ወይስ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣይሁድ ጥራይ ድዩ፧+ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን ደይኰነን፧+ እወ፡ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን እዩ።+ 30  ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝዀነ፡+ ንግዙራት ሳላ እምነቶም የጽድቖም፡+ ንዘይግዙራት እውን ብእምነቶም የጽድቖም።+ 31  እሞኸ ንሕጊ ብእምነትና ነፍርሶዶ ኣለና፧ ያእ ኣይፋልናን! ንሕግስ እባ ነደልድሎ ኣለና።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስጋ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።