ሮሜ 9:1-33

  • ጳውሎስ በቶም ብስጋ እስራኤላውያን እተሰምዖ ጓሂ (1-5)

  • ናይ ሓቂ ዘርኢ ኣብርሃም (6-13)

  • ኣምላኽ ዚገብሮ ሕርያ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን (14-26)

    • ኣቕሑ ቝጥዓን ኣቕሑ ምሕረትን (22, 23)

  • ተረፍ ጥራይ ይድሕን (27-29)

  • እስራኤል ተዓንቀፈ (30-33)

9  ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ፣ ከመይሲ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ። 2  ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎ። 3  ከመይሲ፡ ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ ኣሕዋተይ፡ ማለት ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣዝማደይ፡ ከም ርጉም ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ፣ 4  ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም። ውሉድነትን+ ክብርን ኪዳናትን+ ምቕባል ሕግን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን+ ተስፋታትን+ ናታቶም እዩ። 5  ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፣+ ክርስቶስ እውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ።+ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን። 6  ግናኸ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ፡ እስራኤላውያን ማለት ኣይኰኑን።+ 7  ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣+ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” እዩ ተባሂሉ።+ 8  ማለት፡ እቶም በቲ ተስፋ ውሉዳት ዝዀኑ ደኣ እዮም ከም ዘርኢ ዚቝጸሩ እምበር፡+ እቶም ብስጋ ውሉዳት ዝዀኑስ ውሉዳት ኣምላኽ ኣይኰኑን።+ 9  እቲ ቓል ተስፋስ ከምዚ እዩ ዚብል፦ “ከምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ።”+ 10  ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+ 11  ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12  “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+ 13  ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 14  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን!+ 15  ንሙሴስ፡ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝርሕርሓሉ እውን ክርሕርሓሉ እየ” ኢልዎ እዩ።+ 16  እምበኣርሲ፡ ኣብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣብ ድሌት ወይ ጻዕሪ ሰብ* ኣይኰነን ዚምርኰስ።+ 17  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ ንፈርኦን፡ “ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ይብሎ እዩ።+ 18  እምበኣርሲ፡ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮ እውን ኪተርር ይሓድጎ።+ 19  ስለዚ፡ “ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እውን ዚነቅፍ፧ ንፍቓዱኸ መን ይቃወሞ፧” ክትብለኒ ኢኻ። 20  ኣታ ሰብ፡ ንኣምላኽ እትመላለሶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧+ ቅርጺዶ ንቐራጺኡ፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፧” ይብሎ እዩ፧+ 21  ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧+ 22  ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧ 23  እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡+ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 24  ማለት፡ ንዓና ኻብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ እውን ንዝጸውዓና፡+ እዚ ኼፍልጠና ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 25  ከምቲ ኣብ ሆሴእ፡ “ነቲ ዘይህዝበይ፡+ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፣ ነታ ዘይፍቕርቲ እውን፡ ‘ፍቕርቲ’ ኽብላ እየ፣+ 26  ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡ ኣብኣ፡ ‘ደቂ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም” ዚብሎ እዩ።+ 27  ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጭድር እዩ፦ “ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን።+ 28  ከመይሲ፡ የሆዋ* ኣብ ምድሪ ኺጸባጸብ እዩ፡ ኪውድኦን ኬሕጽሮን* ከኣ እዩ።”+ 29  ከምኡ ድማ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ “የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።+ 30  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣህዛብ፡ ጽድቂ እኳ እንተ ዘይሰዓቡ፡ ናብቲ ጽድቂ በጺሖም እዮም፣+ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ፣+ 31  እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32  ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+ 33  ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብቲ ዚደሊ ዀነ ዚጐዪ።”
ወይ፡ “ብቕልጡፍ ኪፍጽሞን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።