ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መኣዲ ምግቢ እንምገበሉ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን!

መኣዲ ምግቢ እንምገበሉ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን!

መኣዲ ምግቢ እንምገበሉ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን!

ጥዑም ምግቢ ምብላዕ ዘየሐጕሶ ሰብ የልቦን። ካብቲ ምግቢ ብተወሳኺ ኸኣ እቲ ምስ እተፍቅሮም ሰባት እትገብሮ ባህ ዜብል ዕላልን ምዉቕ ሕብረትን: ንእዋን መኣዲ ጥሜት ካብ ምዕንጋል ንላዕሊ ኣዝዩ ዜሐጕስ ግዜ ይገብሮ። ብዙሓት ስድራቤታት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ብሓባር ኣብ መኣዲ ይቐርቡ እዮም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እታ ሽዓ መዓልቲ ዝገበርዎ ወይ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝመደቡ ንኺመያየጡ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ደቆም ርእይቶኦም ኪገልጹ ኸለዉ ጽን ኢሎም ዚሰምዑ ወለዲ: ብዛዕባ ሓሳብን ስምዒትን ውሉዶም ኣፋፍኖት ይረኽቡ እዮም። ቀስ ብቐስ እዚ ኣብ ግዜ መኣዲ ዚግበር ባህ ዜብል ዕላል ነታ ስድራቤት ርግኣትን ምትእምማንን ፍቕርን ወሲኹ ዝያዳ የደልድላ።

ሎሚ መብዛሕትኦም ስድራቤታት ብስራሕ እተጸምዱን ትሑዛትን ብምዃኖም ብሓንሳእ ንኺምገቡ ግዜ ምርካብ የጸግሞም እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ዘሎ ባህሊ ኸኣ ኣባላት ስድራቤት ሓቢሮም ኪበልዑ ዀነ ኣብ መኣዲ ኼዕልሉ ኣይፈቅድን እዩ። ካልኦት ስድራቤታት ከኣ ኣብ መኣዲ ተቐሪቦም ተለቪዥን ምውላዖም ዚረብሕ ዕላል ከም ዘየዕልሉ ይገብሮም።

ክርስትያን ወለዲ ግን ቤቶም ንምህናጽ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ እዮም ዚጥቀሙ። (ምሳሌ 24:27) ነዊሕ ይገብር: ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንምምይያጥ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ‘ኣብ ቤቶም ኮፍ ምስ በሉ’ ምዃኑ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 6:7) ኣዘውቲሮም ኣብ መኣዲ ምስ ደቆም ምቕራብ ኣብ ኣልባብ ደቆም ንየሆዋን ንጽድቃዊ ስርዓታቱን ዓሚቝ ፍቕሪ ንኼሕድሩሎም እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ እዩ። እዋን መኣዲ ዜሐጕስን ፍዅስ ዝበለን ብምግባር: ንስድራቤትካ ባህ ዜብልን ሃናጽን ከም ዚኸውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብርግጽ እምበኣር መኣዲ ምግቢ እንምገበሉ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን።