ራእይ 19:1-21

  • ስለቲ ፍርድታቱ ንያህ ወድስዎ (1-10)

    • መርዓ እቲ ገንሸል (7-9)

  • ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ (11-16)

  • ዓብዪ ድራር ኣምላኽ (17, 18)

  • እቲ ኣራዊት ተሳዕረ (19-21)

19  ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!*+ ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣ 2  ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣+ ኣብታ ብምንዝርናኣ* ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”+ 3  ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ “ንያህ ወድስዎ!*+ ትካ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ እዩ” በሉ።+ 4  እቶም 24 ሽማግለታትን+ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን+ ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽ፡ “ኣሜን! ንያህ ወድስዎ!”*+ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። 5  ካብቲ ዝፋን እውን፡ “ኣቱም እትፈርህዎ ንኣሽቱን ዓበይትን ኵልኹም ባሮቱ፡+ ንኣምላኽና ወድስዎ”+ ዚብል ድምጺ ወጸ። 6  ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡+ ንያህ ወድስዎ!*+ 7  መርዓ እቲ ገንሸል* በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ። 8  እወ፡ ብሩህን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ኽትክደን ተዋሂብዋ ኣሎ፣ እቲ ቕጭን በፍታ ኸኣ ንጽድቂ እቶም ቅዱሳት የመልክት።”+ 9  ንሱ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ሕጉሳት እዮም”+ በለኒ። “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” እውን በለኒ። 10  ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ!+ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ብዛዕባ የሱስ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ።+ ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ።+ ከመይሲ፡ ትንቢት ዚንገር፡ ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር እዩ”+ በለኒ። 11  ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ* ፈረስ።+ እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን+ ናይ ሓቅን*+ ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን።+ 12  ኣዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣+ ኣብ ርእሱ እውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ። ብዘይካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ፣ 13  ብደም እተዓለሰ* ኽዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ስሙ እውን ቃል+ ኣምላኽ ይብሃል። 14  ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። 15  ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ+ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።+ ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ።+ 16  ኣብ ክዳኑን ኣብ ሰለፉን ከኣ፡ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።+ 17  ሓደ መልኣኽ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ኸኣ ረኣኹ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ኣብ ማእከል ሰማይ ንዚነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ከምዚ ኢሉ ጨደረለን፦ “ንዕነ፡ ናብቲ ዓብዪ ድራር ኣምላኽ ተኣከባ፣+ 18  ስጋ ነገስታትን ስጋ ኣሕሉቕ ሽሕን ስጋ ሓያላትን+ ስጋ ኣፍራስን ስጋ እቶም እተወጥሕዎምን፡+ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ንኣሽቱን ዓበይትን ብልዓ።” 19  እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ።+ 20  እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት እተቐበሉን+ ንምስሉ ዝሰገዱን+ ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ+ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።+ 21  እቶም ዝተረፉ ግና በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ዚወጽእ ነዊሕ ሰይፊ ተቐትሉ።+ ኵለን ኣዕዋፍ ከኣ ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ጻዕዳ።”
ወይ፡ “ሓቀኛን።”
ወይ፡ “ደም እተነጽጎ” ኪኸውን ይኽእል።