ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ፈጣሪኹም ክትሕጐሱ ይደሊ እዩ

ኣቱም መንእሰያት፡ ፈጣሪኹም ክትሕጐሱ ይደሊ እዩ

“ምሉእ ህይወትኪ ብጽቡቕ የጽግበኪ።”—መዝ. 103:5

መዝሙር፦ 135, 39

1, 2. ኣብ ህይወትና እንታይ ሸቶ ኸም እንስዕብ ክንውስን ከለና፡ ንፈጣሪና እንተ ሰማዕናዮ ጥበብ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ብዛዕባ መጻኢኻ ብዙሕ ምኽሪ ይውሃበካ ይኸውን። መምህራንካ፡ ኣማኸርቲ ተምሃሮ፡ ወይ ካልኦት ሰባት ዝለዓለ ትምህርቲ ኽትምሃር ወይ ብዙሕ ደሞዝ ዚርከቦ ሞያ ኸተጥሪ የተባብዑኻ ይዀኑ። የሆዋ ግና እተፈልየ መገዲ ኽትስዕብ እዩ ዚደልየካ። ርግጽ እዩ፡ ምስ ተመረቕካ ንመነባብሮኻ ዜድልየካ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣብ ትምህርትኻ ትጉህ ክትከውን ይደልየካ እዩ። (ቈሎ. 3:23) ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብዛዕባ እትህቦ ነገራት ክትውስን ከለኻ ግና፡ ንዕላማኡን ነቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኽንገብሮ ዚደልየና ነገራትን ኣብ ግምት ብዜእቱ ስርዓታት ክትምራሕ እዩ ዜተባብዓካ።—ማቴ. 24:14

2 የሆዋ ንዅሉ ኸም ዚፈልጦ እውን ኣይትረስዕ። ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውንን መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእን ይፈልጥ እዩ። (ኢሳ. 46:10፣ ማቴ. 24:3, 36) ንዓና እውን ይፈልጠና እዩ። ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ዜምጽኣልና እንታይ ምዃኑ፡ ናብ ጓህን ሓዘንን ዚመርሓና ድማ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ሰብኣዊ ምኽሪ ሽሕ ሳዕ እኳ ሚዛናዊ እንተ መሰለ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግምት ዘየእቱ እንተ ዀይኑ፡ ጥበብ ኣይኰነን።—ምሳ. 19:21

“ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ . . . የልቦን”

3, 4. ሕማቕ ምኽሪ ምስዓብ ዘለዎ ሳዕቤን ንኣዳምን ንሄዋንን ንዘርኦምን ብኸመይ ጐዲእዎም፧

3 ሕማቕ ምኽሪ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ካብቲ ሰይጣን ንሰባት ዝመኸረሉ እዋን ኣትሒዙ እዩ ሱር ሰዲዱ። እቲ ንርእሱ ዝሸማ ምኩሕ ኣማኻሪ ንሄዋን፡ ንሳን ሰብኣያን ባዕሎም መገዲ ህይወቶም እንተ መሪጾም ዝያዳ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ነገራ። (ዘፍ. 3:1-6) ከም ሓቂ ግና፡ ንጥቕሚ ርእሱ ኢሉ እዩ ኸምኡ ኢልዋ። ኣዳምን ሄዋንን፡ ድሕሪኦም ከኣ ዘርኦም፡ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ዜምልኹ፡ ንዕኡ ኺግዝእዎን ኬምልኽዎን እዩ ደልዩ። ንሱ ግና ንዓታቶም እንታይዶ ገይሩሎም ነይሩ እዩ፧ ኵሉ እቲ በረኸቶም ካብ የሆዋ እዮም ረኺቦምዎ። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዝምድናን እታ ጽብቕቲ መንበሪቶምን ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእል ፍጹም ሰብነቶምን ካብኡ እዮም ረኺቦምዎ።

4 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ተበትከ። እዚ ድማ ከም እትፈልጦ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዓበ። ከም እተቐንጠሳ ዕምባባታት፡ በብቝሩብ ጸምልዮም ሞቱ። ዘርኦም እውን፡ ሓጢኣት ብዜምጽኦ ሳዕቤን ተሳቐዩ። (ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ ኪግዝኡ ኣይደልዩን እዮም። ቃሕ ዝበሎም ዓይነት ህይወት ኪህልዎም እዮም ዚደልዩ። (ኤፌ. 2:1-3) እዚ ዘስዓቦ ሳዕቤናት ከኣ፡ ንሓቅነት እቲ፡ “ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ . . . የልቦን” ዚብል ቃላት ዚምስክር እዩ።—ምሳ. 21:30

5. የሆዋ፡ ሰብኣውያን ፍጡራቱ እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ እምነት ኣሕዲሩ፧ እዚኸ ልክዕ ድዩ ነይሩ፧

5 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዕኡ ዚደልይዎን ዜገልግልዎን ሰባት ከም ዚህልዉ፡ ካባታቶም እውን ብዙሓት ንፉዓት መንእሰያት ከም ዚህልዉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 103:17, 18፣ 110:3) ንዓታቶም ከኣ ብዙሕ ይፈትዎም እዩ! ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ንሓጐስካ ብዓብዪኡ ኣበርክቶ ዚገብር ብዙሕ “ጽቡቕ” ይህበካ ኸም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። (መዝሙር 103:5 ኣንብብ፣ ምሳ. 10:22) ቀጺልና ኣርባዕተ ኻብዚ “ጽቡቕ” እዚ ኽንርኢ ኢና። እዚ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ብሉጻት ኣዕሩኽን ጽቡቕ ሸቶታትን ናይ ሓቂ ናጽነትን እዩ።

የሆዋ ንመንፈሳዊ ህርፋንካ የርውዮ

6. ንመንፈሳዊ ህርፋንና ኸነርውዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና እንታይ ኣዳልዩ ኣሎ፧

6 ሰባት ከም እንስሳታት ስለ ዘይኰንና፡ ፈጣሪና ጥራይ ኬርውየልና ዚኽእል መንፈሳዊ ህርፋን ኣሎና። (ማቴ. 4:4) ንዕኡ ኻብ ልብና ምስ እንሰምዖ ኸኣ ልቦናን ጥበብን ሓጐስን ንረክብ ኢና። የሱስ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:3) ኣምላኽ ብቓሉን በቲ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜዳልዎ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ኣቢሉ፡ ንመንፈሳዊ ህርፋንና የርውዮ እዩ። (ማቴ. 24:45) ብሓቂ ድማ በብዓይነቱ ብሉጽ ምግቢ እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ።—ኢሳ. 65:13, 14

7. ገለ ኻብቲ ነቲ ኣምላኽ ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግቢ ብምምጋብ ዚርከብ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

7 እቲ ኣምላኽ ዜዳልወልካ መንፈሳዊ ምግቢ ጥበብን ምምዝዛንን ኸተጥሪ ይሕግዘካ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገድታት ኬዕቝበካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:10-14 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ እዚ ባህርያት እዚ፡ ‘ፈጣሪ ዚብሃል የልቦን’ ንዚብልን ካልእ ከምኡ ንዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ከተለሊ ኣዒንትኻ ይኸፍተልካ እዩ። በቲ ‘ገንዘብን ሃብትን ሓጐስ የምጽእ እዩ’ ዚብል ሓሶት ከይትታለል ድማ የዕቍበካ እዩ። ግጉይ ትምኒታትን ጐዳኢ ኣካይዳን ኣለሊኻ ኻብኡ ኽትርሕቕ እውን ይሕግዘካ እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኻዊ ጥበብን ምምዝዛንን ካብ ምድላይ ኣይተቋርጽ፣ ከም ክቡር መዛግብቲ ጌርካ ድማ ርኣዮ። ነዚ ኽቡር ባህርያት እዚ ምስ እተጥርዮ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ጽቡቕካ ኸም ዚደልን ኣብ ህይወትካ ኽትርእዮ ኢኻ።—መዝ. 34:8፣ ኢሳ. 48:17, 18

8. ሕጂ ንኣምላኽ ክትቀርቦ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ እዚኸ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኪጠቕመካ እዩ፧

8 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኵሉ ኽፋል እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚጠፍኣሉ እዋን ኪኣክል እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ ኼዕቍበና ዚኽእል። ድራር ዕለትና ንምርካብ እኳ ናቱ ሓገዝ ኬድልየና እዩ። (ኣን. 3:2, 12-19) እወ፡ ሕጂ ናብ ሰማያዊ ኣቦኻ እትቐርበሉን ኣብኡ ዘሎካ እምንቶ እተደልድለሉን እዋን እዩ። (2 ጴጥ. 2:9) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝዀነ ነገር እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ፡ “ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እገብሮ እየ። ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ዳዊት ኪስምዓካ እዩ።—መዝ. 16:8

የሆዋ፡ ብሉጻት ኣዕሩኽ ይህበካ

9. (ሀ) ብመሰረት ዮሃንስ 6:44፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብር፧ (ለ) ምስ ናይ የሆዋ ምስክር ምርኻብ፡ ምስ ካልእ ካብ ምርኻብ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

9 የሆዋ ነቶም ኣባላት መንፈሳውያን ስድራ ቤቱ ኪዀኑ ዚፈቕደሎም ይስሕቦም እዩ፣ እወ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚስሓቡ ይገብር እዩ። (ዮሃንስ 6:44 ኣንብብ።) ምስ ሓደ ኣብ ሓቂ ዘየሎ ሰብ ንፈለማ ግዜ ኽትራኸብ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ እንታይ ኢኻ እትፈልጥ፧ ካብ ስሙን ትርኢቱን ሓሊፍካ ብዙሕ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ንየሆዋ ምስ ዚፈልጦን ምስ ዜፍቅሮን ሰብ ንፈለማ ግዜ ኽትራኸብ ከለኻ ግና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኢኻ እትፈልጥ። እቲ ሰብ ካብ ናትካ እተፈልየ ድሕረ ባይታ፡ ሃገር፡ ዓሌት፡ ወይ ባህሊ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ትፈልጥ ኢኻ፣ ንሱ እውን ከምኡ!

የሆዋ፡ ብሉጻት ኣዕሩኽ ኪህልዉናን መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእን ይደልየና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-12 ርአ)

10, 11. ህዝቢ የሆዋ እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፧ ካብዚኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

10 ንኣብነት፡ ናይ ንሓድሕድና “ቛንቋ፡” ማለት ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ሓቂ ቐልጢፍና ነለልዮ ኢና። (ጸፎ. 3:9) ስለዚ ድማ፡ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር እንታይ ከም ዚኣምን፡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣምላኽን ስነ ምግባራዊ መለክዒታትን ናይ መጻኢ ተስፋን እንታይ ከም ዚኣምን ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክትፈልጦ ዜድልየካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገራት ከኣ እዚ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ነገራት እዚ ነቲ ሰብ ክትኣምኖ የኽእለካ እዩ። ጽቡቕን ነባርን ዕርክነት ንምምስራት እውን ባይታ ይዀነካ እዩ።

11 ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ እተምልኽ እንተ ዄንካ፡ ብሉጻት ኣዕሩኽ ኣለዉኻ’ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ኵሉ ኽፋል ዓለም ይርከቡ እዮም። ምሳታቶም ክትራኸብ ጥራይ እዩ ዘሎካ! ብዘይካ ህዝቢ የሆዋ፡ ከምዚ ዓይነት ክቡር ውህበት እተዋህቦ እሞ መን ኣሎ፧

የሆዋ፡ ጽቡቕ ሸቶታት ይህበካ

12. እንታይ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧

12 መክብብ 11:9–12:1 ኣንብብ። ሕጂ እትዓይየሉ ዘለኻ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎካዶ፧ ምናልባት መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ትጽዕር ትህሉ ትኸውን። ወይ ከኣ ናይ ምዝራብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ኸተመሓይሽ ትፍትን ትህሉ ትኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጽቡቕ ፍረ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ወይ ካልኦት ነዚ ርእዮም ኪንእዱኻ ከለዉ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ መሸም ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዚስምዕካ። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ካብ ፍቓድካ ንፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘቐደምካ፡ ሓጐስ ይግብኣካ እዩ።—መዝ. 40:8፣ ምሳ. 27:11

13. ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ዓለማዊ ሸቶታት ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምስ እተተኵር፡ ብሓቂ ዜሐጕስን ንህይወትካ ዕላማ ዘለዎን ነገር ኢኻ እትገብር ዘለኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ፣ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም ከኣ፡ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 15:58) ብኣንጻሩ ግና፡ ኣብ ዓለማዊ ነገራት ዘተኰረ ህይወት፡ ኣዝዩ ዕዉት እኳ እንተ መሰለ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸንቱ እዩ። (ሉቃ. 9:25) ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ፣ ንዓና እውን መለበሚ ይዀነና እዩ።—ሮሜ 15:4

14. ካብቲ ሰሎሞን ተድላ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

14 ሰሎሞን ኣዝዩ ሃብታምን ዓብዪ ስልጣን ዝነበሮን ብምንባሩ፡ ንገዛእ ርእሱ ብልቡ፡ “ንዓ ተድላ ፈትን፡ ጽቡቕ ድማ ርአ” ኢሉ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። (መክ. 2:1-10) ኣባይቲ ሃኒጹ፡ ስፍራ ኣታኽልትን መናፈሻታትን ሰሪሑ፡ ዚምነዮ ዘበለ ዅሉ እውን ገይሩ እዩ። እሞኸ ድሕሪኡ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ ዓጊቡዶ፧ ተሓጒሱዶ፧ ጽቡቕ ተሰሚዕዎዶ፧ ክንግምት ኣየድልየናን እዩ። ንሱ ባዕሉ ገሊጹልና ኣሎ። “ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮ . . . ምስ ሓሰብኩሉ፡ ኵሉ ኸንቱ . . . ምዃኑ ረኣኹ፣ . . . ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ የልቦን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መክ. 2:11) ሓያል ትምህርቲ እዩ ኣመሓላሊፉ! ንስኻኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮ ዲኻ፧

15. እምነት ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ከምቲ ኣብ መዝሙር 32:8 ተጠቒሱ ዘሎኸ እንታይ ጥቕምታት እዩ ዘለዋ፧

15 የሆዋ ብመከራ ኽትምሃር ኣይኰነን ዚደልየካ። ንኣምላኽ ክትእዘዞን ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ኸተቐድምን እምነት ተድልየካ እያ። እታ እምነት እቲኣ ኸኣ ብዋጋ እትሽነን ኣይኰነትን፣ ከቶ እውን ኣይተሕፍረካን እያ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ‘ንስሙ ዘርኣኻዮ ፍቕሪ’ ኸቶ ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) ስለዚ፡ ድልድልቲ እምነት ንምህናጽ ጽዓር፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ንጥቕምኻ ኸም ዚሓሊ ባዕልኻ ኽትርኢ ኢኻ።—መዝሙር 32:8 ኣንብብ።

ኣምላኽ፡ ናይ ሓቂ ናጽነት ይህበካ

16. ስለምንታይ ኢና ንናጽነትና ኣኽቢርና ኽንርእዮን ብጥበብ ክንጥቀመሉን ዘሎና፧

16 ጳውሎስ፡ “ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ . . .፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ቈረ. 3:17) እወ፡ የሆዋ ናጽነት ይፈቱ እዩ፣ ነዚ ድማ ኣብ ልብኻ ኣንቢሩልካ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ንናጽነትካ ብሓላፍነት ክትጥቀመሉ እዩ ዚደልየካ፣ እዚ ኸኣ ንዓኻ ኻብ ሓደጋ የዕቍበካ እዩ። ምናልባት ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ፡ ዚምንዝሩ፡ ኣብ ሓደገኛ ስፖርት ዚሳተፉ፡ ሓሽሽ ዚወስዱ፡ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሑ መንእሰያት ትፈልጥ ትኸውን። ልክዕ እዩ፡ ግዝያዊ ሓጐስ ወይ ተድላ ይስምዖም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነዚ ንምርካብ ብዙሕ ዋጋ እዮም ዚኸፍሉ፣ ብሰንኪ እዚ ሕማምን ወልፍን የጥርዩ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ህይወቶም ይኸፍሉ እዮም። (ገላ. 6:7, 8) ስለዚ፡ ናጽነት ዘለዎም ዚመስሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ንርእሶም እዮም ዚጥብሩ ዘለዉ።—ቲቶ. 3:3

17, 18. (ሀ) ንኣምላኽ እዙዛት ምዃን ሓራ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ናጽነት ምስዚ ሕጂ ሰባት ዘለዎም ናጽነት ብኸመይ ይነጻጸር፧

17 ብኣንጻሩ ግና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦም ዝሓመሙ ኽንደይ ሰባት ትፈልጥ፧ እምበኣር፡ ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ጥዕናን ሓርነትን እዩ ዚህበካ። (መዝ. 19:7-11) ንናጽነትካ ብጥበብ ምስ እትጥቀመሉ ኸኣ፡—ማለት ነቲ ፍጹም ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምስ እትሕሉ፡—ኣምላኽን ወለድኻን ስለ ዚኣምኑኻ፡ ዝያዳ ናጽነት ይውሃበካ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ኣብ መወዳእታ ንእሙናት ኣገልገልቱ ፍጹም ሓርነት ኪህቦም ዕላማ ኣለዎ፣ ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—ሮሜ 8:21

18 ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናጽነት እቲ ጥዒሞምዎ እዮም። ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤደን ክንደይ ቀያዲ ትእዛዛት ድዩ ሂብዎም፧ ሓንቲ ጥራይ። ፍረ ሓንቲ ኦም ከይበልዑ ጥራይ እዮም ተኸልኪሎም። (ዘፍ. 2:9, 17) ሓንቲ ቐይዲ ጥራይ እንተ ትውሃበካሲ፡ ነቲ ትእዛዝ ከም ከቢድ ወይ ጨቋኒ ጌርካ ምረኣኻዮዶ፧ ኣይምረኣኻዮን። ነቲ ቐይዲ እቲ ምስዚ ሕጂ ሰባት ዘውጽእዎ እሞ ኽንፈልጦን ክንሕልዎን ዘሎና ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ከተወዳድሮ ትኽእል ኢኻ።

19. ሓራ ህዝቢ ንምዃን ብኸመይ ኢና እንምሃር ዘለና፧

19 የሆዋ ንኣገልገልቱ ብጥበብ እዩ ዚሕዞም። መወዳእታ ዘይብሉ ሕግታት ኣብ ክንዲ ዚህቦም፡ ንሕጊ ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ኸም እንሕልዋ ብትዕግስቲ ይምህረና እዩ። ብስርዓታቱ ኽንመላለስን ክፍኣት ክንጸልእን ይደልየና እዩ። (ሮሜ 12:9) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ትምህርቱ ኣብ ሱር ጸገማት እዩ ኣተኲሩ። (ማቴ. 5:27, 28) ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ኪምህረና እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ጽድቅን ጥሕሰት ሕግን ዘሎና ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ናቱ ኼንጸባርቕ እዩ። (እብ. 1:9) ናብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፍጽምና እውን ክብ ኬብለና እዩ። ብሰንኪ ዝወረስካዮ ሓጢኣት ክፉእ ንምግባር ዘይትፍተነሉ ወይ ሕማቕ ሳዕቤናት ሓጢኣት ዘይትርእየሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወካ “ኽቡር ሓርነት” ክትረክብ ኢኻ።

20. (ሀ) የሆዋ ንናጽነቱ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ (ለ) ካብ ኣብነት ኣምላኽ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

20 ሓቂ እዩ፡ ሽዑ እውን ደረት ዘለዎ ናጽነት እዩ ኺህልወና። ናጽነትና ድማ በታ ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ እያ ኽትምራሕ። የሆዋ ንዕኡ ኽንመስሎ ጥራይ እዩ ዚደልየና። የሆዋ ደረት ዘይብሉ ናጽነት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንኣስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብፍቕሪ እዩ ዚሕዞም። (1 ዮሃ. 4:7, 8) ስለዚ፡ ንሕና እውን ንናጽነትና ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ እንተ ደሊና፡ በታ ኸም ናይ ኣምላኽ ዝበለት ፍቕሪ ኽንምራሕ ኣሎና።

21. (ሀ) ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

21 ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ብዙሕ “ጽቡቕ፡” ማለት ነቲ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ብሉጻት ኣዕሩኽን ጽቡቕ ሸቶታትን ናይ ሓቂ ናጽነትን ተማስወሉ ዲኻ፧ (መዝ. 103:5) ተማስወሉ እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን ነቲ ኣብ መዝሙር 16:11 ዚርከብ፡ “መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ። ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ፣ ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ” ዚብል ቃላት ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ መዝሙር 16 ዚርከብ ካልእ ተወሳኺ መንፈሳዊ ሃብቲ ኽንምርምር ኢና። ኣብኡ ድማ ብሓቂ ዜሐጕስ ህይወት ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።