ንስልጣን ኣኽብሮት ምሃብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንስልጣን ኣኽብሮት ምሃብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንስልጣን ኣኽብሮት ምሃብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ፖሊስ ነቶም ንብረትና ዝሰርቁ ወይ ንስድራ​ቤትና ዘፈራርሁ ዓመጽቲ ክኣስር ስልጣን ምርካቡ ዘየመስግን ሰብ መን ኢዩ፧ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ንማሕበረሰብ ምእንቲ ክከላኸል ንዓመጽቲ ክቐጽዕ ስልጣን ስለ ዘለዎ ኣይነማስወሉንዶ ኢና፧

ካልኦት ከም ናይ መገዲ ጽገና: ሓለዋ ጽሬት: ከምኡውን ትምህርቲ ዝኣመሰሉ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ብመንግስታዊ ስልጣን ዝስላዕ ግብሪ ዝምወል ጠቓሚ ህዝባዊ ኣገልግሎታት እውን ክንዝክር ንኽእል ኢና። ሓቀኛታት ክርስትያናት ብግቡእ ንእተመዘዘ ስልጣን ምኽባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ቀዳሞት ኢዮም። እዚ ኣኽብሮት እዚ ግን ክሳዕ ኣበይ ኢዩ ደረቱ፧ ንስልጣን ኣኽብሮት ምሃብ ዘድልየሉ ናይ ህይወት መዳይ ኣበየናይ ኢዩ፧

ስልጣን ኣብ ማሕበረሰብ

ኣመንቲ ኰኑ ዘይኣመንቲ: ኰታስ ኵሎም ሰባት ነቲ ንረብሓ ማሕበረሰብ ዝዓዪ መንግስታዊ ስልጣን ከኽብሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግሮም ኢዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ ብዛዕባ እዚ ጽሒፍሎም ኢዩ: ነቲ ኣብ ሮሜ 13:⁠1-7 ተመዝጊቡ ዘሎ ንሱ ዝገለጾ ሓሳባት ምምርማር ከኣ ጠቓሚ ኢዩ።

ጳውሎስ ሮማዊ ኢዩ ነይሩ: ሮሜ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓይሊ ዓለም ኢያ ነይራ። ጳውሎስ ኣብታ ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ዝጻሓፋ መልእኽቱ ንክርስትያናት ኣብነታውያን ዜጋታት ክዀኑ መዓዶም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።”

ጳውሎስ: ኣምላኽ እንተ ዘይፈቒድዎ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ስልጣን ክህሉ ከም ዘይክእል ኢዩ ዝገለጸ። በዚ ኣበሃህላ እዚ እቶም ላዕለዎት ስልጣናት ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ተዛማዲ ቦታ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ “ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ።”

ጽቡቕ ዝገብሩ ዜጋታት ካብቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ስልጣናት ናእዳ ይቕበሉ ይዀኑ ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን እዞም ስልጣናት እዚኣቶም ነቶም በደልቲ ክቐጽዑ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኢዩ። መንግስታት ከም ‘ኣገልገልቲ ኣምላኽ’ መጠን ንገበርቲ ክፉእ ስለ ዝቐጽዓ: እቶም ክፉእ ዝገብሩ ሰባት ነቲ ስልጣናት ከም “ፈዳይ ሕነ” ኰይኖም ክዓዩ ዘለዎም መሰል ንኽፈርሁ እኹል ምኽንያት ኣለዎም።

ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ንዘቕረቦ መረድኢ ደምደመ:- “ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር: ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን: ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ: በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም።”

ግብሪ ኣበይ ከም ዝውዕል ሓላፍነት ዘለዎም ላዕለዎት ስልጣናት ደኣ እምበር ከፋሊ ግብሪ ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ከም ቅኑዕ ዜጋ መጠን ሰናይ ሕልና ኢዩ ዝሕዝ። ኣብ ልዕሊኡ ንዘለዉ ስልጣናት ብምእዛዝን እተሰልዓሉ ግብሪ ብምኽፋልን: ነቲ ዝነብረሉ ማሕበረ​ሰብ ዝምርሓሉ ስርዓት ይድግፍ ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ካብኡ ዝድለ መለኮታዊ ብቕዓት ተሰማሚዑ ይነብር ምህላዉ ይፈልጥ ኢዩ።

ስድራ​ቤትን ስልጣንን

ብዛዕባ ኣብ ስድራ​ቤት ዘሎ ስልጣንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ሓደ ንእሽቶ ሕጻን መብዛሕትኡ ግዜ ብምብካይ ወይ እውን ብምውጫጭ ኣቓልቦ ክግበረሉ ይሓትት። እንተ​ዀነ ግን: ሓደ መስተውዓሊ ወላዲ ነቲ ሕጻን ብሓቂ ዘድልዮ ነገር ይፈልጥ ኢዩ: ብሕርቃን ድማ ስጕምቲ ኣይወስድን ኢዩ። ገለ ቈልዑ ምስ ጐበዙ ቀይዲ ኣይግበረሎምን ኢዩ: ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታት ከውጽኡ እውን ይፍቀደሎም ኢዩ። ተመክሮ ስለ ዘይብሎም ዓመጽ ወይ ካልእ በደል ይፍጽሙ እሞ ነታ ስድራ​ቤት ከምኡውን ብዓቢኡ ነቲ ማሕበረሰብ የሸግሩ: ነዚ እውን ናይቲ ከባቢ ስልጣናት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ኢዮም።

ናይታ ቺልድረን ዊ ዲዘርቭ ዘርእስታ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ደራሲት ዝዀነት ሮዝሊንድ ማይልስ “ወለዲ ንደቆም ብንኣሽትኦም ኣይግስጽዎምን ኢዮም” በለት። “እቲ ቘልዓ ውልድ ምስ በለ ኢዩ ተግሳጽ ክጅመር ዘለዎ።” ወለዲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ብሕያውነትን ስልጣን ከም ዘለዎም ብዘንጸባርቕን ድምጺ ዝዛረብዎም ከምኡውን ኣብ ኵሉ ተግባራቶም መትከሎም ዘይቀያይሩ እንተ ዀይኖም: ነዊሕ ከይጸንሑ ደቆም ንስልጣን ምኽባርን ነቲ ካብኡ ዝምንጭ ፍቕራዊ ተግሳጽ ምቕባልን ይማሃሩ ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ስድራ​ቤት ዘሎ ስልጣን ዝገልጽ ብዙሕ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ እቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ነቲ ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ዘርእይዎም ሓድነት ከምዚ ብምባል ኣተኲርሉ ኣሎ:- “ወደየ: . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።” (ምሳሌ 1:⁠8) ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዝዓይነቱ ምኽንያታዊ ሓድነት ዘለዎ ኣቕዋም ዘርእይዎም እንተ​ድኣ ዀይኖም: እቶም ቈልዑ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። ብመገዶም ምእንቲ ክመላለሱ ነቲ ሓደ ወላዲ ኣንጻር እቲ ኻልእ ከም ዝኸይድ ክገብሩ ይፍትኑ ይዀኑ: እንተ​ዀነ ግን ሕብረት ዘለዎ ናይ ወለዲ ስልጣን ንቘልዑ ዕቝባ ኢዩ ዝዀኖም።

ሰብኣይ ብቐዳምነት ብመንፈሳዊ ድሕንነት ደቁ ጥራይ ዘይኰነስ ብናይ ሰበይቱ እውን ሓላፍነት ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። እዚ ድማ ርእስነት ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሉ። ርእስነት ብኸመይ ኢዩ ክዝውተር ዘለዎ፧ ጳውሎስ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ ሰብኣይ እውን ርእሲ ሰበይቲ ምዃኑ ይገልጽ። ጳውሎስ ቀጺሉ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ [ነታ መንፈሳዊት መርዓቱ] ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:⁠25) ሰብኣይ ኣብነት ናይ የሱስ ምስ ዝስዕብን ንርእስነቱ ብፍቕራዊ መገዲ ምስ ዝጥቀመሉን: ካብ ሰበይቱ “ዓሚቝ ኣኽብሮት” ይረክብ። (ኤፌሶን 5:⁠33 NW ) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራ​ቤት ዝዓብዩ ቈልዑ እውን ንረብሓ ናይቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ይርድእዎ: ንኽቕበልዎ ኸኣ ይተባብዑ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠1-3

ነቶም ናይ መርዓ ብጻዮም ዝሞቶም ሓዊስካ ንጽል ወለዲ ምስዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ተሰማሚዖም ክነብሩ ይኽእሉ፧ ኣቦ ይኹን ኣደ ኣብ ናይ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ስልጣን ብቐጥታ ትውክልቲ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ ኵሉ ሳዕ ብስልጣን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ: እቲ ስልጣን ድማ ናይ ኣቦኡን ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠1-10፣ 7:⁠29፣ ዮሃንስ 5:⁠19, 30፣ 8:⁠28

መጽሓፍ ቅዱስ ንቘልዑ ዘጋጥሞም ጸገማት ብዝምልከት ኣኺሉ ዝተርፍ ጠቓሚ ስርዓታት ይህብ ኢዩ። ሓደ ወላዲ ነዚ ስርዓታት እዚ ብምምርማርን ብምስዓብን ንደቁ ፍቕራውን ጠቓምን ምኽሪ ክህቦም ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠22፣ ምሳሌ 13:⁠20፣ ማቴዎስ 6:⁠33፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ ፊልጲ 4:⁠8, 9) ብተወሳኺውን: ወለዲ ነቲ ብፍላይ ንስልጣን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምኽባር ዝርከብ ረብሓታት ቈልዑ ከም ዝግንዘብዎ ገይርካ ንምስልጣኖም ዝሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ክውከሱ ይኽእሉ ኢዮም። a

ክርስትያናዊት ጉባኤን ስልጣንን

“ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ።” (ማቴዎስ 17:⁠5) እዘን የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ዘውስአን ቃላት: የሱስ ብመለኮታዊ ስልጣን ንኽዛረብ ስምረት ከም ዝረኸበ ዝገልጻ ኢየን። እቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ተጻሒፉልና ስለ ዘሎ ብቐሊሉ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

የሱስ ቀቅድሚ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ብምባል ኣፍለጦም። (ማቴዎስ 28:⁠18) የሱስ ከም ርእሲ ናይ ጉባኤኡ መጠን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሰሩ ዝስዕቡ ቅቡኣት ብጥንቃቐ ምዕዛብ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝፈሰሰሉ ግዜ ኣትሒዙ ከም መትረብ ሓቂ ማለት ከም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ እውን ይጥቀመሎም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-36) ኵሉ እቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽትድልድል ዝሕግዝ ነገራት ንምድላው እንታይ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ፧ “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: . . . ንሰብውን ውህበት [“ውህበት ሰብኡት:” NW  ] ሀበ።” (ኤፌሶን 4:⁠8) እዞም “ውህበት ሰብኡት” እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተሾሙን ንመንፈሳዊ ድሌት ናይ ኣመንቲ ብጾቶም ክሓልዩ ስልጣን እተዋህቦምን ክርስትያን ሽማግለታት ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28

በዚ ምኽንያት እዚ ጳውሎስ ከምዚ ዝብል ምኽሪ ይህብ:- “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ።” እዞም እሙናት ሰብኡት ኣስኣሰር የሱስ ስለ ዝስዕቡ: ንእምነቶም ምቕዳሕ ጥበባዊ መገዲ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ድሕርዚ ጳውሎስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን [“ብቐጻሊ ኣብ ልዕሌኹም ንዘለዎም ስልጣን ኣፍልጦ ብምሃብ:” ዘ ኣምፕሊፋይድ ባይብል (እንግሊዝኛ)] ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።”​—⁠እብራውያን 13:⁠7, 17

ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ እንተ ተነጺጉ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧ ገለ ኣባላት እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነዚ መምርሒታት ነጸጉ እሞ ከሓድቲ እምነት ኰኑ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ንእምነት ገሊኣቶም ከም ዝገላበጡ: እቲ ፍረ ዘይብሉ ዘረባኦም ከኣ ‘ዘርክስ’ ምንባሩ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ኣፎም መሊኦም ዝዛረብሉ ዝነበሩ ነገር ብመንፈሳዊ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ ትንሳኤ ኣቐዲሙ ስለ ዝዀነ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተወሳኺ ትንሳኤ ኣይክህሉን ኢዩ ዝብል ነበረ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠16-18

ነዚ ግድል እዚ እቲ ዝምልከቶ ስልጣን ፈትሖ። ክርስትያን ሽማግለታት እዚ መጎተ እዚ ጌጋ ምንባሩ ኣረጋጊጾም ኢዮም: ከመይሲ ወከልቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ከም ምዃኖም መጠን ንስልጣን ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሞምሉ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ሎሚ እውን ኣብዛ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ተባሂላ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመሳሳሊ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) ናይ ሓሶት ትምህርትታት ነቲ ከም ጽቡቕ ሕድሪ ኣብ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡልና ዘሎ ‘ምሳሌ ናይቲ ጥዑይ ቃል’ ከበላሹ ፈጺሙ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13, 14

ኣብ ዓለም ንስልጣን ዝወሃብ ኣኽብሮት ብቕልጡፍ እናጠፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ንሕና ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ማሕበረሰብ: ስድራ​ቤት: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዘለዉ ብግቡእ እተሰርዑ ስልጣናት ንጥቕምና ከም ዝቘሙ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። ንስልጣን ኣኽብሮት ምሃብ ንኣካላዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ ጥዕናና ኣድላዪ ኢዩ። ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ኣምላኽ ዝሾሞም ስልጣናት ብምቕባልን ብምኽባርን: ኣብ ትሕቲ እቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንዘለኣለም ዝጠቕመና ዕቝባ ክንረክብ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 119:​165፣ እብራውያን 12:9

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን (እንግሊዝኛ) ከምኡውን መፍትሕ ሓጐስ ስድራ​ቤት ዝበሃላ መጻሕፍቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo by Josh Mathes, Collection of the Supreme Court of the United States

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ስድራ​ቤት ዘሎ ስልጣን ዝገልጽ ብዙሕ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንጽል ወለዲ ኣብ ናይ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ስልጣን ብቐጥታ ትውክልቲ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ስድራ​ቤት: ክርስትያናዊት ጉባኤ: ከምኡውን ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዉ ብግቡእ እተሰርዑ ስልጣናት ንኽጠቕምዎም ከም ዝቘሙ ኣፍልጦ ይህቡሉ ኢዮም