ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ጌርካ ብሕታዊ ውሳነታት ትገብር፧

ከመይ ጌርካ ብሕታዊ ውሳነታት ትገብር፧

“ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ።”—ኤፌ. 5:17

መዝሙር፦ 11, 22

1. ካብ ዝርዝር ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧ ንዕኡ ምሕላውናኸ ብኸመይ ይጠቕመና፧

የሆዋ በቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ዝርዝር ትእዛዛት ሂቡና ኣሎ። ንኣብነት፡ ምንዝርናን ዝሙትን ስርቅን ስኽራንን ከልኪሉ እዩ። (1 ቈረ. 6:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ከቢድ ግናኸ ባህ ዜብል ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሕግታትን ትእዛዛትን ኣምላኽሲ ኸመይ ዝበለ ዕቝባ ዀን እዩ ዚኸውን! ንዕኡ ምስ እንሕልዎ፡ ንርእስና ኣኽብሮት ነሕድር፡ ጥዕናና ይመሓየሽ፡ ኣብ ስድራ ቤትና እውን ዝሓሸ ሓጐስ ይህልወና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንትእዛዛት የሆዋ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል እተዋህበና ትእዛዝ ብተኣማንነት ጠቢቕና ምሕላውና፡ ስምረቱን በረኸቱን እዩ ዜምጻልና።

2, 3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ዅነታት ሕጊ ዘይህበና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ትእዛዝ ዘይህበሉ ብዙሕ ኵነታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ክዳን ኪኽደኑ ኸም ዚግባእ ዚገልጽ ብዝርዝር ዝሰፈረ ሕግታት የሎን። እዚ ንጥበብ የሆዋ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ቅድታትን ባህልታትን ኣብ ተፈላለየ ኽፍልታት ዓለምን ኣብ እተፈላለየ ዓመታትን ይፈላለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግቡእ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ብዝርዝር እንተ ዚህብ ነይሩ፡ ሕጂ ግዜ ምሓለፎ። ብተመሳሳሊ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ብዛዕባ ሓደ ክርስትያን ኪሓርዮ ዚግባእ ስራሕን ክንክን ጥዕናን መዘናግዕን ብዙሕ ዝርዝር ሕግታት ኣይህብን እዩ። ስለዚ፡ ውልቀ ሰባትን ርእስታት ስድራ ቤትን ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ውሳነታት ንምግባር ናጽነት ኣለዎም።

3 ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ እቲ እንገብሮ ውሳነ ንየሆዋ ኣየገድሶን ማለት ድዩ፧ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘየፍረስና፡ ዝዀነ ይኹን ውሳነ እኳ እንተ ገበርና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ይብሎ ድዩ፧ ዝርዝር ሕግታት ኣብ ዘይህልወሉ መዳያት፡ ኣየናይ ውሳነታት ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ብሕታዊ ውሳነታት የገድስ ድዩ፧

4, 5. ውሳነታትና ንዓናን ንኻልኦትን ዚጸሉ ብኸመይ እዩ፧

4 ገሊኦም ሰባት እንገብሮ ምርጫታት ዘየገድስ ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ግና፡ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ግምት ኣእቲና ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ንኣብነት፡ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ምስቲ ብዛዕባ ደም ዚምልከት ሕጉ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። (ዘፍ. 9:4፣ ግብ. 15:28, 29) ጸሎት ከኣ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ሕግታትን ዚሳነ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ።

5 ከቢድ ብሕታዊ ውሳነታት ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናናን ድሕንነትናን ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኵሉ እቲ እንገብሮ ምርጫ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ይጸልዎ እዩ። ጽቡቕ ውሳነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ የድልድሎ፡ ሕማቕ ውሳነ ግና የበላሽዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሕማቕ ውሳነ ንኻልኦት ብምርባሽ ወይ ብምዕንቃፍ፡ ወይ ከኣ ንሓድነት እታ ጉባኤ ብምዝራግ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬቝስል ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ብሕታዊ ውሳነታትና ኣገዳስነት ኣለዎ።—ሮሜ 14:19፣ ገላትያ 6:7 ኣንብብ።

6. ከመይ ጌርና ኢና ውሳነታት ክንገብር ዘሎና፧

6 ቀጥታዊ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ነቲ ነገር ብዝርዝር መርሚርና ብብሕታዊ ድሌትና ዘይኰነስ፡ በቲ የሆዋ ዚሰምሮን ዚባርኾን መገዲ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣሎና።—መዝሙር 37:5 ኣንብብ።

ፍቓድ የሆዋ ኣስተውዕል

7. ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይብሉ ዅነት፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

7 ‘የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ነገር ብዝርዝር ትእዛዝ እንተ ዘይሂቡ፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ነገር ከም ዚሰምሮ ኽንፈልጥ እንኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኤፌሶን 5:17፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ” ትብል። ቀጥታዊ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይህልወሉ ዅነት፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ናብኡ ብምጽላይን ነቲ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ብምቕባልን ኢና ፍቓዱ እነስተውዕል።

8. የሱስ ነቲ የሆዋ ኺገብሮ ዚደልዮ ነገር ከመይ ገይሩ የስተውዕሎ ነይሩ፧ ኣብነት ሃብ።

8 የሱስ ነቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝደለዮ ነገር ከመይ ገይሩ ኸም ዘስተውዓለ እስከ ንርአ። ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ቅድም ከም ዝጸለየ፡ ድሕሪኡ ብተኣምራዊ መገዲ ንብዙሓት ህዝቢ ኸም ዝመገበ ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 14:17-20፣ 15:34-37) ኰይኑ ግና፡ ምስ ጠመየ እሞ ብድያብሎስ ኣብ በረኻ ምስ ፈተነ፡ ንኣእማን ናብ እንጌራ ምልዋጥ ኣብዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:2-4 ኣንብብ።) ሓሳብ ኣቦኡ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነቲ ኣእማን ናብ እንጌራ ኺልውጦ ኸም ዘይግባእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እወ፡ ንሓይሉ በዚ ኸምዚ ኣብ ብሕታዊ ጥቕሙ ምውዓል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምዃኑ ኣስተውዒሉ እዩ። ከምኡ ምግባር ብምእባዩ ኸኣ፡ መምርሒን ዕንጋለን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኸም ዚጽጋዕ ኣርእዩ እዩ።

9, 10. ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣብርህ።

9 ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርና ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር እንተ ዄንና፡ ኣብ መምርሒ የሆዋ ኽንጽጋዕ ኣሎና። ምስዚ ዚስዕብ ጥበባዊ ቓላት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና፦ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ። ጥበበኛ ዝዀንካ ኣይምሰልካ። ንየሆዋ ፍርሃዮ፡ ካብ ክፉእ ድማ ርሓቕ።” (ምሳ. 3:5-7) ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ሓሳብ የሆዋ ምፍላጥና፡ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ዅነት እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። ንሓሳባት የሆዋ ኣጸቢቕና ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ልብና ንመምርሒኡ ብዝያዳ ቕልጡፍ ምላሽ እዩ ዚህብ።—ህዝ. 11:19፡ እ.ጽ.።

10 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓንቲ ናብ ዕዳጋ ዝኸደት ብዓልቲ ሓዳር እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ዕዳጋ እትፈትወን ጫማ እኳ እንተ ረኣየት፡ ኣዝየን ክቡራት እየን። ስለዚ፡ ንርእሳ፡ ‘ክንድዚ ዚኣክል ገንዘብ እንተ ዘውጽእ፡ ሰብኣየይ ከመይ ምተሰምዖ፧’ ኢላ ትሓትት። ሰብኣያ ኣብኡ እኳ እንተ ዘየሎ፡ መልሲ እታ ሕቶ ኣይትጠፍኣን እያ። ከመይ ገይራ እያ ነዚ ፈሊጣቶ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ምስ ሰብኣያ ኻብ እትምርዖ ዘሕለፈቶ ግዜ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ትፈልጥ እያ። ስለዚ፡ ነተን ጫማ ምስ እትዕድገን፡ ሰብኣያ ኸመይ ከም ዚስምዖ ተስተውዕል እያ። ብተመሳሳሊ፡ ሓሳባትን መገድታትን የሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ብዝሓሸ እናኣስተውዓልና ኢና እንኸይድ።

ሓሳብ የሆዋ ኸመይ ጌርካ ኽትፈልጥ ትኽእል፧

11. መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ወይ ከነጽንዕ ከለና፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧ (“ ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 ሓሳብ የሆዋ ንምፍላጥ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ወይ ከነጽንዕ ከለና፡ ‘እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ መገድታቱን ሓሳቡን እንታይ ይገልጽ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ከምቲ፡ “ኦ የሆዋ፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሃረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ድሕነተይ ኢኻ እሞ፡ ብሓቅኻ ኣመላልሰንን ምሃረንን። ምሉእ መዓልቲ ብኣኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ” ኢሉ ዝዘመረ ዳዊት ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። (መዝ. 25:4, 5) ብዛዕባ ዘንበብካዮ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተስተንትን ከለኻ፡ ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ስድራ ቤተይ ከመይ ገይረ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ እኽእል፧ ኣበይ ክዓይየሉ እኽእል፧ ኣብ ቤትዶ፡ ኣብ ስራሕዶ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲዶ፡ ወይስ ኣብ ኣገልግሎት፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እቲ ትምህርቲ ኣበይ ከም እትዓይየሉ ምስ ፈለጥካ፡ ከመይ ጌርካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ንምስትውዓሉ ኪቐልለካ ይኽእል እዩ።

12. ጽሑፋትናን ኣኼባታትናን፡ የሆዋ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት እንታይ ከም ዚሓስብ ክንፈልጥ ብኸመይ ይሕግዘና፧

12 ንሓሳብ የሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መገዲ፡ ኣብቲ ኻብ ውድቡ ዚውሃበና መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ብምቕላብ እዩ። ንኣብነት፡ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ኰነ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብረሉ ዚግባእ እተፈላለየ ዅነታት ሓሳብ የሆዋ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተጠንቂቕና ብምስማዕን ብምስታፍን እውን ብዙሕ ንጥቀም ኢና። ብዛዕባ እቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ምስ እነስተንትን፡ ሓሳብ የሆዋ ብዝያዳ ኸነስተውዕልን ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወናን ይሕግዝ እዩ። ነቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ ንምምጋብ ዝገበሮ መሰናድዎታት ብትግሃት ምስ እንጥቀመሉ፡ ንመገድታቱ ብዝሓሸ ኽንፈልጦ ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ዚባርኾ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።

ሓሳብ የሆዋ ንውሳነታትካ ይምርሓዮ

13. ሓሳብ የሆዋ ምፍላጥና፡ ከመይ ገይሩ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ከም ዚሕግዘና ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

13 ሓሳብ የሆዋ ምፍላጥና፡ ከመይ ገይሩ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ከም ዚሕግዘና ዚሕብር ኣብነት እስከ ንርአ። ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃንና፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዄንና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ ንደሊ ንኸውን። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ህይወትና ንምቕላል ዜኽእለና ስጕምትታት ክንወስድ ንጅምር። እዚ ኽንገብር ከለና ግና፡ ብዝወሓደ ስጋዊ ጥሪት ብሓቂ ንሕጐስ እንተ ዄንና ንጭነቕ ንኸውን። መሸም፡ ፈለምቲ ኽንከውን ከም ዘሎና ዚእዝዝ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ የሎን፣ እሙናት ኣስፋሕቲ ዄንና ንየሆዋ ምግልጋል ክንቅጽል ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ የሱስ፡ እቶም ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ መስዋእቲ ዚኸፍሉ፡ ብዙሕ በረኸት ከም ዚረኽቡ መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (ሉቃስ 18:29, 30 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ የሆዋ በቲ “ብውዳሰ ዚቐርብ መስዋእቲ ፍታው” ባህ ከም ዚብሎን ሕጉስ ወሃቢ ኸም ዚፈቱን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (መዝ. 119:108፣ 2 ቈረ. 9:7) ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት እዚ ድሕሪ ምምርማርናን ብጸሎት መምርሒ ድሕሪ ምሕታትናን፡ ሓሳብ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣይንኽእልንዶ፧ ብዛዕባ እዚ ሓሳባት እዚ ምስትንታንና፡ ንዓና ግብራዊ ዝዀነ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ድማ ዚባርኾ ውሳነ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ።

14. ገሊኡ ዓይነት ቅዲ ኽዳን ንየሆዋ ዜሐጕሶ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

14 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ገሊኡ ቕዲ ኣከዳድና ይማርኸካ ንበል፣ እቲ ኣከዳድናኻ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ገሊኦም ይርብሾም ይኸውን። ንስኻ ግና ነቲ ኣከዳድና እቲ ፈልዩ ዚኽልክል ሕጊ ኸም ዘየሎ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብቲ ነገር እቲ ሓሳብ የሆዋ እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን ብዜርኢ ግቡእ ክዳውንቲ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) እዚ ምኽሪ እዚ ኸኣ ንክርስትያን ሰብኡት እውን ብማዕረ ይምልከቶም እዩ። ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃንና፡ ብሕታዊ ምርጫታትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ኣብ ካልኦት ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ እውን የተሓሳስበና እዩ። ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንዕንቅፎም ወይ ከነጕህዮም ስለ ዘይንደሊ፡ ብትሕትናን ብፍቕርን ተደሪኽና ርእይቶኦም ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። (1 ቈረ. 10:23, 24፣ ፊል. 3:17) ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ነገር እቲ ሓሳብ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕልን ንዕኡ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክንገብርን ንኽእል ኢና።

15, 16. (ሀ) ወትሩ ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ፧ (ለ) መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ንየሆዋ ዜሐጕሶ እንታይ ከም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ሐ) ከቢድ ውሳነታት ከመይ ጌርካ ኺግበር ይግባእ፧

15 ሰባት ክፍኣት ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ‘ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቦም ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ኪኸውን ከሎ፡’ የሆዋ ኸም ዚጕሂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 6:5, 6 ኣንብብ።) ካብዚ ኸኣ ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት ክንሓስብ ከም ዘይደልየና ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር፡ ናብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተኸልኪሉ ዘሎ ኸቢድ ሓጢኣት ዚመርሕን ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዘይቃዶን እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 3:17) ነዚ ምፍላጥና፡ ርኹስ ሓሳባትን ዝንባለታትን ዜለዓዕል መዘናግዒ ንምውጋድ ኪድርኸና ኣለዎ። ኣስተውዓልቲ ክርስትያናት፡ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ብዝሓዘ መጽሓፍ፡ ፊልም፡ ወይ ጸወታ ምዝንጋዕ ቅቡል እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣየእትውዎን እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎ ሓሳብ የሆዋ ኣብ ቃሉ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

16 ኣብ ሓያሎ ዅነታት ብእተፈላለየ መገዲ እኳ እንተ ወሰንና፡ የሆዋ ብኣና ባህ ኪብሎ ይኽእል እዩ። ከቢድ ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ እዋን ግና፡ ካብ ሽማግለታት ወይ ካብ ካልኦት ምኩራት ኣሕዋት ምኽሪ እንተ ሓተትና ይሓይሽ። (ቲቶ. 2:3-5፣ ያእ. 5:13-15) ካልኦት ኪውስኑሉና ምሕታት ግቡእ ኣይኰነን። ክርስትያናት ልቦናኦም ኬሰልጥኑን ኪጥቀሙሉን ኣለዎም። (እብ. 5:14) ኵላትና ምስቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር ኪጸውር እዩ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት ጳውሎስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና።—ገላ. 6:5፡ እ.ጽ.።

17. ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት እንተ ጌርና፡ እንታይ ጥቕሚ ንረክብ፧

17 ውሳነታትና ኣብ ሓሳብ የሆዋ ተመስሪትና ምስ እንገብር፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኢና እንቐርቦ። (ያእ. 4:8) ስምረቱን በረኸቱን ድማ ንረክብ። እዚ ኸኣ ብግዲኡ ነቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና እምነት የድልድሎ። እምበኣር፡ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ንሓሳብ ኣምላኽ ስለ ዚገልጸልና፡ ብእኡ ንመራሕ። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ የሆዋ ወትሩ እንምሃሮ ሓድሽ ነገር ይህሉ እዩ። (እዮ. 26:14) ብትግሃት ምስ እንጽዕር ግና፡ ሕጂ እኳ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእለና ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 2:1-5) ሓሳባትን ውጥናትን ዘይፍጹማት ሰባት ተለዋዋጢ እዩ፣ ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ ግና፡ “ውሳነታት የሆዋ . . . ንዘለኣለም ይቐውም፣ ሓሳባት ልቡ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።” (መዝ. 33:11) እምበኣር፡ ሓሳባትናን ተግባራትናን ምስ ሓሳብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ዚሳነ፡ ብሉጽ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።