ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸገማት ምፍታሕ

ጸገማት ምፍታሕ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ጸገማት ምፍታሕ

ሰብኣይ:- “እዘን ደቅና ደኣ ኣበይ ከይደን፧”

ሰበይቲ:- “ሓድሽ ክዳውንቲ ኺዕድጋ ናብ ዕዳጋ ኸይደን።”

ሰብኣይ:- [ብሕርቃን ዓው ኢሉ] “‘ሓድሽ ክዳውንቲ ኺዕድጋ’ ዲኺ ዝበልኪ፧ ዝሓለፈ ወርሒ ደይኰናን ዝዓደጋ፧”

ሰበይቲ:- [ከም ዝጠቀና እናተሰምዓ] “ብሕሱር ዋጋ ኣብ ዚሽየጠሉ እየን ከይደን። ዝዀነ ዀይኑ ንዓይ ኣፍቂደን እየን ከይደን።”

ሰብኣይ:- [ብቝጥዓ ዓው ኢሉ] “ደቅና ንዓይ ከየፍቀዳ ገንዘብ ከውጽኣ ኸለዋ ኸም ዘሕርቐኒ ኣይትፈልጥን ዲኺ፧ ከየማኸርክኒ ኸመይ ጌርኪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ትገብሪ፧”

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገም ዘጓነፎም ይመስለካ፧ እቲ ሰብኣይ ቍጥዓኡ ናይ ምቍጽጻር ጸገም ከም ዘለዎ ንጹር እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ እቶም ሰብ ሓዳር ንደቆም ክንደይ ዚኣክል ናጽነት ኪህብወን ከም ዘለዎም ዘይተሰማምዑ ይመስሉ። ናይ ምርድዳእ ጸገም ዘለዎም ድማ ይመስሉ።

ፍጹም ሓዳር የልቦን። ኵሎም ሰብ ሓዳር እተወሰነ ጸገማት የጓንፎም እዩ። እቲ ጸገማት ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ: እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ነቲ ጕዳይ ኪፈትሕዎ ኣለዎም። ስለምንታይ፧

እናወዓለ እናሓደረ ፍታሕ ዘይተገብረሉ ጸገማት ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ዚዓግት ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን: ‘ባእሲ ኸም መሃርሃር ዕርዲ እዩ’ በለ። (ምሳሌ 18:19) ጸገማት ከጓንፈኩም ከሎ ብጽቡቕ እትረዳድኡሉ መገዲ ብኸመይ ክትከፍቱ ትኽእሉ፧

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ሓዳር ከም ደም እንተ ኢልናዮ: ፍቕርን ኣኽብሮትን ድማ ኣብ መንጎ እቲ ርክብ ከም ልብን ሳንቡእን ኪበሃል ይከኣል እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ሰብ ሓዳር ንዘጋጠሞም ጸገማት ኪፈትሑ ኸለዉ: ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበርዎ ጕድለትን ዘስዓበሎም ስምዒታዊ በሰላን ረሲዖም: ኣብቲ ሽዑ ዘጋጠሞም ጕዳይ ንኼተኵሩ እትድርኾም ፍቕሪ እያ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5፣ 1 ጴጥሮስ 4:8) ንሓድሕዶም ዚከባበሩ ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም ሓሳቡ ኺገልጽ ይፈቕዱሉ: ነቲ ዚብሎ ይሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ እውን ኪርድኡሉ ይጽዕሩ።

ጸገማት ንምፍታሕ ዚሕግዝ ኣርባዕተ ስጕምትታት

ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣርባዕተ ስጕምትታት ርአ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጋጥመካ ጸገማት ብኸመይ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ንኽትፈትሖ ኸም ዚሕግዘካ ድማ ኣስተብህል።

1. ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንምምይያጥ ግዜ መድብ።

“ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ: . . . ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።” (መክብብ 3:1, 7) ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ እተጠቕሰ ቈየቛ እተራእየ: ገሊኡ ጸገማት ሕማቕ ስምዒታት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ: ቅድሚ ምቝጣዕካ ርእስኻ ተቘጻጺርካ ‘ስቕ በል።’ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ: “ምጅማር ቈየቛ ኸም ምኽፋት መገዲ ውሒዝ እዩ: ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ዚብል ማዕዳ እንተ ስዒብካ: ንርክብካ ኻብ ብዙሕ ጕድኣት ከተድሕኖ ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 17:14

ኰይኑ ግን: “ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።” ጸገማት ፍታሕ እንተ ዘይተገይሩሉ: ከም ጻህያይ እናበዝሐ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ: እቲ ጸገም ኪርሳዕ እዩ ኢልካ ዕሽሽ ኣይትበሎ። እቲ ምይይጥ ከተቋርጾ እንተ ደሊኻ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኽትዘራረቡ ቘጸራ ብምሓዝ ንመጻምድትኻ ኣኽብሮት ኣርኢ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቘጸራ: ነቲ “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 4:26) ድሕርዚ ኸኣ ቃልካ ኽትሕሉ ኣሎካ።

ነዚ ፈትኖ:- ኣብ ስድራ ቤትካ ብዛዕባ ዜጋጥመካ ጸገማት ኣብ ሰሰሙን ሓቢርኩም እትመያየጡሉ ግዜ ምረጽ። ኣብ እተወሰነ ኽፋል መዓልቲ—ንኣብነት: ካብ ስራሕ ምስ ተመለስካ ወይ ምግቢ ቕድሚ ምብላዕካ—ብቐሊሉ ናብ ክርክር ተምርሕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ጸገማት ንኸይትመያየጡ ተሰማምዑ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ ኽልቴኹም ብዙሕ ውጥረት ዘይህልወኩም እዋን ተመያየጡ።

2. ሓሳብካ ብጋህድን ብኣኽብሮትን ግለጽ።

“ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።” (ኤፌሶን 4:25) ምርዑው እንተ ዄንካ: መጻምድትኻ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚቐርበካ ብጻይካ እዩ። ስለዚ ንመጻምድትኻ ኽትዛረቦ ኸለኻ: ስምዒታትካ ብጋህድን ብንጹርን ግለጽ። ካብ እትምርዖ 26 ዓመት ዝገበረት ማርጋሬታ: a “መርዓት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ጸገም ኬጋጥም ከሎ ሰብኣየይ ንስምዒተይ ብኡንብኡ ኺርድኣለይ ትጽቢት እገብር ነበርኩ። እዚ ትጽቢት እዚ ጌጋ ምዃኑ ግን ተረዳእኩ። ሕጂ ሓሳባተይን ስምዒታተይን ብንጹር ክገልጽ እፍትን እየ” በለት።

ብዛዕባ ሓደ ጸገም ክትመያየጡ ኸለኹም: ሸቶኻ ኣብ ውግእ ንምስዓር ወይ ንጸላኢ ንምስናፍ ዘይኰነስ: መጻምድትኻ ሓሳባትካ ንኺርድኣልካ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ነዚ ብዚግባእ ንኽትገብሮ: መጀመርታ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ግለጽ: ድሕሪኡ መዓስ ከም እተፈጥረ ጥቐስ: ቀጺልካ ብኸመይ ንስምዒትካ ኸም ዝተንከፎ ግለጽ። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ንቤቱ ዜወዝል ብምዃኑ ንሰበይቱ እንተ ኣበሳጭዩዋ: ‘ካብ ስራሕ ምስ ተመለስካ ኽዳውንትኻ ፍቐዶኡ እንተ ደርቢኻዮ [እቲ ጸገም መዓስ ከም እተፈጸመን እንታይ ምዃኑን]: ኣብ ገዛ ዝዓዮ ዘለኹ ዕዮ ዘይተማስወሉ ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ [ከመይ ከም እተሰምዓ ብልክዕ ዚገልጽ]’ ኢላ ብኣኽብሮት ክትነገሮ ትኽእል እያ። ድሕሪኡ እቲ ጸገም ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዚኽእል ብሜላ ትሕብሮ።

ነዚ ፈትኖ:- ንመጻምድትኻ ቕድሚ ምዝራብካ ሓሳባትካ ንምጥርናፍ: እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ኪፍታሕ ከም እትደልዮን ጸሓፎ።

3. ንመጻምድትኻ ስምዓዮ።

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:19) መጻምድትኻ ንስምዒትካ ዘይርድኣልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ብዙሕ እዩ ዜጕህየካ። ስለዚ: ንመጻምድትኻ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ከም ዜሕድር ካብ ዚገብሮ ነገራት ተቘጠብ።—ማቴዎስ 7:12

ካብ ዚምርዖ 35 ዓመት ዝገበረ ቮልፍጋንግ: “ብዛዕባ ጸገማት ክንዘራረብ ከለና: ብፍላይ ከኣ ሰበይተይ ንሓሳባተይ ከም ዘይትርድኦ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ: ኣብ ውሽጠይ ውጥረት ይፍጠር” በለ። ካብ እትምርዖ 20 ዓመት ዝገበረት ዲያና: “ብዛዕባ ጸገማት ክንዘራረብ ከለና: ሰብኣየይ ብሓቂ ኸም ዘይሰምዓኒ ብዙሕ ግዜ አማርር እየ” በለት። ነዚ ዕንቅፋት እዚ ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧

ሓሳብ ወይ ስምዒት መጻምድትኻ ኸም እትፈልጦ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ቃል ኣምላኽ: “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ይብል። (ምሳሌ 13:10) ንመጻምድትኻ ኸይኰለፍካ ርእይቶኡ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ድሕሪኡ: እቲ እተባህለ ኸም እተረድኣካ ንምርግጋጽ: ነቲ ዝሰማዕካዮ ብኻልእ ቃላት ጌርካ ድገመሉ፣ ነዚ ግን ብሕጫጨ ወይ ብሓርቖት ኣይትግበሮ። ነቲ ዝበሎ ነገር ብጌጋ ተረዲእካዮ እንተ ዄንካ: ኪእርመካ ፍቐደሉ። በይንኻ ኣይትዛረብ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብሓሳብን ብስምዒትን ክሳዕ እትረዳድኡ: በብተራ በዚ መገዲ እዚ ተዘራረቡ።

ንመጻምድትኻ ጽን ኢልካ ምስማዕ ትሕትናን ትዕግስትን ከም ዚሓትት ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን: ንምኽባር ትቀዳደም እንተ ደኣ ዄንካ: መጻምድትኻ እውን ኬኽብረካ ኺድረኽ እዩ።—ማቴዎስ 7:2፣ ሮሜ 12:10

ነዚ ፈትኖ:- ነቲ መጻምድትኻ እተዛረቦ ሓሳባት ክትደግም ከለኻ: ከም ዘለዎ ኣይትድገሞ። ብዛዕባ እተዛረቦ ሓሳባትን ዚስምዖ ዘሎ ስምዒትን እንታይ ከም እተረድኣካ: ብሕያውነት ክትገልጸሉ ፈትን።—1 ጴጥሮስ 3:8

4. ተሰማማዕ።

“ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም: እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።” (መክብብ 4:9, 10) ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር እንተ ዘይዓዪዮምን እንተ ዘይተደጋጊፎምን ብዙሕ ጸገማት ኪፈትሑ ኣይክእሉን እዮም።

የሆዋ ንሰብኣይ ከም ርእሲ ስድራ ቤት ገይሩ ኸም ዝሸሞ ዚከሓድ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:23) ርእስነት ኪበሃል ከሎ ግን ገባርን ሓዳግን ምዃን ማለት ኣይኰነን። ጥበበኛ ሰብኣይ ብርእሱ ጥራይ ውሳነ ኣይገብርን እዩ። ካብ ዚምርዖ 20 ዓመት ዝገበረ ዴቪድ: “ምስ ሰበይተይ ዘሰማምዓና ነገር አናዲ: ክልቴና ንድግፎ ውሳነ ኸኣ ክገብር እፍትን” በለ። ካብ እትምርዖ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረት ታንያ ድማ: “መንና ቕኑዕ መንና ጌጋ ምዃንና ኸነርኢ ኣይኰንናን እንፍትን። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ጸገም እንፈትሓሉ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ተዓጻጻፍን ሚዛናውን ምዃን ግን ናብ ኣሳልጦ ዚመርሕ ቀንዲ ረቛሒ ዀይኑ እየ ረኺበዮ” በለት።

ነዚ ፈትኖ:- ክልቴኹም ነቲ ጸገም ፍታሕ ኪኸውን ይኽእል ኢልኩም ዝሓሰብኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኣማራጺታት ብምጽሓፍ ብሓባር ናይ ምዕያይ መንፈስ ከም ዚሰፍን ግበሩ። ሓሳባት ምስ ተወድኣኩም: ነቲ ዝጸሓፍኩምዎ ዝርዝር መርምርዎ: ነቲ ኽልቴኹም እተሰማማዕኩምሉ ፍታሕ ድማ ዕየዩሉ። ድሕሪኡ እቲ ውሳነኹም እንተ ተዓዪዩሉን ክሳዕ ክንደይ ዕዉት ከም ዝዀነን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ተመሊስኩም እትምርምሩሉ እዋን ሕረዩ።

ብርእስኹም ዘይኰነስ: ሓቢርኩም ዕየዩ

ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ: የሱስ ንመውስቦ ምስ ኣርዑት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:6) ኣብቲ ግዜኡ: ከምዚ ኣብ ከባቢና እተለምደ: ክልተ እንስሳታት ብሓባር ምእንቲ ኺዓዩ: ብሓደ ዚቘርን ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ኣርዑት ይግበረሎም ነበረ። እቶም እንስሳታት እንተ ዘይተሓባቢሮም: ብዙሕ ኣየስልጡን: እቲ ኣርዑት ድማ ንኽሳውዶም ይመልጦ። ብሓባር እንተ ዓዪዮም ግን: ከቢድ ጽዕነት ኪጐቱ ወይ ኪሓርሱ ይኽእሉ።

ብተመሳሳሊ: ብሓባር ዘይዓዩ ሰብኣይን ሰበይትን: በቲ ኣርዑት መውስቦ ኺምለጡ ይኽእሉ እዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ብሓባር ምዕያይ እንተ ለሚዶም: ዝዀነ ይኹን ዜጋጥሞም ጸገም ኪፈትሑ: ብዙሕ እውን ኬስልጡ ይኽእሉ እዮም። ካላላ ዝስሙ ብሓዳሩ ሕጉስ ዝዀነ ሰብኣይ: ነዚ ሓሳባት እዚ ኺጥርንፎ ኸሎ: “ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣነን ሰበይተይን ብጋህዲ ብምዝርራብ: ንርእስና ኣብ ቦታ ኻልእ ጌርና ብምርኣይ: የሆዋ ንኺሕግዘና ብምጽላይ: ከምኡውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንዜጋጥመና ጸገማት ፈትሒና ኢና” በለ። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

  •   ምስ መጻምድተይ ክመያየጠሉ ዝደሊ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስበኒ ጸገም እንታይ እዩ፧

  •   መጻምድተይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ስምዒት ብሓቂ ኸም እተረድኣኒ ብኸመይ ከረጋግጽ እኽእል፧

  •   ኵሉ ሳዕ ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ይኹን ዝብል እንተ ዀይነ: እንታይ ጸገም ክፈጥር እኽእል፧

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።