ሮሜ 9:1-33
9 ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ፣ ከመይሲ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ።
2 ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎ።
3 ከመይሲ፡ ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ ኣሕዋተይ፡ ማለት ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣዝማደይ፡ ከም ርጉም ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ፣
4 ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም። ውሉድነትን+ ክብርን ኪዳናትን+ ምቕባል ሕግን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን+ ተስፋታትን+ ናታቶም እዩ።
5 ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፣+ ክርስቶስ እውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ።+ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን።
6 ግናኸ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ፡ እስራኤላውያን ማለት ኣይኰኑን።+
7 ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣+ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” እዩ ተባሂሉ።+
8 ማለት፡ እቶም በቲ ተስፋ ውሉዳት ዝዀኑ ደኣ እዮም ከም ዘርኢ ዚቝጸሩ እምበር፡+ እቶም ብስጋ ውሉዳት ዝዀኑስ ውሉዳት ኣምላኽ ኣይኰኑን።+
9 እቲ ቓል ተስፋስ ከምዚ እዩ ዚብል፦ “ከምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ።”+
10 ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+
11 ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡
12 “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+
13 ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+
14 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን!+
15 ንሙሴስ፡ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝርሕርሓሉ እውን ክርሕርሓሉ እየ” ኢልዎ እዩ።+
16 እምበኣርሲ፡ ኣብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣብ ድሌት ወይ ጻዕሪ ሰብ* ኣይኰነን ዚምርኰስ።+
17 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ ንፈርኦን፡ “ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ይብሎ እዩ።+
18 እምበኣርሲ፡ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮ እውን ኪተርር ይሓድጎ።+
19 ስለዚ፡ “ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እውን ዚነቅፍ፧ ንፍቓዱኸ መን ይቃወሞ፧” ክትብለኒ ኢኻ።
20 ኣታ ሰብ፡ ንኣምላኽ እትመላለሶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧+ ቅርጺዶ ንቐራጺኡ፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፧” ይብሎ እዩ፧+
21 ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧+
22 ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧
23 እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡+ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧
24 ማለት፡ ንዓና ኻብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ እውን ንዝጸውዓና፡+ እዚ ኼፍልጠና ኢሉ እንተ ዀነኸ፧
25 ከምቲ ኣብ ሆሴእ፡ “ነቲ ዘይህዝበይ፡+ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፣ ነታ ዘይፍቕርቲ እውን፡ ‘ፍቕርቲ’ ኽብላ እየ፣+
26 ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡ ኣብኣ፡ ‘ደቂ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም” ዚብሎ እዩ።+
27 ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጭድር እዩ፦ “ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን።+
28 ከመይሲ፡ የሆዋ* ኣብ ምድሪ ኺጸባጸብ እዩ፡ ኪውድኦን ኬሕጽሮን* ከኣ እዩ።”+
29 ከምኡ ድማ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ “የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።+
30 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣህዛብ፡ ጽድቂ እኳ እንተ ዘይሰዓቡ፡ ናብቲ ጽድቂ በጺሖም እዮም፣+ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ፣+
31 እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን።
32 ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+
33 ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+