ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓብ

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓብ

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓብ

“ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ።”ዮሃንስ 13:15

1. የሱስ ንክርስትያናት ኪመስልዎ ዘለዎም ኣብነት ዝዀኖም ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘይሓጥአ። ንሱ ድማ የሱስ እዩ። ብዘይካ የሱስ: ‘ዘይብድል ሰብ የልቦን።’ (1 ነገስት 8:46፣ ሮሜ 3:23) በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሱስ ኪመስልዎ ዘለዎም ፍጹም ኣብነቶም ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ንሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” ብምባል ኪመስልዎ ተዛረቦም። (ዮሃንስ 13:15) ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት እቲኣ ክርስትያናት ኪመስልዎ ኺጽዕሩሉ ዘለዎም እተፈላለየ መዳያት ጠቐሰ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ገለ ኻብቲ ዝጠቐሶ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

ኣድላይነት ትሕትና

2, 3. የሱስ ፍጹም ኣብነት ትሕትና ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

2 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም መርኣዪ ኺስዕቡ ኺምሕጸኖም ከሎ: ብፍላይ ብዛዕባ ትሕትና እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ንሰዓብቱ ትሑታት ኪዀኑ ብተደጋጋሚ ነጊርዎም ነይሩ: ምሸት 14 ኒሳን ከኣ ንትሕትናኡ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ ኣርኣየ። ድሕሪኡ “ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: . . . ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:14) ድሕሪኡ ንሃዋርያቱ ነቲ ዝሃቦም መርኣዪ ወይ ዝገደፈሎም ኣብነት ኪስዕቡ ነገሮም። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መርኣያ ትሕትና ዀን እዩ ነይሩ!

3 ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም ዝነበረ ገሊጹልና እዩ። ኰይኑ ግን ርእሱ ኣሕሲሩ ትሑት ሰብ ኰነ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊልጲ 2:6-8) ሕስብ እሞ ኣብሎ። እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ብዕቤቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝዀነ የሱስ: ካብ መላእኽቲ ትሕት ኪብል: መስኪን ሕጻን ኰይኑ ኺውለድ: ንዘይፍጹማት ወለዲ እናተኣዘዘ ኺዓቢ: ከምኡውን ከም እተናዕቀ ዓማጺ ዀይኑ ኪቕተል ፍቓደኛ ዀነ። (ቈሎሴ 1:15, 16፣ እብራውያን 2:6, 7) ኣየ ኸመይ ዝበለ ትሕትና ዀን እዩ ኣርእዩ! ነዚ “ሓሳብ” ክርስቶስ እዚ ኣባና ኸም ዚህሉ ምግባርን ከምዚ ዝኣመሰለ “ትሕትና” ምምዕባልን ይከኣል ድዩ፧ (ፊልጲ 2:3-5) እወ: ይከኣል እዩ: ቀሊል ግን ኣይኰነን።

4. ሰባት ብምንታይ እዮም ዚሕበኑ ወይ ዚዕበዩ: ትዕቢት ሓደገኛ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

4 ትዕቢት ኣንጻር ትሕትና እያ። (ምሳሌ 6:16-19) ንሰይጣን ናብ ውድቀት ዝመርሓቶ እውን እዛ ባህሪ እዚኣ እያ። (1 ጢሞቴዎስ 3:6) ኣብ ኣልባብ ሰባት ብቐሊሉ እያ ሱር እትሰድድ: ሓንሳእ ሱር ምስ ሰደደት ከኣ ምምሓዋ ኸቢድ እዩ። ሰባት ብሃገሮም: ብዓሌቶም: ብጥሪቶም: ብትምህርቶም: ብዓለማዊ ኣሳልጦኦም: ብማሕበራዊ ደረጃኦም: ብመልክዖም: ብስፖርታዊ ኽእለቶም: ከምኡውን ብሓያሎ ኻልእ ነገራት ይሕበኑ እዮም። ዋላ ሓደ ኻብዚ ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 4:7) በዚ እንተ ተሓቢንና ወይ እንተ ተዓቢና ኸኣ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኢና እነበላሹ። የሆዋ “ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።”—መዝሙር 138:6፣ ምሳሌ 8:13

ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ትሑታት ምዃን

5. ሽማግለታት ትሑታት ኪዀኑ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ ኣበርክቶ: ዝፈጸምናዮ ነገራት ኰነ: ኣብ ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነት እውን ከይተረፈ ኼዐብየና የብሉን። (1 ዜና መዋእል 29:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17, 18) እኳ ደኣስ ዝያዳ ሓላፍነት ብእተዋህበና መጠን: ብዝያዳ ኢና ትሑታት ክንከውን ዘሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሽማግለታት “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” ብምባል ተማሕጸኖም። (1 ጴጥሮስ 5:3) ሽማግለታት ኣገልገልትን ኣብነታትን ኪዀኑ ደኣ እምበር: ጐይተትን ኣዘዝትን ኪዀኑ ኣይኰኑን እተሸሙ።—ሉቃስ 22:24-26፣ 2 ቈረንቶስ 1:24

6. ትሕትና ኣበየናይ መዳይ ክርስትያናዊ ናብራ እያ እተድልየና፧

6 ትሕትና ኼርእዩ ዘለዎም ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን። መንእሰያት ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኺወዳደሩ ኸለዉ ብዘለዎም ቅልጡፍ ኣተሓሳስባን ድልዱል ኣካላትን ኪሕበኑ ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” በሎም። (1 ጴጥሮስ 5:5) እወ: ኵሎም ክርስትያናት ከምታ ክርስቶስ ዘርኣያ ትሕትና ኼንጸባርቑ ኣለዎም። ብፍላይ ነቲ ብስራት ዘይግደሱ ወይ ተጻረርቲ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ምስባኽ ትሕትና ይሓትት። ምኽሪ ንምቕባል ወይ ኣብ ኣገልግሎት እነበርክቶ እጃም ንምስፋሕ ኢልና ህይወትና ቐሊል ንምግባር ትሕትና የድሊ። ብዘይካዚውን: ስምና ኺጽልም ከሎ: ብኽስታት ኣቢልካ መጥቃዕቲ ኺወርደና ኸሎ: ከምኡውን ከቢድ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ ጸኒዕና ንምቕጻል ትሕትናን ትብዓትን እምነትን የድልየና።—1 ጴጥሮስ 5:6

7, 8. ትሕትና ኸነማዕብለሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

7 ሓደ ሰብ ንትዕቢቱ ኣጥፊኡ: ‘ብትሕትና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ኺርኢ’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ፊልጲ 2:3) ንርእሱ ብኣረኣእያ የሆዋ ኺርእያ ኣለዎ። የሱስ “ንስኻትኩም እተአዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፤ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና: በሉ” ብምባል ኪህልወና ዚግባእ ቅኑዕ ኣረኣእያ ገለጸ። (ሉቃስ 17:10) ዝዀነ ይኹን ክንገብሮ እንኽእል ነገር: ምስቲ የሱስ ዝገበሮ ኺወዳደር ከም ዘይክእል ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግን: ንሱ ትሑት ነበረ።

8 ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ ርእስና ግቡእ ኣረኣእያ ንምምዕባል ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንሓትት ንኽእል ኢና። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትእዛዛትካ አሚነ አሎኹ እሞ: ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ” ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:66) የሆዋ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ: ትሕትና ብምንጽብራቕና እውን ኪባርኸና እዩ። (ምሳሌ 18:12) የሱስ “ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር: ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” በለ።—ማቴዎስ 23:12

ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ

9. የሱስ ንቕኑዕን ጌጋን ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

9 የሱስ ን33 ዓመት ኣብ መንጎ ሰባት እኳ እንተ ነበረ: “ብዘይ ሓጢኣት” እዩ ነይሩ። (እብራውያን 4:15) አረ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ መሲህ ኪንበ ኸሎስ: “ጽድቂ ትፈቱ: ረሲእነት ትጸልእ” እዩ ዝበለ። (መዝሙር 45:7፣ እብራውያን 1:9) ኣብዚ መዳይ እዚውን ክርስትያናት ንየሱስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። ቅኑዕን ጌጋን ይፈልጡ ጥራይ ዘይኰነስ: ጌጋ ዘበለ ይጸልኡ: ቅኑዕ ዘበለውን ይፈትዉ እዮም። (ኣሞጽ 5:15) እዚ ኸኣ ምስቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ኣብ ዚገብርዎ ቓልሲ ይሕግዞም።—ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 7:21-25

10. ከይተነሳሕና “ኽፉእ” ብተደጋጋሚ እንተ ጌርና: እንታይ ስምዒት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ ዘሎና፧

10 የሱስ ነቲ ፈሪሳዊ ዝነበረ ኒቆዲሞስ “ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ: እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ: ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና: ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ: ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ: ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ” በሎ። (ዮሃንስ 3:20, 21) ዮሃንስ ንየሱስ “እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ” ኸም ዝበሎ እውን ኣስተብህል። (ዮሃንስ 1:9, 10) የሱስ ድማ “ክፉእ:” ማለት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋን ዘይቅቡልን ዝዀነ እንተ ጌርና: ብርሃን ከም እንጸልእ ገለጸ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ንየሱስን ነቲ ንሱ ዝቘመሉ ዕላማን ምጽላእ ማለት እኮ እዩ። እቶም ከይተነስሑ ብተደጋጋሚ ሓጢኣት ዚገብሩ: ከምዚ ዓይነት ጽልኢ ኣለዎም። ምናልባት ከምኡ ገይሮም ኣይርእይዎን ይዀኑ: የሱስ ግን ብንጹር ንዕኡ ምጽላእ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።

ነቲ የሱስ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ተማዕብሎ፧

11. ነቲ የሱስ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ንምምዕባል እንታይ እዩ ዜድልየና፧

11 በረኣእያ የሆዋ ቕኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክንርዳእ ኣሎና። ነዚ ፍልጠት እዚ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል። ነዚ መጽናዕቲ እዚ ኽንገብር ከለና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸለዮ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢልና ኽንጽሊ የድልየና። (መዝሙር 25:4) ሰይጣን ግን መታለሊ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (2 ቈረንቶስ 11:14) ጌጋ ዝዀነ ነገር ንሓደ ገርሂ ክርስትያን ቅቡል ከም ዚመስሎ ኺገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚህበና ትምህርቲ ኣጸቢቕና ኸነስተንትነሉን ነቲ ምኽሩ ጠቢቕና ኽንስዕብን ኣሎና። (ማቴዎስ 24:45-47) መጽናዕቲ: ጸሎት: ከምኡውን ነቲ ዘንበብናዮ ምስትንታን ከምቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ብሱላት ሰባት ንኽንከውን የኽእለና። (እብራውያን 5:14) ድሕሪኡ ጌጋ ዘበለ ኽንጸልእን ቅኑዕ ዘበለ ኽንፈቱን ኢና።

12. ዓመጻ ምእንቲ ኸይንፍጽም እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እዩ ዚሕግዘና፧

12 ጌጋ ዘበለ እንተ ጸሊእና: ኣብ ልብና ንግጉይ ነገር ባህጊ ኣይነሕድርን ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 2:15, 16

13, 14. (ሀ) ኣብ ዓለም ንዘሎ ነገራት ምፍታው ንክርስትያናት ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ዓለም ንዘሎ ነገራት ፍቕሪ ኸይነሕድር ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧

13 ገሊኦም ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ጌጋ ዘይምዃኑ ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ዓለምን ስሕበታን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ብቐሊሉ ኼስግለና ይኽእል እዩ። እቲ እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ናብ ኣምላኽ ኣየቕርበናን እዩ። ስለዚ: ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ዋላ እውን ነቲ ብርእሱ ጌጋ ዘይኰነ ነገራት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና: ኣብ ሓደገኛ መገዲ ኢና ዘሎና። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዓለም ዘሎ መብዛሕትኡ ነገራት እከይ ብምዃኑ ኼበላሽወና ይኽእል እዩ። ዓመጻ: ፍቕረ-ንዋይ: ጾታዊ ርኽሰት ዜጕልሕ ፊልምታት ወይ መደባት ተለቪዥን ንርኢ እንተደኣ ዄንና: ነዚ ነገራት እዚ ፈለማ ንቕበሎ እሞ ድሕሪኡ ኺፍትነና ይኽእል። ምስቶም ብቐዳምነት ናብራኦም ኣብ ምምሕያሽ ወይ ብሉጽ ስራሕ ኣብ ምሓዝ ዜተኵሩ ሰባት እንተ ተቐራሪብና: ነዚ ነገራት እዚ ቐዳምነት ክንህቦ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:24፣ 1 ቈረንቶስ 15:33

14 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብቓል የሆዋ እንፍሳህ እንተደኣ ዄንና: “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ኣየህርረናን እዩ። ብተወሳኺውን: ምስቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ዚህቡ ንቀራረብ እንተደኣ ዄንና: ነቲ ዜፍቅርዎ ስለ እነፍቅርን ካብቲ ዚርሕቕዎ ስለ እንርሕቕን: ከማታቶም ኢና እንኸውን።—መዝሙር 15:4፣ ምሳሌ 13:20

15. ከም የሱስ ጽድቂ ምፍታውናን ዓመጻ ምጽላእናን ብኸመይ እዩ ዜበራትዓና፧

15 የሱስ ጽድቂ ብምፍታዉን ዓመጻ ብምጽላኡን ኣዒንቱ ኣብቲ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ንኼተኵር ኣኽኣሎ። (እብራውያን 12:2) ንዓናውን ከምኡ እዩ። “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ” ከም እተባህለ ንፈልጥ ኢና። እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ተድላ ግዝያዊ እዩ። “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:17) የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ: ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። (1 ዮሃንስ 5:13) እምበኣር ኵላትና ንዕኡ ንምሰሎ: ካብ ንጽህናኡ ድማ ንጠቐም።

ንዜጋጥም መስጐጕቲ ምጻሩ

16. የሱስ ንሰዓብቱ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ዝኣዘዞም ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: እዚ እእዝዘኩም አሎኹ” ኪብል ከሎ: ደቀ መዛሙርቱ ኺመስልዎ ዚኽእልሉ ኻልእ መገዲ ሓበረ። (ዮሃንስ 15:12, 13, 17) ክርስትያናት ነሕዋቶም ዜፍቅሩሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። የሱስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ እተዛረበሉ ኣጋጣሚ: ብዛዕባ እቲ ኻብ ዓለም ዜጋጥሞም ጽልኢ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። . . . ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: . . . ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” በለ። (ዮሃንስ 15:18, 20) እወ: ኣደዳ መስጐጕቲ ብምዃን ዝመጸ እውን ክርስትያናት ከም የሱስ እዮም። ነዚ ጽልኢ እዚ ተጻዊሮም ንኺሰግርዎ ሓያል ፍቕራዊ ማእሰር ኬማዕብሉ የድልዮም።

17. ዓለም ንናይ ሓቂ ክርስትያናት እትጸልኦም ስለምንታይ እያ፧

17 ዓለም ንክርስትያናት እትጸልኦም ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ ኸም የሱስ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:14, 16) ካብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ገለልተኛታት እዮም: ብዛዕባ ቕድስና ህይወትን ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት እዮም ዚስዕቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11) ቀዳማይ ሸቶኦም መንፈሳዊ ደኣ እምበር ስጋዊ ኣይኰነን። ኣብ ዓለም ዚነብሩ እኳ እንተዀኑ: ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ግን ካብኣ ‘ከም ዘይተጠቕሙ እዮም ዝዀኑ።’ (1 ቈረንቶስ 7:31) ሓቂ እዩ: ገሊኦም ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ልዑል ስርዓታት ንኢዶምዎ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኸር ግን ናእዳ ወይ ተቐባልነት ኪረኽቡ ኢሎም ኣይለማመጡን እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይርድእዎምን እዮም: ብዙሓት እውን ይጸልእዎም እዮም።

18, 19. ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ንዜጋጥሞም ምጽራርን መስጐጕትን ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧

18 የሱስ ምስ ተታሕዘን ምስ ተቐትለን: እቶም ሃዋርያቱ ዓለም ኣመና ኸም እትጸልኦምን ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ነቲ ጽልኢ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበን ርእዮም እዮም። ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ የሱስ መጺኦም ሓዝዎ። ጴጥሮስ ብሰይፊ ገይሩ ኺከላኸለሉ ፈተነ: የሱስ ግን “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:52፣ ሉቃስ 22:50, 51) ብግዜ ጥንቲ እስራኤላውያን ምስ ጸላእቶም ብሰይፊ ይዋግኡ ነበሩ። ሕጂ ግን ኵሉ ነገራት ተቐይሩ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ “ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን:” ክትሕልዎ ዘለዋ ደረት ዶብ እውን የብላን። (ዮሃንስ 18:36) ነዊሕ ከይጸንሐ ጴጥሮስ ክፍሊ እቶም ሃገሮም ኣብ ሰማይ ዝዀኑ መንፈሳዊ ህዝቢ ኪኸውን ነበሮ። (ገላትያ 6:16፣ ፊልጲ 3:20, 21) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ሰዓብቲ የሱስ ንዜጋጥሞም ጽልእን መስጐጕትን ከምቲ የሱስ ብትብዓትን ብሰላምን እተዋጽኣሉ ገይሮም እዮም ኪዋጽኡሉ። ኣብቲ ጕዳይ ንዚህሉ ውጽኢት ከኣ ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ እዮም ዚገድፍዎ: ንኺጸንዑ ድማ ኣብቲ ንሱ ዚህቦም ብርታዐ እዮም ዚጽግዑ።—ሉቃስ 22:42

19 ዓመታት ጸኒሑ ጴጥሮስ “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። . . . ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:21-23) ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክርስትያናት ከቢድ መስጐጕቲ ኣሕሊፎም እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዀኑ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት ሰላማውያን ሓለውቲ ንጽህና ኸም ዝዀኑ ብምንጽብራቕ ኣብነት የሱስ ስዒቦም: ብተኣማንነት ብምጽናዕ ከኣ ዜደንቕ ታሪኽ ኣመዝጊቦም እዮም። (ራእይ 2:9, 10) እምበኣር: ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ: ኵላትና በብውልቂ ተመሳሳሊ ነገር ንግበር።—2 ጢሞቴዎስ 3:12

“ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ”

20-22. ክርስትያናት ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዚለብስዎ’ ብኸመይ እዮም፧

20 ጳውሎስ ንኣባላት እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ “ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር: ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዐል ትምኒት ኣይትግበርዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 13:14) ክርስትያናት ንየሱስ ልክዕ ከም ክዳን ይለብስዎ እዮም። ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ ባህርያቱን ተግባራቱን ኪቐድሑ ስለ ዚጽዕሩ: ነጸብራቕ ናይ ጐይታኦም እዮም ዚዀኑ።—1 ተሰሎንቄ 1:6

21 ንሕናውን ንህይወት ጐይታና እንተ ፈሊጥናዮን ከም ናቱ ዓይነት ህይወት ክንመርሕ እንተ ጽዒርናን: ‘ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ ኢና።’ ንትሕትናኡ: ንጽድቂ ዘለዎ ፍቕሪ: ንዓመጻ ዘለዎ ጽልኢ: ነሕዋቱ ዘለዎ ፍቕሪ: ካብ ዓለም ዘይምዃኑ: ከምኡውን ንዝወረዶ መከራ ብትዕግስቲ ምጻሩ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ‘ንሓልዮት ስጋ መለዓዓል ትምኒት ኣይንገብሮን’ ኢና: ማለት ኣብ ህይወትና እቲ ቐንዲ ነገር ዓለማዊ ሸቶታት ምብጻሕ ወይ ስጋዊ ባህጊ ምርዋይ ኣይንገብርን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ውሳነ ኽንገብር ከለና ወይ ዜጋጠመና ጸገም ክንፈትሕ ከለና: ‘ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የሱስ እንታይ ምገበረ፧ እንታይከ ኽገብር ምደለየኒ፧’ ኢልና ኢና ንርእስና እንሓትት።

22 ነቲ ‘ወንጌል ኣብ ምስባኽ’ ትሑዛት ብምዃን እውን ንየሱስ ንመስሎ ኢና። (ማቴዎስ 4:23፣ 1 ቈረንቶስ 15:58) በዚ ኸምዚ ኸኣ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ዝገደፈሎም ኣብነት ይስዕቡ እዮም። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብርዎ ኽትገልጽ እያ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሓደ ክርስትያን ትሑት ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ግቡእ ኣረኣእያ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ክርስትያናት ዜጋጥሞም ምጽራርን መስጐጕትን ኪዋጽኡሉ ኸለዉ ንየሱስ ብኸመይ ይመስልዎ፧

• ከመይ ገይርና ኢና ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ’ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ፍጹም መርኣዪ ትሕትና ገደፈ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኵሉ መዳይ ህይወት ክርስትያን: እንተላይ ስብከት: ትሕትና ይሓትት

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ግቡእ ንዘይኰነ መዘናግዒ ቕቡል ከም ዝዀነ ኼምስል ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ ኣሕዋት ንዜጋጥመና ምጽራር ንኽንዋጽኣሉ የበርትዓና