ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተለዊጥካ ዲኻ፧

ተለዊጥካ ዲኻ፧

“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2

1, 2. ኣተዓባብያናን ኣከባቢናን ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

ኣተዓባብያናን ኣከባቢናን ንዅላትና ይጸልወና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣከዳድናናን ኣመጋግባናን ጠባይናን እተፈላለየ ኪኸውን ዝኸኣለ። ስለምንታይ፧ ብኸፊል፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵነታት ህይወትና እውን ስለ ዚጸልወና እዩ።

2 ይኹን እምበር፡ ካብ ምርጫ ምግብን ክዳንን ንላዕሊ ዜገድስ ካልእ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብምኽንያት ኣተዓባብያና፡ ንገሊኡ ነገራት ከም ቅኑዕን ተቐባልነት ዘለዎን ጌርና ንርእዮ እኳ እንተ ዀንና፡ ንገሊኡ ነገራት ግና ከም ግጉይን ተቐባልነት ዘይብሉን ጌርና ኢና እንርእዮ። እዚ ጕዳያት እዚ፡ ውልቃውን ከከም ሰቡ ዚፈላለን እዩ። ምርጫታትና፡ ሕልናና ኽሳዕ ክንደይ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ እዋን ‘እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ብባህርዮም ነቲ ሕጊ ኸም ዚገብርዎ’ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 2:14) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ብንጹር እተቐመጠ ሕጊ ኣምላኽ እንተ ዘየልዩ፡ ነቲ ዝዓበናሉን ነቲ ኣብ ከባቢና ልሙድ ዝዀነን ስርዓታት ክንስዕብ ንኽእል ኢና ማለት ድዩ፧

3. ክርስትያናት በየናይ ክልተ ምኽንያት እዮም ነቲ ልሙድ ዝዀነ መገድታትን ስርዓታትን ዘይስዕብዎ፧

3 ክርስትያናት እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት፡ ንኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይቅበልዎን እዮም። ቀዳማይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ኢሉ የዘኻኽረና እዩ። (ምሳ. 16:25) ደቂ ሰብ ዘበልና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንኣካይዳና ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንመርሓሉ እንኽእልን ብሓቂ ዚጠቕመናን ኣንፈት ኣየናይ ምዃኑ ንኽንውስን ዜኽእለና ዓቕሚ የብልናን። (ምሳ. 28:26፣ ኤር. 10:23) ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ዝንባለታትን ስርዓታትን እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ዝዀነ ሰይጣን እዩ ዘሎ። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ በረኸትን ስምረትን የሆዋ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:2 ዚርከብ ምኽሪ ኸነቕልበሉ ኣሎና።—ኣንብብ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብ ሮሜ 12:2፡ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዚግባእ ሓያሎ ኣገዳሲ ነጥብታት ተገሊጹ ኣሎ። (1) ስለምንታይ ኢና ‘ኽንልወጥ’ ዘሎና፧ (2) እቲ ለውጢ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ (3) ብኸመይ ኢና ኽንልወጥ እንኽእል፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን እስከ ንመርምረን።

ስለምንታይ ኢና ‘ኽንልወጥ’ ዘሎና፧

5. እተን ኣብ ሮሜ 12:2 ዘለዋ ቓላት ጳውሎስ፡ ብፍላይ ንመን እየን ፍሉይ ትርጕም ነይርወን፧

5 እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ ዝጸሓፈን ቃላት፡ ብሓፈሻኡ ንዘይኣመንቲ ሰባት ዘይኰነስ፡ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቱ ዚምልከታ እየን ነይረን። (ሮሜ 1:7) ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት፡ ንኺልወጡን ‘በዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኸይቅረጹን’ ተላበዎም። እቲ ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ. ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበሩሉ “ስርዓት ዓለም፡” ነቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ሮሜ ዝነበረ ስርዓታትን ልምድታትን ኣካይዳን ኣገባብን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ጳውሎስ “ኣይትቀረጹ” ምባሉ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ገና በቲ ስርዓት ይጽለዉ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ጽልዋ እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ፧

6, 7. እቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ኵነታት ሮሜ፡ ንክርስትያናት በዳሂ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

6 ሎሚ ናብ ሮሜ ዚኸዱ በጻሕቲ፡ ዝፈራረሰ ኣብያተ መቕደስን መቓብርን ሓወልትን መድረኽን ቦታታት ቲያትርን ካልእ ነገራትን ይርእዩ እዮም። ገሊኡ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ጥንታዊት ሮሜ ብዛዕባ ዝነበረ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ህይወት ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሮሜ ዚግበር ዝነበረ ቕልስን ውድድር ሰረገላታትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንዜሕፍር ርእሰ ነገራት እውን ዜጠቓልል ድራማታትን ሙዚቃዊ ተዋስኦታትን ከነንብብ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሮሜ ብልጽግቲ ማእከል ንግዲ ስለ ዝነበረት፡ ብስጋዊ መዳይ ኬኽስብ ዚኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነበረ።—ሮሜ 6:21፣ 1 ጴጥ. 4:3, 4

7 ሮማውያን ብዙሕ ኣብያተ መቕደስን ጣኦታትን እኳ እንተ ነበሮም፡ ምስቶም ዜምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ግና ጥብቂ ርክብ ኣይነበሮምን። እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ሃይማኖት ብቐንዱ ኣብቲ በብመዓልቱ ዚገብርዎ ዝነበሩ ምስ ውልደትን መውስቦን ሓዘንን ዚተሓሓዝ ማሕበራዊ ጽምብላት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ በዳሂ ዀይንዎም ከም ዝነበረ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ካባታቶም ካብ ከምዚ ዝበለ ድሕረ ባይታ ስለ ዝመጹ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኪልወጡ የድልዮም ነበረ፣ እቲ ዚገብርዎ ለውጢ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ጥምቀቶም ዚዛዘም ኣይነበረን።

8. እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ነዞም ሎሚ ዘለና ክርስትያናት ሓደገኛ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

8 እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ልክዕ ከምታ ብግዜ ሮማውያን ዝነበረት ዓለም፡ ነቶም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ሓደገኛ እያ። ስለምንታይ፧ መንፈስ ዓለም ብእተፈላለየ መገዲ ስለ ዚርአ እዩ። (ኤፌሶን 2:2, 3፣ 1 ዮሃንስ 2:16 ኣንብብ።) በብመዓልቱ ንባህግታትን ንኣተሓሳስባን ንስርዓታትን እዛ ዓለም እዚኣ እተቓላዕና ስለ ዝዀንና፡ እዛ ዓለም እዚኣ ናብኣ ንኽትስሕበና ብቐጻሊ ጸቕጢ ትገብረልና እያ። ስለዚ፡ ነቲ ‘ንኽንልወጥን’ ‘በዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኸይንቕረጽን’ እተዋህበና ማዕዳ እነቕልበሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። እንታይ ኢና እሞ ኽንገብር ዘሎና፧

እንታይና እዩ ኺልወጥ ዘለዎ፧

9. ብዙሓት ሰባት ንጥምቀት ብቑዓት ቅድሚ ምዃኖም፡ እንታይ ለውጥታት እዮም ገይሮም፧

9 ሓደ ሰብ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዖን ኪትግብሮን ከሎ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ይጅምር እዩ። ከም መርኣያ ዕቤቱ ኸኣ፡ ምስቲ እተማህሮ ብዚሳነ መገዲ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ይገብር እዩ። ንተግባራት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ካልእ ዘየድሊ ጠባያትን ብምሕዳግ ድማ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ስብእና ኼማዕብል ይጽዕር። (ኤፌ. 4:22-24) በብዓመቱ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉን ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብጥምቀት ኬርእዩ ኸለዉን ምርኣይና የሐጕሰና እዩ። ንልቢ የሆዋ ኸም ዜሐጕሶ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። (ምሳ. 27:11) ይኹን እምበር፡ “እዚ ለውጥታት እዚ ኣኻሊ ድዩ፧” ንዚብል ሕቶ ኽንምርምሮ ኣሎና።

ብዙሓት ሰባት ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ወጺኦም ኪልወጡ ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

10. ለውጢ ኻብ ምምሕያሽ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

10 ለውጢ ምግባር፡ ዕቤት ወይ ምምሕያሽ ካብ ምግባር ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ሓደ ምህርቲ፡ ከም እተመሓየሸ ዜርኢ መወዓውዒ ኺስርሓሉ ወይ ከኣ “እተመሓየሸ” ዚብል ጽሑፍ ኪጽሓፎ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ምህርቲ ግና ኣይቅየርን እዩ። ሓደ ሓድሽ ነገር ይውሰኾ ወይ ከኣ ንዓይኒ ዚስሕብ መዐሸጊ ይግበሮ ይኸውን። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ብዛዕባ እታ “ተለወጡ” እትብል ቃል ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ሮሜ 12:2፡ ብደጋዊ መገዲ ምስዚ መዋእል እዚ [ወይ ምስዚ ስርዓት ዓለም እዚ] ምውህሃድ፡ ምስቲ ብውሽጣዊ መገዲ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ብሓሳብካ ምልዋጥ ተነጻጺሩ ኣሎ” በለ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ኪገብሮ ዘለዎ ለውጢ፡ ንጐዳኢ ልምድታትን ንሕማቕ ዘረባን ንስነ ምግባራዊ ርኽሰትን ምውጋድ ጥራይ ዜጠቓልል ኣይኰነን። ገሊኦም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ነገራት ኪርሕቁ ይጽዕሩ እዮም። እሞኸ እቲ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘለዎም ለውጢ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

11. ጳውሎስ፡ ሓደ ሰብ ንኺልወጥ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝገለጸ፧

11 ጳውሎስ፡ “ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ” ኢሉ ጸሓፈ። “ኣእምሮ” ምስ ኣተሓሳስባና እዩ ዚተሓሓዝ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንዝንባለናን ንኣረኣእያናን እውን የጠቓልል እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ‘ዘይሰምሮ ኣእምሮ’ ዘለዎም ሰባት ገሊጹ ነበረ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ “ዓመጻ፡ እከይ፡ ስስዐ፡ ክፍኣት፡ ቅንኢ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል” ከምኡውን ናብ ካልእ ሕማቕ ነገራት ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ። (ሮሜ 1:28-31) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣከባቢ ዝዓበዩን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀኑን ሰባት፡ ‘ኪልወጡን’ ‘ኣእምሮኦም ኪሕድሱን’ እተላበዎም።

‘ኵሉ ቝጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ካባኻትኩም ይርሓቕ።’—ኤፌ. 4:31

12. ሎሚ ዘለዉ ሰባት ብሓፈሻ እንታይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ይመስለካ፧ እዚ ኣረኣእያ እዚኸ ንክርስትያናት ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ዜሕዝን፡ ነቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ተግባራት ብዚገብሩ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። እዞም ሰባት እዚኦም ከኣ፡ ንውሱን ስርዓታት ምስዓብ፡ ድሑር ከም ዝዀነ ወይ ከኣ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ብዙሓት መምህራንን ወለድን፡ ንቘልዑ ድላዮም ኪገብሩ ይፈቕዱሎም ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ሰብ ቅኑዕን ጌጋን ባዕሉ ኺውስን ከም ዚኽእል ይምህሩ እዮም። ብናታቶም ኣረኣእያ፡ ኵሉ ነገር ከከም ሰቡ ዚፈላለ ደኣ እምበር፡ ፍጹም ዚብሃል የልቦን። እቶም ሃይማኖተኛታት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እውን እንተ ዀኑ፡ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉን ንትእዛዝ ኣምላኽ ናይ ምሕላው ግዴታ ኸም ዘይብሎምን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። (መዝ. 14:1) እዚ ዝንባለ እዚ፡ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓደገኛ እዩ። ከመይሲ፡ ገርህታት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብዚምልከት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኩ ኸኣ፡ ስርዓታት ውድብ ኣምላኽ ካብ ምስዓብ የቋርጹን ብዛዕባ እቲ ባህ ዘይበሎም ነገራት የጕረምርሙን ይዀኑ። ወይ ከኣ ነቲ ንመዘናግዕን ንኣጠቓቕማ ኢንተርነትን ንዝለዓለ ትምህርትን ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኣይሰማምዑሉን ይዀኑ።

13. ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 በዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ኸይንቕረጽ፡ ንውሽጣዊ ኣረኣእያናን ንስምዒትናን ንሸቶታትናን ነቲ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገራትን ብቕንዕና ኽንምርምሮ ኣሎና። እዚ ኻብ ዓይኒ ሰባት እተኸወለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ከም ዘለና ይነግሩና ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ነገራት ብቐጻሊ ንኺልውጠና ንፈቕደሉ እንተ ኣሊና፡ ካባና ሓሊፉ ኻልእ ሰብ ኪፈልጥ ኣይክእልን እዩ።—ያእቆብ 1:23-25 ኣንብብ።

ብኸመይ ኢና እንልወጥ፧

14. እቲ ዜድሊ ለውጢ ንኽንገብር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

14 እቲ እንገብሮ ለውጢ፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ፡ ካብ ግዳም ሓሊፉ ናብ ውሽጥና ኺኣቱ ዚኽእል ነገር እዩ ዜድልየና። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ምስ ዕላማኡ ዚሳነ ብቕዓት ይምህረና እዩ፣ ነዚ ትምህርቲ እዚ እንህቦ ምላሽ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዜርእን እንታይ ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ዚሕብርን እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ “ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ” ንኽንገብር እዩ ዚሕግዘና።—ሮሜ 12:2፣ እብ. 4:12

15. የሆዋ ኪቐርጸና ኸሎ፡ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኢና እንገብር፧

15 ኢሳይያስ 64:8 ኣንብብ። እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ጠቒስዎ ዘሎ ስእላዊ ኣዘራርባ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ዝዀነ የሆዋ ነቶም ከም መሬት ዝዀንና ኣገልገልቱ ዚቐርጸና ብኸመይ እዩ፧ ብኣካላዊ መዳይ ምልኩዓት ብምግባር ወይ ጽቡቕ መሸከል ከም ዚህልወና ብምግባር ኣይኰነን ዚቐርጸና። የግዳስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እዩ ዜሰልጥነና። ንኪቐርጸና እንተ ፈቒድናሉ፡ እቲ እንገብሮ ለውጢ ውሽጣዊ ወይ መንፈሳዊ እዩ ዚኸውን፣ ንጽልዋ እዛ ዓለም እዚኣ ንምቅዋም ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ለውጢ እዩ ዜድልየና። እሞኸ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚቐርጸና፧

16, 17. (ሀ) ሓደ ሰራሕ መሬት፡ ጽቡቕ ኣቕሓ ንምስራሕ ነቲ መሬት እንታይ ከም ዚገብሮ ግለጽ። (ለ) ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ናብ ዝዀነ ሰብ ንኽንልወጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ሓደ ሰራሕ መሬት፡ ጽቡቕ ኣቕሓ መሬት ኪሰርሕ እንተ ደልዩ፡ ዝበለጸ ዓይነት መሬት ኪጥቀም ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ክልተ ነገራት እውን ኪገብር ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ነቲ መሬት ኪሓጽቦን ካብ ዝዀነ ይኹን ባእታታት ወይ ማዕድን ኬጽርዮን ኣለዎ። ካልኣይ፡ እቲ መሬት ቅርጹ ሓልዩ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ምስ እኹል መጠን ማይ ኪሕውሶን ኪሰርሖን ኣለዎ።

17 ነቲ መሬት ንምሕጻብን ብቐሊሉ ንምስራሕን ማይ ከም ዜድሊ ኣስተብህል፣ ድሕሪኡ፡ እቲ መሬት ብቐሊሉ ጽቡቕ ኣቕሓ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ እውን ኣብ ህይወትና ተመሳሳሊ ግደ እዩ ዘለዎ። ነቲ ንኣምላኽ ቅድሚ ምፍላጥና ዝነበረና ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ንኽንሓድጎ ኸምኡውን ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር ናብ ዝዀነ ሰብ ንኽንልወጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 5:26) በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ኣብቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እንመሃረሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብን፡ ብተደጋጋሚ ኢና እንተባባዕ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ምግባርና፡ የሆዋ ንኪቐርጸና ፍቓደኛታት ምዃንና ዜርኢ ስለ ዝዀነ እዩ።—መዝ. 1:2፣ ግብ. 17:11፣ እብ. 10:24, 25

ለውጢ ምግባርካ፡ ንጸገማት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትፈትሖ ኺሕግዘካ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺጸልወናን ምእንቲ ኺልውጠናን፡ ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣየናይ ሕቶታት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

18 ካብቲ ቓል ኣምላኽ ንኺልውጠና እንገብሮ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ኣዘውቲርና ንዕኡ ምንባብናን ካብኡ ትምህርቲ ምቕሳምናን እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓሓሊፎም መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዜንብቡ፡ ነቲ ዚብሎ ይፈልጥዎ እዮም። ምናልባት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ተራኺብካ ትፈልጥ ትኸውን። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሎም ይወጽዎ ይዀኑ። * ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣብ ናብራኦምን ብዙሕ ጽልዋ ኣየሕድርን ይኸውን። እንታይ እዩ ዚጐድሎም፧ ቃል ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ኪልውጦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ‘ኪምሃሮ’ ወይ ከኣ ኣብ ልቡ ኼስርጾ ኣለዎ። (ገላ. 6:6) ስለዚ፡ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ እንምሃሮ ትምህርቲ ኽንሓስብ ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ እናበልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ፦ ‘እዚ ዝምሃሮ ዘለኹ ትምህርቲ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ምዃኑ እኣምን ድየ፧ ከምኡ ምዃኑ ኣብ ህይወተይ ተመኪረዮ ደይኰንኩን፧ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ነቲ ትምህርቲ ንኻልኦት እምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወተይ እትግብሮ ድየ፧ የሆዋ ብውልቀይ ዜዘራርበኒ ዘሎ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓኒ፧’ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ምስትንታን፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ልባዊ ስምዒት ኬዕምቖ እዩ። ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እውን ክትዓቢ እያ። በዚ ኸምዚ ልብና ኺትንከፍ ከሎ፡ ኣወንታዊ ለውጥታት ክንገብር ኢና።—ምሳ. 4:23፣ ሉቃ. 6:45

19, 20. ነየናይ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባርና እዩ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ዜምጽኣልና፧

19 ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ነንብብን ብዛዕባኡ ነስተንትንን እንተ ዄንና፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብቐጻሊ ንኽንገብሮ ኽንድረኽ ኢና፣ ንሱ፡ “ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡ ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ ሓድሽ ስብእና ልበሱ” በለ። (ቈሎ. 3:9, 10) እወ፡ ንሓቂ ትርጕም ቃል ኣምላኽን ነቲ ዘለዎ ጽልዋን ብእተረዳእናዮ መጠን፡ ብቐጻሊ ኽንዕወት ኢና። እቲ ኸም ውጽኢቱ እንለብሶ ሓድሽ ስብእና ድማ፡ ካብ ውዲት ሰይጣን ኬዕቍበና እዩ።

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ኣይትቀረጹ፣ የግዳስ፡ . . . ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። (1 ጴጥ. 1:14, 15) ከምቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንርእዮ፡ ነቲ ቐደም ዝነበረና ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ከነወግዶን ክንልወጥን እንተ ጽዒርና፡ ክንባረኽ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 18 ነቲ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1994 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 9፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7 ዝወጸ ኣብነት ርአ።