ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ” ኣሎካዶ፧

“ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ” ኣሎካዶ፧

“ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።”—ምሳሌ 15:15

እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ ንኣእምሮኣውን ንስምዒታውን ኵነታት ሰብ እየን ዜመልክታ። “እቲ ሕዙን” ኣብ ኣሉታዊ ነገራት እዩ ዜተኵር። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ንዕለታቱ፡ ክፉኣት ወይ ዜጕህያ ይገብረን። “ሕጉስ ልቢ ዘለዎ” ሰብ ግና ኣብ ኣወንታዊ ነገራት እዩ ዜተኵር፡ እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ሰላም ስለ ዜምጽኣሉ፡ “ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ” ይረክብ።

ኵላትና፡ ሓጐስና ኺሰርቕ ዚኽእል ጸገማት የጓንፈና እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ሓጐስና ኺዕቅብ ዚኽእል ነገራት ክንገብር ንኽእል ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

  • ብዛዕባ ጽባሕ ዜተሓሳስበካ ነገራት፡ ሎሚ ኺደቝስካ ኣይትፍቀደሉ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” በለ።—ማቴዎስ 6:34

  • ኣብቲ ዘጋጠመካ ሰናይ ነገራት ከተተኵር ፈትን። ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ ነቲ ሰናይ ነገራት እቲ፡ ብዝርዝር ብምጽሓፍ፡ ከተስተንትነሉ ዘይትጽዕር፧ ብዘይካዚ፡ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትካ ወይ ኣብ ሕማቕ ተግባራትካ ኣይተተኵር። ካብ ጌጋታትካ ተማሂርካ ንቕድሚት ሰጕም። ከምቲ ሓደ መራሕ ማኪና ነቲ ኣብ ድሕሪት ንዘሎ ነገራት ዜርኢ መስትያት ቊሊሕ እናበለ ጥራይ ዚጥምቶ እምበር፡ ኣዒንቱ ተኺሉ ዘየተኵረሉ፡ ንጌጋታትካ ኸምኡ ጌርካ ተመልከቶ። ነቲ “ይቕሬታ ምሳኻ [ምስ ኣምላኽ] አሎ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ወትሩ ዘክሮ።—መዝሙር 130:4

  • ጭንቀት ኪደቝሰካ ኸሎ፡ ንሓደ ኼጸናንዓካ ዚኽእል ሰብ ምስጢርካ ኣካፍሎ። ምሳሌ 12:25፡ “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ትብል። እቲ “ሰናይ ቃል” እቲ፡ ካብ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ከኣ ካብ ሓደ እሙን ፈታው ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ “ንዅሉ ጊዜ የፍቅር” ደኣ እምበር፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ የብሉን።—ምሳሌ 17:17

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ንብዙሓት ሰባት ዝያዳ ሓጐስ ንኺረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ኽቡር ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዓኻውን ይሓግዝካ።