ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

100 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ—ብኸመይ ይጸልወካ፧

100 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ—ብኸመይ ይጸልወካ፧

“ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ።”—ራእ. 15:3

1, 2. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ ኽትዓምም፧ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ጽድያ 31 ድ.ክ.፡ ጥቓ ቅፍርናሆም ኣብ ዚርከብ ከረን፡ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴ. 6:10) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓያሎ ሰባት ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ የጠራጥሮም እዩ። ንሕና ግና፡ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ካብ ልቢ እንጽልዮ ጸሎት፡ መልሲ ኸም ዚረክብ ንተኣማመን ኢና።

2 የሆዋ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ነቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኼሕብሮም እዩ። እዚ መለኮታዊ ዕላማ እዚ ኺፍጸም እዩ። (ኢሳ. 55:10, 11) የሆዋ ኣብ ግዜና እውን ድሮ ኸም ብሓድሽ ነጊሱ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት እተፈጸመ ዜደንቕ ፍጻመታት ነዚ የረጋግጽ። የሆዋ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ እሙናት ተገዛእቱ ዓብይን ግሩምን ተግባራት ይገብረሎም ኣሎ። (ዘካ. 14:9፣ ራእ. 15:3) ይኹን እምበር፡ ምንጋስ የሆዋ፡ ካብቲ የሱስ ክንጽልየሉ ዝመሃረና ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ እተፈልየ እዩ። እዚ ኽልተ ፍጻመታት እዚ፡ ብኸመይ እዩ ዚፈላለ፧ ብኸመይከ እዩ ዚጸልወና፧

እቲ የሆዋ ዘንገሶ ንጉስ፡ ስጕምቲ ይወስድ

3. (ሀ) የሱስ መዓስ እዩ ነጊሱ፧ ኣበይከ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ከም ዝቘመት ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

3 ኣብ ከባቢ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ እቲ 2,500 ዓመት ይገብር ዳንኤል ዝመዝገቦ ትንቢት ኪበርህ ጀመረ። እቲ ትንቢት፡ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ” ይብል። (ዳን. 2:44) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 1914 ፍልይቲ ዓመት ምዃና፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት፡ ብሩህ ተስፋ ነይርዎም እዩ። ሓደ ጸሓፊ፡ “ብ1914 ዓለም ብተስፋታትን መብጽዓታትን እያ መሊኣ ነይራ” በለ። ኣብ ከባቢ መወዳእታ እታ ዓመት እቲኣ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተወልዐ ግና፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጸመ። እቲ ብተኸታታሊ እተፈጸመ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ለበዳን ኰነ ፍጻመታት ካልእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ክርስቶስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ብ1914 ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከም ዝጀመረ ምሉእ ብምሉእ ዚሕብር እዩ ነይሩ። * የሆዋ ንወዱ ኸም መሲሓዊ ንጉስ ገይሩ ብምንጋስ፡ ንባዕሉ ብሓድሽ መገዲ ነገሰ።

4. እቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ዘንገሶ ንጉስ፡ ብኡብኡ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧ ቀጺሉኸ ቘላሕታኡ ናብ መን እዩ ገይሩ፧

4 እቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ዘንገሶ ንጉስ፡ መጀመርታ ኣንጻር እቲ ቐንዲ ተጻራሪ ኣቦኡ ዝዀነ ሰይጣን ተዋግአ። የሱስን መላእኽቱን ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ደርበይዎም። እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት ኣምጽአ። (ራእይ 12:7-9, 12 ኣንብብ።) እቲ ንጉስ ቀጺሉ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ተገዛእቱ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኪዅልዖምን ኪምህሮምን ኪውድቦምን ጀመረ። ቀጺልና እምበኣር፡ እቲ ህዝቢ የሆዋ ኣብዚ ሰለስተ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ሎሚ ንዓና ብኸመይ ሰናይ ኣብነት ኪዀነና ኸም ዚኽእል ንርአ።

እቲ መሲሓዊ ንጉስ ንእሙናት ተገዛእቱ ይዅልዖም

5. ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 እንታይ ምጽራይ እዩ ተኻይዱ፧

5 እቲ ንጉስ ንሰማይ ካብቲ ሕማቕ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምስ ኣጽረዮ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ንመንፈሳዊ ዅነታት እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ኺምርምርን ኪዅልዕን መምርሒ ሃቦ። ነብዪ ሚልክያስ ነዚ ዕዮ እዚ፡ መንፈሳዊ ምጽራይ ከም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሚል. 3:1-3) ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ እዚ ኻብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ ኽፋል 1919 እዩ ተፈጺሙ። * ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንጹሃት ወይ ቅዱሳት ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 1:15, 16) ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ ብፖለቲካ እዛ ዓለም እዚኣ ንኸይንብከል ክንጥንቀቕ ኣሎና።

6. መንፈሳዊ ምግቢ ብኸመይ እዩ ዚዳሎ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ድሕርዚ፡ የሱስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸመ። እዚ ባርያ እዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮት የሱስ ንዘሎ “ሓደ መጓሰ” ዜቝሙ ሰባት፡ ጥዑይ መንፈሳዊ ምግቢ ብስሩዕ ንኺህቦም እዩ ተሸይሙ። (ማቴ. 24:45-47፣ ዮሃ. 10:16) ካብ 1919 ንነጀው፡ ሓንቲ ብቕቡኣት ኣሕዋት ዝቘመት ንእሽቶ ጕጅለ፡ ‘ንኣገልገልቲ ቤት’ የሱስ ንኽትምግብ እተዋህባ ሓላፍነት ብተኣማንነት ትፍጽሞ ኣላ። እቲ በዚ መትረብ እዚ ኣቢሉ ዚዳሎ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ብእምነት ምእንቲ ኽንዓቢ የዐንግለና ኣሎ። ነቲ ብመንፈሳውን ስነ ምግባራውን ኣእምሮኣውን ኣካላውን መዳያት ንጹሃት ክንከውን ዝገበርናዮ ቘራጽነት እውን የደልድለልና ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚዕየ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንካፈል ይምህረናን የዕጥቐናን ኣሎ። እሞኸ፡ ነዚ መሰናድዎታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧

እቲ ንጉስ ንተገዛእቱ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ምእንቲ ኺሰብኩ ይምህሮም

7. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ዝጀመረ፧ እዚ ዕዮ እዚኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚቕጽል፧

7 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃ. 4:43) ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድማ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዕዮ እዚ እዩ ኣተኲሩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ክትከዱ ኸለኹም፡ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ” ዚብል መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 10:7) ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ፡ ሰዓብቱ ነዚ መልእኽቲ እዚ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ኸም ዚዝርግሕዎ ተነበየ። (ግብ. 1:8) ንሱ ንባዕሉ እውን፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ፡ ክሳዕ እዚ ግዜና ኸም ዚካፈል፡ ንሰዓብቱ ተመባጽዓሎም።—ማቴ. 28:19, 20

8. እቲ ንጉስ ንምድራውያን ተገዛእቱ ንተግባር ዘለዓዓሎም ብኸመይ እዩ፧

8 ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ “ብስራት መንግስቲ” ተወሳኺ ትርጕም ኪሕዝ ጀመረ። (ማቴ. 24:14) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ብጕጅለ እተጠርነፉ ሒደት ጽሩያት ተገዛእቲ ነይሮምዎ እዮም። እዞም ተገዛእቲ እዚኦም፡ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ኣብ መላእ ምድሪ ኺሰብኩ እተዋህቦም ንጹር ትእዛዝ ብሃንቀውታ ተኣዘዝዎ። (ግብ. 10:42) ንኣብነት፡ ኣብ መስከረም 1922፡ ኣስታት 20,000 ዚዀኑ ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሴዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣህጉራዊ ኣኼባ ገይሮም ነይሮም እዮም። ሓው ራዘርፎርድ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ ዘርእስቱ መደረ፡ “ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ” ምስ በሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እሞ ገምት። ንጽብሒቱ፡ ካባታቶም ክልተ ሽሕ ዚዀኑ ልኡኻት፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸዱ፡ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ክሳዕ 72 ኪ.ሜ. ተጓዒዞም ኣገልገሉ። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት፡ “ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንእውጅ እተገብረልና ጻውዒትን እቶም ተኣከብቲ ዘርኣይዎ ቕንኣትን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ” በለ። ካልኦት እውን ከምቲ ናቱ ስምዒት እዩ ነይርዎም።

9, 10. (ሀ) ንኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስልጣን እንታይ መሰናድዎ እዩ ተገይሩ፧ (ለ) ካብዚ ስልጠና እዚ ብውልቅኻ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

9 ብ1922 ልዕሊ 17,000 ዚዀኑ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 58 ሃገራት ብንጥፈት ይሰብኩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ስልጠና የድልዮም ነይሩ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ እተሸመ ንጉስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይን ኣበይን ብኸመይን ከም ዚሰብኩ ንጹር መምርሒታት ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:5-7፣ ሉቃ. 9:1-6፣ 10:1-11) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሱስ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚካፈሉ ሰባት መምርሒታትን ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺሰብኩ ዜኽእሎም ናውትን ከም ዚረኽቡ ይገብር ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:17) ንሰዓብቱ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ንኣገልግሎት የሰልጥኖም ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ንምስልጣን ዚጥቀመሉ መገድታት ከኣ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ኵለን እተን ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 111,000 ዚዀና ጉባኤታት ይውሰድ እዩ። ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰበኽቲ፡ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ተማሂሮም፡ “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” ብዚማርኽ መገዲ ይሰብኩን ይምህሩን ኣለዉ።—1 ቈረንቶስ 9:20-23 ኣንብብ።

10 ብዘይካዚ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ፡ ንፈለምቲ፡ ንንጽል ኣሕዋት፡ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ንኣባላት ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ንኣንስቶምን፡ ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን፡ ከምኡ ድማ ንሚስዮናውያን ንምስልጣን ካልእ ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመስሪቱ እዩ። * ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተዋህበሉ ሓደ ኽፍሊ እተኻፈሉ ተመሃሮ፡ “እቲ ዝረኸብናዮ ፍሉይ ስልጠና፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኣዕሚቝዋ፡ ንኻልኦት ንኽንሕግዝ ከኣ ብዝበለጸ መገዲ ኣዕጢቑና እዩ” ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዎም ሞሳ ገለጹ።

11. ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ ኺጸንዑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

11 እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ንምምሃርን ዚግበር መጠነ ሰፊሕ ጻዕሪ ይርእዮ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ዕዮ ንምትዕንቓፍ ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቶም ልኡኻትን ብቐጥታን ብስውርን መጥቃዕቲ ዚፍኑ እኳ እንተ ዀነ ኣይዕወትን እዩ። የሆዋ ንወዱ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን” ሸይምዎ እዩ። (ኤፌ. 1:20-22) የሱስ ከም ንጉስ መጠን ፍቓድ ኣቦኡ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዕቊብዎምን መሪሕዎምን እዩ። * ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይስበኽ ኣሎ፣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቕኑዓት ሰባት ከኣ መገድታት የሆዋ ይመሃሩ ኣለዉ። ኣብዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ እጃምና ኸነበርክት ምኽኣልናስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

እቲ ንጉስ ንተገዛእቱ፡ ንዝዓበየ ዕዮ ይውድቦም

12. መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትቐውም ንነጀው ብዛዕባ እተገብረ ውድባዊ ዅላዐታት ግለጽ።

12 እቲ ንጉስ፡ ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ዝቘመትሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍቓድ ኣቦኡ ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ንኣወዳድባኦም ኰሊዕዎ እዩ። (ኢሳይያስ 60:17 ኣንብብ።) ብ1919 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚመርሕ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ተሸመ። ብ1927 ሰንበት ሰንበት ብስሩዕ ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት ተወደበ። ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ኪጽውዑ ምስ ጀመሩ፡ ዝሰፍሐ ዕዮ ንኺፍጽሙ ተለዓዓሉ። (ኢሳ. 43:10-12) ብ1938 ኣብ ጉባኤታት ሓላፍነት ንዚቕበሉ ሰብኡት ብዲሞክራስያዊ መገዲ ምምራጽ ተሪፉ፡ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ምሻም ተጀመረ። ብ1972 ሓደ ሓላው ጉባኤ ጥራይ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ዚስከም፡ ኣካል ሽማግለታት ሓለውቲ ጉባኤ ብምዃን ሓላፍነት ኪስከሙ ጀመሩ። ኵሎም ብቝዓት ሰብኡት፡ ‘ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምጕሳይ’ ግደ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ንኺመጣጠሩ ምትብባዕ ተዋህቦም። (1 ጴጥ. 5:2) ብ1976 ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺቈጻጸሮ፡ ኣብ ሽዱሽተ ኮሚተታት ተወደበ። እቲ የሆዋ ዘንገሶ ንጉስ፡ ንተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ በብግዜኡ፡ ብቲኦክራስያዊ፡ ማለት ብኣመራርሓ ኣምላኽ ይውድቦም ኣሎ።

13. እቲ ኣብቲ 100 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እተዓምመ ነገራት ብኸመይ ይጸልወካ፧

13 እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብተን ናይ መጀመርታ 100 ዓመት ግዝኣቱ እንታይ ኪዓምም ከም ዝጸንሐ እሞ ሕሰብ። ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ ኣጽርዩ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 239 ሃገራት ንኺስበኽ መሪሑ እዩ፣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ምሂርዎም እዩ። ፍቓድ ኣቦኡ ንኺፍጽሙ ብፍታው ንዝመጹ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ እሙናት ተገዛእቱ ብሓድነት ኣሕቢርዎም እዩ። (መዝ. 110:3) ብሓቂ፡ የሆዋ በቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣቢሉ ዓብይን ግሩምን ዕዮታት ፈጺሙ እዩ። ብሕጂ እውን ዝያዳ መስተንክር ዝዀነ ፍጻመታት ኪፍጸም እዩ።

መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት

14. (ሀ) “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ ኸለና፡ ንኣምላኽ እንታይ ንኺገብር ኢና እንሓትቶ፧ (ለ) ጥቕሲ ዓመት 2014 እንታይ እያ፧ ብቕዕቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

14 የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ፡ መሲሓዊ ንጉስ ንኪኸውን ብ1914 እኳ እንተ ኣንገሶ፡ እቲ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና እንጽልዮ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ መልሲ ረኺቡ እዩ ማለት ኣይኰነን። (ማቴ. 6:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኸም ዝገዝእ’ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 110:2) ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘለዉ ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንመንግስቲ ኣምላኽ ይጻረርዋ እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ክንጽሊ ኸለና፡ ንኣምላኽ በቲ መሲሓዊ ንጉስን መጋዝእቱን ገይሩ ንግዝኣት ደቂ ሰብን ንምድራውያን ተጻረርቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንኼጥፍኦም ኢና እንሓትቶ። እዚ ስጕምቲ እዚ ምስ ተወስደ፡ እቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚርከብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን” ምዃና ዚገልጽ ትንቢት ኪፍጸም እዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ንዅሎም ፖለቲካውያን ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከተጥፍኦም እያ። (ራእ. 6:1, 2፣ 13:1-18፣ 19:11-21) እዚ ዚፍጸመሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። ስለዚ፡ ጥቕሲ ዓመት 2014፡ ኣብ ማቴዎስ 6:10 እተመስረተት ኰይና፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” እትብል ምዃና ብሓቂ ብቕዕቲ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትቐውም ድማ 100 ዓመት ገይራ ኣላ።

ጥቕሲ ዓመት 2014፦ “መንግስትኻ ትምጻእ።”—ማቴዎስ 6:10

15, 16. (ሀ) ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት እንታይ ዜደንቕ ፍጻመታት እዩ ኺህሉ፧ (ለ) የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ኣብ መወዳእታ ዝወስዶ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዅሎም ፍጡራቱ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

15 መሲሓዊ ንጉስ ንጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ። (ራእ. 20:1-3) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጽልዋ እቶም እኩያት መናፍስቲ ስለ ዘይህሉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ካብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንኺጥቀሙ ኽትሕግዞምን ንዅሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣዳም ከተልግሶን እያ። እቲ ንጉስ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ምዉታት ኬተንስኦም እዩ፣ ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺመሃሩ ኸኣ መጠነ ሰፊሕ ትምህርቲ ኸም ዚውሃብ ኪገብር እዩ። (ራእ. 20:12, 13) ሽዑ፡ ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ኤድን ክትቅየር እያ፣ ኵሎም እሙናት ሰባት ከኣ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም።

16 ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዕላማኣ ኽትወቅዕ እያ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ነታ መንግስቲ ንኣቦኡ ኼረክቦ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-28 ኣንብብ።) ካብኡ ንደሓር ኣብ መንጎ የሆዋን ምድራውያን ደቁን ኣተዓራቒ ኣይኬድልን እዩ። ሽዑ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም ደቂ ኣምላኽ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ሓቢሮም ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪዀኑ እዮም።

17. ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘሎኻ፧

17 እቲ ኣብቲ 100 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እተፈጸመ ዜደንቕ ፍጻመታት፡ የሆዋ ንዅነታት ከም ዚቈጻጸሮን እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸምን የረጋግጸልና። ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ እሙናት ተገዛእቱ ዄንና ንቐጽል፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ከኣ ንስበኽ። የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ነቲ “መንግስትኻ ትምጻእ” ብምባል እንጽልዮ ልባዊ ጸሎት ከም ዚምልሶ ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብ ናይ 15 መስከረም 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 13-17 እትርከብ፡ “ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብዛዕባ እተረኽበ ሕጋዊ ዓወታት ዚገልጽ ኣብነታት፡ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1998 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 19-22 ርአ።