ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መውስቦ

መውስቦ

መውስቦ ማሕበራዊ ርክብ ጥራይ ድዩ፧

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብዓይኒ ኣምላኽ ኪርአ ኸሎ፡ መውስቦ ኻብ ማሕበራዊ ስርዓት ንላዕሊ እዩ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚምስረት ቅዱስ ርክብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፡ [ኣምላኽ] ‘ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ፣’ . . . እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ይብል። aማርቆስ 10:6-9፣ ዘፍጥረት 2:24

እተን “ኣምላኽ ዝጸመዶ” ዚብላ ቓላት፡ ኵሉ መውስቦ ኣብ ሰማይ ከም ዚምስረት ዚሕብራ ኣይኰናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መስራቲ ስርዓት መርዓ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምጥቃሱ፡ ንኽብደት እቲ ርክብ እዩ ዜጕልሕ። ንመውስቦኦም በዚ መገዲ እዚ ዚርእይዎ መጻምድቲ፡ ከም ቅዱስን ነባርን ማእሰር ገይሮም ስለ ዚምልከትዎ፡ ሓዳሮም ከም ዚሰምር ንምግባር ንዘለዎም ቈራጽነት የደልድለሎም እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኸም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ዘለዎም ግደ ኺፍጽሙ ኸለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦም መምርሒ ምስ ዚስዕቡ፡ ሓዳሮም ንኺሰምር ዘለዎ ኣጋጣሚ ብዝያዳ ይሰፍሕ እዩ።

ግደ ሰብኣይ እንታይ እዩ፧

““ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።”—ኤፌሶን 5:23

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ስድራ ቤት ብጽቡቕ ንኽትጐዓዝ፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዚገብር ሰብ ኪህሉ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንሰብኣይ እዩ ሂብዎ። እዚ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ውልቀ መላኺ ኪኸውን ስልጣን ኣይህቦን እዩ። ከምኡውን፡ ሓላፍነቱ ዕሽሽ ብምባል፡ ሰበይቱ ንዕኡ ዘለዋ ኣኽብሮት ከም ዚንኪ ንኺገብርን ዘየድሊ ጾር ንኼሰክማን ኣይፈቕደሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺሓልየላ ኺጽዕርን ከም ናይ ቀረባን እምንትን ብጸይቱ ገይሩ ኬኽብራን ይጽበዮ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8፣ 1 ጴጥሮስ 3:7) ኤፌሶን 5:28፡ “ሰብኡት . . . ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” ትብል።

ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ፡ ንኽእለታን ተውህቦኣን ኣኽቢሩ ይርእዮ፡ ብፍላይ ነታ ስድራ ቤት ኣብ ዚትንክፍ ጕዳያት ንእትህቦ ርእይቶ እውን ብኣኽብሮት ይምልከቶ እዩ። ርእሲ ስድራ ቤት ስለ ዝዀነ ጥራይ፡ ርእይቶኡ ኺሰዓብ ጸቕጢ ኺገብር የብሉን። እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣብርሃም ነቲ ሰበይቱ ብዛዕባ ጕዳይ ስድራ ቤት ዝሃበቶ ጥዑይ ምኽሪ ዕሽሽ ምስ በሎ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ቃላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 21:9-12) ኣብርሃም ነዚ ብትሕትና ስለ እተቐበሎ፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ሰላምን ሓድነትን ሰፈነ፡ በረኸት ኣምላኽ ከኣ ዓሰለ።

ግደ ሰበይቲ እንታይ እዩ፧

“ኣትን ኣንስቲ፡ . . . ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።”1 ጴጥሮስ 3:1

 

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ እትኸውን ሰበይቲ ቐቅድሚ ምፍጣሩ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።” (ዘፍጥረት 2:18) ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ እታ “ደጋፊት” እትብል ቃል፡ ምሉእ ወይ ፍጹም ከም ዚኸውን ንዚገብር ነገር እያ እተመልክት። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንሰበይቲ፡ ምስ ሰብኣይ ሓደ ዓይነት ከም እትኸውን ወይ ከም እትወዳደሮ ገይሩ ዘይኰነስ፡ ደጋፊት ከም እትኸውን ገይሩ እዩ ፈጢርዋ። ክልቲኦም ብሓባር፡ ነቲ ኣምላኽ፡ ቈልዑ ንኺወልዱን ብዘርኦም ንምድሪ ኺመልእዋን ዝሃቦም ትእዛዝ ኪፍጽሙ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘፍጥረት 1:28

ሰበይቲ ግደኣ ምእንቲ ኽትፍጽም፡ ኣምላኽ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ባህርያት ሂብዋ እዩ። ነዚ ብጥበብን ብፍቕርን ምስ እትጥቀመሉ ድማ፡ ሓዳራ ንኺሰምር ዓብዪ ኣበርክቶ ትገብር፡ ንሰብኣያ ኸኣ ዕግበትን ቅሳነትን ከም ዚስምዖ ትገብር። ከምዚኣ ዝበለት ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትንኣድ ይግብኣ። bምሳሌ 31:28, 31

a ምስ ጾታዊ ጕዳይ እተተሓሓዘ ጥልመት እንተ ደኣ ተራእዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፍትሕ ይፈቅድ እዩ።—ማቴዎስ 19:9

b መጻምድቲ ብዛዕባ ሓዳርን ናብራ ስድራ ቤትን ካብቲ ኣብ ንቕሑ! ዚወጽእ “ንስድራ ቤት” ዚብል ዓምዲ፡ ብዙሕ ሓጋዚ ርእይቶታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።