ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

’ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ተፍቅሮ’ ዲኻ፧

’ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ተፍቅሮ’ ዲኻ፧

“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”—ማቴ. 22:39

መዝሙር፦ 25, 36

1, 2. ቅዱሳት ጽሑፋት ኣገዳስነት ፍቕሪ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

ፍቕሪ ቐንዲ ባህርይ የሆዋ እያ። (1 ዮሃ. 4:16) እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረቱ ዝዀነ የሱስ ማእለያ ንዘይብሉ እዋናት ኣብ ሰማይ ምስኡ ይነብር ነይሩን ፍቕራዊ መገድታት የሆዋ ተማሂሩን እዩ። (ቈሎ. 1:15) ኣብ መላእ ህይወቱ፡ እንተላይ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርዳእን ነታ ፍቕሪ እቲኣ ኸም ዚቐድሓን ኣርእዩ እዩ። ስለዚ፡ ኣገዛዝኣ የሆዋን የሱስን ንዘለኣለም ብፍቕሪ ኸም ዚምራሕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

2 የሱስ እታ ኣብ ሕጊ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓትተ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” በለ።—ማቴ. 22:37-39

3. ‘ብጻይና’ መን እዩ፧

3 የሱስ ንብጻይካ ምፍቃር ደድሕሪ ንየሆዋ ምፍቃር ከም ዝጠቐሳ ኣስተብህል። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ርክባትና ፍቕሪ ምንጽብራቕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የርኢ። ንምዃኑ ‘ብጻይና’ መን እዩ፧ ምርዑዋት እንተ ዄንና፡ ናይ ቀረባ ብጻይና እቲ መጻምድትና እዩ። እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ፡ ማለት እቶም ምሳና ሓቢሮም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹ ድማ ናይ ቀረባ ብጾትና እዮም። እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት እውን ብጾትና እዮም። እሞኸ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹን ንትምህርታት ወዱ ዚስዕቡን ንብጻዮም ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ንመጻምድትና ነፍቅሮም

4. ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እናሃለወ ኽነሱ፡ ሓዳር ዕውት ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ፈጢሩ ምስ ኣመራዓዎም፡ ናይ መጀመርታ መርዓ ፈጺሙ እዩ። ዜሐጕስን ነባርን ጥምረት ሃልይዎም ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልዋ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። (ዘፍ. 1:27, 28) እቲ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ እተላዕለ ዕልወት ግና ነቲ ናይ መጀመርታ መርዓ ኣበላሸዎ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰብ ድማ ሓጢኣትን ሞትን ኣስዓበ። (ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ዕዉት ሓዳር ኪህልወና ኸም ዚኽእል ይነግረና እዩ። ምንጩ እቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ ብምዃኑ ድማ፡ ብዛዕባ ሓዳር ብሉጽ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።

5. ኣብ ሓዳር ፍቕሪ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

5 ደቂ ሰብ ዜሐጕስ ርክብ ንኺህልዎም፡ ፍቕሪ—ምዉቕ ብሕታዊ ምቅርራብ ወይ ዓሚቝ ናይ ምፍታው ስምዒት—ከም ዜድልዮም ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። ኣብ ሓዳር እውን ከምኡ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 13:4-8) ነዚ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት እዚ ነስተንትነሉን ኣብ ግብሪ ነውዕሎን እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓዳርና ሓጐስ ከም ዚውስኸልና ዜጠራጥር ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ዕዉት ሓዳር ኪህልወና ኸም ዚኽእል ይነግረና (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 7)

6, 7. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስነት እንታይ ይብል፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኣለዎ፧

6 ኣብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ነገራት፡ ስርዓት ርእስነት ስለ ዘሎ፡ ፍቕሪ ኣገዳሲት ባህርይ እያ። ጳውሎስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 11:3) ኰይኑ ግና፡ ርእስነት ዓብላሊ ብዝዀነ መገዲ ኺርአ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዘለዎ ርእስነት ብሕያውነትን ስስዐ ብዘይብሉ መገድን እዩ ኣርእዩ፣ የሱስ ከኣ ጽቡቕ ምላሽ ሂቡሉ እዩ። ‘ኣነ ንኣቦ አፍቅሮ እየ’ ኢሉ ብምግላጽ ድማ፡ ንፍቕራዊ ርእስነት የሆዋ ሞሳ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 14:31) የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ብጭካነ ወይ ገባርን ሓዳግን ከም ዝዀነ ብዜርኢ መገዲ እንተ ዚሕዞ ነይሩ፡ የሱስ ነቦ ኸም ዜፍቅሮ ኣይምተዛረበን።

7 ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ኬኽብራ’ ኸም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይእዝዞ እዩ። (1 ጴጥ. 3:7) ሰብኡት ንኣንስቶም ኬኽብሩ ዚኽእሉሉ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ዜድልየን ነገራት ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ንምርጫአን ቀዳምነት ብምሃብን እዩ። ቃል ኣምላኽ እውን፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤኡ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ይብል እዩ። (ኤፌ. 5:25) እወ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ነቲ የሱስ ርእስነቱ ዘርኣየሉ ፍቕራዊ መገዲ ዚቐድሖ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ኸተፍቅሮን ከተኽብሮን ክትእዘዞን ይቐልላ እዩ።ቲቶስ 2:3-5 ኣንብብ።

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ነፍቅሮም

8. እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ንክርስትያናት ብጾቶም ብኸመይ ኪርእይዎም ኣለዎም፧

8 ኣብ መላእ ምድሪ፡ ሚልዮናት ሰባት ንየሆዋ የምልኹን ብዛዕባ ስሙን ብዛዕባ ዕላማኡን ይምስክሩን እዮም። ንየሆዋ ዜምልኽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣማኒ ዝዀነ ብጻዩ ብኸመይ ኪርእዮ ኣለዎ፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር” ዚብል መልሲ ይህበና እዩ። (ገላ. 6:10፣ ሮሜ 12:10 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን፡ “ንሓቂ ብዘሎኩም ተኣዛዝነት ነፍሳትኩም ካብ ኣንጻህኩም እሞ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኻብ ሃለወትኩም፡ ካብ ልቢ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ እውን፡ “ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም” ኢልዎም እዩ።—1 ጴጥ. 1:22፣ 4:8

9, 10. ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

9 ነቶም ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ሓያል ፍቕሪ ስለ ዘላትና፡ ፍሉይ ዓለምለኻዊ ውድብ ኪህልወና ኽኢሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ነፍቅሮን ሕግታቱ ንሕሉን ኢና፣ ንሱ ድማ፡ በቲ ኣብ ዩኒቨርስ ኣዝዩ ዓብዪ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ወይ ንጡፍ ሓይሉ ኣቢሉ ይድግፈና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዜደንቕ ሓድነት ዘለዎ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኪህልወና ኣኽኢሉ እዩ።1 ዮሃንስ 4:20, 21 ኣንብብ።

10 ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኸም ዘለዎም ኬጕልሕ ከሎ፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ። ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 3:12-14) ኣተዓባብያና ወይ ዜግነትና ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎና እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ ምህላዋስ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ዀን ኢና!

11. ፍቕርን ሓድነትን መለለዪ ውድብ የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕርን ሓድነትን፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላቶም ዜረጋግጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ “ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 3:10, 11) እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘላቶም ፍሉይ ሓድነት እተምጽእ ፍቕሪ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ተርኢ እያ፣ ኣምላኽ ድማ፡ ንዓታቶም እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ዓለም ምእንቲ ኺስበኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ይጥቀመሎም ኣሎ።—ማቴ. 24:14

“ብዙሓት ህዝቢ” ምእካብ

12, 13. ሕጂ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ድሕሪ ሓጺር እዋንከ እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧

12 መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ክፋል እቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡ . . . ብዙሓት ህዝቢ” እዮም። “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን [ዝፋን ኣምላኽ] ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን [የሱስ ክርስቶስ] ደው ኢሎም” ከኣ ኣለዉ። እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧ እዚኣቶም ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ስለ ዝኣመኑ፡ “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም፣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።” ኣባላት እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ “ብዙሓት ህዝቢ” ንየሆዋን ንወዱን የፍቅርዎም፡ ‘መዓልትን ለይትን ከኣ ንኣምላኽ የገልግልዎ’ እዮም።—ራእ. 7:9, 14, 15

13 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ “ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ኼጥፍኣ እዩ። (ማቴ. 24:21፣ ኤርምያስ 25:32, 33 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ስለ ዜፍቅሮም፡ ብደረጃ ጕጅለ ኼዕቍቦምን ናብታ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎምን እዩ። ከምቲ ቕድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ ብትንቢት እተነግረ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” እሞኸ፡ ‘እቲ ቐዳማይ ምስ ሓለፈ’ ኣብ ገነት ክትነብርሲ ትናፍቕዶ፧—ራእ. 21:4

14. እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ እዮም በዚሖም፧

14 ብ1914 ዳሕሮት መዓልትታት ኪጅምር ከሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሒደት ኣሽሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሒደት ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት በታ ንብጾቶም ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾምን ብመንፈስ ኣምላኽ ተሓጊዞምን፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዖም ይዓዩ ነይሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሎሚ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት ህዝቢ ይእከቡ ኣለዉ። ቍጽርና ስለ ዝዓበየ ኸኣ፡ 8,000,000 ኣቢሎም ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ልዕሊ 115,400 ጉባኤታት የገልግሉ ኣለዉ፣ ቍጽርና ድማ ብቐጻሊ ይውስኽ እዩ ዘሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ልዕሊ 275,500 ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠሚቖም እዮም፣ እዚ ድማ፡ ኣብ ሰሰሙን ብገምጋም ኣስታት 5,300 ተጠሚቖም ማለት እዩ።

15. ስፍሓት እቲ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት ግለጽ።

15 ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ዜደንቕ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብልዕሊ 700 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝርጋሐ ዘለዋ መጽሔት እያ። ኣብ ወወርሒ ድማ ብ247 ቋንቋታት ልዕሊ 52,000,000 ቅዳሓት ትሕተም ኣላ። እታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንጥቀመላ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ፡ ብ250 ቋንቋ ልዕሊ 200,000,000 ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ።

16. ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብመንፈስ ክትብልጽግ ዝኸኣለት ስለምንታይ እያ፧

16 ብኣምላኽ ስለ እንኣምንን ነቲ ብተኣምራዊ መገዲ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ እተጻሕፈ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ስለ እንቕበሎን፡ ዜደንቕ ዕቤት ኪህሉ ኽኢሉ እዩ። (1 ተሰ. 2:13) ብፍላይ ከኣ፡ ህዝቢ የሆዋ እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ዝዀነ ሰይጣን እናጸልኦምን እናተጻረሮምን ክነሱ፡ ብመንፈስ ይብልጽጉ ምህላዎም ዜደንቕ እዩ።—2 ቈረ. 4:4

ወትሩ ንኻልኦት ነፍቅሮም

17, 18. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይኣመንቲ እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ኺህልዎም ዘለዎ፧

17 ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዘየምልኹ ሰባት እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧ ኣብ ኣገልግሎትና፡ ገሊኦም ብጽቡቕ ይቕበሉና፡ ገሊኦም ከኣ ይጻረሩና እዮም። ይኹን እምበር፡ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኪህልዎም ዘለዎ ስርዓት ይገልጽ እዩ። “ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ድማ ይብል። (ቈሎ. 4:6) ብዛዕባ ተስፋና ኽንሕተት ከለና፡ በታ ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና፡ “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ኢና ምላሽ እንህብ።—1 ጴጥ. 3:15

18 ሓደ ቝጡዕ ብዓል ቤት ዜዋርደናን ንመልእኽትና ዚነጽጎን እንተ ዀነ እውን፡ ንብጻይና ፍቕሪ ነርኢ ኢና። ንየሱስ ድማ ንመስሎ ኢና፣ ንሱ፡ “ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን።” (1 ጴጥ. 2:23) ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ይኹን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ትሕትና ነርኢ፡ ነቲ፡ “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ . . . ባርኹ” ዚብል ምኽሪ ድማ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኢና።—1 ጴጥ. 3:8, 9

19. የሱስ ብዛዕባ ተጻረርቲ እንታይ ስርዓት እዩ ሂቡ፧

19 ህዝቢ የሆዋ ትሕትና ብምርኣይ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ኣገዳሲ ስርዓት ይእዘዙ እዮም። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ከምዚ በለ፦ “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴ. 5:43-45) እወ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ንዓና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ብዘየገድስ፡ ‘ጸላእትና ምፍቃር’ ክንመሃር ኣሎና።

20. ኣብ ሓዳስ ዓለም እቲ ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘሎና ፍቕሪ ዜስፋሕፍሕ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 21 ዘላ ስእሊ ርአ።)

20 ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ብኣመለኻኽታኦምን ብተግባሮምን ንየሆዋን ንብጾቶምን ከም ዜፍቅሩ ኼርእዩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበልዎ ሰባት ኪሽገሩ ኸለዉ ብምሕጋዝ፡ ንብጾትና ፍቕሪ ኸም ዘላትና ነርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃልኹም። እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ኣይትተምነ” ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተሎ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 13:8-10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብዛ ሓድነት ዘይብላን ብዓመጻ ዝመልአትን ሰይጣን ዚቈጻጸራ እክይቲ ዓለም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ነርኢ ኢና። (1 ዮሃ. 5:19) ኣብቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዓለወኛታት ሰባትን ካብ ምድሪ ምስ ጠፍኡ ኣብ እትህሉ ሓዳስ ዓለም ዚግበር ኵሉ ንጥፈታት ፍቕሪ ኸም ዚሰፍን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ንኣምላኽን ንብጾቶም ምስ ኣፍቀሩስ፡ ከመይ ዝኣመሰለ በረኸት ኰን ኪኸውን እዩ!