ኢሳይያስ 60:1-22

  • ክብሪ የሆዋ ኣብ ጽዮን በሪሁ (1-22)

    • ናብ ኣባይተን ከም ዚነፍራ ረገቢት (8)

    • ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ (17)

    • እቲ ሒደትሲ ሽሕ ኪኸውን እዩ (22)

60  “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡+ ብርሂ። ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ።+  2  እንሆ፡ ጸልማትሲ ንምድሪ፡ብርቱዕ ድነ እውን ንኣህዛብ ኬጐልብቦም እዩ፣ኣባኺ ግና የሆዋ ኼብርህ፡ኣባኺ ኸኣ ክብሩ ኺርአ እዩ።  3  ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡+ነገስታት+ ድማ ናብቲ ዚበርህ ግርማኺ*+ ኪኸዱ እዮም።  4  ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ! ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡+ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ።+  5  ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኬቕንዕ፡ጥሪት ኣህዛብ ድማ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡+ሽዑ፡ ክትርእዪ፡ ከተንጸባርቒ ኢኺ፣+ልብኺ እውን ትርግርግ ኪብልን ኪጅርብብን እዩ።  6  ብዙሓት ኣግማል፡ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ዔፋን+ ንምድርኺ ኪኸድናኣ* እየን። ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዝዀኑ፡ ኪመጹ እዮም፣ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ኪስከሙ እዮም። ውዳሰ የሆዋ ኺነግሩ እዮም።+  7  ኵለን መጓሰ ቄዳር+ ናባኺ ኺእከባ እየን። ደዓውል ነባዮት+ ኬገልግሉኺ እዮም። ተቐባልነት ረኺቦም ናብ መሰውእየይ ኪመጹ እዮም፣+ነታ ኽብርቲ ቤተይ* ድማ ከጸብቓ እየ።+  8  እዘን ከም ደበናታትን ናብ ኣባይተን* ከም ዚነፍራ ረገቢትንብሓባር ዚነፍራ መን እየን፧  9  ደሴታትሲ ብኣይ ተስፋ ኺገብራ እየን፣+ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ፡ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ኬምጽኣ+መራኽብ ተርሲስ ይመርሓ* ኣለዋ፣ንሱ ኬኽብረኪ* እዩ እሞ፡ናብ ስም የሆዋ ኣምላኽክን ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኬምጽኣኦም እየን።+ 10  ብቝጥዓይሲ ወቒዐኪ ነይረ፣ብሞገሰይ* ግና ክምሕረኪ እየ እሞ፡+ጓኖት መካበብያኺ ኺሃንጹ፡ነገስታቶም ድማ ኬገልግሉኺ እዮም።+ 11  ኣፍ ደገታትኪ ወትሩ ኽፉት ኪኸውን እዩ፣+ጥሪት ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ኣይኪዕጾን እዩ፣ነገስታቶም ከኣ መሪሖም ኪመጹ እዮም።+ 12  ከመይሲ፡ ንዓኺ ዘየገልግል ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ኣህዛብ እውን ፈጺሞም ኪጠፍኡ እዮም።+ 13  ንቦታ መቕደሰይ ምእንቲ ኼጸብቖ፡+ክብሪ ሊባኖስን ኦም ጽሕድን* ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን+ብሓባር ኪመጸኪ እዩ፣ኣነ ድማ ነታ ንኣእጋረይ እትኸውን ቦታ ከኽብራ እየ።+ 14  ደቂ ጨቈንትኺ መጺኦም ኣብ ቅድሜኺ ኺሰግዱ፡ኵሎም እቶም ዚንዕቁኺ ኸኣ ኣብ ኣእጋርኪ ኺሰግዱ እዮም። ከተማ የሆዋ፡ ጽዮን እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኢሎም ኪጽውዑኺ እዮም።+ 15  ሓደ እኳ ዘይሓልፋ እተሓድገትን እተጸልአትን ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡+ምንጪ ዘለኣለማዊ ሓበን፡ንውሉድ ወለዶ መሐጐሲት ክገብረኪ እየ።+ 16  ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡+ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ፣+ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኺ ምዃነይ፡እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ተበጃዊኺ ምዃኑ ብርግጽ ክትፈልጢ ኢኺ።+ 17  ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ ኸምጽእ፡ኣብ ክንዲ ሓጺን ከኣ፡ ብሩር፡ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ድማ፡ ነሓሲ፡ኣብ ክንዲ ኣእማን እውን፡ ሓጺን ከምጽእ እየ፣ንሰላም ሓለውትኺ ገይረ፡ንጽድቂ ኸኣ ኣዕየይትኺ ገይረ ኽሸይም እየ።+ 18  ኣብ ምድርኺ ዓመጻ፡ኣብ ዶባትኪ ድማ ጥፍኣትን ዕንወትን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+ ንመካበብያኺ ድሕነት፡+ ንኣፍ ደገታትኪ ኸኣ ውዳሰ ኢልኪ ኽትጽውዕየን ኢኺ። 19  የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+ኣምላኽኪ ድማ ጽባቐኺ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃን ኣይክትኰነልክን እያ፣ድምቀት ወርሒ ኸኣ ኣይኬብርሃልክን እዩ። 20  የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+መዓልትታት ሓዘንኪ ድማ ኪውድኣ እየን እሞ፡+ጸሓይኪ ደጊም ኣይክትዓርብን፡ወርሕኺ እውን ኣይክትጐድልን እያ። 21  ኵሎም ህዝብኺ ኸኣ ጻድቃን ኪዀኑ፡ነታ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ኪርስተይዋ እዮም። ንሳቶም ናይቲ ዝተኸልክዎ ጠጥዒ፡ግብሪ ኣእዳወይ፡+ ንጽባቐይ እውን ዚዀኑ እዮም።+ 22  እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ።”

እግረ ጽሑፍ

^ ወይ፡ “ብርሃን ወጋሕታኺ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዓኺ ኪኸድናኺ።”
^ ወይ፡ “ነታ ናይ ጽባቐ ቤተይ።”
^ ወይ፡ “ናብ መሳዅቲ ኣባይቲ ዑፍ።”
^ ወይ፡ “ከም ቀደመን ይዀና።”
^ ወይ፡ “ኼጸብቐኪ።”
^ ወይ፡ “ብጽቡቕ ፍቓደይ።”
^ ወይ፡ “ተርሚንን።”
^ ወይ፡ “ፍራሲኖን።”