ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር

ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር

ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር

“ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ።” —2 ጴጥ. 3:15

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

የሆዋ ዕጉስ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ንነዊሕ እዋን እተዓገሰ ስለምንታይ እዩ፧

ከም ኣምላኽ ዕጉሳት ንኽንከውን እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

1. ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓቱ፧

 ንሓያሎ ዓመታት ዚኣክል ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፈት እምንቲ ሓብቲ፡ “ቅድሚ ሙማተይ መወዳእታ እርኢ ደዀን እኸውን፧” ኢላ ሓተተት። ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሉ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ከምኡ ኢሎም ሓቲቶም እዮም። ነታ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገማት ዜወግደላ መዓልቲ ብሃረርታ ንጽበያ ኢና። (ራእ. 21:5) መወዳእታ እዚ ስርዓት ሰይጣን እዚ ምቕራቡ ኸም እንኣምነሉ ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያታት እኳ እንተ ኣሎና፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብትዕግስቲ ምጽባያ ኼጸግመና ይኽእል እዩ።

2. ብዛዕባ ትዕግስቲ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዕገስ ከም ዘሎና ይገልጽ እዩ። ንሕና እውን ከምቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት እንተ ኣልያትና፡ ነቲ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ዚፍጽመሉ ግዜ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጽበዮ እንተ ዄንና፡ ነቲ መብጽዓታት እቲ ኽንረኽቦ ኢና። (እብራውያን 6:11, 12 ኣንብብ።) የሆዋ ንባዕሉ ዕጉስ እዩ። ከመይሲ፡ ንረሲእነት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኬጥፍኦ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ትኽክል እዋን ይጽበ ኣሎ። (ሮሜ 9:20-24) ኣዝዩ ዕጉስ ዝዀነ ግና ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ከም ኣቦኡ ዕጉስ ብምዃን ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኸም ኣምላኽ ዕጉሳት እንተ ዄንና እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧ ሽሕ እኳ የሆዋ ይድንጒ ኸም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰምዓና፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ምፍላጥና፡ ትዕግስትን ድልድልቲ እምነትን ከነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሆዋ እተዓገሰ ስለምንታይ እዩ፧

3, 4. (ሀ) የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዓላማ ንኺፍጽም ትዕግስቲ ዘርኣየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ኤድን ዕልወት ምስ ተፈጸመ እንታይ ገበረ፧

3 የሆዋ ዚዕገሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ንዅሉ ፍጡር ዚትንክፍ ኣገደስቲ ሕቶታት ተበጊሱ እዩ። የሆዋ ነዚ ሕቶታት እዚ ዘየዳግም መልሲ ንምሃብ ግዜ ኸም ዚሓትት ስለ ዚፈልጥ፡ ተዓገሰ። ንረብሓና ኢሉ ኸም ዚዓዪ ኸኣ እተረጋገጸ እዩ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራቱ ዚገብርዎን ዚሓስብዎን ነገራት ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።—እብ. 4:13

4 ዕላማ የሆዋ፡ ምድሪ ብዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ክትመልእ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ንሄዋን ድሕሪኣ ኸኣ ንኣዳም ንኸይእዘዙ እኳ እንተ ኣስድዖም፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ኣየፍረሰን፡ ኣይረዓደን፡ ናይ ሃወኽ ውሳነታት ኣይገበረን፡ ወይ ከኣ ብስድራ ቤት ደቂ ሰብ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዓላማ ዚፍጽመሉ መገዲ መሃዘ። (ኢሳ. 55:11) የሆዋ ዕላማኡ ንኺፍጽምን ልዑላውነቱ ንኼረጋግጽን፡ ርእሰ ግትኣትን ትዕግስትን ኣርኣየ። ንገለ መዳያት ዕላማኡ ብዝበለጸ መገዲ ንኺፍጽም ድማ ኣሽሓት ዓመታት ኪጽበ መረጸ።

5. ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ እንታይ በረኸት እዩ ዚርከብ፧

5 የሆዋ ብትዕግስቲ እተጸበየሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ “ብዙሓት ሰብ” ንኼድሕን ኢሉ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። (ራእ. 7:9, 14፣ 14:6) የሆዋ በቲ ዕዮ ስብከት ኣቢሉ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቱን ጽድቃዊ ስርዓታቱን ንኺምሃሩ ይዕድሞም ኣሎ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ወንጌል” ወይ ብስራት እዩ። ንደቂ ሰብ ካብዚ ዚበልጽ ብስራት ኪህልዎም ኣይክእልን እዩ። (ማቴ. 24:14) የሆዋ ዝሰሓቦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ኣባል እታ በቶም ቅኑዕ ዘበለ ዜፍቅሩ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ዝቘመት ዓለምለኻዊት ጉባኤ እዩ ዚኸውን። (ዮሃ. 6:44-47) እቲ ፈቃር ኣምላኽና፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ስምረቱ ምእንቲ ኺረኽቡ ይሕግዞም ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣባላት እታ ሰማያዊት መንግስቱ ዚዀኑ ሰባት ይመርጽ ኣሎ። እዞም ውፉያት ሰባት እዚኦም ሰማያዊ ስፍራኦም ምስ ረኸቡ፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ፍጽምናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ንኺረኽቡ ኺሕግዝዎም እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ብትዕግስቲ እናተጸበየ፡ ንረብሓና ኢሉ መብጽዓታቱ ንኺፍጽም ይዓዪ እዩ ዘሎ።

6. (ሀ) የሆዋ ብግዜ ኖህ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብዚ ግዜና ትዕግስቲ ዜርኢ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ኣዝዩ ዜቘጥዕ ነገራት ኬጋጥሞ ኸሎ እውን ከይተረፈ ትዕግስቲ የርኢ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ እከይ እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ንሕሰብ። ሽዑ ምድሪ ብርኽሰትን ብዓመጽን መሊኣ ነበረት፣ ሰባት ከኣ ክፉእ ነገራት ጥራይ ኪገብሩ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ‘ብልቡ ጐሃየ።’ (ዘፍ. 6:2-8) ነቲ ዅነታት እቲ ንዘለኣለም ኪጻወሮ ስለ ዘይደለየ ድማ፡ ነቶም ዘይእዙዛት ደቂ ሰብ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኼምጽእ ወሰነ። “ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡” የሆዋ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ንምድሓን ምድላዋት ገበረ። (1 ጴጥ. 3:20) ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ድማ፡ ንኖህ ብዛዕባ እዚ ውሳነ እዚ ነገሮ፡ መርከብ ኪሰርሕ ከኣ መዘዞ። (ዘፍ. 6:14-22) ብተወሳኺ፡ ኖህ ንጐረባብቱ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ይነግሮም ስለ ዝነበረ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥ. 2:5) የሱስ ግዜና ምስ ግዜ ኖህ ከም ዚመሳሰል ገሊጹ እዩ። የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጥፍኣሉ ግዜ ወሲኑ እዩ። ነታ፡ እዚ ዚፍጸመላ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ዚፈልጣ ሰብ የለን። (ማቴ. 24:36) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንሰባት ከነጠንቅቖም፡ ብኸመይ ከም ዚድሕኑ ኸኣ ክንነግሮም ዕዮ ሂቡና ኣሎ።

7. የሆዋ መብጽዓኡ ንኺፍጽም ይድንጒ ድዩ፧ ግለጽ።

7 የሆዋ ይዕገስ ኪብሃል ከሎ፡ ግዜ ኺሓልፍ ስቕ ኢሉ ይጽበ ማለት ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ከም ዘየቕልበልና ወይ ከም ዘይግደሰልና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ ኽንኣርግን ክንሳቐን ከለና፡ ከምኡ ጌርና ኽንሓስብ ቀሊል እዩ። ተስፋ ኽንቈርጽ ወይ ከኣ ኣምላኽ መብጽዓኡ ንኺፍጽም ከም ዚድንጒ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (እብ. 10:36) ከምዚ ኺስምዓና ኸሎ፡ የሆዋ ንኺዕገስ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ፡ ነቲ ግዜ እቲ ኸኣ ንረብሓ እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚጥቀመሉ ኣይንረስዕ። (2 ጴጥ. 2:3፣ 3:9) ቀጺልና፡ የሱስ እውን ከም ኣምላኽ ብኸመይ ትዕግስቲ ኸም ዘርኣየ ንመርምር።

የሱስ ትዕግስቲ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧

8. የሱስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ትዕግስቲ ዘርኣየ፧

8 የሱስ ኣብዚ እዋን እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚገብር ዘሎ፣ ንኣሽሓት ዓመታት እውን ብፍታው ከምኡ ኺገብር ጸኒሑ እዩ። ሰይጣን ምስ ዓለወ፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ልኢኹ መሲሕ ኪገብሮ ወሰነ። የሱስ እቲ ምዱብ ግዜ ኽሳዕ ዚመጽእ ንኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ንኺጽበ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተዓገሰ እሞ ሕሰብ። (ገላትያ 4:4 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ነቲ ግዜ እቲ ምንም ከይዓየየ ብምጽባይ ጥራይ ኣየሕለፎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ዕዮ እናዓየየ እዩ ኣሒልፍዎ። ኣብ መወዳእታ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ድማ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ብኢድ ሰይጣን ኪመውት ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ዘፍ. 3:15፣ ማቴ. 16:21) ብመሪር ስቓይ ሓሊፉ ኺመውት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ተዓጊሱ ንፍቓድ ኣቦኡ ተገዝአ። ብተኣማንነቱ ፍጹም ኣብነት እዩ ገዲፉ። ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ስልጣኑን ኣየተኰረን። ንሕና እውን ንኣብነቱ ኽንቀድሖ ይግባእ።—እብ. 5:8, 9

9, 10. (ሀ) የሱስ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ብትዕግስቲ እናተጸበየ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧ (ለ) ንሰሌዳ ግዜ የሆዋ ብኸመይ ክንምልከቶ ኣሎና፧

9 የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ስልጣን ተዋህቦ። (ማቴ. 28:18) ነቲ ስልጣን እቲ ኸኣ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሰሌዳ ግዜ፡ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻም እዩ ዚጥቀመሉ። ክሳዕ እቲ ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ዝዀኑሉ እዋን፡ ማለት ክሳዕ 1914 ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ብትዕግስቲ ተጸበየ። (መዝ. 110:1, 2፣ እብ. 10:12, 13) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ንስርዓት ሰይጣን ንኼጥፍእ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንሰባት ስምረት ኣምላኽ ንኺረኽቡ ብትዕግስቲ እናሓገዘ ናብ “ማይ ህይወት” ይመርሖም ኣሎ።—ራእ. 7:17

10 ንሰሌዳ ግዜ የሆዋ ብኸመይ ክትርእዮ ኸም ዘሎካ፡ ካብ ኣብነት የሱስ ተማሂርካዶ፧ የሱስ ኣቦኡ ንዝሓተቶ ዘበለ ኺፍጽም ይህንጠ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺጽበ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ኵላትና መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እዚ ኺመጽእ ክንጽበ ኸለና፡ ትዕግስቲ የድልየና እዩ። ንኣምላኽ ክንጽበዮ ኣሎና፣ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ ኸኣ ክንሕለል የብልናን። ከምዚኣ ዝዓይነታ ትዕግስቲ ንኸነርኢ ግና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ከም ኣምላኽ ዕጉስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

11. (ሀ) ኣብ መንጎ እምነትን ትዕግስትን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧ (ለ) ድልድልቲ እምነት ንኸነርኢ እንታይ ብቑዕ ምኽንያት እዩ ዘሎና፧

11 እቶም የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሩ ነብያትን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን፡ ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፈ ብትዕግስቲ ኺጽበዩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ ኣብነት ገዲፎም እዮም። እምነቶም ምስ ትዕግስቶም እተተሓሓዘት እያ ነይራ። (ያእቆብ 5:10, 11 ኣንብብ።) ነቲ የሆዋ እተመባጽዓሎም ነገራት እንተ ዘይኣምንዎ ነይሮም፡ ክሳዕ ዚፍጸም ብትዕግስቲ ምተጸበዩዶ፧ ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ነገራት ከም ዚፍጽሞ ይኣምኑሉ ስለ ዝነበሩ፡ ጸገማትን ዜፍርህ ኵነታትን ተጻዊሮም እዮም። (እብ. 11:13, 35-40) መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ድልድልቲ እምነት ከነርኢ ዝያዳ ምኽንያት ከም ዘሎና ይገልጽ እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ‘ደምዳሚ እምነትና’ እዩ። (እብ. 12:2) ሓያሎ ትንቢታት ፈጺሙ፡ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዝሓሸ ምርዳእ ንኺህልወና ድማ ሓጊዙና እዩ።

12. እምነትና ንኸነደልድል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

12 እምነትና ንኸነድልድልን ትዕግስትና ንኸነማዕብልን እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧ ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ህይወትካ መንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድም ዘሎካ ስለምንታይ ምዃኑ ሕሰብ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ተወሳኺ ጻዕሪ ኽትገብር ምኸኣልካዶ፧ እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምሕላፍ ወይ ንገለ መዳያት ናብራኻ ምትዕርራይ ዚሓተካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቲ መምርሒታቱ ንኽትስዕብ ዛጊት ዝገበርካዮ ጻዕርታት ከም ዝባረኾ ኣስተብህል። ንሓደ ሓድሽ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ኣኽኢሉካ፡ ወይ “ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ሓጊዙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:7 ኣንብብ።) ነቲ ንመምርሒታት ኣምላኽ ብምስዓብካ ዝረኸብካዮ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ተስተንትነሉ እንተ ዄንካ፡ ትዕግስቲ ኸም እተድልየካ ብዝያዳ ኽትግንዘብ ኢኻ።—መዝ. 34:8

13. እምነትና እንተ ደልዲላ፡ ትዕግስትና ኸም እትዓቢ ዘርኢ ምሳሌ ሃብ።

13 እዚ መስርሕ እዚ፡ ምስ ምዝራእን ምዅስኳስን ምዕጻድን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ሓረስታይ ጽቡቕ ምህርቲ ኺሓፍስ ከሎ፡ ኣብ ዚቕጽል ወቕቲ እውን ዘርኢ ንኺዘርእ ብዝያዳ ይተባባዕ እዩ። ዘርኢ ምስ ዘርአ ኽሳዕ እዋን ዓጺድ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸም ዘለዎ ይግንዘብ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ቅድም ብዝያዳ ብዙሕ ዘርኢ እንተ ዘሪኡ ብዙሕ ምህርቲ ኸም ዚሓፍስ ስለ ዚተኣማመን ከምዚ ኻብ ምግባር ድሕር ኣይብልን እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ምኽሪ የሆዋ እንተ ሰሚዕና፡ ነቲ ምኽሪ እቲ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ረብሓታት ከኣ እንተ ዓጺድና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ይዓቢ እዩ። እምነትና ስለ እትድልድል ድማ ነቲ ኣብ ዚመጽእ እንረኽቦ በረኸት ብትዕግስቲ ንኽንጽበዮ ንተባባዕ ኢና።—ያእቆብ 5:7, 8 ኣንብብ።

14, 15. ብዛዕባ ስቓይን መከራን ወዲ ሰብ እንታይ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኣለዎ፧

14 ትዕግስቲ ንኸነማዕብል ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዓለምን ብሕታዊ ዅነታትናን እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኸነማዕብል ከም ዘሎና ምምርማር እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣመለኻኽታ የሆዋ ኸነማዕብል ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ስቓይን መከራን ከመይ ከም ዚስምዖ ሕሰብ። ንነዊሕ እዋን ደቂ ሰብ ኪሳቐዩ ኸለዉ ብምርኣዩ፡ ንሱ እውን ኪሳቐ ጸኒሑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብጓሂ ተሰኒፉ ጽቡቕ ካብ ምግባር ኣይተቘጠበን። ነቲ ሓደ ወዱ የሱስ፡ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ፡” ንዅሉ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘውረዶ ጕድኣት ከኣ ኬወግድ ለኣኾ። (1 ዮሃ. 3:8) እወ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ስቓይ ወዲ ሰብ ንሓዋሩ ኼወግዶ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ ንእምነትና ኼዳኽማ ኽንፈቕደሉ የብልናን። ነቲ የሆዋ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ እውን ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ደኣ እምበር፡ ክንህወኸሉ የብልናን። መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን ኣሎና። የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ ዜጥፍኣሉ ግዜ መዲቡ እዩ፣ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—ኢሳ. 46:13፣ ናሆ. 1:9

15 ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንእምነትና ዚፍትን ፍሉይ ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ዓመጽ ኬጋጥመና ኸሎ ወይ እነፍቅሮ ሰብ ኪሞተና ኸሎ ኣብ ክንዲ እንምረር፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ንተኣመን። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 26:39 ተመዝጊቡ ዘሎ፡ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ ዘክር።ኣንብብ።

16. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧

16 መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚጠራጠር ሰብ ግጉይ ኣመለኻኽታ ኼማዕብል ይኽእል እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ‘ምናልባት መብጽዓታት ኣምላኽ እንተ ዘይተፈጺሙ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣማራጺ መደባት ኬውጽእ ኣሎኒ’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘የሆዋ ቓሉ ዘይዓጽፍ እንተ ዀይኑ፡ ተጸብየ ኽርኢ እየ’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ስለዚ ድማ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስሙ ኼጸውዕ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜቐድም ከኣ ኣብ ገንዘብ ኪእመን፡ ወይ ከኣ ምሾት ዘለዎ ናብራ ምእንቲ ኺነብር፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኺከታተል ይጅምር ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣካይዳ እዚ፡ እምነቱ ኸም ዝደኸመት ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧ ነቲ ጳውሎስ ነቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን” ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ዝወረስዎ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንመስሎም ዝሃበና ምዕዶ ኣይትረስዓዮ። (እብ. 6:12) የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ካብቲ ብመሰረት ዕላማኡ ኺጸንሓሉ ዘለዎ ግዜ ንላዕሊ ኪቕጽል ኣይፈቅድን እዩ። (ኣን. 2:3) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንማለቱ ጥራይ ከይንዓዪ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንቑሓት ብምዃን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጊህና ኽንሰብኽ ኣሎና። ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ እውን ከይተረፈ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕግበት ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 21:36

ትዕግስቲ እንታይ በረኸት ተምጽእ፧

17, 18. (ሀ) ብዛዕባ ትዕግስቲ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ዘሎ፧ (ለ) ሕጂ ትዕግስቲ ምስ እነርኢ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

17 ዛጊት ንኣምላኽ ንሒደት ኣዋርሕ ወይ ንሓያሎ ዓመታት ነገልግሎ ብዘየገድስ፡ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ኢና እንደሊ። ትዕግስቲ ኸኣ፡ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኺጠፍእ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ኽንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ድሕነት ክሳዕ እንረክብ ንኽንጽመም ትሕግዘና እያ። የሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ውሳነታቱ ምሉእ ብምሉእ ከም እንእመን ከነርኢ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ምእንቲ ስሙ ኢልና ኽንሳቐ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:13, 14) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ድሕነት ክሳዕ እንርከብ ንኽንዕገስ ዚሕግዘና ስልጠና ይህበና ኣሎ።—1 ጴጥ. 5:10

18 የሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ስለ ዘለዎ፡ ብወገንካ እሙን እንተ ዄንካ፡ ካብኡ ኺምንዝዓካ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን። (ዮሃ. 10:28, 29) ብዛዕባ መጻኢ ይኹን ብዛዕባ ሞት ክንፈርህ የብልናን። እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገሱ ኺድሕኑ እዮም። ስለዚ፡ ዓለም ንኼታልለናን ኣብ የሆዋ ኸም ዘይንውከል ክትገብረናን ክንፈቅድ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብዚ ኣምላኽ ዚዕገሰሉ ዘሎ እዋን፡ እምነትና ንኸነደልድልን ንግዜና ብጥበብ ንኽንጥቀመሉን ቈራጽነት ንግበር።—ማቴ. 24:13፣ 2 ጴጥሮስ 3:17, 18 ኣንብብ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]