ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ

የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ

ንመንእሰያትና

የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ

መምርሒታት:- ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ: ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።ማቴዎስ 15:21-28 ኣንብብ።

እታ ኣደ ኸመይ እተሰምዓ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ቝጽርታት ኣብ ድምጺ የሱስ “ዝሰማዕካዮ” ቓና ኸመይ እዩ፧

24 _______ 26 _______ 28 _______

ዝያዳ ምርምር ግበር።

የሱስ ንጓል እታ ሰበይቲ ኸም ዘየሕዊ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዝገለጸ ኽንደይ ግዜ እዩ፧

․․․․․

የሱስ ኣብ መጀመርታ ኼሕውያ ፍቓደኛ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

ጸኒሑ ግን ዘሕወያ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ:-

ርትዓውነት የሱስ።

․․․․․

ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧

․․․․․

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ማርቆስ 8:22-25 ኣንብብ።

ካብቲ ኣብ ውሽጥን ደገን እታ ዓዲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ፍጻመ እንታይ ምስልን ድምጽን ኣብ ኣእምሮኻ ቐሪጽካ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

የሱስ ነቲ ዕውር ቅድሚ ምሕዋዩ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ዝወሰዶ ስለምንታይ ይመስለካ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ:-

የሱስ ዋላ እውን ሰንኪሉ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ: ነቶም ስንኩላት ግን ይድንግጸሎም ነበረ።

․․․․․

ካብዘን ክልተ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣተን ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․