ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥሞም ድንደና ኺዋጽኡሉ ተሓጊዞም

መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥሞም ድንደና ኺዋጽኡሉ ተሓጊዞም

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዀነ ሁጎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቱ ንዚርከቡ ተምሃሮ ንድንደና ኺዋጽኡሉ ስለ ዝሓገዞም፡ ካብ ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዚርከብ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ዳያና ኣዋርድ ዚብሃል ሽልማት ረኺቡ።

ሁጎ፡ “እዚ ሽልማት ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ እዩ ዚግባእ። ምኽንያቱ፡ ሳላ እቲ ኻብታ ኣብ jw.org እትርከብ ቪድዮ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ እዩ ኣምባሳደር ጸረ ድንደና ክኸውን ክኢለ” ኢሉ።

“ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ቘልዑ፡ ኵሉ መዓልቲ ይድንደኑ እዮም። . . . እሞኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧” (ካብታንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ)

ሁጎ ፈለማ ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ ንመምሃራኑ ኣርእይዋ። ንሳቶም ድማ በታ ቪድዮ ስለ እተደነቑ፡ ነታ jw.org እትብሃል ወብ ሳይት ንዅሎም ተምሃሮ ኣፋሊጦምዋ። መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ዓመት ዚዀኑ መማህርቲ ሁጎ ድማ ንjw.org ኣዘውቲሮም ይጥቀሙላ እዮም። እታ ወብ ሳይት ንድንደና ኺዋጽኡሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ክረክብ እኽእል፧’ ንዚብልን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለን ሕቶታት መልሲ ኺረኽቡሉ ኸም ዝሓገዘቶም እውን ገሊጾም እዮም።

ግብራዊ ስልትታት ንመንእሰያት ጠቒምዎም

ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዚርከብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ድማ ሓደ ኤላይጃ ዚብሃል ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣደዳ ድንዳነ ዀይኑ ነይሩ። ንሱን ስድራ ቤቱን ከኣ ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ ርእዮምዋ። ድሕሪኡ ደንዳኒ ኸጋጥሞ ኸሎ፡ እንታይ ኢሉ ኺምልስን እንታይ ኪገብርን ከም ዘለዎ ምስ ስድራ ቤቱ ተለማሚዱ። በዚ ኸኣ ነቲ ጸገም ኪዋጽኣሉ ዜኽእሎ ርእሰ ምትእምማን ረኺቡ። ጸኒሑ፡ ኣብታ ንጸረ ድንዳነ እተወሰነት ሰሙን፡ መምህሩ ንዅሎም ተምሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ነታ ቪድዮ ኣርእይዎም።

ድንዳነ ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ዜጋጥም ጸገም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሽግር እዩ፡ እታ ቪድዮ ኸኣ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ መንእሰያት ትሕግዞም ኣላ።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ጓል ዓሰርተ ዓመት ኣይቪ፡ ንሓንቲ እትድንድና መማህርታ ትፈርሃ ነይራ። ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣያ ግና ትብዓት ረኺባ። ንመምህራ እውን ብዛዕባ ዅነታታ ስለ ዝነገረቶ፡ እቲ መምህር ሓጊዝዋ እዩ። ድሕሪኡ እታ መማህርታ ይቕረታ ሓቲታታ፡ ሕጂ ድማ ጽቡቕ ርክብ ኣለወን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንእሰያት ንሓልየሎም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ከም ድንዳነ ዝኣመሰለ መዓልቲ መዓልቲ ንዜጋጥሞም ጸጋማት ኪዋጽኡሉ ዚሕግዞም ግብራዊ ምኽርታት ከነሕትም ኢና።