ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ጸገማት ምጻሩ

ነቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ጸገማት ምጻሩ

በዚ መጸ ዘይብሃል ሃንደበታዊ ጓሂ ዓብለለኒ። እዚ ኸኣ ኣብክዩንን ተጸሊለ ኸይከውን ክሳዕ ዝጠራጠር ገይሩንን እዩ።”—ሮንድሮ፡ a ጓል 50 ዓመት።

“ንግሆ ኻብ ድቃስ ምስ ተንሳእካ፡ ገዛኻ ጋዕዝዩ ይጸንሓካ። ነቲ እትደልዮ ነገራት ከኣ ትስእኖ። ንነዊሕ ዓመታት ብቐሊሉ እትሰርሖ ዝነበርካ ነገራት፡ ዓቐብ ይዀነካ፣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዘጋጠመካ ድማ ኣይትፈልጥን ኢኻ።”—ሃንታ፡ ጓል 55 ዓመት።

እዘን ኣንስቲ እዚአን ኣይሓመማን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ናብ ንጽፈ ጽግያት ዚመርሕ መሰጋገሪ እየን ዚርከባ፣ እዚ ኸኣ እቲ ምውላድ ዜቋርጸሉ ንጽፈ ጽግያት ዚብሃል ለውጢ እዩ። ሰበይቲ እንተ ዄንኪ፡ ናብቲ ንጽፈ ጽግያት ዜጋጥመሉ እዋን ብዝያዳ ዲኺ እትቐርቢ ዘለኺ፧ ወይስ ድሮ ጀሚሩኪ እዩ፧ ዘለኽሉ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ንስኽን እቶም እተፍቅርዮም ሰባትን ብዛዕባ ንጽፈ ጽግያት ብዝያዳ ብዝፈለጥኩም መጠን፡ ነቲ ምስኡ ዚመጽእ ጸገማት ብዝሓሸ መገዲ ኽትጾርዎ ኢኹም።

ናብ ንጽፈ ጽግያት ዚመርሕ መሰጋገሪ

እዚ ፐሪመኖፖዝ (ከባቢ ንጽፈ ጽግያት) ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ናብ ንጽፈ ጽግያት ዚመርሕ መሰጋገሪ፡ ንቕድመ ንጽፈ ጽግያትን ንንጽፈ ጽግያትን ዜጠቓልል እዩ። b ብልምዲ ግና፡ “ንጽፈ ጽግያት” ኪብሃል ከሎ፡ ንብምሉኡ እቲ መሰጋገሪ እዩ ዜመልክት።

መብዛሕትአን ኣንስቲ ንጽፈ ጽግያት ዚጅምረን፡ ኣብ ከባቢ 40ታት ዕድሚአን እዩ፣ ገሊኣተን ግና ክሳዕ 60ታት ዕድሚአን ኪጸንሓ ይኽእላ እየን። ኣብ መብዛሕትኡ ዅነታት፡ ጻግነአን ቀስ ብቐስ እዩ ዜቋርጽ። ብምኽንያት እቲ ዘይስሩዕ ምድላው ሆርሞናት ድማ፡ ጻግነ ሓንቲ ሰበይቲ ኺዘልል፡ ኣብ ዘይተጸበየቶ እዋናት ደም ኪፈስሳ፡ ወይ ከኣ ጻግነኣ ኣዝዩ ሓያል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ጻግነ ብሃንደበት ኬቋርጽ ይኽእል እዩ፣ ቍጽሪ እተን ከምኡ ዜጋጥመን ኣንስቲ ግና ሒደት እዩ።

መኖፖዝ ጋይድቡክ (መምርሒ መጽሓፍ ንጽፈ ጽግያት) እትብሃል መጽሓፍ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ዜጋጥማ ንጽፈ ጽግያት፡ እተፈላለየ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “እቲ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ጸገም፡ ሓያል ሙቐት ሰብነት እዩ” በለት፣ ነዚ ሙቐት እዚ ስዒቡ ኸኣ፡ ዛሕሊ ኺስምዓ ይኽእል እዩ። እዚ ምልክታት እዚ፡ ድቃስ ዚኸልእን ጕልበት ዚጽንቅቕን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ እዩ ዚጸንሕ፧ ዘ መኖፖዝ ቡክ (መጽሓፍ ንጽፈ ጽግያት) ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ገሊአን ኣንስቲ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ናብ ንጽፈ ጽግያት ዚመርሕ መሰጋገሪ እዋን፡ ንዓመት ወይ ንኽልተ ዓመት ሓሓሊፉ ሓያል ሙቐት ሰብነት የጋጥመን እዩ። ገሊኣተን ከኣ ንነዊሕ ዓመታት እዩ ኸምኡ ዜጋጥመን፣ ሒደት ሚእታዊት ዚዀና ኣንስቲ፡ ካብቲ ንጽፈ ጽግያት ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሓሓሊፉ ሓያል ሙቐት ሰብነት ከም ዜጋጥመን ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ኣሎ።” c

ሓንቲ ሰበይቲ ብምኽንያት እቲ ዓሰርተ ሳዕ ዚቀያየር ሆርሞናት፡ ጭንቀት ኬጋጥማን ጠባያ ኺረቅቕን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ኸም እትበኪ ኺገብራ ኸምኡውን ንኣትኵሮኣን ንተዘክሮኣን ኪንክዮ ይኽእል እዩ። እታ ዘ መኖፖዝ ቡክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምልክታት ብምሉኡ ንዅለን ኣንስቲ የጋጥመን ማለት ኣይኰነን” በለት። እወ፡ ገሊአን ኣንስቲ፡ ካብቲ እተጠቕሰ ምልክታት፡ ሒደት ጥራይ ኬጋጥመን፡ ፈጺሙ እውን ከየጋጥመን ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ከም እትዋጽእሉ

ኣብ ህይወትኪ ቝሩብ ለውጥታት ብምግባር፡ ንገሊኡ ጸገማት ከተወግድዮ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት፡ ሽጋራ ዜትክኻ ኣንስቲ፡ ነዚ ልምደን እንተ ኣቋሪጸናኦ፡ ነቲ ሓያል ሙቐት ሰብነት ዜጋጥመሉ እዋናት ኪንክያኦ ይኽእላ እየን። ብዙሓት ኣንስቲ ድማ፡ ኣመጋግባአን ብምቕያረን፡ ማለት ሓያል ሙቐት ሰብነት ኬስዕብ ዚኽእል ኣልኮላዊ መስተ፡ ካፈይን፡ ወይ ከኣ ቅመምን ሽኮርን ዝበዝሖ ምግቢ ብዘይምብዛሕ ወይ ብምቍራጽ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺበን እየን። ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ ጌርካ ምብላዕ፡ ማለት እተመጣጠነን እተፈላለየን ዓይነት ምግቢ ምምጋብ ኣገዳሲ እዩ።

ኣካላዊ ምውስዋስ እውን፡ ነቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ምልክታት ኣብ ምንካይ ኪሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኼጋጥመኪ ዚኽእል ምስኣን ድቃስ ኪንክዮን ጽቡቕ ከም ዚስምዓኪ ኺገብርን ይኽእል እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ኣዕጽምትኺ ኸም ዚድልድልን ሓፈሻዊ ጥዕናኺ ኸም ዚመሓየሽን ኪገብር ይኽእል እዩ። d

ብግህዶ ተዘራረቢ

እታ ኣቐድም ኣቢላ እተጠቕሰት ሮንድሮ፡ ከምዚ በለት፦ “ብጽምዋ እትወሓጥሉ ምኽንያት የብልካን። ምስቶም እተፍቅሮም ሰባት ናይ ልብኻ ኣውጺእካ ትዘራረብ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ነገራት ምስ ፈለጡ፡ ኣመና ኣይኪጭነቑን እዮም።” አረ ዓቃላትን ዚርድኡን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:4፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ትብል።

ጸሎት ንብዙሓት ኣንስቲ፡ እንተላይ ነተን ኪወልዳ ብዘይምኽኣለን ዚጕህያ ኣንስቲ ጠቒምወን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 1:4) እቲ ናብ ንጽፈ ጽግያት ዚመርሕ መሰጋገሪ ግዜያዊ ምዃኑ ምፍላጥ እውን የጸናንዕ እዩ። ከመይሲ፡ ጥዕናአን ዚከናኸና ኣንስቲ፡ ሓይለን ኪሕደስን ባህ ዜብል ህይወት ኪመርሓን ይኽእላ እየን።

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ሓካይም፡ ሓንቲ ሰበይቲ ን12 ወርሒ ጻግነ ኸይተራእያ ድሕሪ ምሕላፉ ንዘሎ እዋን እዮም “ንጽፈ ጽግያት” ዚብልዎ።

c ምስ ሕማም ታይሮይድን ረኽስን ዚተሓሓዝ ሕማማት ንምፍዋስን ንገሊኡ ዓይነት ሕክምና ተባሂሉ ዚውሰድ መድሃኒትን እውን፡ ሓያል ሙቐት ሰብነት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ነዚ ተርእዮ እዚ ምስ ንጽፈ ጽግያት ከም ዚተሓሓዝ ጌርካ ቕድሚ ምርኣይካ፡ ጠንቂ እቲ ሙቐት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

d ሓካይም ነተን ናብ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ዚመርሕ መሰጋገሪ ዚርከባ ኣንስቲ ንኺሕግዘወን ኢሎም፡ ከም ሆርሞናትን ከም መመላእታ ምግቢ ዀይኑ ዜገልግል ኣፋውስን ከም ፈውሲ ጭንቀት ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት መድሃኒትን ይእዝዙ ይዀኑ። መጽሔት ንቕሑ! ንሓደ ዓይነት መድሃኒት ወይ ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ።