ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምርኣይ ምእማን እዩ

ምርኣይ ምእማን እዩ

ምርኣይ ምእማን እዩ

“ኢፈሊጣዊ ዚበሃል ከምቲ ሃይማኖት ክርስትናን ካልኦት ሃይማኖታትን ዚሓስባኦ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ኣምላኽን መጻኢ ህይወትናን ዝኣመሰሉ ነገራት እቲ ሓቂ ኺፍለጥ ኣይከኣልን እዩ፣ ዚከኣል እንተ ዀይኑ እውን: ኣብዚ ግዜና ኺፍለጥ ኣይከኣልን ኢሉ ዚሓስብ ሰብ እዩ።” —በርትረንድ ራስል ዚበሃል ፈላስፋ: 1953

ነዛ ኢፈሊጣዊ ዝትርጕማ “ኣግኖስቲክ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል: ቶማስ ሃክስለይ ዝስሙ ምሁር ስነ-እንስሳ እዩ ምሂዝዋ። ብ1825 ቻርለስ ዳርዊን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተወልደ ሃክስለይ: ሓደ ኻብቶም ተሓለቕቲ ትምህርቲ ፍልቀት እዩ ነይሩ። ብ1863 ሃክስለይ: “ከምቲ ኣብ ክርስትና ዚግለጽ ዜፍቅረናን ዚሓልየልናን” ኣምላኽ ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ ኺረክብ ከም ዘይከኣለ ጸሓፈ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: ምስዚ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮ ሰብ ዝገለጾ ስምዒት ብምስምማዕ: ነቲ ኺርእይዎ ዚኽእሉ ጥራይ ከም ዚኣምኑ ይገልጹ እዮም። መርትዖ ዘይብልካ ኽነስኻ ኣብ ሓደ ሰብ ወይ ነገር እምነት ምሕዳር: ዕሽነት እዩ ይብሉ ይዀኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ኣምላኽ ክንኣምን ድዩ ዚደሊ፧ ኣይፋልን: ኣንጻር እዚ እዩ ዚምህር። ብመርትዖ ኣብ ዘይተደገፈ ነገር ምእማን ግርህነት ከምኡውን ዕሽነት ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ: “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” እዩ ዚብል።—ምሳሌ 14:15

ብዛዕባ ኣብ ኣምላኽ ምእማንከ፧ ይትረፍዶ ዜፍቅረናን ዚሓልየልናን ኣምላኽሲ: ንምዃኑ ኣምላኽ ምህላዉ ዜርኢ ገለ መርትዖ ይህሉዶ፧

ባህርያት ኣምላኽ ይግለጽ

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ: ኣብ ኣቴና ንዝነበሩ ምሁራት ኪዛረቦም ከሎ: “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ” ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸ። ጳውሎስ ነቶም ተጠራጠርቲ ዝነበሩ ሰማዕቱ: ኣምላኽ ብደቂ ሰብ ዚግደስን “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑን ነገሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27

ጳውሎስ: ኣምላኽ ከም ዘሎን ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ኸም ዚግደሰሎምን ዝኣመነ ስለምንታይ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ከተማ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ሓደ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ ኣምላኽ: “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ . . . ኣጸቢቑ ይርኤ” በለ።—ሮሜ 1:20

ኣብ ዚቕጽል ገጻት: ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ክንርእዮ እንኽእል ሰለስተ ባህርያቱ ኪቐርብ እዩ። ነዘን ኣብነታት ክትምርምር ከለኻ: ንርእስኻ ‘ብዛዕባ እዘን ባህርያት ኣምላኽ ምፍላጠይ ብኸመይ ኪጸልወኒ ይኽእል፧’ ኢልካ ሕተት።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ኣምላኽ ክንኣምን ኣይሓተናን