ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—1ይ ክፋል፦ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—1ይ ክፋል፦ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ

 “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ፈቲነ ነይረ፣ ንውሓቱ ግና ከቢዱኒ!”—ብሪያና፡ 15።

 ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ እዛ ዓንቀጽ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ!

 ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ፧

 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ዜሰልኪ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ብዙሓት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ብደቂቕ እተጻሕፈን ስእሊ ዘይብሉን ኣሽሓት ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ መሸም ምስ ቲቪን ቪድዮን ዚወዳደር ኣይኰነን!

 ግናኸ፡ ብኻልእ ሸነኽ እሞ ርአ፦ ክቡር መዝገብ ዝሓዘ ዓብይን ጥንታውን ሳንዱቕ እንተ ትረክብ፡ ኣብ ውሽጡ እንታይ ከም ዝሓዘ ኽትፈልጥ ኣይምተሃንጠኻንዶ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምዚ ኽቡር መዝገብ ዝሓዘ ሳንዱቕ እዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ብዙሕ ጥበብ ድማ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዘካ እዩ፦

  •   ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር

  •   ምስ ወለድኻ ኽትሳነ

  •   ብሉጻት ኣዕሩኽ ክትረክብ

  •   ንጸቕጢ ኽትጻወር

 ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ንግዜና ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል፧ ምኽንያቱ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ ማለት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኻብ ብሉጽ ምንጪ ዝመጸ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዋጋ ዘይሽነን ክቡር ጥበብ ዝሓዘ ሳንዱቕ እዩ

 ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እንተ ኣንበብክዎ ይሓይሽ፧

 ሓደ መገዲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምንባብ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓፈሻዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  •    ነተን 66 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተርታአን፡ ማለት ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ከተንብበን ትኽእል ኢኻ።

  •    ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመስርዕ ግዜ፡ ማለት ብመስርዕ እቲ ዛንታታት ብሓቂ ዝዀነሉ ግዜ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

 ምኽሪ፦ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ7 ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ ብመስርዕ ግዜ ተዘርዚሩ ኣሎ።

 ካልኣይ መገዲ፡ ምስ ዜጋጥመካ ብድሆ ዚተሓሓዝ ዛንታ መሪጽካ ምንባብ እዩ። ንኣብነት፦

  •   እሙናት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትደሊዶ፧ ዛንታ ዮናታንን ዳዊትን ኣንብብ። (1 ሳሙኤል፡ ምዕራፍ 18-20) ነቲ ኣብ መንጎ ዮናታንን ዳዊትን ዘሎ ድልዱል ዕርክነት ኣስተብህለሉ።

  •   ፈተና ንምጽራር ዘሎካ ኽእለት ከተሐይል ትድሊዶ፧ ዮሴፍ ንፈተና ብኸመይ ከም እተጻረረ ዚገልጽ ዛንታ ኣንብብ። (ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 39) ነቲ ዮሴፍ ንፈተና እተጻረረሉ መገዲ ተዓዘብ።

  •   ጸሎት ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዛንታ ነህምያ ኣንብብ። (ነህምያ፡ ምዕራፍ 2) ነቲ ጸሎት ነህምያ ዝነበሮ ሓይሊ ተመልከት።

 ምኽሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ብኣትኵሮ ምእንቲ ኸተንብብ፡ ጸጥታ ኣብ ዝሰፈኖ ቦታ ኹን።

 ሳልሳይ መገዲ፡ ሓደ ዛንታ ወይ መዝሙር ምረጽ እሞ ድሕሪኡ ብኸመይ ከም ዚምልከተካ ሕሰበሉ። ምስ ኣንበብካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  •    የሆዋ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘስፈሮ ስለምንታይ እዩ፧

  •    እዚ ብዛዕባ ባህርያት ወይ ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

  •    ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ክትግብሮ እኽእል፧

 ምኽሪ፦ ሸቶ ግበር! ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እትጅምረሉ ዕለት ጽሓፍ።