ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

 እንታይ ምገበርካ፧

 ንካሪና እንታይ ከም ዘጋጠማ ኣንብብ። እዚ ንዓኻ እንተ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ምገበርካ፧

 ካሪና፦ “ናብ ቤት ትምህርቲ ብልዑል ፍጥነት እናዘወርኩ ክኸይድ ከለኹ፡ ሓደ ፖሊስ ደው ኣቢሉ ቲኬት ሂቡኒ። በዚ ኣመና ተበሳጭየ! ብዛዕባ እዚ ንማማ ምስ ነገርክዋ፡ ንባባ ኽነግሮ ኸም ዘሎኒ ነጊራትኒ። ንዕኡ ኽነግሮ ግና ኣይደለኹን።”

 እንታይ ምገበርካ፧

  1.  ምርጫ ሀ፦ ተጽቅጥ፣ ምናልባት ባባ ብዛዕባኡ ኣይሰምዕን ይኸውን።

  2.  ምርጫ ለ፦ ዘጋጠመካ ነገር ንኣቦኻ ብልክዕ ትነግሮ።

 ምርጫ ሀ ንምምራጽ ትፍተን ትኸውን። ምናልባት ኣዴኻ ንኣቦኻ ኸም ዝነገርካዮ ገይራ ትሓስብ ትኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምስ ትኬት ትራፊክ ኰነ ምስ ካልእ ኣብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ጕዳይ፡ ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎካ።

 ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ሰለስተ ምኽንያታት

  1.  1. ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ነገር ስለ ዝዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኪስዕብዎ ዚግባእ መለክዒ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]” ይብል።—እብራውያን 13:18

     “ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ተግባራተይ ዜስዕበለይ ሓላፍነት ንምስካም፡ ጌጋ ኽገብር ከለኹ ድማ ብኡብኡ ጌጋይ ንምእማን ብዙሕ እየ ጽዒረ።”—ኣለክሲስ።

  2.  2. ጌጋታቶም ዚእመኑ ሰባት ይቕረታ ስለ ዚረኽቡ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ” ይብል።—ምሳሌ 28:13

     “ጌጋኻ ምእማን ትብዓት ይሓትት እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ በዚ ኸምዚ እዮም ሰባት ዚኣምኑኻ። ብቕንዕና ኸም እትመላለስ ይርእዩ እዮም። ጌጋኻ እንተ ተኣሚንካ፡ ንሕማቕ ነገር ናብ ጽቡቕ ኢኻ እትቕይሮ።”—ሪቻርድ።

  3.  3. ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ስለ ዜሐጕሶ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ይብል።—ምሳሌ 3:32

     “ከቢድ ጌጋ ምስ ገበርኩ፡ ጌጋይ ክእመን ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ብመገዲ የሆዋ እንተ ዘይተመላሊሰ፡ በረኸቱ ኣይረክብን እየ።”—ሬቸል።

 እሞ ደኣ ካሪና ነቲ ጌጋኣ ብኸመይ ሒዛቶ፧ ነቲ ብፍጥነት ብምዝዋራ እተዋህባ ትኬት ካብ ኣቦኣ ኽትሓብኦ ፈተነት። ንሓዋሩ ግና ክትሓብኦ ኣይከኣለትን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ከተዘንቱ ኸላ ኸምዚ ትብል፦ “ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ፡ ባባ ናይ መድሕን ክፍሊትና ኺምርምር ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ስመይ፡ ብፍጥነት ብምዝዋር እተቐጻዕኩሉ ትኬት ረኺቡ። ኣብ ዓብዪ ሽግር እየ ኣትየ። ዋላ እውን ማማ፡ ከምቲ ዝበለትኒ ስለ ዘይገበርኩ ተቘጢዓትኒ!”

 ትምህርቲ፦ ካሪና፡ “ጌጋኻ ምሕባእ፡ መሊሱ ጥራይ እዩ ዜጋድደልካ። ጸኒሑ የኽፍለካ እዩ!” ትብል።

 ካብ ጌጋታትካ ብኸመይ ትምሃር፧

 ኵሉ ሰብ ይጋገ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 1 ዮሃንስ 1:8) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ኸኣ፡ ጌጋና ምቕባልን ምእራምን፡ ምልክት ትሕትናን ብስለትን እዩ።

 ድሕሪኡ፡ ካብ ጌጋታትካ ኽትምሃር ኣሎካ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም መንእሰያት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣይጥቀሙሉን እዮም። ከምቲ ፕሪሲላ ንእትብሃል መንእሰይ እተሰምዓ ዓይነት ስምዒት ይስምዖም ይኸውን። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ጌጋታተይ እምብዛ እሓዝን ነይረ። ብዛዕባ ርእሰይ ትሑት ኣረኣእያ ስለ ዝነበረኒ፡ ንጌጋታተይ ክስከሞ ዘይክእል ኣመና ዓብዪ ነገር ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ነይሩ፡ ተስፋ ኸም ዘይብለይ ገይረ እውን እሓስብ ነይረ።”

 ሓድሓደ ግዜ፡ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ዘክር፦ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትካ ምትኳር፡ ማኪና እናዘወርካ ናብ ድሕሪት ዜርኢ መስትያት ከም ምጥማት እዩ። ኣብ ሕሉፍ እንተ ኣተኲርካ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ብድሆታት ንምስጋር ብቕዓትን ዓቕምን ከም ዘይብልካ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚስምዕካ።

 ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘይትሕዝ፧

 “ንጌጋታትካ ምልስ ኢልካ ርኣዮ፡ ምእንቲ ኸይትደግሞ ድማ ካብኡ ተምሃር። ምእንቲ ኸይጐትተካ ግና፡ ኣብኡ እምብዛ ኣይተተኵር።”—ኢሊዮት።

 “ጌጋ ብዝገበርኩ መጠን፡ ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውንን ኣብ ዚቕጽል ግዜ ነቲ ዅነታት ብኻልእ መገዲ ኽሕዞን ዚሕግዝ ትምህርቲ ብምርካብ፡ ንጌጋታተይ ከም መምሃሪ እየ ዝጥቀመሉ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ዝሓሸ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ በዚ ኸምዚ ትዓቢ ኢኻ።”—ቪራ።