1 ቈረንቶስ 6:1-20
6 ካባኻትኩም፡ ሓደ ምስቲ ኻልእ ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳት ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲዶ ኺፋረድ ይደፍር እዩ፧
2 ወይስ እቶም ቅዱሳት ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ኣዝዩ ንኣሽቱ ነገራት ክትፈርዱዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧
3 ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዜጋጥም ነገራት ግዳ ኸመይ ዘይንፈርድ፧
4 እምበኣርከ፡ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዚፍረድ ነገራት እንተ ኣሎኩም፡+ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚንዓቑዶ ፈራዶ ትገብርዎም ኢኹም፧
5 ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ካንዶ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ጥበበኛ የብልኩምን ኢኹም፧
6 ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓው ምስ ሓዉ ይፋረድ ኣሎ፣ እሞ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣመንቲ!
7 ንሓድሕድኩም ትፋረዱ ምህላውኩምሲ፡ ብሱሩ ንዓኻትኩም ስዕረት እዩ። ከመይ ግዳ ንስኻትኩም ዘይትብደሉ፧+ ከመይከ ዘይትዕመጹ፧
8 መሓልፎ ንስኻትኩም ትብድሉን ትዕምጹን ኣለኹም፣ እሞ ኸኣ ንኣሕዋትኩም!
9 ወይስ ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት* ኰኑ፡+ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡+ ዘመውቲ ዀኑ፡+ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡+ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ* ዀኑ፡+
10 ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡+ ሰኽራማት ኰኑ፡+ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።+
11 ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን+ ተቐዲስኩምን+ ጸዲቕኩምን+ ኢኹም።
12 ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም።+ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺቈጻጸረኒ* ኣይሓድጎን እየ።
13 ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ እውን ንብልዒ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ንኽልቲኡ ኸንቱ ኺገብሮ እዩ።+ ሰብነት ንጐይታ እምበር፡ ንምንዝርና* ኣይኰነን፣+ ጐይታ እውን ንሰብነት እዩ።
14 ኣምላኽ ግና ንጐይታ ኣተንሲእዎ እዩ፣+ ንዓና እውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ።+
15 ሰብነትኩም ኣካላት ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ እምበኣርከ፡ ንኣካላት ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካላት ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን!
16 “እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም”+ ይብል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ፡ ምስኣ ሓደ ሰብነት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
17 እቲ ምስ ጐይታ ዝለገበ ግና፡ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።+
18 ካብ ምንዝርና* ህደሙ!+ ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ሰብነቱ ወጻኢ እዩ፣ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዚሓጥእ።+
19 ሰብነትኩም ቤተ መቕደስ+ እቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እውን እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ንስኻትኩም እውን ናይ ርእስኹም ኣይኰንኩምን፣+
20 ከመይሲ፡ ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም።+ ስለዚ፡ ብሰብነትኩም+ ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።+

