ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ ዓመጻ ይርሕቑ’

ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ ዓመጻ ይርሕቑ’

“ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ።”—2 ጢሞ. 2:19

1. ኣብ ኣምልኾና ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ እንታይ እዩ፧

ስም የሆዋ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ወይ ኣብቲ ኣብ ቤተ መዘክር ዚቕመጥ ኣቕሑ ተጻሒፉ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ምስ ረኣኻዮ፡ ኣቓልቦኻ ተሳሒቡን ኣዚኻ ተደኒቕካን ትኸውን። ከመይሲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾና ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እዩ ዘለዎ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ከማና ገይሩ ንመለኮታዊ ስም ዚጥቀመሉ ኻልእ ህዝቢ የለን። ኰይኑ ግና፡ ስም ኣምላኽ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል፡ ሓላፍነት ከም ዜሰክም ንፈልጥ ኢና።

2. ስም ኣምላኽ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል እኳ እንተ ኣሎና፡ እዚ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዜሰክመና፧

2 ንመለኮታዊ ስም ምጥቃም ጥራይ፡ ሞገስ የሆዋ ኸም እንረክብ ኣይገብረናን እዩ። ምስ ስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ እከይ ኪርሕቑ’ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ። (መዝ. 34:14) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ነቲ ስርዓት ኣነጺርዎ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:19 ኣንብብ።) ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን፡ ስም የሆዋ ብምጽዋዕ ኢና እንፍለጥ። ኰይኑ ግና፡ ብኸመይ ኢና ኻብ ዓመጻ ኽንርሕቕ እንኽእል፧

 ካብ እከይ ‘ኣግልስ’

3, 4. ኣየነይቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እያ ንብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ እተደንጽዎም፧ ስለምንታይከ፧

3 ቅዱስ ጽሑፋዊ ድሕረ ባይታ እተን ጳውሎስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ዝጸሓፈን ቃላት እስከ ንርአ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ነቲ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብቲ መሰረት እተሓትመ ኽልተ ሓሳባት ከም ዘሎ ትሕብር እያ። እቲ ናይ መጀመርታ ሓሳብ፡ ካብ ዘሁልቍ 16:5 እተወስደ ዀይኑ፡ “የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ” ዚብል እዩ። (ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ርአ።) እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ከኣ፡ “ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ዚብል እዩ፣ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንነዊሕ እዋን ንብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ኣደንጽይዎም እዩ። ስለምንታይ፧

4 ቃላት ጳውሎስ፡ ካብ ካልእ ምንጪ ይጠቅስ ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ቃላት ጳውሎስ ዚመሳሰል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ካልእ ጥቕሲ የልቦን። እሞኸ ጳውሎስ፡ “ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ኪብል ከሎ፡ ካብ ምንታይ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧ ቀቅድሚ እዛ ሓሳብ እዚኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 16 ዚርከብ ብዛዕባ ዕልወት ቆራሕ ዚገልጽ ዛንታ ጠቒስዎ ነይሩ እዩ። እቲ ኻልኣይ ሓሳብከ ምስቲ ዕልወት ዚተሓሓዝ ድዩ ነይሩ፧

5-7. ጳውሎስ ነተን ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:19 ዚርከባ ቓላት ኪጽሕፈን ከሎ፡ ነየናይ ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ፍጻመታት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧ (ኣብ ገጽ 12 ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ እቶም ደቂ ኤልያብ ዝዀኑ ዳታንን ኣቢራምን፡ ምስ ቆራሕ ኰይኖም ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ዓለዉ። (ዘሁ. 16:1-5) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ነቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ስልጣን ስለ ዝነጸግዎ፡ ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ከሓድቲ ኽነሶም ግና፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ንመንፈሳዊ ጥዕና እቶም እሙናት ሰባት ከኣ ኣብ ሓደጋ ኣእተውዎ። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኻብቶም ዓለወኛታት ዚፈልየላ መዓልቲ ምስ ኣኸለት፡ ንጹር ትእዛዝ ሃበ።

6 እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ነቲ ኣኼባ ኻብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግልሱ፡ ኢልካ ተዛረቦም። ሙሴ ድማ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ሰዐብዎ። ነቲ ኣኼባ ኸኣ፡ በጃኹም፡ ካብ ድንኳውንቲ እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ኣግልሱ፡ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸኣ ናቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ንሳቶምውን ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ።” (ዘሁ. 16:23-27) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ዓለወኛታት ቀተሎም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ካብቶም ዓለወኛታት ብምግላስ ካብ ዓመጻ ዝረሓቑ እሙናት ኣምለኽቲ፡ ብህይወት ተረፉ።

7 የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። ንተኣማንነት እቶም ናቱ ዘበሉ የስተብህለሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም እሙናቱ እውን ካብ ገበርቲ ዓመጻ ብምርሓቕ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም። ስለዚ፡ ጳውሎስ፡ “ስም የሆዋ ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 16:5, 23-27 ዚርከብ ዛንታ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ መደምደምታ እዚ ድማ፡ ምስቲ፡ “የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ” ዚብል ሓሳብ ይሳነ እዩ።—2 ጢሞ. 2:19

“ካብ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር ርሓቕ”

8. ስም የሆዋ ምጥቃም ወይ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃን ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኪነግሮ ኸሎ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ኽቡር ርክብ ንምዕቃብ ቈራጽ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘለዎ እዩ ዜዘኻኽሮ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሙሴ ንስም የሆዋ ጥራይ ምጽዋዕ እኹል ዘይነበረ፡ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃን ጥራይ እውን ኣኻሊ ኣይነበረን።  እሙናት ኣምለኽቲ ብቘራጽነት ካብ ዓመጻ ኺርሕቁ ኣለዎም። እዚ ንጢሞቴዎስ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋኸ ኻብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ጳውሎስ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

9. “ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር” ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጸለዋ ብኸመይ እዩ፧

9 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኪርሕቅዎ ወይ ኪነጽግዎ ዘለዎም ዓይነት ዓመጻ ብንጹር ይመኽረና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 2 ጢሞቴዎስ 2:19፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ‘ብዘይረብሕ ቃላት ከይብኣስን’ ‘ካብ ሃተውተው ኪርሕቕን’ ነጊርዎ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 2:14, 16, 23 ኣንብብ።) ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት፡ ገሊኦም ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ትምህርቲ ኽሕደት ከም ዚሰፍን ይገብሩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ዜከራኽር ሓሳባት የቕርቡ ነበሩ። እቲ ዜከራኽር ሓሳባት ብቐጥታ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምክፍፋል እዩ ዚፈጥር። ብቓላት ከም እትቋየቝን ከም እትከራኸርን ስለ ዚገብር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕማቕ ሃዋህው እዩ ዚሰፍን። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጳውሎስ፡ ‘ካብ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር ምርሓቕ’ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጕልሐ።

10 ሎሚ መብዛሕትኡ እዋን፡ ከሓድቲ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይርከቡን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ምንጩ ብዘየገድስ፡ ብኡብኡ ኽንነጽጎ ኣሎና። ምስ ከሓድቲ ምክርኻር ጥበባዊ ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ ምሳታቶም ብኣካል ምዝርራብ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚጽሕፍዎ ምምላስ፡ ወይ ከኣ ብኻልእ መዳይ ምሳታቶም ምምይያጥ ዜጠቓልል እዩ። ነቲ ኸሓዲ ዝዀነ ውልቀ ሰብ ክንሕግዞ ኢልና እኳ እንተ ሓሰብና፡ ከምኡ ምግባር ግና ምስቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ዚጋጮ እዩ። ስለዚ፡ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክሕደት ክንርሕቕን ክንነጽጎን ኣሎና።

ምስ ከሓድቲ ኣይትከራኸር (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

11. ‘ናይ ዕሽነት ክርክር’ ከም ዚለዓል ኪገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ክርስትያን ሽማግለታትከ ብኸመይ እዮም ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

11 ብዘይካ ኽሕደት፡ ካልእ ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺርብሾ ዚኽእል ነገራት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ንመዘናግዒ ዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶ፡ “ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር” ከም ዚለዓል ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ዚጥሕስ መዘናግዒ ኼተባብዑ እንተ ጀሚሮም፡ ክርስትያን ሽማግለታት ካብ ክርክር ንምርሓቕ ኢሎም ንኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ዕሽሽ ኪብልዎ የብሎምን። (መዝ. 11:5፣ ኤፌ. 5:3-5) ሽማግለታት እውን እንተ ዀኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባ ኼስፋሕፍሑ የብሎምን። ነቲ ንክርስትያን ሓለውቲ እተዋህበ፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፣ . . . ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ኸም እትጕይተቱ ኣይትኹኑ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ብተኣማንነት እዮም ዚስዕብዎ።—1 ጴጥ. 5:2, 3፣ 2 ቈረንቶስ 1:24 ኣንብብ።

12, 13. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምርጫ መዘናግዒ እንታይ መትከል እዩ ዘለዎም፧ ነዚ ዚምልከት እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ (ለ) ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 12 ዚርከብ ስርዓታት፡ ኣብ ብዙሕ ውልቃዊ ጕዳያት እውን ኪውዕል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ምስ መዘናግዒ ብዚተሓሓዝ፡ ውድብና ንነፍሲ ወከፍ ፊልም፡ ጸወታ ቪድዮ፡ መጽሓፍ፡ ወይ ደርፊ ብምምርማር፡ ኣየናይ ኪርአ፡ ኣየናይ ከኣ ኪሕደግ ከም ዘለዎ ኣይውስንን እዩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ‘ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ልቦናኡ’ ኼላምድ የተባብዕ እዩ። (እብ. 5:14) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓደ ክርስትያን መዘናግዒ ኺመርጽ ከሎ ኺስዕቦ ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና፡ ቀንዲ ሸቶና፡ ‘ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ምምርማር’ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌ. 5:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይምህር እዩ፣ ስለዚ፡ ገሊኡ ዓይነት መዘናግዒ ኣብ ቤቶም ኣይፈቕዱን  ይዀኑ።—1 ቈረ. 11:3፣ ኤፌ. 6:1-4 *

13 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዘናግዒ ኣብ ምምራጽ ጥራይ ኣይኰነን ዚዓዪ። ንኣከዳድናን ንኣመለኻኽዓን ንጥዕናን ንምግብን ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ውልቃዊ ጕዳያትን ዚምልከት ርእይቶታት እውን፡ ክርክር ከም ዚለዓል ኪገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት እንተ ዘይተጣሒሱ፡ ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳያት ኣይከራኸሩን እዮም፣ ከመይሲ፡ “ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ።”—2 ጢሞ. 2:24

ካብ ሕማቕ ዕርክነት ርሓቕ

14. ጳውሎስ፡ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕ ከም ዘሎና ንምጕላሕ እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧

14 እቶም ‘ስም የሆዋ ዚሰምዩ ዘበሉ፡’ በየናይ ካልእ መገዲ እዮም ‘ካብ ዓመጻ ዚርሕቁ፧’ ምስ ገበርቲ ዓመጻ ብዘይምትዕርራኽ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ። ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ “ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ” ዚገልጽ ምሳሌ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ካልእ ምሳሌ እውን ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ሓደ “ዓብዪ ቤት” ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብኡ “ኣቕሑ ዕንጨይትን መሬትን እውን እምበር፡ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፣ ገሊኡ ንኽብረት፡ ገሊኡ እውን ንውርደት እዩ ዚኸውን” በለ። (2 ጢሞ. 2:20, 21) ድሕሪኡ ንክርስትያናት፡ ካብቲ ‘ንውርደት’ ዚኸውን ኣቕሑ ‘ኺርሕቁ’ ወይ ገዛእ ርእሶም ኪፈልዩ መዓዶም።

15, 16. ካብቲ ብዛዕባ “ዓብዪ ቤት” ዚገልጽ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

15 ትርጕም እቲ ምሳሌ እንታይ እዩ፧ እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ምሳሌ፡ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ “ዓብዪ ቤት” እዩ ዜመሳስላ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት እታ ጉባኤ ድማ ብ“ኣቕሑ” ቤት ተመሲሎም ኣለዉ። ኣብ ሓደ ቤት፡ ገሊኡ ኣቕሑ ብሓደገኛ ኬሚካላት ወይ ብዘይጽሩይ ነገራት ይረስሕ እዩ። ሓደ ብዓል ቤት ከኣ ነዚ ኣቕሑ እዚ ኻብቲ ንኸም ምግቢ ንምኽሻን ዚውዕል ጽሩይ ኣቕሑ ፈልዩ እዩ ዜቐምጦ።

16 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንጹህ ህይወት ኪነብሩ እዮም ዚጽዕሩ፣  በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምስቶም ብተደጋጋሚ ንስርዓታት የሆዋ ሸለል ዚብልዎ ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ሰባት ከይተዓራረኹ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ።) ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘለዉ ኸምዚ ኻብ ኰነ፡ ምስቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ እሞ ኸኣ ልዕሊኡ ኽንገብር ይግብኣና፣ ምሳታቶም ፈጺምና ኽንተዓራረኽ ኣይግብኣናን እዩ፣ ከመይሲ፡ መብዛሕትኦም ‘ፈተውቲ ገንዘብ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘይእሙናት፡ ሓመይቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ እዮም።’—2 ጢሞ. 3:1-5

የሆዋ ንቘራጽነትና ይባርኾ

17. እሙናት እስራኤላውያን ካብ ዓመጻ ንምርሓቕ ዝነበሮም ቈራጽነት ክሳዕ ክንደይ ነይሩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እስራኤላውያን “ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግልሱ” ምስ ተባህሉ ብዛዕባ ዝወሰድዎ ቘራጽ ስጕምቲ ይገልጽ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ ‘ብኡብኡ ረሓቑ’ ይብል። (ዘሁ. 16:24, 27NW) እወ፡ ሰጋእ መጋእ ኣይበሉን፣ ኣይተደናጐዩን እውን። ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እስራኤላውያን ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝረሓቑ ኺእምት ከሎ፡ ‘ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣግለሱ’ ይብል። እቶም እሙናት እስራኤላውያን ብምሉእ ልቦም እዮም ኪእዘዙ ዚደልዩ ነይሮም። ተኣዛዝነቶም ብኸፊል ወይ ብፍርቂ ልቢ ኣይነበረን። ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ንምባልን ካብ ዓመጻ ንምርሓቕን ንጹር መትከል ነበሮም። ካብዚ ኣብነት እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

18. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም” ኢሉ ኺምዕዶ ኸሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

18 ንሕና እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ንምዕቃብ፡ ብቘራጽነት ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም” ኪብሎ ኸሎ፡ ከምኡ ማለቱ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 2:22) ጢሞቴዎስ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ ዚርከብ በጽሒ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዕሽነት ዝመልኦ “ትምኒት ንእስነት” ብዕድመ ዚድረት ኣይኰነን። ጢሞቴዎስ ከምኡ ዓይነት ትምኒት ኪመጾ ኸሎ፡ ካብኡ ‘ኺሃድም’ ነበሮ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ካብ ዓመጻ ኺርሕቕ’ ነበሮ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ እውን፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ” ኺብል ከሎ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ። (ማቴ. 18:9) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልቦም ዜሕድርዎ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ መንፈሳዊ ሓደጋ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ከይተደናጐዩ ወይ ውዓል ሕደር ከይበሉ ቘራጽ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ።

19. ገሊኣቶም ንገዛእ ርእሶም ካብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ንምዕቋብ፡ እንታይ ቈራጽ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ፧

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃኖም ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዚተሓሓዝ ጸገማት ዝነበሮም ገሊኦም ሰባት፡ ምሉእ ብምሉእ ኣልኮላዊ መስተ ኸይሰትዩ መሪጾም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ካብቲ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንስነ ምግባራዊ ድኽመታቶም ግና ኬለዓዕሎ ዚኽእል መዘናግዒ ኺርሕቁ መሪጾም እዮም። (መዝ. 101:3) ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ርኽሰት ዝመልኦ ኣብያተ ትልሂት ምኻድ የሐጕሶ ነበረ። ሓቂ ድሕሪ ምፍላጡ ግና፡ ነቲ ቐደም ዝነበሮ ዘይግቡእ ባህጊ ወይ ሓሳባት ምእንቲ ኸየለዓዕለሉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዜዳልውዎ መደብ መዘናግዒ እውን እንተ ዀነ ምስዕሳዕ ሓደጎ። ሓቂ እዩ፡ ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣልኮላዊ መስተ፡ ካብ ሳዕስዒት፡ ወይ ካብ ካልእ ጌጋ ዘይኰነ ነገራት ይርሕቁ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ምእንቲ ኸነዕቍባ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

20. ‘ካብ ዓመጻ ምርሓቕ’ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እንታይ ምፍላጥና እዩ ዜጸናንዓና፧

20 ስም ኣምላኽ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል፡ ሓላፍነት የሰክም እዩ። ‘ካብ ዓመጻን’ ‘ካብ እከይን ክንርሕቕ’ ኣሎና። (መዝ. 34:14) ከምኡ ምግባር ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ‘ነቶም ናቱ ዘበሉን’ ነቶም ብጽድቃዊ መገድታቱ ዚመላለሱን ሰባት ከም ዜፍቅሮም ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ።—2 ጢሞ. 2:19፣ 2 ዜና መዋእል 16:9 ኣንብብ።

^ ሕ.ጽ. 12 ነቲ ኣብ jw.org ዝወጸ “ገሊኡ ፊልምታት፡ መጻሕፍቲ፡ ወይ ደርፍታት ትኽልክሉ ዲኹም፧” ዚብል ዓንቀጽ ርአ፣ (ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ ABOUT US > FREQUENTLY ASKED QUESTIONS ርአ።)