ከመይ ገይረ እየ ኽዘናጋዕ ዝኽእል፧
ምዕራፍ 32
ከመይ ገይረ እየ ኽዘናጋዕ ዝኽእል፧
ነዚ ዚስዕብ ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ . . .
ኣብ ስፖርት ምስታፍ ወትሩ ጌጋ እዩ።
□ ቅኑዕ □ ጌጋ
ኵሉ ፊልምታትን መደባት ቲቪን ሕማቕ ጽልዋ ኣለዎ።
□ ቅኑዕ □ ጌጋ
ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሳዕስዒት እተዀነነ እዩ።
□ ቅኑዕ □ ጌጋ
ምሉእ ሰሙን ኣበርቲዕካ ኽትዓዪ ጸኒሕካ። ነታ ሰሙን እተመደበ ትምህርትኻ ወዲእካ። ኣብ ገዛ ኽትዓዮ ዚግባእ ዕዮኻ እውን ዛዚምካ። ገና ግን ዘይተቓጸለ ሓይሊ ኣሎካ፡ እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ንእስነት ዜምጽኦ በረኸት እዩ። (ምሳሌ 20:29) ድሕርዚ፡ ክትዘናጋዕ ጥራይ ኢኻ እትደሊ።
መዛኑኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዘናጋዕ ወይ ክትሕጐስ ከም ዚኽልክለካ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ነተን ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ገጽ ዚርከባ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ዚብላ ሕቶታት እሞ ንመርምር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዝንጋዕ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ድማ ክንርኢ ኢና።
● ኣብ ስፖርት ምስታፍ ወትሩ ጌጋ እዩ።
ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስጋዊ ምልማድ” ከም “ዚጠቅም” ገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) እታ ኣብዚ ጳውሎስ እተጠቕመላ “ምልማድ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ‘ከም ጂምናስት ምልማድ’ ዚብል ትርጕም ዝሓዘለት ኰይና፡ ንምውስዋስ ኣካላት እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ሎሚ፡ ከም ምዝዋር ብሽክለታ፡ ጕያ፡ ተኒስ፡ ኵዕሶ ሰክዔት፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ኵዕሶ መርበብ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ምውስዋስ ኣካላትን መዘናግዕን ኪኸውን ዚኽእል እተፈላለየ ዓይነት ስፖርት ኣሎ።
ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣብዚ መዳይ እዚ ጥንቃቐ ኪግበር የብሉን ማለት ድዩ፧ ንምሉእ ሓሳባት እታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ጥቕሲ እስከ ንመርምር። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ” ኢሉ ጸሓፈሉ። ንኣምላኽ ምሕጓስ ወትሩ ቐዳምነት ክንህቦ ኸም ዚግባእ፡ እዚ ቓላቱ የዘኻኽረና። ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት ብምሕታት፡ ዓይነት ስፖርት ክትመርጽ ከለኻ እውን ከይተረፈ፡ ኣምልኾ ቐዳምነት እትህቦ ነገር ምዃኑ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፦
1. እዚ ዓይነት ስፖርት እዚ እንታይ ሓደጋ ኼስዕብ ይኽእል፧ ኣብ በላበለው ወይ ካልኦት መንእሰያት ብውዕዉዕ መንፈስ ተላዒሎም ኣብ ዚህብዎ ጸብጻባት ጥራይ ኣይትመርኰስ። ጭቡጥ ሓበሬታታት ኣክብ። ንኣብነት፡ መልሲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ርኸብ፦ እዚ ስፖርት እዚ ኽንደይ ዚኣክል ሓደጋ እዩ ዜስዕብ፧ ካብ ጕድኣት ንምምላጥ እንታይ ጥንቃቐታት ምግባር የድሊ፧ ከይተጐዳእካ ነዚ ስፖርት እዚ ንምጽዋት እንታይ ስልጠናን ናውትን የድሊ፧ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት እተወሰነ ሓደጋ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ስፖርት እዚ ኻብ ማህሰይቲ ወይ ካብ ሞት ምምላጥ ድዩ፧
ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ፣ ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ብድንገት ህይወት እንተ ጠፊኡ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ። (ዘጸኣት 21:29፣ ዘሁልቍ 35:22-25) ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ዚጥንቀቑ ኪዀኑ ይተባብዑ ነበሩ። (ዘዳግም 22:8) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ንህይወት ኣኽብሮት ኬርእዩ ግዴታ ኣለዎም።
2. ኣብዚ ስፖርት እዚ እንተ ተሳቲፈ፡ ምስ ብዓል መን እየ ኽውዕል፧ ኣብ ስፖርት ንፉዕ እንተ ዄንካ፡ መዛኑኻን መምህራንካን ኣብ ናይ ቤት ትምህርትኹም ጋንታ ንኽትጽምበር ጸቕጢ ኺገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ እውን ነቲ ዘቕረቡልካ ዕድመ ንኽትቅበል ትደፋፋእ ትኸውን። ማርክ ዝስሙ መንእሰይ ክርስትያን፡ “ወለደይ ኣብ ጋንታ ቤት ትምህርትና ኽጽምበር ዘይፈቕዱለይ ምዃኖም ቅኑዕ ኣይመስለንን” በለ። ወለድኻ ንኣረኣእያኻ ኪቕበሉ ኸተእምኖም ኣብ ክንዲ እትጽዕር ግን፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እስከ ሕሰበሉ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ልምምድን ጸወታን ካብቲ ንቡር ሰዓታት ትምህርቲ ወጻኢ እዩ ዚግበር። ንፉዕ ተጻዋታይ እንተ ዄንካ፡ ዝያዳ ግዜ ኽትውፊ ምትብባዕ ኪወሃበካ እዩ። ንፉዕ እንተ ዘይኴንካ ኸኣ፡ ኣብ ልምምድ ዝያዳ ሰዓታት ንኸተሕልፍ ክትግደድ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ደቂ ሓንቲ ጋንታ ኺዕወቱ ኸለዉ ሓቢሮም ስለ ዚሕጐሱ፡ ኪሰዓሩ ኸለዉ ኸኣ ሓቢሮም ስለ ዚጕህዩ፡ ኣብ መንጎኦም ጥብቂ ዕርክነት ይምስረት እዩ።
ሕጂ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንግዜይ ምስቶም ከም ናተይ ዓይነት መንፈሳዊ ስርዓታት ዘይስዕቡ መንእሰያት ጥብቂ ዕርክነት ንኽምስርት ኣብ ዜኽእለኒ ንጥፈት ምሕላፈይ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ድዩ ዚገብረለይ፧’ (1 ቈረንቶስ 15:33) ‘ኣብ ሓደ ጋንታ ንኽጻወት ኢለ ማዕረ ኽንደይ ዚኣክል መስዋእቲ እየ ክኸፍል፧’
3. እዚ ስፖርት እዚ ኽንደይ ዚኣከል ግዜን ገንዘብን እዩ ዚወስድ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ መምርሒ ይህበና። (ፊልጲ 1:10) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነዚ ስፖርት እዚ ምጽዋተይ፡ ካብቲ ንዕዮ ትምህርቲ ወይ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዝመደብክዎ ግዜ ኺሰርቀኒ ድዩ፧ ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ እየ ኸውጽኣሉ፧ ባጀተይ ነዚ ወጻኢታት እዚ ዚፈቅድ ድዩ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ምምላስካ፡ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ቀዳምነት ንኽትህብ ኪሕግዘካ እዩ።
● ኵሉ ፊልምታትን መደባት ቲቪን ሕማቕ ጽልዋ ኣለዎ።
ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ነቲ ሰናይ ሐዝዎ፡” ከምኡውን “ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ” ኢሉ ይእዝዞም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:21, 22) ኵሉ ፊልምታትን መደባት ቲቪን ኣይኰነን ምስዚ ስርዓታት እዚ ዚጋጮ። a
ናብ ሲነማ ምኻድ፡ ሓደ ኻብቲ ምስ ፈተውትኻ እተሕልፎ ጽቡቕ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሊ ዝስማ ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ “ሓንቲ ፊልም ክርኢ እንተ ደልየ፡ ንሓንቲ ኻብተን መሓዙተይ እድውለላ፡ ንመሓዙትና ድማ ንነግር” በለት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ገና ብኣጋኡ እየን ናብ ሲነማ ዚኸዳ። ካብኡ ምስ ወጻ፡ ወለደን ከይዶም ይወስድወን፡ ብሓባር ኰይኖም ድማ ኣብ ደገ ይድረሩ።
ፊልምታትን መደባት ቲቪን ዘመናዊ ምህዞታት እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ሓቂ ግን ነቲ ጥንቲ ዚዝውተር ዝነበረ ዛንታ ናይ ምንጋር ልምዲ ብሓድሽ መልክዕ ጥራይ እዩ ዜቕርብ። የሱስ ብዛንታታት ገይሩ ልቢ ሰባት ብምትንካፍ ዝመጸ ኽኢላ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታኡ፡ ከብድኻ ዚበልዕን ዓሚቝ ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ዚህብን እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 10:29-37
ሎሚ ዘለዉ ሰራሕቲ ፊልም እውን ንስነ-ምግባራዊ ኣመለኻኽታ ሰባት ዚቐርጽ ትምህርትታት ይምህሩ እዮም። ንተመልከትቶም፡ ንገለ ኻብቶም ገጸ-ባህርያት ከም ዚድግፍዎም ኪገብሩ ይፍትኑ። እቲ ቐንዲ ተዋሳኢ ኸኣ ገበነኛ፡ ሕሱም፡ ወይ ጽምኢ ስልጣን ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕካ፡ ንገበነኛ ኽትሕለቐሉ፡ ነቲ ኽፉእ ወይ ጭከና ዝመልኦ ተግባራቱ ኸኣ ከተመኻንየሉ ትኽእል ኢኻ! ካብዚ መጻወድያ እዚ ብኸመይ ከተምልጥ ትኽእል፧
ሓደ ዓይነት ፊልም ወይ መደብ ቲቪ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘እዚ ፕሮግራም እዚ ደንጋጺ ክኸውን ዜተባብዓኒ ድዩ፧’ (ኤፌሶን 4:32) ‘ወይስ ብጕድኣት ካልእ ከም ዝሕጐስ ድዩ ዚገብረኒ፧’ (ምሳሌ 17:5) ‘ነቲ “እከይ ጽልኡ” ዚብል ምኽሪ ንምስዓቡ ኸም ዜጸግመኒ ድዩ ዚገብር፧’ (መዝሙር 97:10) ‘ከይተፈለጠኒ ምስ “እኩያት” ከም ዝውግን ይገብረኒ ድዩ፧’—መዝሙር 26:4, 5
መግለጺታትን ረክላማትን ፊልም፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ሓንቲ ፊልም እተወሰነ ሓበሬታ ኺህበካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ብግርህነት ‘ንዅሉ ቓል ኣይትእመን።’ (ምሳሌ 14:15) ስለምንታይ፧ መግለጺ ሓንቲ ፊልም ንኣረኣእያ ኻልእ ሰብ እዩ ዜንጸባርቕ። ረክላማት ከኣ ነቲ ኣብ ሓንቲ ፊልም ዘሎ ሕማቕ ትርኢታት ኰነ ኢሉ ይሓብኦ እዩ። ኮኒ ዝስሙ ዀተቴ፡ “እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ መን ምዃኖም ምፍላጥካ፡ እታ ፊልም እንታይ ከም እትኸውን እተወሰነ ሓበሬታ ይህብ እዩ” በለ።
ከማኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዚስዕቡ መዛኑኻ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ሓንቲ ፊልም ቅብልቲ እንተ ዀይና ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ሰባት ኣብ ሓንቲ ፊልም ዚፈትውዎ ነገራት ጥራይ ናይ ምንጋር ዝንባለ ኸም ዘለዎም ኣይትረስዕ። እንታይ ሕማቕ ነገር ከም ዘለዋ ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧ ንጹር ዝዀነ ሕቶ ኣቕርበሎም። ንኣብነት፡ ዓመጻ፡ ጾታዊ ርኽሰት፡ ወይ ኣጋንንታዊ ተግባራት እንተ ኣልይዋ ሕተቶም። ወለድኻ እውን ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ቨነሳ ዝስማ መንእሰይ፡ “ንወለደይ እውከሶም እየ። ቅብልቲ ኸም ዝዀነት እንተ መሲልዎም፡ ከይደ እርእያ” በለት።
እትርእዮ ፊልም ወይ መደባት ቲቪ ምምራጽ ኣፍኲስካ ኣይትርኣዮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ እትመርጾ መዘናግዒ ኣብ ልብኻ ዘሎ ነገራት፡ ማለት እንታይ ስርዓታት ኣኽቢርካ ኸም እትርኢ እዩ ዚሕብር። (ሉቃስ 6:45) ምርጫታትካ ብዛዕባ እቲ ባህ ዚብለካ ዓይነት ዕርክነትን ከም ቅቡል ጌርካ እትርእዮ ዓይነት ዘረባን ዕሽሽ ክትብሎ እትኽእል ዓይነት ጾታዊ ስነ-ምግባርን ብዙሕ እዩ ዚዛረብ። ስለዚ፡ ተጠንቂቕካ ምረጽ!
● ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሳዕስዒት እተዀነነ እዩ።
ጌጋ። እስራኤላውያን ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ተሳገሩን ካብ ሰራዊት ግብጺ ምስ ኣምለጡን፡ ሚርያም ዝመርሓተን ኣንስቲ ሳዕሰዓ። (ዘጸኣት 15:20) ኣብታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝመሰላ ምሳሌ እውን፡ እቲ ወዲ ብምምላሱ ኻብ እተገብረ መግለጺ ሓጐስ ሓደ፡ “ኰበሮን ጓይላን” ነበረ።—ሉቃስ 15:25
ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ሓያሎ ባህልታት ስድራ ቤታትን ፈተውትን ኪተኣኻኸቡ ኸለዉ፡ ይስዕስዑ እዮም። ይኹን እምበር፡ ክንጥንቀቐሉ ዚግባእ ነገር ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመጠኑ ንዚግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘይኵንን እኳ እንተ ዀነ፡ “ፈንጠዝያ” ወይ “ቀይዲ በተኽ ድግስ” ከይንገብር ግን የጠንቅቐና እዩ። (ገላትያ 5:19-21 NW፣ ባይንግተን) ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም። መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም አሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ኣይርእይዎን” ኢሉ ጸሓፈ።—ኢሳይያስ 5:11, 12
ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምትእኽኻብ፡ “ብርቱዕ መስተ”ን ጠገለ ዘይብሉ ሙዚቃን ይቐርብ ነበረ። ወጋሕታ ይጅምር እሞ፡ ኣምሲኻ ይውዳእ ነበረ። ኣረኣእያ እቶም ፈንጠዝቲ እውን ኣስተብህለሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ዀይኖም እዮም ዚመላለሱ! ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ምዅናኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
ሳዕስዒት ናብ ዘለዎ ፓርቲ እንተ ተዓዲምካ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት፦ ‘ብዓል መን እዮም ኪመጹ፧ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘለዎም፧ ነቲ ፓርቲ ብሓላፍነት ዚመርሖ መን እዩ፧ እንታይ ቍጽጽር እዩ ኺግበር፧ ወለደይ ናብቲ ፓርቲ ክኸይድ ይፈቕዱለይ ድዮም፧ እንታይ ዓይነት ሳዕስዒት እዩ ኺህሉ፧’ መብዛሕትኡ ዓይነት ሳዕስዒት ጾታዊ ትምኒት ንኼለዓዕል ተባሂሉ እዩ ዚግበር። ከምዚ ዓይነት ሳዕስዒት ምስዕሳዕ ወይ ምርኣይ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ንዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ይሕግዘካ ድዩ፧—1 ቈረንቶስ 6:18
ናብ ሓደ ኽበብ ለይታዊ ትልሂት ክትከይድ እንተ ተዓዲምካኸ፧ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ኻብ ክበባት ትልሂት ዘይጠፍእ ዝነበረ ሾን ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ዚብል ሓሳባት ሃበ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ ዚስማዕ ሙዚቃ ብልሹው እዩ፡ እቲ ዚስዕሳዕ ሳዕስዒት ኣመና ርኹስ እዩ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ሓደ ሸቶ ሒዞም እዮም ዚኸዱ።” እቲ ሸቶኦም ከኣ ምስኦም ጾታዊ ርክብ ዚገብር ሰብ ሒዞም ካብቲ ቦታ ንምውጻእ ምዃኑ ሾን ሓቢሩ ኣሎ። ሾን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ምስ ገበረ ግን፡ ኣረኣእያኡ ቐየረ። እሞኸ ሕጂ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ፧ “ከምዚ ዝበለ ኽበባት ንክርስትያናት ዚኸውን ኣይኰነን” በለ።
ስለምንታይ ኢኻ ጥንቁቕ ክትከውን ዘሎካ፧
ሓደ ወተሃደር ብዝያዳ ንመጥቃዕቲ ዚቃላዕ መዓስ እዩ፧ ኣብ ዓውዲ ዂናት ድዩ ወይስ ምስ ብጾቱ ኺዘናጋዕ ከሎ፧ ኪዘናጋዕ ከሎ ንኺከላኸል ድሉው ስለ ዘይከውን፡ ሽዑ እዩ ብቐሊሉ ኺጥቃዕ ዚኽእል። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ክትከውን ከለኻ፡ ስርዓታትካ ምእንቲ ኸይተበላሹ ዝያዳ ጥንቃቐ ትገብር ኢኻ። ኪመጽእ ንዚኽእል ሓደጋ ትጥንቀቕ ኢኻ። ምስ ፈተውትኻ ኽትዘናጋዕ ከለኻ ግን፡ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካ ብቐሊሉ ኽትጥቃዕ ትኽእል ኢኻ።
ገሊኦም መዛኑኻ ነቲ ንምዝንጋዕ ዚምልከት ልዑል ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕካ ብምስዓብካ የላግጹልካ ይዀኑ። ብክርስትያናት ወለዲ ዝዓበዩ መንእሰያት እውን ከይተረፉ ጸቕጢ ይገብሩልካ ይዀኑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ግን ድንዙዝ ሕልና እዩ ዘለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) ሚዛናዊ ኸም ዘይኰንካን ከም እትመጻደቕን ይኸሱኻ ይዀኑ። እንተዀነ ግን፡ ብጸቕጢ መዛኑ ኣብ ክንዲ እትምብርከኽ፡ ‘ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ።’—1 ጴጥሮስ 3:16
እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ መዛኑኻ ብዛዕባኻ ዘለዎም ኣረኣእያ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ብዛዕባኻ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ! ንሕልናኻ ብምስዓብካ ኣዕሩኽካ ዜሸግሩኻ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ንዕኦም ሓዲግካ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ክትገብር ኣሎካ። (ምሳሌ 13:20) ኣብ እትዘናግዓሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካ ኽትሕሉ ዘሎካ፡ ንስኻ ባዕልኻ ምዃንካ ኣይትረስዕ።—ምሳሌ 4:23
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 37 እውን ኣንብብ
ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑን ብቐሊሉ ይርከብን ኣሎ። ካብዚ መጻወድያ እዚ ብኸመይ ከተምልጥ ትኽእል፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 36 ርአ።
ቀንዲ ጥቕሲ
“ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ . . . ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዜቝመካ ፍለጥ።”—መክብብ 11:9
ምኽሪ
ኣብ ወወርሒ ቲቪ ጠፊኣ ምስ ስድራ ቤትካ ብሓባር እትዘናግዑሉ መደብ ኪወጽእ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ንወለድኻ ሕተቶም።
ትፈልጥዶ፧
ሳዕስዒትን ሙዚቃን ኣገዳሲ ኽፋል እቲ እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ ነይሩ።—መዝሙር 150:4
መደባተይ
ኣባል ሓንቲ ድሕሪ ትምህርቲ ጸወታ እትገብር ጋንታ ስፖርት ክኸውን እንተ ተዓዲመ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክብል እየ፦ ․․․․․
ምስ ኣዕሩኸይ ዝርእዮ ፊልም ዜተሓታትት እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ክርስትያናት ካብ ሓደገኛ ስፖርት ኪርሕቁ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
● ሓንቲ ፊልም ቅብልቲ ምዃና ወይ ዘይምዃና ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧
● ቅቡል ዓይነት ሳዕስዒት ዚበሃል ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
[ኣብ ገጽ 269 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ምስዕሳዕ እፈቱ እየ፡ እንተዀነ ግን ምኽሪ ወለደይ ምስማዕ ዘለዎ ጥቕሚ እውን እፈልጥ እየ። ምስዕሳዕ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ነገር ገይረ ኣይርእዮን እየ።’’—ቲና
[ኣብ ገጽ 268 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ወተሃደር ኣብ ዚዘናግዓሉ እዋን እዩ ንመጥቃዕቲ ዚቃላዕ፡ ንስኻ እውን ኣብ እትዘናግዓሉ እዋን ኢኻ ንስነ-ምግባራዊ መጥቃዕቲ እትቃላዕ

