መክብብ 11:1-10

  • ንእትረኽቦ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ (1-8)

    • ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ (1)

    • ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ዝራእ (6)

  • ሓላፍነት እናተሰምዓካ ብንእስነትካ ተሓጐስ (9, 10)

11  ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ፣*+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታትሲ መሊስካ ኽትረኽቦ ኢኻ።+ 2  ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝበለ መዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ንሸውዓተ፡ አረ ንሸሞንተ እውን ካብ ግደኻ ሃብ።+ 3  ደበና ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የዝንሞ፣ ኦም ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብታ ዝወደቐትላ ቦታ በጥ ትብል። 4  ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፣ ንደበና ዚርኢ ኸኣ ኣይዓጽድን።+ 5  ከምቲ መንፈስ ኣብ ኣዕጽምቲ እቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ዘሎ ሕጻን* ከመይ ከም ዚዓዪ ዘይትፈልጥ፡+ ከምኡ ድማ ንግብሪ እቲ ዅሉ ዚገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ኣይትፈልጦን ኢኻ።+ 6  ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ፣+ ከመይሲ፡ ኣየናዩ ኸም ዚሰልጥ፡ እዚ ወይስ እቲ፡ ወይ ክልቲኡ ጽቡቕ እንተ ዀነ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ። 7  ብርሃን ጥዑም እዩ፣ ጸሓይ ምርኣይ ከኣ ንኣዒንቲ ጽቡቕ እዩ። 8  ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ፡ ብዅላተን ይተሓጐስ።+ መዓልትታት ጸልማት ኪበዝሓ ኸም ዚኽእላ ግና ይዘክር፣ ኵሉ እቲ ዚመጽእ፡ ከንቱነት እዩ።+ 9  ኣታ ጐበዝ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፣ ብመዓልትታት ንእስነትካ ድማ ልብኻ ይተሓጐስ። መገድታት ልብኻ ስዓብ፣ ኣዒንትኻ ናብ ዝመርሓኻ እውን ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ናብ ፍርዲ ኸም ዜምጽኣካ* ፍለጥ።+ 10  ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ ኣብ ጸገም ዜእቱ ነገር ካብ ልብኻ፡ ጐዳኢ ነገር ድማ ካብ ሰብነትካ* ኣወግድ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስደዶ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብቲ ኣብ ማሕጸን ጥንስቲ ዘሎ ኣዕጽምቲ።”
ወይ፡ “ተሓታቲ ኸም ዚገብረካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋኻ።”