ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ”

“የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ”

“ሓደ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ይፍለጥ እዩ።”—1 ቈረ. 8:3

1. ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ንገዛእ ርእሶም ከም ዘታለሉ ዚገልጽ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘንቱ። (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሓደ ንግሆ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኣሮን፡ ዕጣን ዚዕጠነሉ ጽንሃህ ሓዊ ሒዙ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር የሆዋ ደው በለ። ኣብ ጥቓኡ ድማ ቆራሕን 250 ሰብኡትን ንየሆዋ ዕጣን ምእንቲ ኺዓጥኑ፡ ነናቶም ጽንሃህ ሓዊ ሒዞም ደው በሉ። (ዘሁ. 16:16-18) ብላዕለ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ ኵሎም እቶም ሰብኡት እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ብጀካ ኣሮን፡ ኵሎም እቶም ካልኦት ሰብኡት፡ ንኽህነት ኪምንዝዑ ዚደልዩ ዝነበሩ ብትዕቢት እተነፍሑ ዓለወኛታት እዮም ነይሮም። (ዘሁ. 16:1-11) ኣምላኽ ንኣምልኾኦም ከም ዚቕበሎ ገይሮም ብምሕሳብ ድማ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣታለሉ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንኣምልኾኦም ከም ዚቕበሎ ገይሮም ምሕሳቦም፡ ነቲ ንልቦም ኬንብቦን ንግብዝናኦም ኪርእዮን ዚኽእል ዝነበረ የሆዋ ኸም ምጽራፍ እዩ ዚቝጸር ነይሩ።—ኤር. 17:10

2. ሙሴ እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረበ፧ ቃላቱኸ ተፈጺሙዶ፧

2 ሙሴ ኣብ ድሮ እታ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ዅነታት ዘጋጠመላ መዓልቲ፡ “እግዚኣብሄር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝዀነ . . . መን ከም ዝዀነ፡ ኬፍልጥ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነበረ። (ዘሁ. 16:5) ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ‘ካብ የሆዋ ሓዊ ወጺኡ፡ ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ 250 ሰባትን ንቆራሕን ምስ በልዖም፡’ የሆዋ መኖም ናይ ሓቂ ኣምላኺ ምዃኑ፡ መኖም ከኣ ግቡዝ ምዃኑ ብንጹር  ኣርኣየ። (ዘሁ. 16:35፣ 26:10) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንህይወት ኣሮን ስለ ዘድሓና፡ ኣሮን ናይ ሓቂ ኻህን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ኣምላኺ ምዃኑ እውን ተራእየ።1 ቈረንቶስ 8:3 ኣንብብ።

3. (ሀ) ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢሙ፧ (ለ) የሆዋ ቕድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ንዓለወኛታት እንታይ እዩ ገይርዎም፧

3 ኣስታት 1,500 ዓመት ጸኒሑ፡ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጠመ። ገሊኦም ክርስትያን ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይስዕቡ ነበሩ። ብላዕለ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ እቶም ከሓድቲ ምስቶም ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ዘይነበሮም እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ክሕደቶም ነቶም እሙናት ክርስትያናት ሓደገኛ እዩ ነይሩ። እዞም ክዳን በጊዕ እተኸድኑ ተዃሉ፡ ‘እምነት ገሊኦም ኪገላብጡ’ ጀሚሮም ነይሮም እዮም።’ (2 ጢሞ. 2:16-18) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን፣ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ነቶም ከሓድቲ ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርእዮም ርግጸኛ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ነቶም ዓለወኛታት ዝነበሩ ቆራሕን ደገፍቱን እንታይ ከም ዝገበሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሓንቲ እተደንቕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ፣ ካብታ ጥቕሲ እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ድማ ክንምርምር ኢና።

‘ኣነ የሆዋ ኣይልወጥን እየ’

4. ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚኸ ንጢሞቴዎስ ዝገለጸሉ ብኸመይ እዩ፧

4 ጳውሎስ፡ የሆዋ ነቲ ብግብዝና ዚቐርበሉ ኣምልኾ ኸም ዚፈልጦ፡ ነቶም ንዕኡ እዙዛት ዝዀኑ ሰባት ድማ ኬለልዮም ከም ዚኽእል ርግጸኛ እዩ ነይሩ። እቲ ዝነበሮ ድልዱል ምትእምማን፡ ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ቓላት ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነቲ ኸሓድቲ ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜውርድዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ሓደጋ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “እዚ ዀይኑ ግና፡ እቲ፡ ‘የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡’ ከምኡ ድማ ‘ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ’ ዚብል ማሕተም ዘለዎ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ቈይሙ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጢሞ. 2:18, 19

5, 6. እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” እትብል ሓረግ፡ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዋ፧ እዛ ሓረግ እዚኣ ንጢሞቴዎስ ጸልያቶ ኽትከውን እትኽእልከ ብኸመይ እያ፧

5 እተን ጳውሎስ ኣብታ ጥቕሲ ዝመረጸን ቃላት፡ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለወን፧ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እዩ ብዛዕባ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ተጠቒሱ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ‘መሰረት’ እትብል ቃል፡ ንእተፈላለየ ነገራት ብምሳልያዊ መገዲ ንምግላጽ ይጥቀመላ እዩ፣ ንኣብነት፡ እታ ቓል፡ ነታ ርእሰ ኸተማ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት የሩሳሌም ንምምልካት ቃል ብቓሉ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ። (መዝ. 87:1, 2) እቲ የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ እውን ምስ መሰረት ተመሳሲሉ ኣሎ። (1 ቈረ. 3:11፣ 1 ጴጥ. 2:6) እሞኸ ጳውሎስ ብዛዕባ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ኪጽሕፍ ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ እዩ ሒዙ ነይሩ፧

6 ጳውሎስ፡ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ዚብል ሓረግ እተጠቕመ፡ ነቲ ሙሴ ንቆራሕን ንደገፍቱን እተዛረቦ ኣብ ዘሁልቍ 16:5 ዚርከብ ቃላት ድሕሪ ምጥቃሱ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ንምትብባዕ፡ የሆዋ ንዕልወት ኬስተብህለሉን ኪከላኸሎን ከም ዚኽእል ድማ ንምዝኽኻር ኢሉ እዩ ነቲ ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ፍጻመታት ጠቒስዎ። ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ዕላማኡ ብሰሪ ቆራሕ ኪተዓናቐፍ ዘይፈቐደ፡ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ኸሓድቲ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ጳውሎስ፡ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” እንታይ ከም ዜመልክት ብዝርዝር ኣይገለጸን። ኰይኑ ግና፡ እቲ እተጠቕመሉ ቓላት ንጢሞቴዎስ፡ ብመገድታት የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ገይርዎ እዩ።

7. የሆዋ ብጽድቅን ብሓቅን ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 እቲ ልዑል ስርዓታት የሆዋ ኣይቅየርን እዩ። መዝሙር 33:11፡ “ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም እዩ፡ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም” ትብል። ካልእ ጥቕስታት እውን፡ ግዝኣት  የሆዋን ምሕረቱን ጽድቁን ሓቁን ንዘለኣለም ከም ዚነብር ይገልጽ እዩ። (ዘጸ. 15:18፣ መዝ. 106:1፣ 112:9፣ 117:2) ሚልክያስ 3:6፡ ‘ኣነ የሆዋ ኣይልወጥን እየ’ ትብል። ያእቆብ 1:17 እውን ብተመሳሳሊ ንየሆዋ፡ “ከም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ ኣቦ” ኢላ ጸዊዓቶ ኣላ።

ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ዜደልድል “ማሕተም”

8, 9. ካብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ “ማሕተም” እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ዚርከብ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ስእላዊ ዘረባ፡ ብማሕተም እተሓትመ መልእኽቲ ዘለዎ መሰረት እዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዚስእለልካ። ጥንቲ ኣብ ዝነበረ ህንጻታት፡ ብዛዕባ ሰራሒኡ ወይ ወናኒኡ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣብ መሰረቱ ይጸሓፎ ነበረ። ካብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዛ ምሳሌ እዚኣ እተጠቕመላ፡ ጳውሎስ ጥራይ እዩ። * እቲ ኣብቲ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ዚርከብ ማሕተም፡ ክልተ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። እቲ ቐዳማይ፡ “የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡” ዚብል እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ “ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ዚብል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 16:5 ዚርከብ ሓሳብ እዩ ዜዘኻኽረና።—ኣንብብ።

9 ካብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ “ማሕተም” እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ነቶም ናይ ኣምላኽ ዘበሉ፡ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ሓቅታት እዩ ዚኽፈል፦ (1) የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሰባት የፍቅሮም እዩ፣ (2) የሆዋ ዓመጻ ይጸልእ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ምስቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኼጋጥም ዚኽእል ክሕደት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

10. ተግባራት እቶም ከሓድቲ ነቶም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ብኸመይ ጸልይዎም፧

10 ጢሞቴዎስን ካልኦት እሙናት ክርስትያናትን፡ በቲ እቶም ከሓድቲ ኣብ ጉባኤ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ተጨኒቖም ኪዀኑ ኣለዎም። ገሊኦም ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ጉባኤ ንኺመላለሱ ንምንታይ ከም ዚፍቀደሎም ሓቲቶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እወ፡ እሙናት ሰባት፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘለዎም ነቕ ዘይብል ተኣማንነት ካብቲ እቶም ከሓድቲ ዜቕርብዎ ግብዝና ዝመልኦ ኣምልኾ ፈልዩ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30

ጢሞቴዎስ ብተግባር ከሓድቲ ኣይተጸልወን (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ)

11 እታ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ንእምነት ጢሞቴዎስ ኣደልዲላታ ኽትከውን ኣለዋ፣ ከመይሲ፡ ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቱ፡ እቶም ግቡዛት ዝነበሩ ቆራሕን ብጾቱን ምስ ተቓልዑን ምስ ተነጽጉን ምስ ጠፍኡን፡ እቲ እሙን ዝነበረ ኣሮን ካህን  ምዃኑ ኸም እተረጋገጸ ጠቒሱ እዩ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ዋላ እውን ናይ ሓሶት ክርስትያናት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይሃልዉ፡ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሙሴ ዝገበሮ፡ ነቶም ናቱ ዘበሉ ኸም ዚፈልጦም እዩ ዚሕብር ነይሩ።

11, 12. እታ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ንእምነት ጢሞቴዎስ ኣደልዲላታ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

12 የሆዋ ፈጺሙ ስለ ዘይልወጥ፡ ክትተኣማመነሉ እትኽእል ኣምላኽ እዩ። ዓመጻ ይጸልእ እዩ፣ ነቶም ዘይንስሑ ኣበስቲ ድማ ብግዜኡ ኣብ ፍርዲ ኬቕርቦም እዩ። ጢሞቴዎስ “ስም የሆዋ ዚሰሚ” ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ እቶም ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዜሕድርዎ ሕማቕ ጽልዋ ናይ ምርሓቕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ፡ ጳውሎስ ኣዘኻኺርዎ እዩ። *

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸንቱ ኣይኰነን

13. እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

13 ንሕና እውን ካብተን ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈን ቃላት፡ መንፈሳዊ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብቐዳምነት፡ የሆዋ ንተኣማንነትና ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ምዃኑ የጸናንዓና እዩ። ይፈልጦ ጥራይ ግና ኣይኰነን። ነቶም ናቱ ዘበሉ ኣዝዩ ይግደሰሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ይብል። (2 ዜና 16:9) ስለዚ፡ ንየሆዋ ኢልና “ኻብ ንጹህ ልቢ” እንገብሮ ነገራት ከንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 1:5፣ 1 ቈረ. 15:58

14. የሆዋ ነየናይ ዓይነት ኣምልኾ እዩ ዘይጻወሮ፧

14 የሆዋ ነቲ ብግብዝና ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዘይጻወሮ ኽንፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣዒንቱ ‘ናብ ብዘላ ምድሪ ስለ ዚዞራ፡’ ነቶም ‘ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዘይጽጋዕ’ ሰባት ኪርእዮም ይኽእል እዩ። ምሳሌ 3:32፡ “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ” ትብል፣ እዚ ኸኣ ነቲ ደይመደይ ኢሉ ዚዳፈርን ብሕቡእ ሓጢኣት እናፈጸመ ኽነሱ እዙዝ ዚመስልን ሰብ ዜጠቓልል እዩ። ቄናን ሰብ ንግዜኡ ንኻልኦት ሰባት ብውሕልነት እኳ እንተ ኣታለሎም፡ ንየሆዋ ግና ኼታልሎ ኣይክእልን እዩ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎን ኣምላኽ ጽድቅን እዩ፣ ስለዚ፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን” እዩ።—ምሳ. 28:13፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:24፣ እብራውያን 4:13 ኣንብብ።

15. ካብ ምንታይ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ፡ ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ካብ ልቢ ዝነቐለ እዩ። ደይመደይ ኢሉ ምትላል ዝመልኦ ኣምልኾ ዜቕርብ ክርስትያን ድማ ዳርጋ የለን። ኰይኑ ግና፡ ብግዜ ሙሴን ብግዜ ቐዳሞት ክርስትያናትን ከምኡ ኻብ ኣጋጠመ፡ ሎሚ እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 5) ይኹን እምበር፡ ንክርስትያን ብጾትና ኽንጥርጥሮምን ነቲ ንየሆዋ ዘለዎም ልባዊ ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ኸነእትዎን ይግባእ ድዩ፧ ኣይፋልናን። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚምልከት መሰረት ዘይብሉ ጥርጣረ ምሕዳር፡ ጌጋ እዩ። (ሮሜ 14:10-12፣ 1 ቈረንቶስ 13:7 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ንጽህና ኻልኦት ሰባት ምጥርጣር፡ ንመንፈሳውነትና ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

16. (ሀ) ግብዝና ኣብ ልብና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ፡ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ለ) ካብታ፡ “ ፈትኑ፡ . . . መርምሩ” እትብል ሳጹን፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ‘ገግብሩ ኺምርምር ኣለዎ።’ (ገላ. 6:4) ብሰሪ ሓጥእ ዝንባለና፡ ከይተፈለጠና ኻብ ቅንዕና ኽንርሕቕ ንኽእል ኢና። (እብ. 3:12, 13) ስለዚ፡ ወትሩ ነቲ ንየሆዋ እነገልግለሉ ድራኸ ኽንምርምሮ ኣሎና። ‘ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኸን ንልዑላውነቱ ብምቕባልን ድየ ዘምልኾ፡ ወይስ ኣብቲ ኣብ ገነት ዝረኽቦ ኣካላዊ በረኸት እየ ብዝያዳ ዘተኵር፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። (ራእ. 4:11) ንተግባራትና ብምምርማርን ንዝዀነ ይኹን ኣሰር ግብዝና ኻብ ልብና ብምውጋድን፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ዜሐጕስ ተኣማንነት

17, 18. ንየሆዋ ኻብ ልብና ኸነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንየሆዋ ኻብ ልብና ኸነምልኾ ኽንጽዕር ከለና፡ ብዙሕ በረኸት ክንዓጽድ ኢና። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር በደሉ  ዘይጽብጽበሉ፡ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝ. 32:2) እወ፡ እቶም ልቦም ካብ ግብዝና ጽሩይ ዝዀኑ ሰባት ሕጉሳት እዮም፣ ኣብ መጻኢ ድማ ፍጹም ሓጐስ ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም።

18 የሆዋ ኣብ ግዜኡ ነቶም ገበርቲ እከይ ወይ ከኣ ነቶም ክልተ ዓይነት ህይወት ዚነብሩ ሰባት ኬቃልዖም እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ “ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ” ንጹር ኪኸውን እዩ። (ሚል. 3:18) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እተን፡ “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን እየን፡ ኣእዛኑ እውን ናብ ምህለላኦም እየን” ዚብላ ቓላት የጸናንዓና እየን።—1 ጴጥ. 3:12

^ ሕ.ጽ. 8 እታ ጳውሎስ ንመልእኽትታት ጢሞቴዎስ ካብ ዚጽሕፈን ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሓ እተጻሕፈት ራእይ 21:14፡ ብዛዕባ እቲ ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እተጻሕፎ 12 “እምኒ መሰረት” ትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 12 እታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካብ ዓመጻ ብምርሓቕ ብኸመይ ንየሆዋ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ክትገልጽ እያ።