ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብኢንተርነት እድንደን እንተ ኣልየኸ፧

ብኢንተርነት እድንደን እንተ ኣልየኸ፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

 ኢንተርነት ብቐሊሉ ኸም እትድንደን ይገብር። ሳይበርሴፍ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኢንተርነት፡ ገጽ ንገጽ ክትርእአ ስለ ዘየገድደካ፡ ጽቡቕ ንዝጠባዮም ቈልዑ እውን ከይተረፈ ሕሱማት ከም ዚዀኑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ” ትብል።

 ገሊኦም ሰባት ኣደዳ ድንደና ኪዀኑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ነቶም ከም ዘይሕዉሳትን ፍሉያትን ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት፡ ወይ እውን ነቶም ብጕድለት ርእሰ ምትእምማን ዚሳቐዩ ሰባት የጠቓልል።

 ብኢንተርነት ምድንዳን ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ። ብጽምዋን ብጭንቀትን ከም እትወሓጥ ኪገብር ይኽእል እዩ፣ አረ ንገሊኦም ግዳያትሲ ርእሶም ከም ዚቐትሉ ገይርዎም እዩ።

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

 ፈለማ ንርእስኻ፡ ‘ብሓቂዶ ድንደና እዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰባት ናይ ልቦም ዘይኰነ ጐዳኢ ዘረባ ይዛረቡ እዮም። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና፦

 “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።

 ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ብኢንተርነት ንኻልእ ዜሸግር፡ ዜዋርድ፡ ወይ ዜፈራርህ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ድንደና እዩ።

 ብኢንተርነት ትድንደን እንተ ኣሊኻ፡ እቲ እትህቦ ምላሽ ንነገራት ኬመሓይሾ ወይ ኬጋድዶ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ንገለ ኻብዚ ስዒቡ ቐሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ፈትኖ።

 ነቲ ደንዳኒ ኣይትመልሰሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ” ይብል።—ምሳሌ 17:27

 እዚ ምኽሪ እዚ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ናንሲ ዊላርድ ኣብታ ሳይበርቡሊን ኤንድ ሳይበርትረትስ ዘርእስታ መጽሓፋ፡ “ቀንዲ ዕላማ ደንደንቲ ንግዳያቶም ከም ዚቝጥዑ ምግባር እዩ፣ እቶም ግዳያት ምስ ዚቝጥዑ፡ እቲ ደንዳኒ ንስምዒታቶም ኪቈጻጸሮ እዮም ዚፈቕዱ” ኢላ ጸሓፈት።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዝበለጸ ምላሽ፡ ምላሽ ዘይምሃብ እዩ።

 ሕነ ኸይትፈዲ ተጠንቀቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ” ይብል።—1 ጴጥሮስ 3:9

 እዚ ምኽሪ እዚ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ሳይበር-ሴፍ ኪድስ፡ ሳይበር-ሳቪ ቲንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝበለቶ፡ “ቍጥዓ፡ ድኽመት እዩ ዜርኢ፣ ብዝያዳ ኸም እትድንደን ድማ እዩ ዚገብር።” ሕነ ምፍዳይ፡ ንስኻ እውን ልክዕ ከምቲ ደንዳኒ መሸገሪ ኸም ዝዀንካ ጌርካ ኸም እትርአ ኺገብር ይኽእል እዩ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ነቲ ሓዊ፡ ነዳዲ ኣይትወስኸሉ።

 ቀልጢፍካ ስጕምቲ ውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ እከይ ኣይትሰዓር” ይብል። (ሮሜ 12:21) ነቲ ዅነታት ከም ዚጋደድ ከይገበርካ፡ እቲ ድንደና ኸም ዜቋርጽ ክትገብረሉ እትኽእል ነገራት ኣሎ።

 ንኣብነት፦

  •    ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ንመልእኽትታት እቲ ደንዳኒ ኸም ዘይቅበል ግበር። ሚን ቢሃይንድ ዘ ስክሪን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ዘየንበብካዮ ነገራት ኪጐድኣካ ኣይክእልን እዩ” ትብል።

  •   ዋላ እውን ኣይተንብቦ፡ ንዅሉ መርትዖታት ዓቅቦ። እዚ ድማ ነቲ ብሞባይልን ብኢንተርነትን ዚለኣኽ መልእኽትታት፡ ንኢ-መይል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዚጥቃዕ ነገራት፡ ብድምጺ ንዚለኣኽ መልእኽትታት፡ ወይ ንኻልእ ዓይነት መራኸቢታት የጠቓልል።

  •   ነቲ ደንዳኒ ንተግባሩ ደው ኬብሎ ንገሮ። ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ዘይኰነ ግናኸ ተሪር መልእኽቲ ልኣኸሉ፦

    •  “ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ ኸይትልእከለይ።”

    •  “ነቲ ኣብ ኢንተርነት ጠቂዕካዮ ዘለኻ ኣልግሶ።”

    •  “ነዚ ነገራት እዚ እንተ ዘየቋሪጽካዮ፡ ከም ዜቋርጽ ንምግባር ተወሳኺ ስጕምትታት ክወስድ እየ።”

  •   ርእሰ ተኣማንነትካ ኣዕቢ። ኣብ ድኽመትካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብርታዐኻ ኣተኵር። (2 ቈረንቶስ 11:6) እቶም ብኢንተርነት ዚድንድኑ ልክዕ ከምቶም ብኣካል ዚድንድኑ፡ ነቶም ተነቀፍቲ ዚመስሉ ሰባት እዮም ዜጥቅዕዎም።

  •   ንዓብዪ ሰብ ሓብር። ንወለድኻ ብምንጋር ጀምር። ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገም፡ ነቲ እቲ ዚድንድነካ ሰብ ዚጥቀመሉ ወብ ሳይት ወይ ወሃብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከቢድ ኵነታት፡ ንስኻን ወለድኻን ብዛዕባ እቲ ጸገም ንቤት ትምህርትኻ ወይ ንፖሊስ ክትሕብሩ፡ ወይ እውን ምኽሪ ሰብ ሞያ ሕጊ ኽትደልዩ ኣሎኩም።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ነቲ ድንደና ኸም ዜቋርጽ ንምግባር ወይ እውን እንተ ወሓደ ነቲ እቲ ደንዳኒ ኣባኻ ዜሕድሮ ጽልዋ ኸም ዚንኪ ንምግባር ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።