ሚልክያስ 3:1-18

  • እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ንቤተ መቕደሱ ኼጽርያ ይመጽእ (1-5)

    • ልኡኽ እቲ ኺዳን (1)

  • ናብ የሆዋ ኺምለሱ እተዋህበ መተባብዒ (6-12)

    • የሆዋ ኣይልወጥን እዩ (6)

    • “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” (7)

    • ‘ብዘሎ ዕሽር ኣምጽኡ፣ የሆዋ ድማ በረኸት ኬፍስሰልኩም እዩ’ (10)

  • ጻድቕን እኩይን (13-18)

    • መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተጻሕፈ (16)

    • ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን ዘሎ ፍልልይ (18)

3  “እንሆ፡ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ቀቅድመይ መገዲ ኺጸርግ* እዩ።+ ብሃንደበት ከኣ እቲ እትደልይዎ ናይ ሓቂ ጐይታ ናብ ቤተ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣+ እቲ ብእኡ ደስ ዝበለኩም ልኡኽ እቲ ኺዳን ድማ ኪመጽእ እዩ። እንሆ፡ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 2  “ግናኸ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ኪጻወራ እዩ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ንሱስ ከም ሓዊ ዀላዕን ከም ሳሙና+ ሓጻባይን ኪኸውን እዩ። 3  ከም ኰላዕን ኣጽራይን ብሩር ኪቕመጥ፡+ ንደቂ ሌዊ ድማ ኬጽርዮም እዩ፣ ከም ወርቅን ከም ብሩርን ኬጽርዮም* እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ንየሆዋ ብጽድቂ መባእ ዜቕርቡሉ ህዝቢ ኪዀኑ እዮም። 4  መባእ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ፡ ከም ናይ ቀደም መዓልትታትን ከም ናይ ጥንቲ ዓመታትን ንየሆዋ ባህ ኬብሎ* እዩ።+ 5  “ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን+ ኣንጻር ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን+ ኣንጻር እቶም ንዕሱብን+ ንመበለትን ንዘኽታምን*+ ዚዕምጹን ኣንጻር እቶም ንጓና+ ምሕጋዝ ዚኣብዩን* ፈጣን ምስክር ክኸውን እየ። እዚኣቶምሲ ኣይፈርሁንን” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 6  “ኣነስ የሆዋ እየ፣ ኣይልወጥን እየ።*+ ንስኻትኩም ድማ ደቂ ያእቆብ ኢኹም፣ ገና ኸኣ ኣይተወዳእኩምን። 7  ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ኣትሒዝኩም ካብ ስርዓታተይ ኣልጊስኩም ኢኹም፡ ኣይሓሎኹምዎን እውን።+ ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርና ኢና ኽንምለስ፧” ትብሉ ኣለኹም። 8  “ሰብዶ ንኣምላኽ ይሰርቆ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም።” “ከመይ ጌርና ኢና ዝሰረቕናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም። “ብዕሽርን ብመባእን እዩ። 9  ንስኻትኩም ትሰርቁኒ ኣለኹም፡ እወ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸምኡ ይገብር ኣሎ እሞ፡ ብርግጽ ርጉማት ኢኹም።* 10  ኣብ ቤተይ ምግቢ ኺህሉስ፡+ ብዘሎ ዕሽር ናብቲ ማዕከን ኣምጽኡ፣+ መሳዅቲ ሰማያት እንተ ዘይከፊተልኩም፡+ ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለኩም ድማ በረኸት እንተ ዘየፍሲሰልኩም* ክትርእዩስ፡ በዚ ግዳ ፈትኑኒ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 11  “ንወሓጢ* ኸኣ ክገንሓልኩም እየ፣ ንሱ ድማ ፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍእን እዩ፣ ኣብ ግራት ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ከኣ ፍረ ዘይብሉ ኣይኪኸውንን እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12  “ምድሪ ደስታ ኽትኰኑ ኢኹም እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ሕጉሳት ኪብልኹም እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 13  “ኣንጻረይ እተዘርበ ቓላትኩም በርቲዑኒ” ይብል የሆዋ። “ንሓድሕድና ኸመይ ጌርና ኣንጻርካ ተዛሪብና፧” ትብሉ ኣለኹም።+ 14  “ከምዚ ትብሉ ኣለኹም፦ ‘ንኣምላኽ ምግልጋል ዋጋ የብሉን።+ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ግዴታ ምሕላውናን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ጕሁያት ኴንና ምምልላስናን እንታይ ጠቒሙና፧ 15  ሕጂ ንተዳፈርቲ ሕጉሳት ንብሎም ኣለና። እቶም እከይ ዚገብሩ እውን ዕዉታት እዮም።+ ንኣምላኽ ፈቲኖምዎስ የምልጡ።’” 16  ሽዑ፡ እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ተዛራረቡ፣ የሆዋ ኸኣ ኣቕለበን ሰምዐን። ነቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎን ነቶም ንስሙ ዜስተንትኑሉን*+ ድማ መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።+ 17  “በታ ፍሉይ ጥሪተይ*+ ዝገብረላ መዓልቲ፡ ናተይ ኪዀኑ እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ከምቲ ሰብ ንዜገልግሎ ወዱ ዚርሕርሓሉ፡ ኣነ ኽርሕርሓሎም እየ።+ 18  ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኼዳሉ።”
ወይ፡ “ኪዅልዖም።”
ወይ፡ “ኼዕግቦ።”
ወይ፡ “መሰላቱ ዚኸልኡን።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሎምን።”
ወይ፡ “ኣይተለወጥኩን።”
ወይ፡ “ብመርገም ትረግሙኒ ኣለኹም” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ዘይደፊአልኩም፡” ማለት፡ ብምሉኡ እንተ ዘየፍሲሰልኩም።
ካብ ሓሸራታት ንዚመጽእ መዓት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ዚሓስቡሉን።” ወይ፡ “ዜኽብርዎን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዘኽብሮ ገንዘበይ።”