ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስልጣን ዝወሃብ ኣኽብሮት ዝጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንስልጣን ዝወሃብ ኣኽብሮት ዝጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንስልጣን ዝወሃብ ኣኽብሮት ዝጠፍእ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

“ንሃይማኖታዊ ኰነ ዓለማዊ: ማሕበራዊ ኰነ ፖለቲካዊ ስልጣን ምቅዋም ሓደ መዓልቲ ናይዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ፍሉይ ፍጻመ ተባሂሉ ከም ዓለምለኻዊ ተርእዮ ይቝጸር ይኸውን ኢዩ።”

 ጸሓፊት ታሪኽን ፈላስፋን ሃና አረንት እዚ ኣብ ላዕሊ ተዛሪባትሉ ዘላ ዓሰርተ ዓመት ማለት ዓመታት 1960ታት ካብ ዝሓልፍ እንሆ ብዙሕ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ንስልጣን ኣኽብሮት ናይ ዘይምሃብ ማዕበል ካብ ቀደም ብዝያዳ ሕጂ ሓይሉ ኢዩ ዘሎ።

ንኣብነት: ኣብታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ገለ ወለዲ: መምህር ኣብ ደቆም ስልጣን ከም ዘለዎ ምቕባል ይኣብዩ: ደቆም ንኽቕጽዑ ፈተነ ክግበር ከሎ ኸኣ የማርሩ።” ወለዲ: ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተ ተቐጺዖም ነቶም መምህራን ንኸፈራርህዎም ጥራይ ዘይኰነስ ጕድኣት ንኸውርዱ እውን ኢዮም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ።

ኣፈኛ ናይ ሃገራዊ ማሕበር ርእሰ⁠-​መምህራን ብሪጣንያ “ህዝቢ ኣብ ክንዲ ‘ሓላፍነት ኣሎኒ’ ዝብል ‘መሰል ኣሎኒ’ ኢዩ ዝብል ዘሎ” ኢሉ ከም እተዛረበ ተጠቒሱ ኣሎ። ገለ ወለዲ ንደቆም ግቡእ ኣኽብሮት ናይ ስልጣን ኣየስርጹሎምን ጥራይ ዘይኰነስ ኣይእርምዎምን እውን ኢዮም: ካልኦት ክእርምዎም ድማ ኣይፈቕዱን ኢዮም። እቶም “መሰል” ዝጠልቡ ቈልዑ ንስልጣን ናይ ወለድን መምህራንን ከስተናዕቕዎ ተፈቒድሎም ኣሎ: ውጽኢት ናይዚ ድማ ብቐሊሉ ዝግመት ኢዩ። ከምቲ ኣዳላዊት ዓምዲ ዝዀነት ማርጋሬት ድሪስኮል ዝጸሓፈቶ “ንስልጣን ኣኽብሮት ዘይብሉ: ቅኑዕን ጌጋን ከኣ ዘይፈላሊ ሓድሽ ወለዶ” ኢዩ ፈርዩ።

መጽሔት ታይም (እንግሊዝኛ) ኣብታ “ተስፋ ዘይብሉ ወለዶ” እትብል ዓንቀጻ ሓደ ናይ ራፕ ሙዚቀኛ “ኣብዛ ዋላ ሓደ ንነዊሕ እዋን ዘይነብረላን ኣድልዎ ዝመልኣን ዓለም እተወልደ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ሕብረተሰብ እምነት ክህልዎ ዝኽእል፧” ከም ዝበለ ብምጥቃስ ናይ ብዙሓት ሩስያውያን መንእሰያት ተስፋ ምቝራጽ ሓቢራ ኣላ። ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዕ ክኢላ ሚካኤል ቶፓሎቭ ነዚ ርእይቶ እዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ተሰማሚዕሉ ኣሎ:- “እዞም መንእሰያት ዓያሱ ኣይኰኑን። ወለዶም ብመንግስቲ ክታለሉ ከለዉ: ዘዋህለልዎ ገንዘብ ዋጋ ዘይብሉ ክዀኖም ከሎ: ከምኡውን ስራሕ ክስእኑ ከለዉ ርእዮም ኢዮም። እዚኣቶም ንስልጣን ኣኽብሮት ክህቡ ክንጽበዮም ንኽእልዶ፧”

ስልጣን ኣብ ዘለዎ ኣካል እምንቶ ዘይምግባር ኣብ መንእሰይ ወለዶ ጥራይ ዝርአ ባህሪ ገይርካ ምድምዳም ግን ጌጋ ኢዩ። ሎሚ: ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ንዝዀነ ይኹን ስልጣን ዘለዎ ኣካል እምንቶ የብሎምን: አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ብንዕቀት ኢዮም ዝርእይዎ። እዚ ማለት ግን ዝዀነ ይኹን ስልጣን ክእመን ኣይክእልን ኢዩ ማለት ድዩ፧ “ካልኦት ዝፍጽምዎ ተግባራት ናይ ምቍጽጻር: ምፍራድ: ወይ ናይ ምኽልካል መዚ ወይ መሰል” ዝብል ትርጕም ተዋሂብዎ ዘሎ ስልጣን ብግቡእ እንተ​ድኣ ተዘውቲሩ ንጽቡቕ ዘገልግል ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንውልቀ⁠-​ሰባት ኰነ ንማሕበረሰብ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ክትምርምር ኢያ።